፳፫/23 መጋቢት በዓለ ዕረፍቱ ነቢይ ዳንኤል

፳፫/23 መጋቢት በዓለ ዕረፍቱ ነቢይ ዳንኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፳፫/23 መጋቢት በዓለ ዕረፍቱ ነቢይ ዳንኤል

ዳንኤል ማለት እግዚኣብሔር ዳኛ እዩ ማለት ኪኸውን ከሎ ሃገሩ ይሁዳ እዩ። ኻልኣይ ስሙ ብልጣሶር ዚብል ኣለዎ፡ እዚ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከሎ ኣማልኽቲ ናቡከደነፆር ይርዕዱ ስለ ዚነበሩ ናቡከደነፆር ዘውፅኣሉ ስም እዩ። ትርጉሙ ድማ “ሓጺር” ማለት እ ነቢይ ዳንኤል ንሠለስቱ ደቂቅ ወዲ ኃውትኖኦም እዩ። ዳንኤል ብ625 – 526 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ነቢይ እዩ። ካብቶም ኣርባዕተ ዝተማረኹ እሞ ብንጉሥ

ዝተኃርዩ ሓደ እዩ። ዚነበረሉ ዘመን ኣይሁዳውያን ብኣረማውያን ገዛእቲ ኣብ ትሕቲኦም ኮይኖም ዝግዝእሉ ዚነበሩ እዋን እዩ። ምርኮ ስደት፡ ጭኮና ይበጽሖም ኣብ ዚነበርሉ ጊዜ እዩ። እግዚኣብሔር ነዚ ጨካን ንጉሥ ኣጥፊኡ ንሕዝቡ ልዕልና ኺህብ እዩ” ኢሉ ዝተነበየ ኻብቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ነቢያት ሓደ እዩ። ነቢይ ዳንኤል ብስደት ተማሪኹ ናብ ሃገረ ባቢሎን ወረደ፡ ናይ ፋርስ ንጉሥ ንእስራኤል ኣዝዩ የሸግሮም ነበረ፡ ነቢይ ዳንኤል ኣብ ምርኮ ኸሎ ኣጥቢቑ ይጽሊ ነበረ፡ ንጉሥ ዳርዮስ ዳንኤል ሕልሚ ምስ ፈትሓሉ ኣብታ መንግሥቱ መበል ሣልሳይ ሸሞ። ዳን. 6፡ 1-3 ዳርዮስ ኣብ ብዘላ መንግሥቱ

ሚእትን ዕሥራን (120) ኣመኃደርቲ ኺሸይም ጽቡቕ ኮይኑ ተራእዮ፡ እቲ ንጉሥ ምእንቲ ከይጉዳእ ነቶም መመኃደርቲ ዝጸባጸብዎም ሠለስተ ራእስታት ሸመ፡ ሓደ ኻብኣቶም ከኣ ዳንኤል ነበረ። ዳንኤል ግና ብሉጽ መንፈስ ስለ ዝኃደሮ ኻብቶም ራእስታትን ኣመኃደርትን በሊጹ ተረኽበ፡ እቲ ንጉሥ ድማ ኣብ ዘላ መንግሥቱ ኺሸሞ ሓሰበ። ሽዑ እቶም ራእስታትን ኣመኃደርትን ንዳንኤል ብናይ መንግሥቲ ጉዳይ መኽሰሲ ኺረኽብሉ ደለዩ፡ ግናኸ እሙን ነበረ፡ ገለ ጌጋ ወይስ መዐንቀፊ ከኣ ሰኣንሉ እሞ መኽሰሲ ኸቶ ኺረኽብሉ ኣይከኣሉን፡ ሽዑ እቶም ሰባት ንዳንኤል ኣምላኹ እንተዘይኮይኑ ኻልእ መኽሰሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና” ብዛዕባ ሕጊ በሉ። ድኅሪ እዚ እቶም ራእስታትን መመኃደርትን ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ተኣኪቦም “ኦ ንጉሥ ንዘለዓለም ሕያው ኩን፡ ኵላትና ራእስታትን መንግሥትን ሹማምንትን መመኃደርትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን በዘን 30 መዓልትታት እዚኣን ንኣኻ እንተዘይኮይኑ ንዚኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከምዚድርበ፡ ብርቱዕ ኣዋጅ ክትእዝዝ ሓቢርና መኺርና ኣሎና፡ ኦ ንጉሥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሚዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ኸይልወጥሲ ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣጽንዓዮ” በልዎ፡ ንሱ ድማ ኸምቲ ዝበልዎ ኣጽንዖ።

_ ዳንኤል ከኣ እዚ ሕጊ እዚ ከምዝተጻሕፈ ምስ ፈለጠ ናብ ቤቱ ኸደ፡ እታ ኣብ ደርቢ ዚነበረት ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዚጥምታ መሳኹቲ ነበራኣ። እተን መሳኹቲ ብኽፉታተን ከኣ ኸምቲ ቐደም ዚገብሮ ዚነበረ 3 ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ጸለየን ኣመስገነን፡ ሽዑ እቶም ሰባት ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺሰግድን ኪጽልን ረኸብዎ፡ ናብ ንጉሥ ቀሪቦም ከኣ ከሰስዎ። ከምዚ ከኣ በሉ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዚኾነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ 3 ሳዕ ልማኖኡ የቕርብ ኣሎ፡ ኦ ንጉሥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ግዲ የብሉን” በልዎ።

እቲ ንጉሥ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ጐሃየ፡ ምእንቲ ንዳንኤል ከናግፎ ኸኣ ምኽንያት ደለየ፡ ፀሓይ ክሳዕ ትዓርብ’ውን ከድኅኖ ተጋደለ፡ ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉሥ መጺኦም “ኦ ንጉሥ እቲ ንጉሥ ዘጽንዖ ኣዋጅን ትእዛዝን ከይልወጥሲ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ” በልዎ። ሽዑ እቲ ንጉሥ ንዳንኤል ኣምጺኦም ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርብይዎ ኣዘዘ፡ ንዳንኤል ድማ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽ የናግፍካ በሎ።ንጽባሒቱ እቲ ንጉሥ ኣንጊሁ ተንሢኡ ቐልጢፉ ናብቲ ዳንኤል ዝኣተዎ ጕድጓድ ኣናብስ ከይዱ ኣታ ዳንኤል ባርያ ሕያው ኣምላኽ፡ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ሕያው ኣምላኽስ ካብ ኣፍ ኣናብስ ከናግፈካ’ዶ ኸኣለ፡ እናበለ ጸውዖ፡ ሽዑ ዳንኤል “ኦ ንጉሥ ንዘለዓለም ሕያው ኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሕ ስለዚኾንኩ፡ ንኣኻ ድማ ስለዘይበደልኩ፡ ኣምላኸይ ንቕዱስ ሚካኤል መልኣኽ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፡ ንሳቶም’ውን “ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ንጉሥ ኣዝዩ ተሓጐሰ፡ ካብቲ ጕድጓድ ከውፅእዎ ድማ ኣዘዘ እሞ ኣውፅእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለዚነበረ’ውን ገለ ጕድኣት ከምዘይረኸቦ ረኣዩ። እቲ ንጉሥ ከኣ ነቶም ንዳንኤል ዚኸሰስዎ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርብይዎም ኣዘዘ ገና ፍርቂ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ እቶም ኣናብስ ጎበጥዎም፡ ኵሉ ኣዕጽምቶም’ውን ሰባበርዎም። ሽዑ እቲ ንጉሥ ንኣምላኽ ዳንኤል ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግሥተይ ፍርህዎን ኣኽብርዎን ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ ንሱ ንዘለዓለም ዚነብር ሕያው ኣምላኽ እዩ፡ መንግሥስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፡ ግዝኣቱ ውን ኣይክትጠፍእን እያ፡ ግዝኣቱ ውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ። ንሱ የናግፍን የድኅንን፡ ኣብ ሰማይን ምድርን ከኣ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ፡ ዳን.2፡44-45 ዳን.7፡13-14 ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድኃነ ንሱ እዩ”።

ዳንኤል ኣብ መንግሥቲ ዳርዮስን ቂሮስን ኣዝዩ ኸቡር ነበረ።ዳን 6፡ 1-28

ዳንኤል ንሶስና ጓል ኢዮኣቄም ካብቶም ሓሰውቲ ረበናትን ሓሰውቲ መሰኻኽርን ዘድኃና ነቢይ እዩ።

ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ይጸውም ነበረ፡ ከም ዝጾመ ምስክርነት ዝሃበሉ ጊዜ ድማ ንንጉሥ ኢዮኣቄም ኣብ መበል ሣልሳይ ዓመት ንግሥንኡ እዩ። ዳን 6፡1፡ ሱባኤ ምስ ኣተወ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰኔ 13 ናብኡ መጽአ።

“ነሓሴ 17 መቕደስ ክሳዕ ክርስቶስ ክትሕነዕ እያ።

ንመጀመርታ ጊዜ ክርስቶስ ዚብል ስም ዝጸወዐ ንሱ እዩ፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ልደት ክርስቶስ 7 ሱባኤን 62 ሱባኤን ቆጺሩ ዕለቱ ዝረኸበን ዝተርጐመን ነቢይ እዩ፡

ናይ ናቡከደነፆር ሕልሚ ሱባኤ ኣትዩ ዝተርጐመ እዩ፡

ሥጋ ከይበልዐን ቅብእ ከይተለኸየን ድማ ይጸውም ነበረ። ዝረድኦ ዚነበረ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

ንቤተ መቕደስ ቅድስተ ቅዱሳን ይብሃል ዝበለ እዚ ነቢይ እዚ እዩ፡

ኣብ ፈለግ ጤግሮስ ጐይታ ዝተገልጾ ነቢይ እዩ። ዳን. 10፡12

መልኣኽ ብጸጕሩ ኂዙ ንነቢይ ዕንባቆም ንዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከሎ መግቡ ከምዘብጽሓሉ ዝገበረ ግንቦት 12 እዩ።

. ነቢይ ዳንኤል እቲ ጽንጽያ እኳ ዘይንዕቕ ኣምላኽ ንኣይ ከኣ ዘከረኒ ኢሉ ኣመስገነ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ምስክር፦ስንክሳር 23 መጋቢት”ትርጓሜ መጽሓፍ ትንቢት ዳንኤል ተረፈ ዳንኤል፣ ድርሳነ ሚካኤል፡ ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወልዲቱ ድንግግል

ወልመስቀሉ ክቡር

አሜን!

 

Leave a comment

Send a Comment