፳፬/24 ሓምሌ ዕረፍቱ ለሰማዕት ቅዱስ ኣባኖብ  

፳፬/24 ሓምሌ ዕረፍቱ ለሰማዕት ቅዱስ ኣባኖብ  

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን!!!

፳፬/24 ሓምሌ ዕረፍቱ ለሰማዕት ቅዱስ ኣባኖብ

በረኸቱን ጸሎቱን ኣማላድነቱ ምስኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን።

ቅዱስ ኣባ ኖብ ካብ ቅዱሳት ስድራ ኣብ ንሒሳ ዝተባህለት ከተማ ግብጺ ዝተወልደ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ወለዱ ክሳብ ወዲ 12 ዓመት ዝኸውን ብሃይማነቱን እምነቱን ጸኒዑ ንኽነብር ብግቡእ መሃርዎ። ንሱ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ምኻድን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብን ይፈቱ ነበረ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ዲዮቅልጥያኖስ ንክርስቲያን ከጥፍእ ዝከኣሎ ዝገብረሉ ጊዜ ስለ ዝነብረ፡ ቅዱስ ኣባኖብ ምእንቲ ክርስቶስ ኢሉ ደሙ ከፍስስ ይሓስብ ነበረ።

ከምወትሩ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከደ እሞ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን እቲ ካህን ንምእመናን ክምህሮምን ከበራትዖምን “ጣዖታት ካብ እነምልኽ ስለ ክርስቶስ ኢልና ሙማት ይሕሸና፡ ንሱ ከኣ ቃሉ ስለዘይሕሶ ኣብ ሰማያት ዓስብና ክህበና እዩ” ክብሎም ከሎ ሰምዖ። ሽዑ ቅዱስ ኣባኖብ እናኣስተንተነን እንዳሓዘነን ናብ ቤቱ ተመልሰ።

ስድርኡ ኣቐዲሞም ሞይቶም ስለዝነበሩ፡ነቲ ሓዲጎምሉ ዝነበሩ ኩሉ ሃብቲ ገንዘብን ወርቕን ንድኻታት ክህቦም ወሰነ እሞ ንኩሎም ነቶም ድኻታት ናይታ ከተማ ገንዘቡን ወርቁን ሂብዎም ናብ ሃገረ ገምኑዲ ክከይድ ተበገሰ። ክኸይድ ከሎ ሓደ መኮነን ረኸቦእሞ እምነቱ እንታይ ምኻኑ ሓተቶ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መኮነን ከይፈርሐ ብጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኣምን ብትብዓት መስከረ። እቲ ጨካን መኮነን ድማ እዚ ክበሃል ዘይከኣል መከራን ስቓይን ኣውረደሉ።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግና መልኣኹ ሰዲዱ የናግፎ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ጨካን መኮንን ውን ብዙኅ ትእምርቲ ተፈጸመ። ክበልዕ እንከሎ ኢዱ ደርቐ፡ ወታደራቱ ዓይኖም ዓወሩ። ኩሉ ፈቲኖም ምማት ምስኣበዮ ከኣ ናብ ኣትሬብ ዝተባህለት ዓዲ ወሰድዎ። ኣብኡ ምስበጽሑ ከኣ እቶም ወታሃደራት እቲ ኩሉ ኣብኦም ዝተፈጸመ ተኣምራት ርእዮም ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሥ ደርብዮም ብኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመኑ። ኣብ ኣትሬብ ድማ እቲ ንጉሥ ንቅዱስ ኣባኖብ ብብርቱዕ ስቓይ ኣሳቐዮ፡ ኣብ ፍሉሕ ማይ ኣእተዎ፡ ኣብ ሓዊ ኣእተዎ። ርሱን ሓጺን ብእዝኑ ኣእተወሉ ኩሉ ግን ሓንቲ ክገብሮ ኣይከኣለን።

ምኽንያቱ እግዚእብሔር መልኣኹ ሰዲዱ የናግፎ ነበረ። ብድሕሪ እዚውን ብመጋዝ ገይሩ ሥግኡ ቆራረጾ፡ እግዚኣብሔር ከኣ መልኣኩ ሰዲዱ ኣሕወዮ። ብድሕሪ እዚ ዝገብርዎ ምስጠፍኦም ናብ ከተማ እስክንድርያ ወሰድዎ፡ ኣብኡ’ውን ብዙኅ ስቓይ ኣሳቀይዎ ኣትማን ሰደድሉ ገለ ክገብርዎ ግን ኣይከኣሉን እኳ ድኣ ካብቶም ኣትማን ሓደ ናብ ክሳድ እቲ ንጉሥ ተጠምጠመ፡ ነቲ ተመን ካብ ክሳዱ ከውርዱሉ ድማ ንጠንቋሎ ሓተተ ግን ኣይተካእሎምን ብድሕሪኡ ነቲ ተመን ካብ ክሳዱ ከውርደሉ ንቅዱስ ኣባ ኖብ ለመኖ፡ ቅዱስ ኣባኖብ ድማ ነቲ ተመን ካብ ክሳድ እቲ ንጉሥ ክወርድ ኣዘዞ እሞ እቲ ተመን ከኣ ተኣዚዙ ወረደ። ብድሕሪ እዚ’ውን ከም እንደገና ብሓዊ ገይሮም ከቃጽልዎ ኣዘዘ ግን ኣይተኻእሎምን። ኣቅፋሓስ ካብ ዝበሃል ሃገር ድማ ዮልዮስ ዝበሃል ናብኡ መጽአ እሞ ገድሉ ጸሓፈ። እቲ ንጉሥ ኩሉ ገይሩ ምስደኸመ ንክሳዱ ክቖርጽዎ ኣዘዘ። ሽዑ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገለጸሉ እሞ ኣጸናንዖ። “ስጋኻ ዝተቐመጠሉ ቦታ ንኹሉ ፈውሲ ክኸውን እዩ፡ ኣብ ጊዜ ሽግሩ ብስምካ ዝተማሕጸነ፡ ገድልኻ ዝጸሓፈ፡ መዘከርታኻ ዝገበረ፡ ኩሉ ሓጢኣቱ ክሓድገሉ እየ፡መንግሥተ ሰማያት ከኣ ከውርሶ እየ” ክብል ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ብድሕሪ እዚ ብዕለት ፳፬/24 ሓምሌ ብሴፍ ገይሮም ክሳዱ ቖረጽዎ፡ ተጋድልኡ ከኣ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ፈጸመ። ሥጋኡ ድማ ቅዱስ ዮልዮስ በዓል ኣቅፋሕሲ ኣልዒሉ ናብ ንሒሳ ወሲዱ ቀበሮ። እቲ ናይ መከራ ጊዜ ምስ ሓለፈ ከኣ ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ሰርሑ ኣብኡ ከኣ ብዙሕ ትእምርቲ ተፈጸመ።

 

ሰላም ለኖብ እንተ ሰርዐ እምከርሳ

ለታሕተ ምድርንሒሳ

መኮንን ዕሉው ጽጉበ ኃጢኣት ወኣበሳ

እንዘ ያውዕያ ለስጋሁ በፍልሓተ ተይ ወፒሳ

እምፍቅረ ክርስቶስ ኢክህለ ለነፍሱ ያግኅሳ።

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

 

Leave a comment

Send a Comment