፳፬/24 ሰነ ዕረፍቱ ለኣባ ሙሴ ጸሊም

፳፬/24  ሰነ  ዕረፍቱ ለኣባ ሙሴ ጸሊም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
 ፳፬/24 ሰነ ዕረፍቲ ናይ ኣባ ሙሴ ጸሊም
ኣባ ሙሴ ጸሊም
ኣቦኡን ኣዲኡን ንጸሓይ ዘምልኹ ነበሩ።ስድራኡ ሙሴ ምሴ ክብድል እንከሎ ጸሓይ ኣምላኽና ከይትቁጥዓካ ይብልዎ ነበሩ።ንሱ ግን “ጸሓይ ኣምላኽ እንተትኸውን ነይራ ክሳብ ሎሚ ኣይመጽንሓትን መቃጸለትኒ ነይራ” ኢሉ ይምልሰሎም ነበረ።ሓደ መዓልቲ ግና ጸሓይን ወርሕን ዝእዝዘን መንኮን ይኸውን ፧ “ ኦ ንጸሓይን ወርሕን እዝእዝዝ እስከ ተገለጸለይ” በለ እሞ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎ ድማ መሪሑ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ወሰዶ፡ ኣብኡ ድማ ካህን ረኸበ። እቲ ካህን ምስ ረአዮ እዚ ንዓና ክጻብአና ዝመጸ ኢዩ ሓሰበ፡ ሙሴ ድማ “መን ኢዩ ኣምላኽ መሃረኒ” በሎ። እቲ ካህን ድማ ምስ ኣባ ኤስድሮስ ኣራኸቦ። ኣባ ኤስድሮስ ድማ ምሂሩን ኣጠሚቑን ንመዓርገ ምንኩስና ኣብጽሖ። ንአርብዓ ዓመት ዝኣክል ካብ ሰብ ተፈልዩ ብዓቱ ዓጽዩ ድሕሪ ምንባር ድማ ኣብ ልዕሊ 500 መነኮሳት ኣበ ምኔት ተሸመ። መዓልቲ መዓልቲ ክምህር ይውዕል ለይቲ ለይቲ ድማ በረኻ ወፊሩ ዕንጨይቲ ኣርዩ ማይ ወሪዱ ንመነኮሳት ኣብ ኣፍ ገዝኦም ይገብረሎም ነበረ። እንተኾነ እቶም መነኮሳት እቲ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ሰብ ንሱ ምኻኑ ግና ኣይፈልጡን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዱ ብለይቲ ማይ ክወርድ ዕንጨት ክኣሪ እናኸደ ከሎ ሰይጣን ብድሕሪኡ መጺኡ ብእምኒ ሕቑኡ ሃረሞ፡ ተጻባኢ ምዃኑ ተረዲኡ ብዝያዳ ይተግህ ነበረ ዓቢ ተጋድሎ ድማ ገበረ።
መንፈሳዊ በዓል ኣብ ዝገበርሉ ግዜ “ምእንቲ ከተገልግለና መዓርገ ክህነት ክትቅበል ናብ ጳጳሳት ንዓነይ” ኢሎም ሒዞሞ ምስ ከዱ፡ እቶም ሊቀ ጳጳስ ስለምንታይ ነዚ ባርያ ተምጽኡልና በሉ። ብድሕሪ እዚ ሙሴ ንገዛእ ርእሱ “ጽቡቕ ጌሮሙኻ” ንገዛእ ርእሱ ኣናገሰጸ ወጸ። እምቤታችን ድማ ነቶም ዝሰጎግዎ ተገልጸትሎም እሞ ሕብሩ ጸሊም እኳ እንተኾነ ልቡ ግን ጻዕዳ ኢዩ ኢላ ወቐሰቶም። እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ድማ በቲ ዝገበርዎ ተጣዒሶም ጸዊዖም ሸሙዎ። እዚ ኪዳን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንዘማዊ ከም ድንግል ንሓጥእ ድማ ከም ጻድቕ ከም ዝገብር የረድእ፡ “ይትባረክ ጺጌኪ ማርያም ለልብየ ፍቅርኪ ዘከፈሎ፡ ወኣያርህቀ እምኔየ በኪዳንኪ ሳህሎ፡ ትምህርተ ኪዳንኪ ይሁብ ለዘማውያን ተደንግሎ” ከም ዝበለ ደራሲ።
ብድሕሪ’ዚ ሸውዓተ ካብ ደቀ መዛመርቱ ኣኸቲሉ ናብ ኣባ መቃርስ ከይዱ ከሎ ጻልእቲ ንገዳሙ ከቃጽሉ ንዕኦም ድማ ክቐትሉ መጹ። ካባኹም ዝፈርሀ ይህደም ድማ በልዎም። ኣባ ንስኻ ህደም በልዎ። ኣባ ሙሴ ድማ ንሞት ፈሪሄ ንሰማእትነት ጸሊኤ ዝሃድም’ዶ መሲልኩም ኢሎም መለስሎም። እቶም ባርበራውያን ድማ መጽዎም ኣባ ሙሴ ነፍሲ ኣጥፊኡ ስለ ዝነበረ “ደም ብዘይ ደም ስለ ዘይጸሪ ደመይ ዉን ይፍሰስ” ኢሎም ክሳዶም ንሴፊ ሂቦም ብሰማእትነት ዓረፉ። ሽዱሽተ ካብ ደቂ መዛሙርቶም ድማ ንዕኡ ተኸቲሎም ክሳውዶም ንሴፊ አናሃቡ ሰማእትነት ተቐበሉ። እዚ ዝተፈጸመ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን እዩ።
 ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን ሙሉእ ትህዝቶ ናይ ኣባ ሙሴ ጸሊም ታሪኽ ንምክትታል ብትግርኛ ተተርጒማ ብቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤ/ክ መድሃኔ ኣለም እስራኤል ተዘርጊሓትልኩም ኣላ!!!
በረኸትን ጸጋን ናይ ኣቦና ሙሴ ጸሊም ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!
ስብሓት ለእዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
Leave a comment

Send a Comment