፳፬.24 ታሕሳስ ዕረፍታ ለቅድስት ኣስቴር

፳፬.24 ታሕሳስ ዕረፍታ ለቅድስት ኣስቴር

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፳፬.24 ታሕሳስ ዕረፍታ ለቅድስት ኣስቴር

ኣስቴር ማለት ሰረገላ ጸሓይ ማለት እዩ። ምስ ሓወቡኣ መርዶክዮስ ድማ ተማሪኻ ኣብ ባቢሎን ፋርስ ትነብር ነበረት።ኣብ ባቢሎን ፋርስ ንጉስ ዝነበረ ንጉስ ኣርጤክስስ ይበሃል። ንሱ 127 ሃገራት ዝገዝእ ዝነበረ ኣዝዩ ግኑን ንጉስ ነበረ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ድማ ንኹሎም ሽማሙንቱ ንመራሕቲ ሰራዊቱ ገዛእቲ ሃገራትን ዓቢ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ን180 መዓልቲ ሃብቲ እቲ ክቡር መንግስቱ ክብረቱ እቲ ብሉጽ ግርምኡን ኣርኣዮም። ሰበይቱ ድማ ንግስቲ ኣስጢን ትበሃል ነበረት። ንግስቲ ኣስጢን ምልክዕቲ ስለ ዝነበረት መልክዓ ንህዝብን ሽማሙንትን ከተርኢ ናብ ቅድሚኡ ከምጽእዋ ኣዘዘ። እንተኾነ ንሳውን ብወገና ነተን ኣንስቲ ኣብ ቤት ንጉስ ምሳሕ ጌራትለን ስለ ዝነበረት ኣይመጽእን ኢላ ኣበየት። ሽዑ ንጉስ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ መማኽርቱ ንግስቲ ንዒ ናብዚ ኢለ ምስ ለኣኽኩላ ኣይመጽእን ኢላ ስለ ዝኣበየትኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ደጊም ንግስቲ ናብ ቅድሜኻ ኣይትእቶ ወጺኣ ትኺድ ኢሎም ፍርዲ ሃብዎ። ንጉስ ድማ ጽቡቕ ተዛሪብኩም ብምባል ካብ ቤቱ ኣውጺኡ ሰደዳ።

ድሕሪ ዓመት እቶም መኳንንቲ ተኣኪቦም ንንጉስ “ንጉስ ሰበይቲ ፈቲሑ ምንባር ጽቡቕ ስለዘይኮነ ሰበይቲ ኣእቱ በልዎ። ንንግስቲ ኣስጢን ኣዝዩ ይፈትዋ ሰለዝነበረ ከኣ ከምኣ ዝበለት መልክዕኛ ካበይ ክትረኽቡለይ ትኽእሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ካብ ደቂ ሃገርና ኮነ ካብ ደቂ እስራኤል ደሊና ኣይንስእነልካን ኢና’ በልዎ። ሕራይ ጥራይ ርኸቡለይ በሎም። ካብ ደቂ ሃገሮምን ካብ ደቂ እስራኤልን መሪጾም ሽሕ ምልኩዓት ኣዋልድ ረኸቡ።

ካብ ሚእቲ ሓምሳ ካብ ሓምሳ ድማ ዓሰርተ ካብ ዓሰርተ ውን ሰለስተ መረጹ። ካብተን ሰለስተ ሓንቲ ድማ ኣስቴር ነበረት። ንጉስ ድማ ካብተን ካልኦት ንዕኣ ፈተወ። ሓደ ካብ ሸማምንቱ ድማ ሃማን ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንጉስ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኩሎም ሽማምንቱ ሸሞ። ኩሉ ሰብ ድማ ንሃማን ክሰግደሉ ንጉስ ኣዋጅ ኣወጀ። ኩሎም ድማ ይሰግደሉ ነበሩ። መርዶክዮስ ግና ኣይሰግድን በለ። ሃማን ድማ ንንጉስ ንጸላእትኻ ከጥፍእ ንመዝገብ ወርቅኻ ድማ ክመልእን ከስፍሕን ፍቃድ ሓተተ። ንጉስ ድማ ኣጥፍኣዮም በሎ። ንእስራኤላውያን ኣጥፍእ ኢሉ ብማሕተም ንጉስ ሓቲሙ ንብኹለን ኣህጉር ለኣኸ። መርዶክዮስ ነዚ ምስ ሰምዐ ናይ ሓዘን ልብሲ ለቢሱ ከይዱ ንኣስቴር “ንስኺ ንኸምዚ ዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኺ እንተኾንኪ መን ይፈልጥ፧ ብብዙሕ ወርቂ ተሸጥና ምውዳእናኸ ንምንታይ እዩ፧” በላ። ኣስቴር ድማ ሸያጢ መን እዩ፧ ገዛኢኸ መን እዩ በለቶ። መርዶክዮስ ድማ ሸያጢ ሃማን፡ ገዛኢ ድማ ንጉስ እዩ በላ። ብድሕሪዚ ኣስቴር ንመርዶክዮስ ከምዚ ኢላ ለኣኸትሉ “ኪድ እሞ ኩሉኹም ሰለስተ መዓልትን ለይትን ተኣኪብኩም ጽሙን ጸልዩን፡ ኣነውን ክጸውምን ከጽልን እየ’ በለቶም ንሳ ከኣ ከምቲ ዝበለቶ ጾመትን ጸለየትን፡

***ጸሎት ኣስቴር***

ንግሥቲ ኣስቴር፡ ኣዝዩ ዓሚቝ ጓሂ ስለ ዘጋጠማ፡ ናብ እግዚኣብሔር ክትምህለል ጀመረት። እቲ ናይ ክብሪ ልብሳን ኵሉ ስልማታን ኣውፂኣ ደርበየቶ፡ ኣብ ክንድኡ ኽዳን ኃዘንን ጓህን ተኸድነት። ኣብ ክንዲ እቲ ጥዑም ዝመኣዛኡ ሽቱ፡ ኣብ ርእሳ ሓሙዅሽትን ዒባን ገበረት። ነቲ ኽብሪ ዚህባ ዝነበረ ጽባቔኣ ንኸተዋርድ እትኽእሎ ዘበለ ዅሉ ገበረት። ነቲ ዅሉ ጊዜ እትከናኸኖ ዝነበረት ዘው ዚብል ፀጕራ ኸይተመሸጠ ተዓዃሊሉ ጀብ እናበለ ከም ዚርአ ገበረቶ። ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ኣምሪራ ጸለየት፦

“ኦ እግዚኣብሔር! ኣምላኸይን ንጉሠይን፡ ኣምላኽ ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ኣነ በይነይ እየ፡ በጀካኻ ሓደ እኳ ኺረድኣኒ ዚኽእል የልቦን እሞ ርድኣኒ። ኣነ ንሕይወተይ ኣብ ሓደጋ ከውድቓ መዲበ ኣሎኹ። ኦ ጐይታይ! ኣነ ኻብ ጊዜ ሕፃንነተይ ጀሚረ ኸም ዝዝክሮ፡ ንእስራኤል ሕዝብኻ፡ ካብ ኵሉ ሕዝቢ ዓለም ከመይ ጌርካ ኸም ዝኃፊኻዮምን፡ ነቦታትና ድማ ኻብ ጥንቲ፡ ንዘለዓለም ርስትኻ ኪኾኑ ክመይ ጌርካ ከም ዝፈለኻዮምን፡ ወለደይ ምሂሮሙኒ እዮም። ነቲ ዝሃብካዮ ናይ ተስፋ ቓል ከኣ ኵሉ ጊዜ ምስ ሓሎኻዮ ኢኻ። ንሕና ግና በደልናካ። ንኣማልኽቶም ስለ ዝሰገድናሎም ድማ ናብ ኢድ ጸላእትና ኣኅሊፍካ ሃብካና።

“ኦ ጐይታ! መቕጻዕትኻ ኽንቅበልሲ ይግብኣና እዩ። እንተኾነ ጸላእትና ንሕና ባራዩ ኴንና ብምትራፍና ጥራይ ኣይተሓጐሱን። ገና ውን ብስም ኣማልኽቶም ምሒሎም ኣለዉ። እወ፡ ንኣና ነዞም ንኣኻ እነመስግን ሕዝብኻ ንሕግኻን፡ ኬጽንቱና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክብርኻ እትገልጸሉ ቤተ መቕደስካን መሠውዒኻን፡ ንዘለዓለም ኪዕንዉ፡ ምሒሎም ኣለዉ።

ንሳቶም፡ ኵሉ ዓለም፡ ከንቱ ንዝኾኑ ጣዖታት ኬመስግንን፡ ንዘለዓለም ድማ መዋቲ ንዝኾነ ንጉሥ ብፍርሃት ኪግዛእን እዮም ዚደልዩ ዘለዉ።

ኦ ጐይታ! እዞም ኣማልኽቲ እዚኣ ቶም ከንቱ እዮም። ኃይልኻ ንእኣቶም ኣኅሊፍካ ኣይትሃቦም ፤ ወይ ጸላእትና ብውድቀትና ኺስሕቁ ዕድል ኣይትሃቦም። እኳ ደኣ፡ ነቲ ኽፉእ ሃቐናኦም፡ ናብ ገዛእ ርእሶም ምለሶ። ነቲ ንኣና ንምጥፉእ መጀመርታ ዝሓለነ ሰብኣይ ድማ መሰክሒ ግበሮ።

ኦ ጐይታ! ዘክረና! ኣብዚ ጊዜ ጸበባና ንዓ ርድኣና። ንኣይውን፡ ኣምላኽ ኵሎም ኣማልኽትን፡ ጐይታ ነገሥታት ምድርን ኢኻ እሞ፡ ትብዓት ሃበኒ። ኣብ ቅድሚ እቲ ጨካን ኣንበሳ ዝኾነ ኣርጤክስስ ክዛረብ ምስ ኣቶኹ፡ ዘእምን ቃላት ሃበኒ። ኣንጻር ጸላኢና ሃማን ምእንቲ ኪኸውንን፡ ንእኡን ሰዓብቱን ምእንቲ ኼጥፍኦምን፡ ልቡ ለውጠ።

ኦ ጐይታ! ኣነ ኻብ ኵሉ ንበይነይ እየ፡ ብጀካኻ ዝዕቈበሉ ሓደ እኳ የብለይን፡ ርድኣኒ ፤ ንዓ ኣድኅነኒ።

“ኦ ጐይታ! ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ። ኣነ ነቲ ኻብ ኣሕዛብ ዝቕበሎ ኽብሪ ኸም ዝጸልኦ ትፈልጥ ኢኻ፡ ምስ እዞም ዘይተገዝሩ ኣረመኔታት ብግብረ ሥጋ ምርኻብ ኣዝየ ኸም ዝፍንፍኖ ኸኣ ትፈልጥ ኢኻ። ግና ካልእ መገዲ ኸም ዘይብለይ ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ነቲ ብመዓልቲ በዓላት፡ ከም ንግሥቲ ኣብ ርእሰይ ዝደፍኦ ዘውዲ፡ ኣዝየ እየ ዝጸልኦ። ተገዲደ እንተ ዘይኮይነ እውን ኣይገብሮን እየ። ንጨርቂ መርገም ከም ዝፍንፍኖ እየ ዝፍንፍኖ። ኣብ መኣዲ ሃማን እንጌራ በሊዐ ኣይፈልጥን። ኣብቲ ንጉሥ ንኽብሪ ኢሉ ዜዳልዎ ዕድመውን ተሓዊሰ ኣይፈልጥን። ካብቲ ንጣዖታቱ ዝተቐደሰ ነቢትውን ጥዒመ ኣይፈልጥን። ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብርሃም! ናብዚ ቦታዚ ኻብ ዝመጽእ፡ ዘሓጐሰኒ ነገር እንተ ደኣ ኣልዩ ንኣኻ ዘምልኽ ምዃነይ ጥራይ እዩ።

“ኦ ዅሉ እትኽእል ኣምላኽ! ጸሎት ሕዝብኻ ስማዕ። ካብዞም ክፉኣት ሰባት እዚኦም ኣድኅነና። ንኣይ ከኣ ካብ ፍርሃተይ ኣናግፈኒ።” (መጽ.ኣስ.4 ሐ=12-30)

ብድሕሪ እዚ ልብሲ መንግስቲ ለቢሳ ኣገልገልታ ኣኸቲላ ናብ ንጉስ ኣተወት። ንጉስ ድማ “ንምንታይ መጺእኪ” በላ። ኣብቲ ኣዳራሽ ምጻእ ዝነግረካ ኣሎኒ ሃማን’ውን ከይተርፍ ምሳኻ ይምጻእ በለቶ። ኣብ ኣደራሽ ተቐሚጡ ዝቐደመት ሰበይተይ ክጽውዓ ከለኹ ኣይመጽእን ኢላትኒ እዚኣ ግና መጺኣ ጸዊዓትኒ እናበለ ከመስግና ድሕሪ ምጽናሕ ንንግስቲ እቲ ዝበልክኒ ንገርኒ በላ። ጽባሕ ንግሆ ክነግረካ እየ ድማ በለቶ። ሃማን ናብ ቤቱ ከይዱ ዕብየት ሃብቱን ንጉስ ንኹሉ ከም ዘዕበዮን ረኣዮ “ከማይ ዝበለ መን ኣሎ፡ ንግስቲ ከኣ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ብጀካይ ካልእ ኣይጸወዐትን ምስዚ ኹሉ ግና መርዶክዮስ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ክሳዕ ዘሎ ባህ ኣይብለንን እዩ” በለ። ንሳቶም ድማ ንጉስ እንተኾነ ንኹሎም እስራኤላውያን ኣጥፍኣዮም ኢሉካ ኣሎ፡ ስለዚ ሎሚ ንሓደ መርዶክዮስ እንተሰቐልካዮስ እንታይ ይገብረካ” በልዎ። በዚ ድማ ገመድ ኣስሪሑ፡ 22 ሜትሮ ምንውሑ ንመርደክዮስ መስቀሊ ዝኸውን ጉንዲ ኣዳለወ።

እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ስኢኑ ሓደረ። ነቲ ናይ መንግስቱ መጽሓፍ ዜና መዋእል ክግንጽል ከሎ ድማ ናይ መርዶክዮስ ውዕለታ ረኸበ። ኣብኡ ኸኣ እቶም ናይ ንጉስ ክልተ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ ቢግታናን ተረሽን፡ ንዕኡ ንንጉስ ኣርጤክስስ ክቐትልዎ ውዲት ገይሮምሉ ከም ዝነበሩ መርደክዮስ ከኣ ከም ዝነገሮ ተጻሒፉ ተረኽበ። ሽዑ ንጉስ ብዛዕባ እዚ “ንመርደክዮስ ከመይ ዝበለ ክብረትን ዕቤትን ተገብረሉ’ ኢሉ ሓተተ። እቶም ዘገልገልዎ ዝነበሩ ገላዉ ድማ “ዝተገብረሉ ነገር የለን” ኢሎም ነገርዎ በዚ ድማ ብወገኑ መዓስያ ትወግሕ ወሬትኡ ክመልሰሉ ክብል ሓደረ። ሃማን ድማ ብወገኑ መዓስያ ትወግሓለይ ፍቓድ ካብ ንጉስ ወሲደ ክሰቕሎ ክብል ሓደረ። ምስ ወግሐ ንጉስ ንሃማን “ካብ ሞት ንዘድሓኖ ንጸላእቱ ድማ ንዘጥፍኦም እንታይ ይግብኦ፧” በሎ፡ ሃማን ድማ ናይ ንጉስ ጸላእቲ ዘጥፍእ ዘለኹ ኣነ እየ ስለዚ ንዓይ እዩ ዝኸውን ኢሉ ብምሕሳብ፡ “ንጉስ ኸኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ ንጉስ ዝኽደኖ ልብሲ መንግስቲ፡ ንጉስ ዝውጥሖ ፈረስ የምጽእሉ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍእሉ ኣብ ፈረስ ኣወጢሖም ድማ ብኣዳባባይ እታ ከተማ ሰለስተ ጊዜ የዝርዎ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ እቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደልዮ ሰብ ከምዚ ይገብረሉ ኢሎም ኣዋጅ ይኣውጁ በለ። ንጉስ ድማ ካብ ዝተዛረብካዮ ሓንቲ ከየጉደልካ ንመርዶክዮስ ግበረሉ በሎ። ገጽ ሃማን ድማ ገጹ ካብ ዃኽ ሸውዓተ ጊዘ ጸልመተ። ነገር ግና ናይ ንጉስ ትእዛዝ ስለ ዝኾነ ከምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ። ብድሕሪ’ዚ መርደክዮስ ኣብ ናይ ሃማን ድማ ኣብ ናይ መርዶክዮስ መቐመጢ ተቐመጠ። ብድሕሪ እዚ ንጉስ ንንግስቲ ኣስቴር እቲ እትብልኒ ንገርኒ በላ። ንግስቲ ድማ ንጉስ ኣብ ቅድሜኻ መጎስ እንተረኺበ ኣነን ህዝበይን ብህይወት ክንነብር እየ ዝልምነካ ኣነን ሕዝበይን ንማሕረድን ንጥፍኣትን ንምድምሳስን ተሸጥና ኢና። ንባርነት ተሸጥና ነይርና ነይርና እንተንኸውን ስቕ ምበልኩ ንኣኻ ንንጉስ’ውን ኣይምሃወኽኩኻን ነይረ። ሕጂ ግና እቲ ጸላኢ ከጥፍኣናን ክድምስሰናን እዩ

መዲቡ ዘሎ። ስለዚ ኣነን ወገነይ እስራኤልን ብወርቂ ተሼጥና ምጥፋእናስ ንምንታይ እዩ በለቶ። ንጉስ ድማ እቲ ሸያጢ መን እዩ በላ። ንግስቲ ኣስቴር ኣደራሽ ድማ እቲ ሕሱም ሃማን እዩ በለቶ። ንጉስ ድማ ተቆጢዑ ናብቲ ኣትክልቲ ከደ። ሃማን ድማ ለካ ካብ ሽመተይ ዘውረደትኒ ንሳ እያ ኢሉ ኣብ እግራ ወዲቁ ክልምና ጀመረ። ንጉስ ምስ ተመልሰ ድማ ሕጅስ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲ ክዕምጻ በለ። እዚ ካብ ንጉስ ምስ ወጸ ድማ ንሃማን ድማ ገጹ ሸፈንዎ።በዚ ድማ ሓደ ካብቶም ስሉባት ንንጉስ ሃማን ንመርዶክዮስ  ክቐትሎ ዝሰርሖ ገመድን ዝተኸሎ ጉንድን ኣሎ በሉዎ። ንጉስ ወሲድኩም ኣብኡ ስቐልዎ በሎም ፡እሞ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ዘዳለዎ ጉንዲ ንሱ ባዕሉ ተሰቕለ። “ግበ ከረየ ወደሃየ ወይወድቅ ወስተ ግበ ዘገብረ።  ነቲ ንኻልኦት ኣዕሚቖም ዝኾዓትዎ ጉድጓድ ይኣትውዋ” ከም ዝብል (መዝ.7፡15) ።

ብድሕሪ እዚ ንንጉስ ኣፍቂዶም መርዶክዮስን ኣስቴርን እስራኤል የስፋሕፍሕ፡ ጸላእቶም ድማ ይጥፍኡ ዝብል ጽሒፎም ብማሕተም ንጉስ ሓቲሞም ናብ ኩሉ ኣህዛብ ለኣኽዎ። ናይ ሃማን መልእኽቲ ብ14 መዓልቲ ክበጽሕ ከሎ፡ ናታቶም ግና ሓደ መዓልቲ ቀዲሙ በጽሐ። ሽዑ እስራኤላውያን ካብ ቤት ሃማን ጀሚሮም 75 ሽሕ ጸላእቶም ኣጥፍኡ። መጽሓፍ ኣስቴር _ ብምልኡ በዚ ምኽንያት ንእስራኤላውያን ምኽንያት ጽንዓት ኮኖም። ብኣምልኾት እግዚኣብሔር ጸኒዓ ድሕሪ ምንባር ድማ ብሰላም ዓረፈት።

ጸሎታን በርክታን ናይ ቅድስት ኣስቴር ምስኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!

ሰላም፡ለአስቴር እንተ፡ሞአቶ፡በጥበባ።

ለመልአከ፡ውዴት፡ዘያጽሕባ፡

እግዚአብሔር ሥመር፡ ዘሠመርከ፡ነገደ፡ሕዝባ።

በወርኀ፡አፀባ፡ከመ፡ትትሐፀን፡በጥባ።

ደክታም፡ነፍስየ፡እምእማ፡ወአባ።

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር፡

አሜን!

 

Leave a comment

Send a Comment