፳፬/24 ግንቦት ዕረፍቲ ነቢይ ዕንባቆም

፳፬/24 ግንቦት ዕረፍቲ ነቢይ ዕንባቆም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።

፳፬/24 ግንቦት ዕረፍቲ ነቢይ ዕንባቆም

 

 

 

 

 

ነቢይ ዕንባቆም ወዲ ናኮር

ዕንባቆም ማለት ማእምር፡ ለባዊ፡ ነባቢ ማለት ኮይኑ፡ ኣቦኡ ናኮር፡ ኣዲኡ ኸኣ ሬፋ ይብሃሉ። ነገዱ ኻብ ነገደ ስምዖን እዩ። ብ608-507 ቅ.ል.ክርስቶስ ብዘመን ኢዮኣቄም እኒ ዳንኤልን ሕዝቅያስን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ከለዉ፡ ዕንባቆምን ኤርምያስን ንትሩፋን ዝኾኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ይምህሩ ነበሩ። ነቢይ ዕንባቆም ነቶም ዓጻዶ ምሳሕ ኂዝሎም ዚኸይድ ከሎ ቅዱስ ሚካኤል “እዚ ምሳሕ እዚ ነቲ ኣብ ኣፍ ኣናብስ ዘሎ ዳንኤል ኃውኻ ናብ ባቢሎን ኣብጽሓሉ’ በሎ። ነቢይ ናይ ኣናብስት ጕድጓድን ባቢሎንን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጦን እም በሎ። እቲ መልኣኽ ብጸጕሪ ርእሱ ኣልዒሉ ኣብታ ነቢይ ዳንኤል ዘለዋ ብዕፅው ኣእተዎ። መግቡ ሂብዎ ኸኣ ኸደ። ሽዑ ነቢይ ዳንኤል ንጽንጽያ እኳ ዘይንዕቕ ኣምላኽ ስለ ምግበይ ዝዘከረኒ ኢሉ ኣመስገነ። እዚ ምሳሌ እዚ፡ ማለት ግበ ኣናብስት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ እቲ መግቢ ናይ መግበ ነፍስ፡ ነቢይ ዕንባቆም ከኣ ናይ ጐይታ ምሳሌ እዩ። ብዕፅው ኣትዩ ብዕፅው ምውፃኡ ጐይታ ብሕቱም ድንግልና ተፀኒሱ ብሕቱም ድንግልና ምውላዱ ምሳሌ እዩ። ነቢይ ዕንባቆም ኣርባዕተ ፍልስጥኤማውያን ኂዙ ንኃሙሽተ ነገሥታት ሚድያም ኣሰነፈ። ኣብ ጊዜ ምርኮ ኣብ ፍልስጥኤም ዝተባህለት በዓቲ ኣትዩ ብሰላም ወፅአ። “ወይቤ ዘንተ ዕንባቆም እግዚኦ ሰማዕኩ ድምፀከ ወፈራህኩ ርኢኩ ግብረከ ወአንከርኩ”፡ “ቐደም ነዚ ዓለም ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ፈጢርዎ ኺብሉ ሰማዕኩ። ሎሚ’ውን ካብ ምንባር ናብ ዘይምንባር ከተኅልፎ ከሎኻ ግብርኻ ርእየ ኣደነቕኩ’ ዕን. 3፡2 በለ። “እግዚአብሔርሰ እም ቴማን ይመጽእ ወቅዱስኒ እም ደብረ ፋራን ወእም አህጒረ ይሁዳ”፡ “እግዚኣብሔር ካብ ቴማን (ካብ ምብራቕ) እወ እቲ ቅዱስ ካብ እምባ ፋራን ይመጽእ ኣሎ” ኢሉ’ውን ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተነበየ። ንሱ ድማ ፋራን ማለት ኃያል ማለት እዩ፡ ስለዚ “እቲ ኃያል ጐይታ ኣባኺ ኃደረ’ ማለት እዩ።

ሓደ መዓል  ነቢይ ዕንባቆም ኪምህር ኪኸይድ ከሎ ኣቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስ ብጾቱ ኣብ ባይቶ ዓዲ ኾፍ ኢሉ ኸሎ፡ እቶም ብጸቱ፡ ገር) ኪኃልፍ ከሎ ርእዮም ኪትንሥኡ ኸለዉ፡ ንሱ ግና ነቢይ (መምህር) ከይተንሥአ ኮባ ኮፍ ኢሉ ኣኅለፎ።

ንኻልኣይ ጊዜ’ውን ነቢይ ዕንባቆም ወዲ ናኮር ኣብኣ ኾፍ ዕንባቆም ምህር ውዒሉ ኺምለስ ከሎ ኮፍ ኢሉ ረኸቦ። ሕጂ’ውን ኣይተንሥአን። በዚ ጊዜ እዚ ነቢይ ዕንባቆም “እብን ዲበ እብን ነቢሮ ዘአቡሁ እልገቱ ወዘእሙ ብእሲቱ ሤጡ”፡ ማለት “ካብዚ ሰብ እዚ ዚውለድ ቈልዓ ንኣቦኡ ዚሰልብ፡ ንኣዲኡ ዘውስብ፡ ንጐይትኡ ዚሸይጥ ኪውለድ እዩ” ኢሉ ተነበየ። ድኅሪ እዚ ንሱ ንገዝኡ ኣትዩ “ኣየ ሎሚ መዓልቲ እዚ ነቢይ ሓሶት እምበር ሃተፍተፍ ክብለለይ ውዒሉ’ ኢሉ ንሰበይቱ ነገራ።

ወዘእግዚኡ ንሳ ኸኣ “እንታይ ስለ ዝበልካዮ፧” በለቶ። “ግድን ዘይተንሣእካለይ ኢሉ’ኸ˚” በላ፡ ”ንስኻ’ኸ ጽቡቕ’ዶ ጌርካ፧ ዓቢይ ሰብ ኪመጽእ ከሎ ኾፍ ኢልካ ምርኣይ ይግባእ’ዶ፧ እሞ’ኸ እንታይ ንግበር፧” በለቶ። ንሱ ኸኣ “ምውላድ ንኅደጎ በላ። በዚ ኸኣ ርክብ ኣቋሪጾም ኪነብሩ ኸለዉ ጎዶ ልቲ ሰኺሩ መጺኡ “ፍቓደይ ፈጽምለይ” በላ። ንሳ ኸኣ ”ንኅደጎ’ዶ ተባሂልና ኣይነበርናን˚” በለቶ። ንሱ ኸኣ “ደሓን ጓል እንተወለድና ሰንፋ ኢና፡ ወዲ እንተወለድና ድማ ከይቀደመና ንቕድሞ” በላ።

በዚ ኸምዚ ድማ ይሁዳ ተወልደ። ምስ ተወልደ ወዮ ነቢይ ዕንባቆ ንባቆም ዝበሎ እምበር ኮነ ኢሉ ኣብ ሣፁን ዓሺጉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ። ናይቲ ከባቢኦም ዓዲ ደቂ ኣስቆሮት ረኸብዎ እሞ ኣዕበይዎ። ይሁዳ ናይ ኵናት ምሁር ኮነ። ድኅሪ እዚ እታ ዝዓበየላ ዓዲ ኣስቆሮትን እታ ዝተወልደላ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘለዉዋ ዓድን ጽልእ ስለዚነበሩ፡ ሓደ ዓልቲ ዅናት ገጠሙ። ኣጋጣሚ ኾይኑ ንኣቦኡ ኣብቲ ሰልፊ ረኺቡ ቀተሎን ሰለቦን። “ዘአቡሁ ዕልገቱ˚ ዚብል ተፈጸመ። ኣብ ዓዲ ኣትዮም ሃሰውሰው እንተበሉ ንኣዲኡ ወሲዱ ኣእተዋ፡ “ዘእሙ ብእሲቱ” ዝበሎ ተፈጸመ።

ምስታ ምስኣ ዝደቀሰ ኣዲኡ ብሓደ ኃቢሮም እናተጻወቱ ኸለዉ “እዞም ደቂ እዛ ሃገር እንታይ እዮም ኃውና፡ ዘመድና፡ ዘይብሉኻ፧” በለቶ። ንሱ ድማ “ኣብ ባሕሪ ወዲቕካ ተረኺብካ እዮም ዝብሉኒ˚” በላ።

ንሳ ሰንቢዳ  “እዋይ ኣንታ ጉደኛ ንስኻ ዲኻ፧ በል እቲ ቐቲልካ ዝሰለብካዮ ኣቦኻ ወላዲኻ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣዴኻ ወላዲትካ እየ” በለቶ።

ንሱ’ውን ብወገኑ ሰንቢዱ “እንታይ ደኣ ንግበር፧” በላ። ንሳ እቲ ዘመን እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መጺእሉ ዝነበረ ዘመን ስለዝኾነ፡ በል ክርስቶስ ዚበሃል ተላዒሉ ሰሚዐ ኣሎኹ እሞ፡ ኵሉ ገዲፍና ናብኡ ንኺድ” በለቶ። ተንሢኦም ከኣ ናብኡ ኸዱ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ተቐቢሉ ንኣኣ ምስተን 36 ቅዱሳት ኣንስት፡ ንእኡ ምስቶም 12 ሓዋርያት ቈጸሮም። ኣቐዲሙ ትንቢት ስለዝተነግረሉ ግና ብፍቕሪ ገንዘብ ተታሊሉ ንጐይትኡ ብ30 ብሩር (ቅርሺ) (ዲናር) ሸጦ፡ “ዘእግዚኡ ሤጡ” ዝበሎ ነቢይ ዕንባቆም ከኣ ተፈጸመ።

ነቢይ ዕንባቆም 3 ምዕራፋት ዘለዎ መጽሓፈ ትንቢት ጽሒፉ ኣሎ። ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ምስክር፦ትርጓሜ ትንቢተ ዕንባቆም፡ ስንክሳር 3 ኅዳር ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም

 

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን።

Leave a comment

Send a Comment