፳፭ /25ሰኔ ዕረፍቱ ሓዋርያ ይሁዳ (ካብ 72 ኣርድእቲ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፳፭ /25ሰኔ ዕረፍቱ ሓዋርያ ይሁዳ (ካብ 72 ኣርድእቲ)

ይሁዳ ማለት እሙን፡ ተኣማኒ ማለት እዩ። ቁጽሩ ካብ 72 ኣርድእቲ ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “መልእኽቲ ይሁዳ” ዝብል ዝጸሓፈ ቅዱስ ሓዋርያ እዩ። ንሱ ሓዊ ያዕቆብ ወዲ ዮሴፍ እቲ ጸራቢ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኩሉ ኣጽናፈ ምድር” (ማቴ 28፡19-20) ኢሉ ንደቀመዛሙርቱ ወንጌል ናብ ምሉእ ዓለም ከብጽሑ ንሓዋርያት ዝኣዘዞም ዘኪሩ ንሓዋርያት መሲሉ፡ ከም ሓዋርያት ዘይሩ ብምምሃር ንብዙሓት ኣይሁዳውያን ይኹኑ ኣረማውያን ናብ ከርስትና መሊሱ እዩ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እናሰበኸ እንከሎ ኣብ ሓንቲ ደሴት ብምእታው ንሰብ እታ ደሴት ሰበኸሎም እሞ ብምልኦም ኣመኑ፡ ተጠሚቖም ድማ ናብ ጎይታ ቀረቡ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ሰርሓሎም፡ ንሳቶም ድማ ብጎይታ ጸኒዖም ነበሩ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ካብዚ ሓሊፉ ናብ ሮሃ እትበሃል ሃገር ከይዱ ነቲ ኣብታ ሃገር ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ ካብ ደዌኡ ኣሕወዮ እሞ ንሱ’ውን ብጎይታ ኣሚኑ ተጠመቐ። ብድሕሪ እዚ’ውን ናብ ሓራፒ እትበሃል ሃገር ከይዱ ሰበኸ፡ ንብዙሓት ኣጥሚቑ ድማ ቤተክርስቲያን ሰርሓሎም። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ፡ እቲ ኩሉ ሓዋርያ ይሁዳ ዝገብሮ ዝነበረ ስብከትን ትእምርትን ርእዩ ኣዝዩ ተቖጥዐ’ሞ “ነዚ ሰብ እዚ ሒዘ ክቐትሎ ኣለኒ” ብምባል፡ ሒዙ ከሳቕዮ ጀመረ። ሽንካር ዘለዎ ጫማ ከምዝወዲ ብምግባር የጉይዮ ነበረ። እቲ ሽንካር ግን ንሓዋርያ ይሁዳ ገለ ይገብሮ ኣይነበረን ። ነዚ ዝረኣየ ጨካን ንጉስ ድማ ኣብ መስቀል ሰቒሉ ጨፍጪፉ ቀተሎ፡፡ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ቅድሚ ሙማቱ፡ እቲ ጨካን ንጉስ ኣብ እሱር ቤት ምስ ኣእተዎ፡ ነቶም ዝመሃሮም ምእመናን፡ በቲ ኣምላኸ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንህዝቡ ዝሃቦ እምነት ጸኒዖም ምእንቲ ክጋደሉ መልእኽቲ ሰዲዱ ኣጸናኒዕዎም እዩ። በዚ ዕለት እዚ ድማ ብሰማዕትነ ዓረፍ።

ጸሎቲን በርኸቱን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!

አርኬ

#ሰላም ለይሁዳ፡ለእግዚአብሔር፤ ገብሩ።

በቀኖተ ኀፂን ርሱን፡ዘተቀነዋ፡አእጋሩ።

ሃይማኖተ፡ ወንጌል ፡ ፍጹመ ፡ እንዘ ፡ ይሜህሩ ።

ውስተ ፡ መክፈልቶሙ ፡ ሶበ ፡ መክፈልቶ ፡ ደመሩ ።

ምስለ ፡ ሐዋርያት፡ደርገ፡ተጽሕፈ፡ተዝካሩ።

 

#ሰላም፡ ለክሙ፡ጴጥሮስ ወጳውሎስ – በፆታ።

ኅትዋን፡አዕናቍ፡ለቤተ፡ክርስቲያን፡መሠረታ።

መምህራነ ሥርዐት፡አሐቲ እንዘ ህላዌክሙ መንታ።

ከመ፡ታብቍል ገራህተ፡ምድር፡እንተ፡ ተዘርዐ፡ውስቴታ።

ለዛቲ፡ክረምት፡ባርኩ፡በአታ።

በመትልወ፡ኃጋይ፡ክረምተ፡ዘሠራዕከ፡እግዚእነ።

ወዘረሰይከ ጸደየ፡ለመጸው ወሰነ።

በዝንቱ፡ ክረምት፡በመዋዕሊነ።

ዘእንበለ ፍሬ፡እንዘ፡በቈጽል፡ሀሎነ።

ናስተበቍዓከ ኢይኩን ጒያነ።

Leave a comment

Send a Comment