፳፭/25 መስከረም ዕተፍቱ ለነቢይ ዮናስ

፳፭/25 መስከረም ዕተፍቱ ለነቢይ ዮናስ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

፳፭/25 መስከረም ዕተፍቱ ለነቢይ ዮናስ

ዮናስ ማለት የዋህ፡ ርግቢት፡ ማለት እዩ። ቁጽሩ ካብ 12 ደቂቀ ነቢያት እዩ። ዝተወለደሉ ኣብ ሰራጵታ እዩ። ኣብ ዘበኑ ዝነበረ ነቢይ ኤልያስ እዩ። ንጉስ ኣክኣብን ንግስቲ ኤልዛቤልን 850 ነቢያት ጣዖትን ካህናት ጣዖትን፡ ምስሊ ጣዖት ኣቊሞም ከምልኹ ከለዉ ግደፉ ናብ ኣምላኽኩም ተመለሱ እናበሎም ከሎ ኣይንምለስን ኢሎም ምስ ኣበይዎ ጸልዩ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ሰማይ ዝናብ ንኸየዘንብ ዓጸዎ (1 ነገ 18፡42, ያዕ 5፡17)።

እቶም ዝምግብዎ ዝነበሩ ኳኽ መግቢ ምምጻእ ምስ ኣቋረጹ ዝሰትየሉ ዝነበረ ምንጪ ማይ ምስ ነቐጸ ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ እሞ “ሑር ሰራፕታ ወበህየ ትሴስየከ ብእሲተ መበለት” ናብ ሰራፕታ ኪድ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ክትምግበካ እያ በሎ። ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ እሞ ኣዲኡ ንዮናስ ረኸባ።ማይን ዝብላዕን ግዳ ሃብኒ ኢሉ ድማ ሓተታ። ንሳ ድማ “ብህያው እግዚኣብሔር እብለካ ኣለኹ ብጀካ ቁሩብ ሓሩጭን ዘይትን ገለ እኳ የብለይን ንዕአን ሰንኪተ ድማ ክንመውት ኢና” በለቶ። ኤልያስ ድማ ናይ ጥሜት ጊዜ ክሳብ ዝሓልፍ ይበርክተልኪ በላ፡ ኣብ ገዛ ምስ ኣተወት ድማ ሕሩጭ ኣብ ዕትሮ፡ ጠስሚ ኣብ መቐርሰሚቶ መሊኡ ረኸበቶ። ሰንኪታ ምስ ኣብላዓቶ ኣብ ላዕላይ ናሕሲ ደይቡ ደቀሰ። ወዲ እታ መበለት “ነቢይ ዮናስ” ሞተ። ሽዑ ንሳ ናብ ነቢይ ኤልያስ ብምኻድ “ኣታ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ እንታይ ገበርኩኻ ሓጢኣተይ ከተዘክረኒ ወደይ ክትቀትለለይ ዲኻ ዝመጻእካኒ” በለቶ። ሽዑ ነቢይ ኤልያስ ኢዱ ኣብ ኢድ እቲ ቆልዓ፡ እግሩ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ቆልዓ ብምግባር ናብ እግዚኣብሔር ጸለየ፡ ኣብ መበል ሻውዓይ ጊዜ ድማ ተንሥአ (1 ነገ 17፡14)። ዮናስ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኮነ ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ከስተምህር ጀመረ። እግዚኣብሔር ድማ ናብ ነነዌ ለኣኾ “እቶም ህዝቢ ሕማቅ ይገብሩ ኣለዉ እሞ ኬድካ ተነስሑ ኢልካ ስበኸሎም” ድማ በሎ። እንተዘይተነስሑ ግን ከጥፎኦም እየ ኢልዎ ስለዝነበረ፡ “ሓሳዊ ነቢይ ክብሃል እየ” ኢሉ ካብ ገጽ እግዝኣብሔር ሃዲሙ ናብ ተርሴስ ክኸይድ መርከብ ተሰቕለ። ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሑ ሓያል ማዕበል ተላዕለ እሞ ነቶም መርከበኛታት ኣሸገሮም። ዮናስ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይታ መርከብ ደቂሱ ነበረ። ካብ ድቃሱ ነቕኒቖም ኣተንሥእዎ። ዮናስ እቲ ዘጋጠመ ኩሉ ምስ ፈለጠ ብናቱ ሓጢኣት ምዃኑ ኣሚኑ ናብዚ ባሕሪ ደርብዩኒ በሎም። እቶም ተሳፈርቲ ድማ ደሙ ኣብ ልዕሌና ክኸውን እዩ ዕጫ ነውድቕ፡ ዝበጽሓቶ ድማ ይደርበ ተበሃሂሎም ዕጫ ምስ ኣውደቑ ናብ ዮናስ በጽሐት። ናብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ እቲ ባሕሪ ሃድአ። “ወነበረ ዮናስ ውስተ ከርሰ ኣንበሪ ሰሉሰ መዋዕለ ወሰሉሰለያልየ” ሰለስተ ምዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሳልሳይ ምዓልቲ ናብ መሬት ተፍኦ። ናብ ከተማ ነነዌ ብምእታው እንተዘይተነሲሕኩም ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ክትድምሰሱ ኢኹም ኢሉ ከስተምህር ጀመረ።ዮናስ ድማ ተጣዕሰ። ሓሳዊ ነቢይ ምእንቲ ከይበሃል፡ እግዚኣብሔር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሓዊ ካብ ሰማይ ኣውሪዱ ንውሕ ንውሕ ንዝበሉ ኣግራብ ጫፍ ጫፎም ኣቃጸሎም (ዮና 4፡1)። ብድሕሪ እዚ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ እናመሃረ ጸኒሑ፡ ብዕለት 25 መስከረም ዓረፈ።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ነቢይ ዮናስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

Leave a comment

Send a Comment