፳፭/25 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለኣባ ቡላ (ኣቢብ)

፳፭/25 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለኣባ ቡላ (ኣቢብ)
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!
፳፭/25 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለኣባ ቡላ (ኣቢብ)
ቡላ ማለት ፍረ ሃይማኖት ማለት እዩ። ኣብኦም ኣብራሃም ኣዲኦም ከኣ ሓሪክ ይበሃሉ። ክልቲኦም ውላድ ስኢኖም ክሓዝኑ ከለዉ መልኣከ እግዚኣብሔር ብለይቲ መጺኡ፡ ዝበሰለ ፍረ ክህቦም ከሎ ርኣዩ እሞ ሽዑ ተጠንሰ። ክውለዱ ከለዉ ኣብ ኣፍ ገዝኦም ዓቢይ ገረብ ቦቊሉ ኣብ ቖጽሉ “ቡላ ገብሩ ለእግዚኣብሔር” ትብል ጽሑፍ ብቋንቋ ሮማይስጥ ተጻሒፉ ነበረ። በዚ እንዳተገረሙ ከየጠመቕዎ ዓመት ገበሩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ንሊቀጳጳስ ተገሊጻ ምልክት ሂባ “ነቲ ህጻን ኣጠምቖ፡ ሽሙ ድማ ቡላ በሎ” ኢላ ነገረቶ። ከም ትእዛዝ ቅድስት ድንግል ማርያም ከጥምቕዎ ከለዉ፡ አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ወእቱ መንፈስ ቅዱስ ኢሎም ኣመስገኑ።
ኣቡኦምን ኣዲኦምን ብህጻንነቶም ከልዉ እዮም ዓሪፎም። ኣብ ዓሰርተ ዓመቶም“ሃይማኖትኩም ክሓዱ ንጣዖት ስገዱ” ዝብል ዓላዊ ንጉስ ተንስአ።ጨካን ስለ ዝነበረ ህጻን እዩ ኢሉ ከይራህረሀ ብሽንካር ቀተሎ። ቅዱስ ሚካኤል ድማ ብዘንጉ ተንክዩ ኣተንስኦ። ናብ ካልእ ክሓዲ ከይዶም ድማ መስከሩ። ሕዳር 18 ብሰይፊ ሃረሞም። ቅዱስ ሚካኤል ኣተንሲኡ ናብ በረኻ ወሲዱ ልብሲ ምንኩስና ኣልቢሱ ቆቡዕ ደፊኡሎም ዓረገ።
ኣባ ቡላ ብዕድሚኦም ንእሽቶ እኳ እንተነበሩ መንፈስ ቅዱስ ግን ካብ ሓጢኣት ውጹእ ንተጋድሎ ጽኑዕ ስለ ዝገበሮም ካብ ዓበይቲ ንላዕሊ ብጾም ብጸሎት ብትሕርምትን ይነብሩ ነበሩ።ናይ ጎይታ ሕማሙን ሞቱን እናዘከሩ ካብ ገረብ ናብ መሬት ይጸድፉ ነበሩ።ሓደ መዓልቲ ሕማቕ ኣዋድቓ ስለ ዝወደቑ ሞቱ። ጎይታ ንባህርያተ ስጋን ንባህርያተ ነፍስን ኣወሃሂዱ ኣተንስኦም “እምዝእዜሰ ኢይኩን ስምካ ቡላ ኣላ ይኩን ኣቢሉ እስመ ኣብ ብዙሃን ትከውን” ድሕሪ ሕጂ ኣቦ ብዙሓን ክትከውን ኢኻ እሞ ስምካ ቡላ ዘይኮነስ ኣቢብ ይኹን በሎ። ኣቢብ ማለት ድማ ኣቦ ብዙሃን ማለት እዩ።
ብድሕሪ እዚ ሕማሙን ሞቱን ናይ ጎይታ እንዳዘከሩ እኽለማይ ከይለኸፈ 40 ዓመት ገበሩ። 12 ዓመትን ፈረቓን ድማ ብርእሶም ተተኺሎም እንዳሓዘኑን እንዳበኸዩን ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ናብ ገረብ ብምድያብ ካብኡ ጸዲፎም ብኲናት ተወጊኦም ሞቱ። ቅድስት ድንግል ማርያም ንመላእኽቲ ኣኸቲላ ብምምጻእ “ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ኣቢብ” ኢላ ወደሰቶ። ጎይታ ድማ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ብገድልኻ ዝኣመነ ብቓል ኪዳንካ ዝተማሕጸነ ኩሉ ክሳብ 10 ትውልዲ ምሒረልካ ኣለኹ ኢሉ ነፍሶም ካብ ስግኦም ፈልዩ ብስብሃት መላእኽቲ ብቓል ኣቅርንት ኣዕረጋ።
በረኸትን ጸጋን ኣምላድነትን ናይ ኣቡነ ኣቢብ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለምስቀሉ ክቡር
አሜን!!!
Leave a comment

Send a Comment