፳፮/26  ዕረፍቲ  ሓዋርያ ቶማስ

፳፮/26  ዕረፍቲ  ሓዋርያ ቶማስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!

፳፮/26  ዕረፍቲ  ሓዋርያ ቶማስ

ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ወንጌለ መንግሥት፡ ትምህርተ ክርስትና እናሰበኹ ሓዋርያዊ ተልእኾ ክፍጽሙ እንከለዉ፡ እግዚኣብሔር ብዝሃቦም ስልጣን ብትእምርትን ተኣምራትን ብዙኅት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደሮም ፈወሱ፡ ምዉታት ውን እናኣተንስኡ (ሉቃ.10፡9, ግ.ሓ.9፡40)።

ቅድስት ቤተክርስቲያን በረኸት ቅዱሳን ሓዋርያት ንምክፋል ካብ ዝገበርዎ ተኣምራት እናዘከረቶም ትቕጽል ኣላ።

ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ቶማስ ማለት ብዕብራይስጥ ፀሓይ ማለት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ስሙ ‘ዲዲሞስ’ ማለት ከኣ ብጽርኢ ማንታ ማለት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ካብ ነገደ ኣሴር ዝተወልደ ኮይኑ ኣቐዲሙ ‘ትንሣኤ ሙታን የሎን’ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ወገን ሰዱቃውያን ነበረ። ማቴ.22፡25።

ቅዱሳን ሓዋርያት “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኵሉ ዓለም/ ኪዱ ንዅሉ ዓለም መሃሩ” ዝብል ቃል ትእዛዝ ጐይታ ንምፍጻምን፡ ወንጌለ መንግሥትን ድኅነተ ዓለምን ንክእውጁን ከበሥሩን ነዛ ዓለም ብዕጫ ምስ ተኻፈልዋ፡ ንሓዋርያ ቶማስ ካብ ኵሎም ሓዋርያት ዝርኀቐ ምሥራቓዊ ሀገር፡ ሀገረ ህንደኬ በጽሖ።

ቅዱስ ቶማስ ናብ ህንዲ ተጓዒዙ ወንጌል ንምስባኽ መእተዊ መንገዲ እናደለየ ከሎ ምስ ሓደ ነጋዲ ተራኸበ። እዚ ነጋዲ’ዚ ካብ ኢየሩሳሌም ዝመጸ ምዃኑ ሰሚዑ፡ እንታይ ፍልጠትን ክእለትን ከም ዘለዎ ንሓዋርያ ቶማስ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ ናይ ጽርበት፡ መንደቕን ሕንፃን. . . ክእለት ከም ዘለዎ ምስ ነገሮ፡ “ከምዚ

ናትካ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎ ሰብ ንንጉሥና የገድሶ እዩ” ኢሉ ናብ ንጉሥ ጐንዶፓረስ ኣብጽሖ። ኣብ ህንዲ ግዝኣት ምላባር፡ ከተማ ታክሻሲላ ዝነበረ ንጉሥ ጐንዶፓረስ ኣቐዲሙ ዝና ናይቲ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝነበረ ቤተ መንግሥቲ ሰሎሞን እንክሰምዕ ይድነቕን ኣብ ግዝኣቱ ከምኡ ዓይነት ቤተ መንግሥት ክሓንፅ ይብህግን ስለ ዝነበረ፡ ብምምጻእ ናይ ሓዋርያ ቶማስ እምብዛ ተሓጐሰ። ብቕልጡፍ ቤተ መንግሥቲ ክሓንፀሉ ድማ ናብ ጎልጎል ጫካ ወሲዱ ዝኣክል ገንዘብን ንዋያትን ሃቦ። ድኅሪ ሓፂር ጊዜ’ውን “ንመቝጸሪ ሠራሕተኛ ፡ ንመዐደጊ እምኒ፡ ሓፂን፡ ወርቅን ዕንጸይትን” ዝኸውን ገንዘብ ለኣኸሉ። ሓዋርያ ቶማስ ግና ነዚ ዝተዋህቦን ዝተላእኸሉን ገንዘብ ኂዙ ናብ ዕዳጋ ዘይኮነስ ናብ ሰፈር ድኻታት እናኸደ ንዝጠመዩ መግቢ፡ ንዝዓረቁ ክዳን ፡ ቤት ንዘይብሎም መጽለሊ ይዕድገሎም ነበረ። ምስኡ ድማ ንሕሙማት እናፈወሰ፡ ንዝተሸገሩ እናኣጸናንዐ ወንጌለ መንግሥት ትምህርተ ድኅነት ይሰብኽ ነበረ። በዚ ኸኣ ጎልጎል ጫካ እኳ ከይተጸርገ ገንዘብ ንጉሥ ኣብ ናብራ ድኻታት ተወድአ።

ንሕንፃ ቤተ መንግሥቲ ዝተመደበ ጊዜን ዝተሠልዐ ባጀትን ምስ ተዛዘመ፡ ንጉሥ ንክዕዘብ መጸ። እንተኾነ ዱር ጫካ ከይተተንከፈ፣ እምኒ ከይወደቐ . . . ምስ ጸንሖ፡ “ቶማስ ኣበይ ኣሎ፧ ዝሓነፀለይ ቤተ መንግሥቲኸ ኣበይ ኣሎ፧” እናበለ ብቝጥዓ ከምጽእሉ ኣዘዘ። እቶም ሰባት ግና “ቶማስ ደኣ ንዝጠመዩ ኬብልዕ፡ ንዝጸምኡ ኬስትይ፡ ንዝዓረቁ ኬልብስ፡ ንዝሓመሙ ኪፍውስ. . . ኣብ ሰፈር ድኻታት ኢኻ ትረኽቦ። ብእምኒ ዝተሓንፀ ቤተ መንግሥቲ ዋላ እኳ ክትርእይ እንተዘይከኣልካ፡ ኣብ ገጽ ሕዝብኻ ግና ፍሥሓን ፍሽኽታን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ” ኢሎም መለስሉ። ብቝጥዓ ዝነደደ ንጉሥ፡ ወተሃደራቱ ኣዚዙ ንሓዋርያ ቶማስ ካብ

ዘለዎ ከምዘምጽእሉ ገበረ። ንሓዋርያ ቶማስ ኣብ ቅድሚኡ ኣቒሙ ድማ፥ “ቤተ መንግሥተይ ስለምንታይ ዘይሓነፅካለይ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ “ሓኒፀልካ ኣለኹ” ክብል መለሰሉ። ንጉሥ እናተገረመ  “ኣበይ ኣሎ! እቲ ጫካ እኳ ዘይተተንከፈ ዘሎ!” ምስ በሎ ሓዋርያ ቶማስ ከኣ “ብርግጽ ኣብዚ ምድሪ ዝሓነፅክዎ ናይ እምኒ ቤተ መንግሥቲ ከይትርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ኣነ ግን ኣብ ሰማይ ቤተ መንግሥቲ ሠሪሐልካ ኣለኹ” በሎ። በቲ ተግባሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ’ውን በቲ መልሱ ዝነደደ ንጉሥ ብትእዛዙ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ ከምዝሳቐን ቆርበቱ ከም ዝቕለጥን ገበረ።

በታ ሓዋርያ ቶማስ ናብ ቤት ማእሠርቲ ዝተወስደላ መዓልቲ ንምሸታ ሃንደበት ኃዉ ንንጉሥ ሓሚሙ፡ ወጋሕታ ሞተ። ነፍሱ ድማ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ኣብ ሰማያት ክትዘውር ከላ ሓደ ካብ መላእኽቲ፡ ብዙኅ ኣብያተ መንግሥቲ እናኣርኣየ “ንኣኺ እትነብርሉ ደስ ዝብለኪ ምረጺ” በላ። ነፍሲ ናይ ኃው ንጉሥ ድማ ደስ

ዘብላ ቤተ መንግሥቲ መረጸት። እቲ መልኣኽ ግና “እዚ ቤተ መንግሥቲ እዚ ናትኪ ኣይኮነን፡ ቶማስ ንንጉሥ ጐንዶፓረስ ዝሓነፀሉ ሰማያዊ ቤተ መንግሥቲ እዩ ” በላ። በታ ሰዓት እቲኣ ድማ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ነፍሲ ናይ ኃው ንጉሥ ተመሊሳ ምስ ሥጋኣ ተዋሓሓደት። ካብ ድቃሱ ከም ዝተንሥአ ሰብ ኸኣ ኣብ መንጐ ክቐብርዎ ዝተኣኻኸቡ ሰባት ተንሢኡ ተንቀሳቐሰ። ኵሉ እቲ ዝረኣዮ ኸኣ ንንጉሥ ጐንዶፓረስን ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩን ከየትረፈ ነገሮም። ነዚ ዝሰምዐ ንጉሥ በቲ ኣብ ቅዱስ ቶማስ ዘውረዶ ግፍዒ ኃዚኑ ተጣዕሰ። ንሓዋርያ ቶማስ ካብ ቤት ማእሠርቲ ከውፅእዎ ኣዚዙ ድማ ንሱን ቤተ ሰቡን ብክርስቶስ ኣሚኖም ተጠምቁ። “ከምዚ እንተኮይኑስ ካልእ ቤተ መንግሥቲ ሕነፀለይ” እናበለ ገንዘቡ ንሓዋርያ ቶማስ ክህብ ዝረኣዩ ሕዝቢ ኸኣ ኣሠረ ፍኖቱ ክስዕቡ ጀመሩ።

ቅዱስ ቶማስ ንብዙኃት ሰባት ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ መለሶም። እንተኾነ ንገባሬ ሠናያት ዝጻረር ጸላኤ ሠናያት ስለዘይሰኣን፡ ንሓዋርያ ቶማስ ኂዞም ንቆርበቱ ገፊፎም ለቆታ ብምግባር ኣብ ሰብነቱ ጨው እናነስነሱ ናብ ሞት ዘብጽሕ ስቓይ ኣውረድሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ 26 ግንቦት ብኵናት ወጊኦም ብሰማዕትነት ኣኅለፍዎ።

ጸሎቱን በረኸቱን ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ  ምስ   ኲልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር  ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን !!!

Leave a comment

Send a Comment