በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላኽ አሜን!!!
፳፯. 27 ታሕሣሥ ለአባ በግዑ
ሕያዋይ ጓሳና እግዚአብሔር፡ኣበይ ኣለኻ እምበር ኣበይ ኔርካ ዘይብል፡ኣብ ዝደልዮን ከምዝደልዮን ዝገብር፡ነቶም ነዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊት ምዃና ኣሚኖም፡ብቕድስና ሕይወት ዝጉዓዙ ቅዱሳን፡ንዕኦም ዝገብረሎም ድንቂ ግብርታት ከምዚ ኢልካ ክግለጽ ኣይክእልን።ስለዚ እያ ኸኣ ቅድስት ቤተክርስቲያና ኣኣብ ወርሑን ዓመቱን እትዝክሮም ቅዱሳን ኣዝዮም ብዙኃት እዮም።
ማለት ቅዱሳን መላእኽት፡ነቢያት፡ ሐዋርያት፡ ሰማዕታት ፡ጻድቃን፡ እናበለት ወርሓውን፡ ዓመታዊን ትዝክሮም። እምበኣር ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓደ ብገድሉን ትርፋቱን ኣዝዩ ብብዙሕ ቅድስና ዝፍለጥ፡ገድሉ ብኣና ተጻሒፉ ወይ ተነቢቡ ዘይግለጽ፡ ግና’ኸ ንበረኸት ክኾነና ካብ ብዙሕ ብዉሕድ ናይ ኣባ ‘’በግዑ’’ ክንርኢ ኢና።
ኣባ በግዑ ዝቀደመ ሕይወቱ ሽፍታ ዝነበረ ክኸዉን ከሎ፡ ኣብ መገዲ ንዝረኸቦም ሰባት ይኹኑ ንብረትን እናኸተረ ምሕላፍ ዝኸልኦም ዝነበረ ሓያል ሽፍታ እዩ። ሓያል ብምዃኑ ድማ ዝኾነ ሰብ ናብኡ ኣይቀርብን ኲሉ ሕዝቢ ድማ ይፈርሖ ነበረ። ካብ ኢዱ ሴፍን ኲናትን ከይፈለየ፡ ንኽዝርፍ ኢሉ ናብ ዝደለዮ ዓዲን ሃገር እናኸደ፡ብዝዘረፎ ንብረትን ገንዘብን ኸኣ ኣዝዩ ይሕጎስን ዝበለጹ ኣልባሳት ድማ ይኽደን ነበረ። ገንዘቦም ዝተወሰደሎም ሰባት ድማ፡ ንሱ ከምዝወሰደሎም እንተፈሊጦም ዳግማይ መጺኡ ዝተረፈ ከይወስደሎም ስለ ዝፈርሑ ኣይከስዎን ነበሩ።
ብኸምዚ ናይ ሽፍትነት ስራሕ፡ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣባ በግዑ ክርስቲያን ስለዝነበረ፡ ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዎ ናብ ቤተክርስቲያ እናኸደ ከሎ፡ ሓደ ካህን ረኸብዎ’ሞ፡ ካብቲ ዝተራኸብዎ መገዲ እልይ ኣቢሎም “ዝሓለፈ ዘመን ሕይወትካ ኩሉ ብኸንቱ ኣሕሊፍካዮ’ዃ እንተኾንካ፡ሕጂ ግን ስምዓኒ ክነግረካ ዝወደይ፡ ኣብ መፈጸምታ ዘመንካ እግዚአብሔር ክበጽሓካ ‘ዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ዉን ክሓድረካ ዩ፡ፍጹም መነኮስ ክትኸዉን ኢኻ፡ ብብዙሕ መከራን ተጋድሎን ክትነብር ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ንነፍስኻ ክተድሕናን ንእግዚአብሔር ደስ ክተብሎን ኢኻ”ብምባል፡ኣብኡ ዝፍጸም ትንቢት ነገርዎ።
ኣባ በግዑ ምስቲ ወሲኑ ንቤተክርስቲያን ዝመጾን እቶም ካህን ኣብ መገዲ ረኺቦም ብዝነገርዎን ብዓቢ ጣዕሳ ናብ ልቡ ተመሊሱ ንስሓ ኣተወ።
ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩ ድማ ንዝገበሮ ኩሉ ንዝተዋሃቦ ናይ ንስሓ ቆነናን ፈጺሙ ቅዱስ ቊርባን ተቀበለ። ከምዚ ኢሉ እናነበረ ኸኣ፡ በቲ ካህን ዝበልዎ እናሓሰበ፡ ክሳዕ መዓስ ኢየ ሰነፍ ኮይነ ክነብር፧ ክሳዕ መዓስ’ኸ፡ናይ ነፍሰይ ድሕነት ከይሓሰቡኩ ክነብር፧ እናበለ ብዙሕ ሓሰበ። ሓሲቡ’ዉን ትም ኣይበለን፡ ከምቲ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ ክስዕበኒ ዝደሊ ሰበይቱን ደቁን ንብረቱ ሓዲጉ ይስዓበኒ ዝበሎ፡ኣባ በግዑ ኸኣ ካብ ቤተ ሰቡን ካብ ኣዝማዱን ሃገሩን ወጺኡ፡ ናብ ባሕሪ ጣና ማለት ናብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ከደ ።
ምስቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ መነኮሳት ተራኺቡ፡ ንዕኦም ድማ ብትሕትና የገልግሎም ነበረ። ብጻዊዒት እግዚአብሔር ናብ ልቡ ተመሊሱ ምስ መንኮሰ ኸኣ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ፡ ጥዑም መግብን መስተን ከይበልዐ ብትሕርምቲ ይነብር ነበረ። ኣብቲ ክበልዐሉ ዝሓሰብ ጊዜ ድማ ካብ ኣቑጽልቲ ጥራይ ኮነ። ጾም ኣርብዓ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ድማ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳሚት ሰንበት ዝኾነ ከይበለዐ ብጾም የሕልፎ ፡ጾም ምስ ተወድአ ኸኣ ለይትን መዓልትን ንእግዚአብሔር እናኣመስገነ፡ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከንብብ፡ነቶም ዘንብቦም ብምስትዉዓል እናኣስተንተነ የንብብን ይሰምዕ ነበረ። ጎይታ ኣብ ዝተሰቅለሉ ዕለተ ዓርቢ ማለት፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት፡ ኩሉ ከንቱ እዩ፡ ኲሉ ክሓልፍ እዩ፡ ናይዛ ዓለም ኣነባብራ ሓላፊ እዩ ፡ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቃል ምስ ሰመዐ፧ ልቡ ብሓዘን መልአ፡ ካብ ኣዒንቱ ውን ከም ወሓዚ ማይ ንብዓት ዘረብረብ ኣበለ፡ኣዝዩ ዉን ኣልቀሰ።
ካብዛ ዕለት እዚኣ ኣትሒዙ ስጋዊ ስራሕ ገዲፉ፡ ክሳዕ እታ ዝሞተላ ዕለት፡እኽለ ማይ ኣይበልዕን ኣይሰትን ብምባል፡ዝኾነ ሰብ ከይፈለጦ ንመጀመርያ ጊዜ 5 ወርሒ ተቐመጠ። ብልቡ ኸኣ ብዛዕባ ዝሞተላ መዓልቲ እናሓሰበ፡ ብዘይ
ማይ ክነብር ይኽእል ዶ፧ ወይስ ክመውት እየ፧
ንግሆ ድየ ወይስ ምሽት’ከ ክመውት፧ ግና ወዲ ሰብ ብፍቓዱ ሓንቲ መዓልቲ ወይ 2 መዓልቲ ወይ 3 መዓልቲ ማይ ከይሰተየ ክጸንሕ ይክእል እዩ፡ ኣነ ግና ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ከም ዝጸንሕ ኣይፈለጥኩን ነይረ ኢሉ፡ ብዙሕ ይሓስብ ነበረ። ኣባ በግዑ ብኸምዚ ሓሳብ ንሓሙሽተ ወርሒ ከመይ ኢለ ድኣ ጸኒሐ እናበለ ብሓሳባት እናተረበሸ ደቐሰ’ሞ፡ ቅዱስ ሚካኤል ናብኡ ብምምጻእ፡ ኣንታ ናይ እግዚአብሔር ሰብ! ሰላም ንዓኻ ይኹን! ንምንታይ ትርበሽ፧ እንታይ’ከ የሕዝነካ ኣሎ በሎ፧ ኣባ በግዑ ጎይታየ፡ ካብ ጽምኢ ማይ ዝተላዕለ ኣዝየ ስለዝተጨነኲ ኢየ በሎ። ድሕሪ’ዚ ቅዱስ ሚካኤል ነጢቑ ናብ ገነት ወሰዶ፡ ካብ ናይ ገነት ቆጽሊ ድማ ኣብልዖ፡ ሽዑ ሰብነት ኣባ በግዑ ተሓዲሱ ተመለሰ። ስለቲ ኩሉ ድማ ንእግዚአብሔር አመስገነ።”እቲ ማይ ከይሰተኹ ተጋዱለይ ይፍጽም’ዶ ይኸውን” ዝብል ሓሳብ ኸኣ ካብ ሕልንኡ ጠፍአ ።
ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ፡ሓደ ወዲ መዝሙሩ ናብ ኣባ በግዑ መጸ’ሞ፡ኣባ በግዑ ኸኣ ከምዚ ብምባል ተዛረቦ፡ ወደይ ምስጢር እንተ ነጊረካስ ኣብ ልብኻ ትሕዞ ዲኻ በሎ፧ እቲ ወዲ መዝምሩ ድማ ኣቦየ እወ ይሕዞ፡ ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ኸኣ ንሓደ እዃ ኣይነግርን እየ በሎም።
ኣባ በግዑ ድማ በል ስማዓ ክነግረካ’የ ብምባል፡ ን5 ወርሒ ማይ ከምዘይሰተየን ኲሉ ምስጢሩን ነገርዎ’እሞ እቲ ወዲ መዝሙሩ፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣምሪሩ በኸየ: አባ በግዑ ዉን ምስኡ በኸየ። እቲ ወዲ መዝሙሩ ኸኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብ ማይ ዝተኸልኸለ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ካብ መን’ከ ሰሚዕኻዮ፧ ነዝስ መን ክኣምኖ ይኽእል፧ መነኮሳትን ኣበ ምኔትን ድማ ኣይኣምኑን እዮም። እዚ ምስጢር ሕጂ እንተ ሓባእክዎ ኣብ መወዳእታ ግና ምግላጹ ኣይተርፎን እዩ። እሞ ኸኣ ነገስታትን መዃንንትን ሕዝብን ነዚ ነገር እዚ ምስ ዝሰምዑ ኣይኣምኑን እዮም። ሕጂ ዝብለኩም እንተድኣ ሃልዩ ግን ስምዑኒ ትሕርምቲ ገዲፍኲም ማይ ስተዩ በሎም። ናይ እግዚአብሔር ሰብ አባ በግዑ ድማ፡ እቲ ዝበልካዮ ኩሉ ሓቂ እዩ ሓሶት ውን የብሉን፡ ነገር ግን፡ኣነ ድሕሪ ሕጂ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ዳግማይ ማይ ከይሰቲ ንስለ እግዚአብሔር ገዲፈዮ እየ፡ ሰባት እንተ ዘይኣመኑ ንዓይ እንታይ ይጎድለኒ፡ ሰብ ክፈትወልካ ወይ ክኣምነካ ኢልካ ካብ እግዚአብሔር ምርሓቕን እግዚብሔር ዘይፈትዎ ምግባርን ከኣ ጽቡቕ ዶ ይመስለካ፧ ነገር ግና በዚ ገድሊ እግዚአብሔር ክረድኣኒ ምእንታይ ጸልየለይ በልዎ።
ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡አበ ምኔትን መነኮሳትን ሰምዑ። ምስ ሰምዑ’ ዉን ኣይኣመኑን። አበ ምኔት ኸኣ ነቲ ወዲ መዝሙሩ፡ እዚ ዝሰምዖ ዘለኵስ ሓቂ ድዩ ክብሉ ሓተትዎ፧ ንሱ ድማ እወ አባ ሓቂ እዩ በሎም። እቶም አበ ምኔት ኸኣ፡ ካብ ማይ ዝተኸልኸለ ቅዱስ ክሳዕ ሕጂ ሰሚዐ ኣፈልጥን፡ ከመይ ጌረ ክኣምነካ ይኽእል፧እዚ ነገር እዚ ሓቂ ምኳኑን ዘይምዃኑን ክሳዕ ዘረጋግጽ ን3 ሰሙን ምሳይ ሓቢሮም ክቕመጡ፡ሓቂ ሙዃኑን ዘይምዃኑን ምፍላጥ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ምሳይ ክገብር እየ፡ክሳዕ 3 ሰሙን ማይ እንተዘይ ሰትዩ በዚ ክኣምን እየ፡ ሕጂ ግና ኬድካ ንገሮ በልዎ። አበ ምኔት አቡነ ኢየሱስ ሞዐከም ዝበልዎ ከይዱ ነገሮ። ናይ እግዚአብሔር ሰብ ፍሽኽ ብምባል፧ ሰባት እንተ ሰሚዖም ከምዘይ ኣምኑኻ ኣቐዲመ ነጊረካ ነይረ በሎ። ኣባ በግዑ ድማ ሰባት ይእመኑ ኣይእመኑ ንዓይ እንታይ የእትይኒ፡ ነገር ግን እግዚአብሔር ኃይለይ እዩ ። ሕጂ’ውን ንሰብ መዕንቀፊ ኣይገብርን እየ በሉ።
ብድሕሪ’ዚ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ኣባ በግዑ፡ ንወዲ መዝምሩ ኪድ ክልተ ሰንሰለት ኣምጽኣለይ ኢሉ ኣዘዞ። ከምቲ ዝተኣዞዘ ክልተ ሰንሰለት ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኢዱን እግሩን ተኣስረ። ንአበ ምኔት ኣቡነ ኢየሱስ ሞዓ ጸዉዓለይ በሎ’ሞ ጸዉዓሉ። አቡነ ኢየሱስ ሞዐምስ መጸ ናይ ጸጋ ስግደት ሰገደሉ’ሞ፡ “ኦ አቦየ! ካብ ሕጂ ንድሓር ትእዛዝ እግዚአብሔር ክፍጽም ጸልዩለይ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኸኣ ካብ ብዓተይ ኣይወጽእን እየ፡ ሰብ ድማ ናባይ ኣይምጻእ በሎ። ጻድቕ አቡነ ኢየሱስ ሞዐኣብ ልዕሊኡ ምስ ጸለዩ ፧ ንዓይ ዉን ጸልየለይ በልዎ’ሞ፡ አባ በግዑ ኸኣ፡ቅዱስ ሚካኤል ክሕልወኒ መታን፡ ኣብ ክብረ በዓሉ ቅዱስ ቁርባን ብኢድኩም ክቕበል፡ ድሕሪ ብዓል ቅዱስ ሚካኤል ግና፡ ካብ ብዓተይ ኣይወጽእን ምስ ሰብ ዉን ኣይዛረብን በልዎ። አበ ምኔት አቡነ ኢየሱስ ሞዐድማ ፈቐደሉ። አባ በግዑ ቅዱስ ቊርባን ክቕበል ናብ ቤተክርስቲያን ከደ፡ ብብዝሒ ንብዓትን እናነብዐ ኸኣ፡ ኦ እግዚአብሔር ጎይታ ሰራዊት፡ ንዓይ ንኃጥእ ሰብ መሓረኒ እናበለ፡ ኣብ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብኢድ አቡነ ኢየሱስ ሞዐ ቅዱስ ቊርባን ተቐበለ።ካብኡ ንድሓር ከምቲ ኣቐዲሙ ኢልዎ ዝነበረ፡ኢዱን እግሩን ብሰንሰለት ተኣሲሩ፡ምስ ሰብ ከይዛረብ ኣፉ ብጨርቂ ኣሲሩ፡ በይኑ ጽኑዕ ተጋድሎ ቀጸለ። ነቲ ኣፍደገ በዓቱ ኸኣ ብጭቃ ለበጦ። ንመግቢ ተእቱ ንእሽተይ ቀዳድ ሓዲጉ ብኹሉ ወገና ሸፈና፡ በታ ንእሽቶይ ቀዳድ ንመግቢ ክኾኖ ቆጽለ መጽሊ፡ እቲ ወዲ መዝሙሩ ይሰደሎም ነበረ። ንዑኡ ዉን ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ሸተተ ይበልዖ ነበረ።
ለይትን መዓልትን ብዘይ ምቁራጽ ብመርሪ ብኽያት እናልቀሰ ይበክይ ነበረ’ሞ፡ኣዒንቱ ምንጪ ናይ ንብዓት ኮና። እቲ ዝምገቦ ዝነበረ ድማ ካብ ኣቑጽልቲ ከምዝነበረ’ሞ፡ እቲ ቆጽልን ንዑ ዘብስል ሓዊን ኣብ ሰለስተ መዓልቲ፡ብሓደ ንእሽተይ ቊልዓ ጌሮም ይልእኽሉ ነበሩ። እቲ ቆጽሊ ክሳዕ ዝምሽምሽ ይጽበዮ’ሞ፡ መሽሚሹ ጨንኡ ካብ ዓይኒ ምድሪ ንላዕሊ ዝሽትት ምስ ኮነ፡ብዘይ ማይ ኣብሲሉ ይምገቦ ነበረ። ለይትን መዓልትን እናጾመ፡ ነዚ ዝመሽመሸ ቆጽሊ ይበልዕዖን ክሳዕ ዝሓርር፡ ተጸቢዩ ኸኣ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ይምገቦን ነበረ። ስለምንታይ ክሳዕ ዝምሽምሽ ትጽበዮ፧ ስለምንታይ’ኸ ዝመሽመሸ ትበልዕ ኢሉ ወዲ መዝምሩ ኣብ ዝተሓተቶ፡ አባ በግዑ ኸኣ፡ እዚ ናይ ሓጥኣተይ ክፍኣት ሓሲበ እየ ኢሉ መለሰሉ። ካልኣይ ጊዜ’ውን ስለንምታይ’ከ ዝተረፈካ ኣብ ልዕሌኻ ተቐምጦ በሎ፧ ኣባ በግዑ ድማ ዋጋይ ክበዝሓለይ ለይትን መዓልትን ክጨንወኒ ኢለ እየ ክብል መለሰሉ። ዕለት ዕለት ኸኣ ከምኡ ይገብር ነበረ፡ በዓል ልደት ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኮነ ግና ክፈተኒ ኢኻ በሎ። በዓል ልደት ምስ ኣኸለ ድማ ክኸፍቶ ኢሉ ብምኻድ፡ ነቲ ብጭቃ ጌሩ ለቢጥዎ ዝነበረ ኣልዩ፡ናብኡ ኣተወ። ሥጋኡ ተወዲኡ ዓጽሚ ጥራይ ተሪፉ ቆርቦቱ ምስ ዓጽሙ ለጊቡ ከም ዕንጨይቲ ደሪቁ ረኸቦ’ሞ፡ ድሕሪ’ዚ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ሒዙ ወሰዶ፡ሰለስተ መዓልቲ ቅዱስ ቁርባን ተቀቢሉ ድማ ናብ ብዓቱ መሊሱ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነበሮ ጌሩ ዓጸዎ። ብድሕሪ’ዚ ውን ብበዓለ ጥምቀት ማለት 11ጥሪ ካብ ብዓቱ ወጸ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ በዓል ትንሳኤ ናይ ጎይታ እንተዘይኮይኑ ናባይ ኣይትምጻእ፡ኣብዛ ዕለት እዚኣ ግን ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ስለዘለኒ መጺኻ ክፈተኒ ኢኻ፡ሕጂ ግና ኪድ፡ኢሉ መሪቑ ተፋንይዎ ናብ ብዓቱ ኣተወ። እቲ ወዲ መዝምሩ ድማ ከምቲ ኣባ በግዑ ዝበሎ ክሳዕ እታ ዕለት ትንሳኤ ጎይታ ከይከደ ጸንሐ’ሞ፡ ዕለት ትንሳኤ ጎይታ ምስ በጽሐ ግን፡ከይዱ ከፈተሉ፡ ቅዱስ ቁርባን ድማ ተቀበለ። ብድሕሪኡ ውን ካብ ትንሳኤ ክሳዕ ዳግማይ ትንሳኤ ንሽሞንተ መዓልቲ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ቀንዩ፡ ብዓለ ፋሲካ ምስ ተወድኤ ናብ ብዓቱ ተመልሰ።ካብዚ ንድሓር ግና፡ነቲ ኣፍ ደገ በዓቱ ዝኸዉን ማዕጾ ድኣ ገበረሉ እምበር፡ከምቲ ዝቐደመ ጌሩ ኣይዓጸዎን።ካብዚ ዕለት ኣትሒዙ ቅዱስ ቁርባን ምቕባል ኣየቛረጸን። አባ በግዑ ንዝሓለፎ ፍሉይ ተጋድሎ ካብ ማይን መግብን ተኸልኺሉ ንዝፈጸሞ፡ ነገስታትን መኳንንትን ካህናትን መነኮሳትን ድያቆናትን ሕዝብን ዜናኡ ኣብ ኲሉ ተሰምዐ። ካብ ማይ ተኸልኺሉ ንዝፈጸሞ ገድሊ፡ ንጉስ ምስ ሰምዐ፡ከምዚ ብምባል መልእክቲ ለአኸሉ፡ (ሰላም ንዓኻ ይኹን ኣታ ቅዱስ ኣብ ጸሎትኻ ዘክረኒ፡ እቲ ዝለኣኹልካ ልብሲ ንዝፈተኻዮ ሃቦ ክብል ለኣኸሉ። ኣባ በግዑ ድማ፡ሰላም ንዓኻይ ይኹን ንጉስ፡ እዚ ዝልኣኽኻለይ ልብሲ ኣይቅበለካን እየ፡ ነገር ግን ምእንታይን ምእንታኻን ናብ እግዚአብሔር መታን ክጽሊ፡ ናቱ ቅያር ዕጣን ስደደለይ በልዎ። ንጉስ ኸኣ ነታ መልእክቲ ምስ ኣንበባ፡ነቲ መልእክተኛ ዕጣን ሂቡ ከምዚ ዝብል መልእክቲ ሰደደ፡ ዝሓተትኻኒ ዕጣን ተቀበል ኣብ ጸሎትካ ኣይትረስዓኒ። ናይ እግዚአብሔር ሰብ አባ በግዑ ኸኣ ነቲ ዕጣን ተቀቢሉ ንቤተክርስቲያ ኣብጽሖ። ቅድስና ኣባ በግዑ ኣመና ዛየደ፡ ካህናትን መነኮሳትን በረኸቱ ክቕበሉ፡ናብኡ ይመጹ ነበሩ። አባ በግዑ 5 ዓመት ማይ ከይሰተየ ምስ ገበረ፡ ብሰብነቱ ተሰነፈ፡ብጎኑ ኣብ ምድሪ ምድቃስ ስኣነ፡ስጋኡ ፈጺሙ ተወዲኡ፡ ከንፈሩ ካብ ማይ ጽምኢ ዝተላዕለ ደረቐ፡ መልሓሱ ምስ ትንሓጉ ተጣበቐ፡ ዓይኑ ብንብዓት ንዉሽጢ ኣተዋ፡ ኣፍንጭኡ ቆሰለ፡ ኣዕጽምቲ ናይ ክሳዱ ተራኡዩ፡ ክልተ ናይ ጎኑ ኣዕጽምቱ ንደገ ወጸ፡ ክሳዱ ንታሕቲ ኣተወ ምስ ሕቕኡ ተጣበቐ፡ ብሓፈሻ ኲሉ ኣዕጽምቱ ተራእየ፡ብጀካ ቆርበቱን ዓጽሙን ካልእ ዝተረፎ ኣይነበረን። ካብ ብዙሕ መከራ ዝተላዕለ ቅዱስ ቁርባን ንክቕበል ክልተ መነኮሳት ይስከምዎ፡ ምስ ተቐበለ ውን ደጊፎም ኮፍ የብልዎ፡ስርዓተ ቅዳሴ ምስ ተወድአ ተሰኪሞም ናብ ብዓቱ ወሰድዎ። ነዚ ጽኑዕ መከራ ምስ ተቀበለ ነፍሱ ክዕርፋ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ’ሞ፡ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ መልአኽ እግዚአብሔር ናብኡ መጸ፡ ማይ ናብ ዝመልኦ ውሕጅ ድማ ኣብጽሖ፡ ነዚ ማይ ሕለፎ በለኒ፡ኣነ ኸኣ ኣተኹ፡ ነገር ግን ክሳገር ኣይክኣልኩን ምሕላፍ ምስ ስኣንኲ ንድሕሪት ተመሊሰ፡ እቲ ብርቱዕ ዉሕጅ ክሳዕ ዝሓልፍ ተዓገስኩ፡ ማይ ምስ ጎደለ ኸኣ ተሳገርኲ። ካልኣይ ጊዜ ናብቲ ዉሕጅ ዝወሰደኒ መልአኽ መጺኡ፡ እቲ ዉሕጅ ክሳዕ ዝሓልፍ ስለዝተዓገስካ ምስ ጎደለ ድማ ከም ዝተሳገርካ፡ሕጂ ኸኣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ክትሳገር መታን መከራን ጥምየትን ጽምእን ተዓገስ በሎ። ከምዚ ምስ በሎ ንዕለቱ መሪር ብኽያት በኸየ። ወዲ መዝምሮም ስለ ዝሰምዖም ድማ እንታይ ኮይንኩም ፍርቂ ለይቲ መሪር ብኽያት በኺኹም በሎም። አባ በግዑ ኸኣ ወደይ፡ ጻድቃን ኣብ ገነት ኮይኖን ” ኦ ጎይታ ፍጹም ዋጋና ክንቕበል ዕለተ ምጽኣትካ ቀልጢፋ ትምጽኣእ እናበሉ፡ ናብ እግዚአብሔር ክልምኑን፡ እቶም ካልኣይ ድማ ሓጥኣን ኮይኖም፡ “ኦ ጎይታ ኣብዘይ ጠፍእ ሓዊ ከይትፈርደናስ ዕለተ ምጽኣትካ ኣይትቕረባ እናበሉ ክጽልዩ ናብ እግዚአብሔር ምስ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ትርእየኒ ዘለኻ ኸኣ፡ ክሳዕ ሕጂ የልቕስ ኣለኹ በሎ። ብትሕትንኡ እናተገረመ፡ሕይወቱ ኣበየናይ ጉዕዞ ከምዘላ እናኣስተንተነ ገዲፍዎ ካብኡ ተፈለየ።
አባ በግዑ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንርእሱ ኣትሒቱ፡ ስለሓጢኣቱ ብዘይ ምቊራጽ ይጽሊ ነበረ። እዚ ኲሉ ዝሓለፍኩዎ ሕይወት ድማ ብሓይሊ እግዚአብሔር እንበር ብሓይለይ ኣይኮንኩን እናበለ ምኽሪ ሃቦም።
ኣንቱም ኣሕዋተይ ርእስና እስከ ንመርምር፡ ዝኾነ ተጋድሎ እንተገበርና፡ብጾም እንተጠመኻ፡ ስለ እግዚአብሔር ኢለ ርእሰይ ኣድኪመ በል። ንእግዚአብሔር ስለ ዘገልገልኩ ብግብረይ ክድሕን እየ ኣይትበል፡ ምኽንያቱ መወዳእታኻ ኣይትፈልጣን ኢኻ። ንስኻ ግን ንስለ እግዚአብሔር ክትብል ርእስኻ ሓጥእ ግበራ፡ ሽዑ እግዚአብሔር ኸልዕለካ እዩ። ፍትወይ ብእግዚአብሔር መታን ክትምስገን ንርእስኻ ኣይተመስግና፡ ከምኡ ውን ካልኦት ከመስጉኑኻ ኣይትጸበ። ክብሪ መታን ክንረክብ ንትሕትና ገንዘብና ንግበራ ይብል።
አባ በግዑ ድሕሪ 7 ዓመት ካብ ጥሜትን ጽምእን ዝተላዕለ ምዝራብ ስኣነ ጽኑ ሕማም ድማ ሓመመ። ንወዲ መዝምሩ ኸኣ እግዚአብሔር ዘርኣየኒ ምስጢር ክነግረካ ስምዓኒ፡ ናይ ሰማዕታት ምሕደሪት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ርኣኹዋ፡ ኣተኲረ ክጥምታ እንተ ደለኹ ምርኣይ ይስእና፡ መልክዓ ከም ብርሃን መብረቕ የንጸባርቕ፡ ነበልባላዊ እሳት እዩ በሎ።
ድሕሪ’ዚ ኲሉ ተጋድሎ፡ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስቲ ወላዲቱ ምስ ኣእላፍ መላእክቱ ኣኸቲሉ ብምምጻእ፡ ሰላም ንዓኻ ይኹን ፍትወይ አባ በግዑ ፍጹም ተጋድሎ ተጋዲልካ ኢኻ’ሞ፡ ስምካ ዝጸዉዐ፡ ተስኻርኻ ዝገበረ፡ናብ ዝተቐበርካሉ ቦታ ከዱድ ዝተሰለመ፡ኣብ ክብረ በዓልካ ምጽዋት ዝሃበ፡ ክሳዕ 7 ትውልድ ክምሕረልካ እየ። ከምኡ ውን ብስምካ ኣሚኑ ሰናይ ስራሕ ዝሰርሐ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዝሰምዐ፡ንባሕሪ ሲኦል ብግልጺ ይሓልፋ፡ናብ መንግስተ ሰማያት ኸኣ ክኣቱ እዩ ዝብል ቃል ኪዳን ኣተወሎም።
ንአቡነ ኢየሱስ ሞዐ ጽዉዕለይ ኢሉ ድማ ንኸመንኲሶም ሓተቶም፡ አቡነ ኢየሱስ ሞዐ ድማ ናብ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ያዕቆብ ክሰደካ እየ ንሶም ከመንኩስኻ እዮም በልዎ። አባ በግዑ ኸኣ ጳጳሳትን ነገስታን በረኸትኩም ደልዮም ናባኹም እዮም ዝመጹ፡ብጸሎትኩም ዉን ይምሕጸኑ እዮም። ኣነ’ዉን ቅድሚ ምኻደይ ብኢድኩም’የ ዝምንኩስ ምስ በልዎም፡ አቡነ ኢየሱስ ሞዐ ድማ ሕራይ በል ፍቓድ አምላኽ ይኹን ብምባል፡ ሰንበት መዓልቲ ምንኩስና ተቐበሉ። ፍርቂ ለይቲ ሰንበት ምስ ኮነ ኸኣ ብ27 ታሕሳስ ኣብታ ዝመንኮሱላ መዓልቲ ብሰላም ዓረፉ። ጸሎቶምን በረኸቶምን ናይ ኣቡነ በግዑ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!!!
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment