፳፰/28 ነሓሴ ዝክሪ ኣብርሃም ፡ ይስሓቅ ወያዕቆብ

፳፰/28 ነሓሴ ዝክሪ ኣብርሃም ፡ ይስሓቅ ወያዕቆብ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፳፰/28 ነሓሴ ዝክሪ ኣብርሃም ፡ ይስሓቅ ወያዕቆብ

ኣብርሃም ማለት ኣቦ ብዙኃት ማለት እዩ። ኣብርሃም ትውልዱ ካብ ነገደ ሴም እዩ። ኣቦኡ ታራ ይብሃል። ካብ ፍጥረት ኣዳም መበል ዕስራን ሓደን እዩ። ኣብርሃም ናሆር ዝብሃል ሓው ነበሮ (ኢያ24፡2)። ሰበይቱ ድማ ሳራ ትብሃል። ኣቦኡ ታራ ፍቕሪ ጣዖት ዝሓደሮ ኮይኑ፡ ጣዖት እናቐረጸ ይሸይጥ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ታራ ንኣብርሃም ጣዖት ሂቡ “ሸጥካዮ ምጻእ” በሎ። ኣብርሃም ኣብ መገዲ እናኸደ ነቲ ጣዖት “ጠምየ ኣብልዓኒ፡ ጸሚአ ኣስትየኒ” በሎ። እቲ ጣዖት ድማ ስቕ በለ። ኣብርሃም ድማ ደጊሙ “ምብላዕን ምስታይንሲ ድሓን ግደፎ በል ኣጻውተኒ” በሎ። እቲ ጣዖት ሕጂ’ውን ስቕ በለ። ኣብ ዕዳጋ ምስ በጽሐ ኣብርሃም “ዓይኒ ከለዎ ዘይርኢ፡ ኣዝኒ ከለዎ ዘይሰምዕ፡ እግሪ ከለዎ ዘይከይድ ኣምላኽ ኣለኒ እሞ ግዝኡ” በሎም። እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ኩሎም “ሎሚሲ ኣብርሃም ተጸሊሉ እዩ መስለኒ” ይብልዎ ነበሩ። ነቲ ጣዖት ዝገዝኣሉ ሰብ ስኣነ እሞ ናብ ገዝኡ ክምለስ ከሎ “ክሳብ ሕጂ ዓሽየ እየ ጸኒሐ፡ ብኢድ ዝተሰራሕካ ዕንጭይቲ እንዲኻ” ኢሉ ኣብ ልዕሊ እምኒ ገይሩ ብእምኒ ጨፍሊቑ ሰበሮ።

ብድሕሪ’እዚ “ንመን ከምልኽ” ኢሉ ኣምላኹ ክደሊ ጀመረ። ድሕሪ ብዙኅ ምምርማር እግዚኣብሔር ተገልጸሉ እሞ “ካብ ህዝብኻን ካብ ወገንካን ተፈሊኻ ኣብቲ ኣነ ዘርእየካ ቦታ ተቐመጥ” በሎ። ኣቦኡ ሞይቱ ስለ ዝነበረ፡ ሰበይቱን ወዲ ሓው ሎጥን ከብቱን ሒዙ ኣብ ከንኣን ተቐመጠ። ኣብ ዘመኑ ደርቂ ኮነ ስደተኛ ኮይኑ ድማ ኣብ ጌራር ተቐመጠ። ንጉሥ ኣቤሜሌክ ንኣብርሃም “ሳራ እንታይካ እያ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣብርሃም ከኣ “ሓፍተይ ኢያ” በሎ። ካብኡ ድማ ወሰዳ፡ ክበልዑን ክሰትዩን ውዒሎም ምስ መሰየ ናብ ሕልፍኝኡ ወሰዳ፡ ለይቲ ድማ ፍረ-ነፍሱ ብሕበጥ እግኣብሔር ሃረሞ ዋይ በለ። “ንሰብኣያ እንተዘይመሊስካሉ ክትመውት ኢኻ” ድማ በሎ። ንሱ ድማ ንኣብርሃም ጸዊዑ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርካ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ከይትቐትለኒ ፈሪሀ” በሎ። ኣብርሃም ድማ ንኣቤሜሌክ ጸለየሉ። ምስ ጸለየሉ ከኣ ካብቲ ሕማሙ ተፈወሰ። ንሰበይቱ ድማ መለሰሉ። ዝነብረሉ ቦታን ዝነባበረለን ከብትን ኣገልገልትን ድማ ሃቦ። እግዚኣብሔር ከም ዝወልድ ተስፋ ሂብዎ ስለዝነበረ ወዲ ወለደ ስሙ ድማ ይስሓቅ በሎ ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ኣብርሃም ዝበሃል ፍቱው ኣለኒ በለ። መላእኽቲ ድማ “ኣብርሃም ዓርኪ እግዝኣብሔር” ኢሎም ኣመስገኑ። ሰይጣን ድማ “እዚ ዓርከይ ዓርከይ ትብሎ ዘለኻ ነቲ ምስ ኣረገን ምስ ሸምገለን ዝሃብካዮ ውላድ ሰውኣለይ እንተትብሎ ኣይምሰውኣልካን” በሎ። እግዚኣብሔር ግን ጽንዓት ናይ ኣብርሃም ስለዝፈልጥ፡ ናይ ሰይጣን ሓሶት ድማ ምእንቲ ክገልጽ፡ እግዚኣብሔር “ኣብርሃም ኣብርሃም ንይስሓቅ ወድኻ ሰውኣለይ” በሎ። ንሳራ እንተነጊረያ ሎሚ ጽባሕ ክትብል ከተዘናግዓኒ እያ ኢሉ ከይነገራ ኣገልገልቱ ኣኸቲሉ ኣድጉ ጽዒኑ ናብ ጎቦ ሞርያ ከደ፡ ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ ምስ በጽሑ ኣነን ወደይን መስዋዕቲ ክንስውእ ኢና ንስኹም ኣብዚ ጽንሑ ኢሉ ነቶም ኣገልገልቲ ገደፎም። ዕንጨይቲ ንይስሓቅ ኣሰኪሙ ከኣ ናብቲ ጎቦ ደየቡ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ይስሓቅ ንኣብርሃም “እቲ ዝስዋዕ በጊዕ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ ጐይታ ከዳልወልና እዩ ኢሉ መለሰሉ።

ካብ ሰለስተ ጎቦታት ናይ ብርሃን ዘንጊ ኣብ ሓንቲ ክኣቱ ረኣዩ፡ እቲ መስዋዕቲ ዝፍጸመሉ ኣብኡ እዩ ኢሉ ናብኣ ከደ።

ኣብኣ ድማ ኣእማን ከንጽፍ ዕንጨይቲ ክረብብ ጀመረ። ይስሓቕ ከኣ “በጊዕ ከይተረኽበ እምኒ ምንጻፍ ዕንጨይቲ ምርባብ ንምንታይ እዩ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ወደየ ድሓን ጐይታ ክህበና እዩ” በሎ። ይስሓቕ ከኣ “በጊዕ ካብዘይ ሃለወ ንዓይ ክትስውኣኒ ደሊኻ ኣለኻ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ ከምኡ እንተኾነ ውን ትጥቀም እምበር ኣይትጉዳእን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ይስሓቕ ከኣ እዙዝ ስለዝነበረ “በል ጻዕረ ሞት ሒዙኒ ፈንጠርጠር ክብል ከለኹ ከይሃርመካስ ኢደይን እግረይን እሰረኒ” በሎ። ኣብርሃም ድማ ከምቲ ዝበሎ ንይስሓቕ ኣሰሮ። ይስሓቕ ድማ ደጊሙ ንኣብርሃም “ዓይነይ ርኢኻ ምእንቲ ከይትርህርሃለይ ብኸብደይ ኣደቅሰኒ” በሎ። ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ድማ ኣደቀሶ። ኣብርሃም ካራ ኣምጺኡ ኣብ ክሳዱ ከዕርፎ ከሎ፡ ጐይታ “ኣብርሃም! ኣብርሃም! ዓለም እትድኅን ብደመይ እምበር ብደም ወድኻ ስለ ዘይኮነት፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ይስሓቅ ኣይትዘርግሕ” በሎ። ኣብርሃም ግልጽ ኢሉ እንተርኣየ ጻዕዳ በጊዕ ብሓረግ ተኣሲሩ ረኣየ እሞ ንዕኡ ውሲዱ ሰውኦ። እግዚኣብሔር ድማ ከምዚ በሎ “ነቲ ሓደ ወድኻ ስለ ዘይበቐቕካለይ ክባርኸካ እየ፡ ዘርእኻ ድማ ከም ኮኾብ ሰማይን ከም ሑጻ ባሕርን ከብዝሖ እየ” በሎ። ሳራ ሰበይቱ ኣብ 127 ዓመታ ዓረፈት። ኣብ ማክጴላ (ብዓቲ ካዕበት) ቀበራ።

ኣብርሃም ብዘይካ ይስሓቅ ሸውዓተ(7) ደቂ ነበርዎ። እቲ መጀመርያ ዝወለዶ እስማኤል ካብ ኣጋር ዝወለዶ እዩ (ዘፍ 16፡15)። እቶም ሽዱሽተ(6) ድማ ካብ ቄጡራ ዝወለዶም እዮም (ዘፍ.25፡1)። ኪዳን ዝተኣትወሉ ይስሓቅ ስለ ዝኾነ ነቶም ካልኦት በብጽሒቶም ሂቡ ኣፋነዎም። ንይስሓቅ ምስ ርብቃ ጓል ባቱኤል ኣመርዓዎ ሃብቱን ንብረቱን ድማ ኣውረሶ። ኣብ መበል 160 ዓመቱ ድማ ዓረፈ (ዘፍ.25፡5-11)። ኣብርሃም ቅድሚ ሙማቱ ንኢያውብር ዝተባህለ ኣገልጋሊኡ ጸዊዑ “ንይስሓቅ ወደይ ካብ ወገነይን ዓሌተይን ደኣምበር ካብ ከንኣናውያን ሰበይቲ ከይተምጽኣሉ ምሓለለይ” በሎ። ንሱ ድማ “ብህያው እግዚኣብሔር ይምሕል፡ ዝበልካኒ እየ ዝገብር” እሉ መሓለሉ። ዝጸረየን ዝጸበቐን ወርቂ ሂቡ ገመል ጽዒኑ ናብ መሰጶጣምያ ከደ። ፀሓይ ዕራርቦ ምስ ኮነ ኣብ ሓደ ማይ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ክሓስብ ጀመረ። ማይ ክቐድሓ ካብ ዝመጻ ደቀንስትዮ ካብ ወገን ጐይታይ ኮይና ጽብቕትን ግርምትን ዝኾነት ማይ ኣስትይኒ ኢለያ ተስትየኒ ነዘን ኣግማለይ ድማ እንተተስትየን’ሲ ንይስሓቅ ባርያኻ ኣዳሊኻያ ኢለ ንእግዚኣብሔር መመስገንክዎ ነይረ” ኢሉ እናሓሰበ፡ ርብቃ ማይ ክትቀድሕ መጸት እሞ ንሱ ከኣ “ማይ ኣስትይኒ” በላ እሞ ኣስተየቶ። ንሱ ከኣ ደስ በሎ “ጓል መን ኢኺ፧” ኢሉ ከኣ ሓተታ። ርብቃ ድማ ጓል ቡቱኤል ምዃና ነገረቶ። “ኣብ ገዛኹም መሕደሪ ቦታ ኣለኩም’ዶ” ከኣ በላ። ንሳ ከኣ “መሕደሪ መሊኡ ኣለና ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነስ ነግማልካ ዝድቅሳሉ ቦታ፡ ዝበልዕኦ ሳዕሪ (ሓሰር) ውን ኣለና” በለቶ። ንሱ ከኣ ቀለቤት ንኣጻብዕታ፡ ኩትሻ ንእዝና ሂቡ ሰደዳ። ንሳ ላባ ዝበሃል ሓዋ ነበራ እሞ “መን ሂቡኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ርብቃ ድማ እቲ ዝሃባ ነገረቶ። ላባ ድማ ከምቲ ናይ ርብቃ ወርቅን ብሩርን ዝህቦ መሲልዎ ናብኡ ከይዱ “ንስኻ ትኣክል ክቡር ሰብሲ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧” ኢሉ ኣግማሉ ኮብኪቡ ንገዛ ወሰዶ። “እግርኻ ትሓጸብ እንጀራ ብላዕ” ምስ በልዎ፡ “ጐይታይ ዝለኣኸኒ ከይነገርኩ ኣይበልዕን ኣይሰትን እየ” በለ። “ሕራይ ተዛረብ” ምስ በልዎ፡ “ንኣብርሃም ጐይታይ እግዚኣብሔር ኣኽቢርዎ እዩ። ኣብ ጊዜ እርጋኑ ድማ ውላድ ሂብዎ እዩ፡ ካብ ደቂ ሶርያ እምበር ካብ ከንኣናውያን ከይተመርዕዎ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ።

ኣብ ጥቓ ማይ ኮይነ ክሓስብ ከለኹ ድማ ርብቃ መጸት፡ ሸሊመ ድማ ሰዲደያ ንወዲ ጐይታይ ክትከውን ሃቡኒ ኣነ ድማ ገንዘብኩም ክህበኩም” በሎም። ንሶም ድማ “እዚ ካብ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ንብሎ የብልናን” ኢሎም ንኢያውብር መለስሉ። ንሱ ከኣ “ሓዲኡ ኣፍልጡኒ” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ውን “ሂብናካ ኣለና” ብምባል መለስሉ። ኢዮውብር ድማ ኮፍ በለ፡ ሓደረ ድማ። ምስ ወገሐ “ክኸይድ ገንዘብኩም ተቐበሉኒ፡ ንርብቃ ድማ ሃቡኒ” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ንዓሰርተ(10) መዓልቲ ትቐኒ” በልዎ። “እግዚኣብሔር ኣቕኒዑለይ ከሎስ ኣይተሰናኽሉኒ” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ንርብቃ ክንሓታ” በልዎ። ርብቃ ምስ ተሓተተት ድማ “ክኸይድ እየ” በለት። ገንዘቦም ሂቡ ከኣ ንርብቃ ሒዙ ክምለስ ከሎ፡ ይስሓቅ ሸፋቱ ከይረኽብዎም ኢሉ ከም ሓላፊ መገዲ ተመሲሉ ይስሊ ነበረ። ርብቃ ብማዕዶ ርእያቶ “እዚ መን እዩ፧” ኢላ ንኢዮውብር ሓተተቶ። ንሱ ከኣ “እቲ ትኸድዮ ዘለኺ ወዲ ጐይታይ እዩ” በላ። ንሳ ከኣ ካብቲ ተጻዒናትሉ ዝነበረት “ኣውርደኒ” ብምባል ወረደት።

ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ቀይራ ከኣ ሽልማታ ተሸሊማ ጸንሓቶ። ተተሓሒዞም ድማ ከዱ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ይስሓቕ ወዲ 40 ዓመት ጎበዝ ነበረ (ዘፍ.24፡1-66, ዘፍ.25፡20)። ርብቃ ዕጽውቲ ማህጸን ነበረት። በዚ ድማ ርብቃን ይስሓቕን ብዙኅ ይሓዝኑ ነበሩ። ኩሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሔር ይልምኑ ስለ ዝነበሩ ከኣ እግዚኣብሔር ጸሎቶም ሰሚዑ ማህጸና ከፈተላ እሞ ጠነሰት። እቲ ጥንሲ ኣብ ማህጸና ኮይኑ ይህውኻ ስለዝነበረ ከኣ ንእግዚኣብሔር ክትሓትት ናብ ቤት ጸሎት ከደት። እግዚኣብሔር ከኣ “ክልተ ሕዝቢ ኣብ ማህጸንኪ ኣለዉ፡ እቲ ንእሽቶይ ድማ ነቲ ዓቢ ክገዝኦ እዩ” በላ። ክልተ ኣወዳት’ውን ወለደት፡ እቲ በኹሪ ኤሳው እቲ ንእሽቶ ድማ ያዕቆብ ይበሃሉ። ያዕቆብ ማለት ትሓዚ ሸኾና ማለት እዩ። ንሱ እግሪ (ሸኾና) ኤሳው ሒዙ ተወልደ። ይስሓቅ ክወልድ ከሎ ወዲ 60 ዓመት ነበረ (ዘፍ.25፡26)። ይስሓቅ ኣብ ዘመኑ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፡ ናብ ጌራር ብምኻድ ምስ ኣቤሜሌክ ብስደት ተቐመጠ። ከብቲ ኣርቢሑ ዘርኢ ዘሪኡ ብዙኅ ምስ ኮነሉ ፍልስጤማውያን ቀንእሉ፡ ኣቤሜለክ ድማ ብሰላም ኣፋነዎ (ዘፍ.26፡1)። ይስሓቅ ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ ነቲ ሃዲኑ ዘቕርበሉ ዝነበረ መግቢ ውን ይፈትዎ ነበረ። ንኤሳው ድማ ሃዲኑ ከምቲ ዝፈትዎ ገይሩ ከምጽኣሉ እሞ ክምርቖ ከምዝኾነ ነገሮ። ኤሳው ድማ ከምቲ ኣብኡ ዝበሎ ክገብር ናብ ሃድን ከደ። ርብቃ ግን ንያዕቆብ ትፈቱ ስለዝነበረት ‘ኣቦኻ ሎሚ መዓልቲ ምርቓ ዝዕድለላ መዓልቲ ስለዝኾነት ክልተ ማሓስእ ሓሪድካ ኣምጽኣለይ ከምቲ ኣቦኻ ዝፈትዎ ገይረ ሰሪሐ ክህበካ ኢየ’ሞ ምስ ኣብላዕካዮ ክምርቐካ እዩ” በለቶ። ያዕቆብ ግን ፈሪሁ ነበረ “ኤሳው ጨጓር እዩ ኣነ ግን ጨጉሪ የብለይን ብኢዱ ዳህሲሱ ኣነ ምዃነይ ምስ ፈለጠ፡ ሸምጊለ ኮፍ ምስ በልኩ ዓይነይ ኣብዩኒ ምስ ፈዘዝኩ ከምዚ ገይርካኒ ኢሉ እንተረገመኒ’ኸ” በላ። ንሳ ድማ “መርገምካ ኣብ ልዕለይ ይኹን” በለቶ። ከምቲ ይስሓቅ ዝፈትዎ ገይራ ሰሪሓ፡ ጸጉሪ ናይቲ ማሕስእ ኣብ ኩሉ ኣካላቱ ገበረትሉ። ኤሳው ናብ ሃድን ክኸይድ ከሎ ዝኽደና ክዳን ሽዓ ረሲዕዋ ስለዝኸደ ንዓኣ ከዲና መግቢ ሂባ ለኣኸቶ። ያዕቆብ ድማ ኣቦይ ከምቲ ትፈትዎ ገይረ ሰሪሐ ኣምጺኤልካ ኣለኹ በሊዕካ መርቐኒ በሎ። ይስሓቅ ድማ “መን ኢኻ ንስኻ” በሎ፡ “ኣነ በኹሪ ወድኻ ኤሳው እየ በሎ፡ ብኢዱ ዳህሲሱ ድማ ድምጽኻ ናይ ያዕቆብ ጸጉርኻ ድማ ናይ ኤሳው እዩ፡ ኩልኹም ደቀይ” ኢሉ በሊዑ፡ “በረከትካ ሃብቲ ሰማይን ጠሊ ምድርን ይኹን፡ ጐይታ ኣሕዋትካ ኩን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ” ኢሉ መረቖ።

ያዕቆብ ምስ ወጸ ድማ ኤሳው መጺኡ “ኣቦይ ከምቲ ትፈትዎ ገይረ ኣምጺኤልካ ኣለኹ እሞ በሊዕካ መርቐኒ” በሎ። ንሱ ከኣ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ከኣ “ኣነ ኤሳው በኹሪ ወድኻ እየ” በሎ። ይስሓቅ ከኣ “እቲ ሕጂ ከምቲ ዝፈትዎ ገይሩ ዝመገበኒ ድኣ መን እዩ፧ ያዕቆብ በረኸትካ ወሰዶ” ድማ በሎ። ኤሳው ከኣ “ቅድም ብኹርናይ፡ ሕጂ ከኣ በረኸተይ ወሲዱለይ” ኢሉ በኸየ። ንኣቦኡ ከኣ “ምርቓኻ ሓንቲ ጥራይ ድያ ንዓይ’ከ ዘትረፍካለይ የብልካን ዲኻ፧” እናበለ ለመኖ። ይስሓቅ ድማ ክብረትካ ብሃብቲ ምድርን ብናይ ላዕሊ ጠሊ ሰማይን ኣይከውንን እዩ፡ ብቐስትኻ ንበር ንሓውኻ ድማ ተገዛእ በሎ (ዘፍ.27፡1-40)። ኤሳው ብግብሪ ያዕቆብ ሓዉ ብዙኅ ጉህዩ ስለ ዝነበረ፡ ኽቀትሎ ይደሊ ነበረ። ርብቃ ድማ ሓሳብ ኤሳው ምስ ሰምዐት “ካብ ቁጥዓኡ ክሳብ ዝዝሕል ናብ ላባ ኣኮኻ ኪድ ኣብኡ ጽናሕ” በለቶ። ናብ ላባ እንዳኸደ ከሎ መሲይዎ ኣብ ሓደ ቦታ እምኒ ተተርኢሱ ደቀሰ ። ብሕልሚ ድማ ናይ ወርቂ መሳልል ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ተተኺሉ መላእክቲ ድማ ክወርዱን ክድይቡን ኣብ ላዕሊ ዙፋን ተዘርጊሑ ንጉስ ድማ ኮፍ ኢሉ ከሎ ረኣየ።

ምስተንስአ ድማ “ኣነ ድኣ ኣይፈለጥኩን እምበር ብሓቂ እግዝኣብሔር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” ኢሉ እምኒ ተኺሉ ዘይቲ ኣፍሰሰላ። ኣብ ሶርያ ምስ በጽሐ ኣብ ጥቓ ሓደ ዒላ ኮፍ በለ ። ራሄል ጓል ላባ ኣባጊዓ ሒዛ መጸት። ንሱ ከኣ “ጓል መን እያ፧” ኢሉ ሓተተ። “ጓል ላባ እያ” ምስ በልዎ ሓቚፉ ሰዓማ። ራሄል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ፧” በለቶ። ያዕቆብ ከኣ ኣነ ወዲ “ርብቃ እየ” በላ። ከይዳ ድማ ንኣቦኣ ነገረቶ ላባ ድማ ጽቡቕ ገይሩ ተቐበሎ። ላባ ድማ “ንስኻ ስጋይን ሓወይን ኢኻ ስቕ ኢለ ድማ ክገዝኣካ ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ዝኸፍለካ ንገረኒ” በሎ። ያዕቆብ ግን “ንራሄል ይፈትዋ ስለዝነበረ ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ(7) ዓመት ክግዝኣካ እየ” በሎ ። ሸውዓተ ዓመት ምስ ኣገልገሎ ድማ “ሰበይተይ ሃበኒ” በሎ። ስቡሕ ሓሪዱ ምቁር ኣውሪዱ ክበልዑን ክሰትዩን ድሕሪ ምውዓሎም ምስ መሰየ ንሊያ ሃቦ። ሊያ ዓይና ደቂቕ ጸጉራ ለሚሽ ነበረ። ምስ ወግሐ “ዝተገዛእኩኻ ንራሄል እምበር ንሊያ ኣይኮንኩን ስለምንታይ ከምዚ ገበርካኒ” በሎ። ንሱ ከኣ “ኣብ ሃገርና ዓባይ ከላ ንእሽቶይ ኣይትምርዓውን እያ፡ ነዚ ሰሙን ሕጽኖትካ ወድእ እሞ ከም ብሓድሽ ሸውዓተ(7) ዓመት ምስ ተገዛእካ ንራሄል ንህበካ” በሎ።

ያዕቆብ ድማ “ሕራይ” ኢሉ ተገዝአ። ሕጽኖቱ ምስ ወድአ ንራሄል ሰበይቱ ክትኮኖ ሃቦ ። ራሄል ጽብቕትን ምልክዕትን ስለ ዝነበረት ዝያዳ ሊያ ፈተዋ። ብድሕሪ’ዚ “ስደደኒ ክኸይድ” በሎ። ላባን ከኣ “ ንዓሰርተ ኣርባዕተ (14) ዓመት ክትግዝኣኒ ከለኻ ክልተ ደቀይ ሂበካ፡ ሽድሽተ (6) ዓመት ክትግዝኣኒ እንታይ ክህበካ፧” በሎ። “ካብ መጓሰኻ ጉራጉራ ኣባጊዕን፡ ውጹኣት ጸለምቲ ዕያውትን፡ በርሀታት ኣጣልን ፈልየ ክወስድ” በሎ። በዚ ድማ ተሰማምዑ። ማይ ክሰትያ ከለዋ ጉራጉራ ዝኾነት በትሪ ኣብ ቅድሚአን ይገብረለን’ሞ፡ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ድማ ጉራጉራ ይወልዳ ነበራ። ካብ ናይ ላባ ድማ ናይ ያዕቆብ ይዕብልላ ስለዝነበራ ላባ ከኣ ከምዚ እየ ዝበልኩኻ እናበለ ይወስደሉ ነበረ። ያዕቆብ ድማ በዚ ጉህዩ “ኣቦኽን ጽቡቕ ክንዲ ዝገበርክሉ ሕማቕ ገበረኒ፡ ጐይታ ድማ ናብታ ዝተወለድካላ ሃገር ተመለስ በለኒ ንዓኽን እንታይ ይመስለክን” ኢሉ ንኣንስቱ ሓተተን። ንሳተን ድማ “ምስ ኣቦና ዘለና ነገር የብልናን ገንዘቡ ተቐቢሉ ንዓና ድማ ሂቡካ እዩ፡ እግዚኣብሔር ዝበለካ ግበር” በላኦ። ንሱ ከኣ ኣንስቱን ደቁን ኣብ ገመል ጽዒኑ ከብቱ ከብኪቡ ጊልዓድ ኣተወ። ላባ ድማ ያዕቆብ ምህዳሙ ኣብ ሳልሳይ (3ይ) መዓልቱ ሰምዐ። ኣገልገልቱ ሒዙ መገዲ ሸውዓተ (7) መዓልቲ ብፈረስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣርከቦ።

መልኣኽ እግዚኣብሔር ድማ ንላባ “ገለ እኳ ኣይትግበሮ” በሎ። ንሱ ከኣ ንያዕቆብ “ደቀይ ስዒመ ከየፋኑ ሕማቕ ጌርካ፡ ንምንታይከ ንኣማልኽተይ ሰረቕካዮም፧”በሎ። ያዕቆብ ድማ “ኣነ ዋላ ሓንቲ ንብረት ኣይሰረቕኩን ኩሉ ንብረተይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ ዘሎ ፈትሾ” በሎ። ንብረት ላባ ዝሰረቐት ራሄል ጓሉ እያ ነይራ። ኣብ ትሕቲ ኮረሻ ሓቢኣ ኮፍ ስለዝበለቶ ፈትሹ ኣይረኸቦን። ላባ ድማ ንያዕቆብ “እዞም ቆልዑ ደቀይ እዮም ዘባእስ የብልናን፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኪዳን ንተኣታቶ” በሎ። ኪዳን ድማ ኣተዉ። ያዕቆብ ንኤሳው ካብ በጊዕን ጤልን ዕስራ ዕስራ፡ ላም 40፡ ኣብዑር 10፡ ኣግማል 30፡ ኣእዱግ 20፡ ገጸ በረኸት ሰደደሉ። ኣንስቱን ደቁን ንፈለግ ያበቕ ኣስጊሩ ንሱ ንበይኑ ሓደረ። ለይቲ ጐይታ ከም ኣምሳል ሰብ ኮይኑ ክቃለሶ ሓደረ። ንሱ ድማ ከምዘይክኣሎ ምስ ረኣየ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ያዕቆብ ከኣ ክቃለሶ ከሎ ምሕኩልቱ መሎቐት። እቲ ሰብኣይ ድማ “ምድሪ ይወግሕ ኣሎ’ሞ ግደፈኒ ክኸይድ” በሎ። ያዕቆብ ድማ “ከይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “ስምካ መን እዩ፧ ” ኢሉ ሓተቶ። ያዕቆብ ከኣ ኣነ “ያዕቆብ ይበሃል” ኢሉ ስሙ ነገሮ። ንሱ ከኣ “በል ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ’ሞ እስራኤል ይኹን ስምካ” በሎ። ያዕቆብ ምስ መጸ ኤሳው 400 ሰብ ሒዙ ክቕበሎ ወጸ ምስ ተራኸቡ ድማ ክሳድ ንኽሳድ ተሓናኒቖም ተሰዓዓሙ። ነቶም ቆልዑን ኣንስትን ርእዩ “እዚኦም እንታይካ ኢዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ያዕቆብ ከኣ “ እዚኦም እግዚኣብሔር ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ። ኤሳው ድማ “ንኺድ ብሓደ” በሎ። ያዕቆብ ግን ቆልዑን ከብትን ስለዝነበርዎ “ኣነ ቀስ ኢለ ክመጽእ እየ ንስኻ ሕለፍ” በሎ። ያዕቆብ ኣብ ሳኮት ከሎ ካብ ሊያ ዝወለዳ ጓሉ ዲና ናብ ጎልጎል እታ ሃገር ምስ ወጸት ሴኬም ወዲ ሓሞር ወሰዳ እሞ ኣነወራ። ኣቦኡ ድማ “ጓልካ ንወደይ ሃበኒ” በሎ። ስምኦንን ሌውን ግና “ሓብትና ንዘይተገዝረ ኣይንህብን ኢና” በሉ። ንሳቶም ድማ’ እዚ ቀሊል እዩ ኢሎም ሕዝቢ ክግዘር ከምዘለዎ ነጊሮም ተገዝሩ። ኣብ ሳልሳይ (3ይ) መዓልቲ ቆሲሎም ከለዉ ብሰይፊ ቀተልዎም ንሓብቶም ሒዞም ድማ ተመልሱ (ዘፍ.34፡1-30)። ጐይታ ንያዕቆብ “ናብ ቤትኤል ውጻእ” በሎ። ያዕቆብ ከኣ ነቶም ምስ ሊያን ምስ ራሄልን ዝነበሩ ኣማልኽቲ ቀቢሩ ናብኡ ከደ። እግዚኣብሔር ከኣ “ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ዝሃብክዎም መሬት ክትወርስ ኢኻ፡ ዘርእኻ ከም ሑጻ ባሕርን ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከብዝሖ እየ” በሎ። ንሱ ከኣ ሓወልቲ ተኺሉ ዘይቲ ኣፍሲሱ “ቤትኤል” በላ። ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ምስ በጽሐ ራሄል ንቢንያም ክትወልድ ብሕማም ሕርሲ ሞተት። ንራሄል ቀቢሩ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን ኣተወ። ከብቱ ብዙሓት ስለዝነበራ ምስ ኤሳው ብሓደ ምንባር ኣሸገሮም። ኤሳው ድማ ናብ ሰዒር ከደ። ኣዴና ርብቃ ንኣቦና ይስሓቅ ኣብ መንጎ ያዕቆብን ኤሳውን ዓቢ ፍልልይ ስለ ዝነበረ ከምዚ ክትብል ሓተተት “ያዕቆብ ኣብ ከብትናን ንብረትናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ከብቱን ንብረቱን ጥሪቱን ከም ድላይኩም ግዝኡን ኣዝዙን እዩ ዝብለና፡ ኤሳው ግን ኣብ ንብረቱን ጥሪቱን ዘይኮነስ ኣብ ንብረትናን ሃብትናን’ውን ከም ድላይና ክንእዝዝ ኣየፍቅደልናን እዩ” በለቶ። ይስሓቅ ድማ “ኣብ ያዕቆብ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ምስ ኤሳው ዘሎ ግን ሰይጣን እዩ። ልበይ ድማ ምስ ያዕቆብ እያ ዘላ” ክብል መለሰ፡ ንኽልቲኦም ጸዊዑ ድማ ኣታዓረቆም። ይስሓቅ ድማ ኣብ መበል 180 ዓመቱ ዓረፈ። ደቂ ኤሳው ነቲ ዕርቂ ኣይተቐበልዎን፡ ንያዕቆብ ከጥቅዕዎውን ተላዕሉ። ኤሳው ድማ ምስ ደቁ ኩናቱ ዓቲሩ ነቐለ። ንያዕቆብ ድማ “ሓውኻ ክቐትለካ ይመጽእ ኣሎ” በልዎ። ያዕቆብ ግን ከም ኤሳው ሓዉ ሕማቕ ኣይሓሰበን “ተዓሪቕና እንዲና እንታይ ዘባእስ ኣለና፡ ባእሲ ካባና ይርሓቕ፡ ሰበይተይ ልያ ስለዝሞተት ከተሓዝነኒ እዩ ዝኸውን ዝመጽእ ዘሎ” በለ። ሰባት ከኣ “ከምኡ ኣይኮነን፡ ኩናቱ ጨቢጡ ሴፍ ስሒሉ እዩ ዝመጸካ ዘሎ” ምስ በልዎ፡ ሰብ ልኢኹ “ ኤሳው ሓወይ ብድሓን ዲኻ ትመጽእ ዘለኻ” በሎ። ኤሳው ከኣ “ካብ ሕጂ ንድሓር ምሳኻ ሕውነት፡ ሰላም የለን፡ ንዕርቅና ድማ ኣፍሪሰዮ እየ” ኢሉ 200 ሰባት ኮይኖም ገጠምዎ። ይሁዳ ቀስቱ ገቲሩ ከሎ ሓወብኡ ኤሳው ኣብ ቅድሚኡ ከሎ ልቡ ንኽሃርሞ ጥዒምዎ ነበረ፡ ግን “ዓቢ ሓወበይ ምቕታል ኣቦይ ከም ዝቐተልኩ እዩ” ኢሉ ንኣቦኡ ጸውዖ “ኣቦይ እንተደሊኻ ቅተሎ እንተደሊኻ ድማ መሓሮ እምበር ኣነ ንዓቢይ ሓወቦይ ኣይቀትልን እየ” ኢሉ ንኣብኡ ያዕቆብ ሃቦ። ያዕቆብ ድማ ንኤሳው ልቡ ሃረሞ። ሽም ንህቢ ዘይብሉ ንህብን መራሒ ዘይብሉ ህዝብን ንዮው ነጆው ድኣ ይብል እምበር ዝሰልጦ የብሉን። ስለዝኾነ ድማ ኤሳው ምስተሃርመ እቶም ምስኡ ዝመጽኡ ተባታተኑ እሞ ደድሕሪኦም እናሰዓቡ ክሳብ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰጎጉዎም። እቶም ሰባት ከኣ“ኣብ ትሕቴኹም ኮይና ከነገልግለኩም ኢና መሓሩና” በልዎም። ን15 ዓመት ድማ ኣገልገልዎም። እቲ ዓቢይ ሕዝቢ ነቲ ንእሽቶ ሕዝቢ ከገልግሎ እዩ ዝተባህለ ከኣ በዚ ተፈጸመ ። ያዕቆብ ዝወለዶም ቆልዑ 13 እዮም። ንጓል ስለ ዘይ ቆጽሩ ግን ንዲና ገዲፉ 12 ኢሉ ይቆጽር።

ካብ ልያ ዝተወልዱ 6ተ እዮም። ንሳቶም ከኣ ሮቤል፡ ስሞኦን፡ ለዌ፡ ይሁዳ፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን እዮም። ካብ ራሄል ዝተወልዱ ድማ ክልተ እዮም።ንሳቶም ድማ ዮሴፍን ቢንያምን እዮም። ዳንን ንፍታሊምን ካብ ኣገልጋሊት ናይ ራሄር ዝተወልዱ እዮም። ጋድን ኣሴርን ድማ ካብ ኣገልጋሊት ናይ ልያ ዝተወልዱ እዮም። እታ ሓንቲ ጓሉ ካብ ልያ እዩ ወሊድዋ። ክልተ ኣንስቲ ከለዎኦ ስለምንታይ ካብ ኣገልገልቱ ወሊዱ እንተተባህለ ድማ ልያ ሰለስተ ክትወልድ ከላ ራሄል መኻን ነበረት። ንኣቦና ያዕቆብ ከኣ “ቆልዓ እንተዘይ ሂብካኒ ክመውት እየ” በለቶ። ያዕቆብ ከኣ “ኣነ ውሉድ ዝህብን ዝኸልእን ኣምላኽ ድየ፧” በላ። ራሄል ድማ “ዝወለደቶ ውላደይ ይኹን” ኢላ ንኣገልጋሊታ ሃበቶ። እታ ኣገልጋሊታ ከኣ ወለደትሉ። ልያ ከኣ ምውላድ ምስ ኣቋረጸት “ዝወለደቶ ውላደይ እዩ” ኢላ ንኣገልጋሊታ ሃበቶ። እታ ኣገልጋሊታ’ውን ወለደት (ዘፍ30፡1-13)። እዚ ድማ ምሳሌ እዩ። ያዕቆብ ናይ ትምህርቲ ወንጌል፡ ሊያን ራሄልን ድማ ናይ ምእመናን እስራኤል፡ ኣገልገልቲ ዝኣመኑ ኣሕዛብ፡ ህጻናት ናይ ጻድቃንን ሰማእትን ምሳሌ እዮም። ያዕቆብ ካብ ኣገልገልቱ ምውላዱ፡ ወንጌል ኣብ ኣሕዛብ ተሰቢኹ፡ ካብ ኣሕዛብ፡ ጻድቃንን ሰማእታትን ከም ዝተረኽቡ ምሳሌ እዩ ። ድሕሪ 15 ዓመት ጽኑዕ ጥሜት ኮነ፡ ብጻውዒት ዮሴፍ ድማ 70 ርእሱ ኮይኑ ናብ ግብጺ ወረደ። ራሄል ንቢንያም ክትወልድ ኣብ ምድረ ሎዛ ዓረፈት። ቢንያም ንእሽቶ ሓው ዮሴፍ እዩ። ያዕቆብ ንራሄል ይፈቱ ስለዝነበረ፡ ንዮሴፍ ድማ ሕልፊ ኩሎም ይፈትዎ ነበረ። ካብ ምሒር ምፍታው ድማ ብኣርባዕተ ሕብሪ ሓሙሻይ ድማ ወርቃዊ ዝተሰርሐ ክዳን ከዲንዎ ነበረ። በዚ ድማ ኣሕዋቱ ይቐንእሉ ነበሩ ። ዮሴፍ ሓደ መዓልቲ ሕልሚ ሓለመ እቲ ሕልሙ ድማ፡ ናይ ኣሕዋቱ እንዳእቲ ንናቱ እንዳእቲ ክሰግዳሉ ከለዋ ሓለመ እሞ ነቦኡ ነገሮ። ኣብኡ ድማ “ኣሕዋትካ ብምኽንያት እኽሊ ዝግዝኡልካ ይኾኑ” በሎ። ካልኣይ ሕልሙ ድማ ፀሓይን ወርሕን ዓሰርተ ሓደ ኮዋኽብትን ንሓንቲ ኮኾብ ክሰግዳላ ከለዋ ሓለመ። ያዕቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ ነገሮ “ፀሓይን ወርሕን ኣነን ኣዴኻን ኢና፡ እቶም ዓሰርተ ሓደ ከዋኽብቲ ድማ ኣሕዋትካ እዮም። እታ ሓንቲ ኮኾብ ድማ ንስኻ ኢኻ ኣብቲ ድሓር ጊዜ ይግዝኡልካ ይኾኑ፡ ንኣሕዋትካ ግን ኣይትንገሮም እንተነጊርካዮም ክበኣሱኻ ኢዮም’ ኢሉ ነገሮ። ደቂ ያዕቆብ ጥሪቶም ክጓስዩ ወፊሮም ነበሩ እሞ ያዕቆብ ድማ “ንዮሴፍ እንጌራ ሒዝካሎም ኪድ፡ ከመይ ከምዘለዉን እተን ጥሪት ከመይ ከም ዘለዋን ርኢኻ ቀልጢፍካ መጺኻ ንገረኒ” ኢሉ ኣፋነዎ። ዮሴፍ ከኣ ኣሕዋቱ ኣብዝኸድዎ ቦታ ኮሊሉ ሰኣኖም፡ ዝተኣዘዘ መልኣኽ ብኣምሳለ ሰብ ተገሊጹ ኣብ ዶይታን ዝተባህለ ቦታ ከም ዘለዉ ነገሮ። ኣብ ጥቓ ኣሕዋቱ ምስ በጽሐ ርኣይዎ እሞ “እቲ ሓላሚ ሓውና ይመጽእ ኣሎ እሞ ብእምኒ ቀጥቂጥና ንቕተሎ” ተባሃሃሉ።

ዘምጸኣሎም እንጌራ ተቐቢሎም ክሃርምዎ ጀመሩ። ሮቤል ግን “ዝኾነ እንተኾነ ሓውና እዩ ግደፉ” ኢሉ ደው ኣበሎም። ናብ ማይ ዘይብሉ ዒላ ድማ ደርበይዎ። እስማዔላውያን ነጋዶ ብእኡ ይሓልፉ ስለዝነበሩ ብ20 ቅርሺ ብሩር ናብቶም ነጋዶ ሸጥዎ። ሮቤል ከብቲ ክመልስ ከይዱ ስለዝነበረ ክሸጥዎ ከለዉ ኣይረኣዮምን። ተመሊሱ እንተረኣየ ዘየሎ ጸንሖ እሞ ከም ዝሸጥዎ ፈለጠ። ክዳኑ ቀዲዱ፡ ሓመድ ነስኒሱ ከኣ በኸየ። እቶም የሕዋቱ ድማ “ቀምሽ ዮሴፍ ደም ለኽዮም ክዳን ናይ ዮሴፍ እንተኾይኑ ኣለልዮ ኣብ በረኻ ረኺብናዮ” ኢሎም ንያዕቆብ ኣርኣይዎ። ያዕቆብ ድማ “ወደይ ኣራዊት በሊዕዎ” እናበለ ክሳብ ንግብጺ ዝስደድ ብሓዘን ይበኪ ነበረ (ዘፍ.37፡1-36)። እቶም ነጋዶ እስማዔላውያን ናብ ሓደ ካብቶም ናይ ፈርዖን ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ ናብ ጳጢፋር ብ30 ቅርሺ ሸጥዎ። ጶጢፋር ድማ ብዮሴፍ ከበረ። ሓደ መዓልቲ ሰበይቲ ጶጢፋር “ምሳይ ደቅስ” ኢላ ብግልጺ ተዛረበቶ። ንሱ ድማ “ጐይታይ ኣብ ንብረቱ እምበር ኣብ ልዕሌኽስ ስልጣን ኣይሃበንን” ኢልዋ ከደ። ብስርሑ ናብ ቤት ኣተወ’ሞ ብኽዳኑ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግን መንዚዑዋ ክኸይድ ክብል ክዳኑ ብድሕሪት ተቐደደ። ንሳ ድማ ንኽዳና ብቕድሚት ቀዲዳ ኣእወየት። እንታይ ኮንኪ ምስ ተባህለት “እዚ ባርያ ክደፍረኒ ደልዩ ምስ ኣበኽዎ ድማ ክዳነይ ቀደደለይ” በለት ። እዝስ ብፍታውክን ባዕልኽን ዝገበርክዮ ድኣምበር ከምዚ ትብልዮ ዘለኺ ኣይመስልን ኢዩ ናቱ ብድሕሪት ናትኪ ብቕድሚት ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሎም መለሱላ፡ ግን ደስ ምእንቲ ክብላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። ጳጢፋር ግን ወገን ናይ ሰበይቱ ስለዝሓዘ ምስ እሱራት ናይ ፈርዖን ኣሰሮ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ውን ሓለቓ እሱራት ገበርዎ ብኣኻ ይተኣዘዙ ብቓልካ ይመሓደሩ ኢሎም ሸምዎ። ናይ ፈርዖን ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ተኣሲሮም ነበሩ፡ ሕልሚ ሓሊሞም ዝፈትሓሎም ስኢኖም ክሽገሩ ከለዉ ርኣዮም እሞ እንታይ ኮይንኩም ኣለኹም በሎም። “ሕልሚ ሓሊምና ዝፈትሓልና ግን ስኢና በልዎ፡ ንሱ ድማ ንገሩኒ” በሎም። እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ከምዚ በሎ “ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ረኣኹ ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ ምስ ጠጥዐ ከኣ ዓምበበ እቲ ዘለላኡ ድማ ብሱል ዘቢብ ሃበ። ጽዋዕ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፡ነቲ

ዘቢብ ወሲደ ከኣ ናብ ጽዋዕ ፈርኦን ጸመቑክዎ፡ ነታ ጽዋዕ ድማ ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ” ኢሉ ዝሓለሞ ነገሮ። ዮሴፍ ድማ ከምዚ በሎ “ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሽመትካ ክትምለስ ኢኻ” ኢሉ ተርጎመሉ፡ ቀጺሉ ከኣ “ኣነ ቀደም ብግፍዒ ተሸይጠ ሕጂ ድማ ብግፍዒ ተኣሲረ ኣለኹ እሞ ካብዚ ምስወጻእካ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ዘክረኒ በሎ። ኣብታ ጊዜ እቲኣ ኣብ ሰብ ስለ ዝተወከለ ከኣ ጐይታ ተወሳኺ ክልተ ዓመት ከም ዝእሰር ገበሮ። እቲ ሓለቓ ሰንከትቲ ጽቡቕ ከምዝፈትሓሉ ምስረኣየ ንዮሴፍ “ ኣነ ድማ ብሕልማይ እንሆ ጻዕዳ እንጌራ ዝሓዘ ሰለሰተ መሶብ ኣብ ርእሰይ ነበረ ኣብቲ ላዕላይ መሶብ ከኣ ካብቲ ፈርዖን ዝበልዖ ኩሉ ዓይነት ምግቢ ግቡር እንጌራን ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ” በሎ። ዮሴፍ ከምዚ ኢሉ ተርጎመሉ “ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ካብ ማእሰርቲ ከውጽኣካ እዩ ርእስኻ ክቖርጸካ ንስጋኻ ድማ ኣብ ዕንጨይቲ ከንጠልጥሎ እዩ። ንስጋኻ ድማ ኣዕዋፍ ክበልዖኦ እየን” በሎ። ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኣብ ሳልሳይ መዓልቶም ወጹ። ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ኣብ ሽመቱ ቀዲሙ ተመልሰ፡ ንፈርዖን ድማ ጽዋዕ ኣብ ኢዱ ሃቦ። ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ተሰቕለ።

ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ናብ ስልጣኑ ምስ ተመልሰ ንክልተ (2) ዓመት ዝኣክል ንዮሴፍ ኣይዘከሮን። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ፈርዖን ሕልሚ ሓለመ፡ እቲ ሕልሙ ድማ ኣብ ወሰን ሩባ ከሎ ሸውዓተ ስቡሓት ኣሓ ካብቲ ሩባ ወጺአን ኣብቲ ለሰ ይበልዓ ነበራ፡ ሸውዓተ ዝዓበራ ኣሓ ካብቲ ሩባ ወጼን ነተን ስቡሓት ወሓጥአን፡ በሊዐን ዘይፈልጣ ዕባራታት ድማ ይመስላ ነበራ። ካልኣይ ሕልሙ ድማ 7 ዝለምዓን ዝፈረያን ሰዊት ካብ ባሕሪ ወጻ፡ ካልኦት 7 ዝደረቓ ሰዊት ካብ ባሕሪ ወጽኤን ወሓጥአን። ፈርዖን ነዚ ሕልሚ እዚ ንኽፈትሕሉ ነቶም ጠበብቱ ጸዊዑ ዝሓለሞ ሕልሚ ነገሮም። እቶም ጠበብቱ ግን ክፈትሕሉ ኣይከኣሉን። እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ሽዑ ንዮሴፍ ዘከሮ እሞ ነገሮ። ዮሴፍ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተጸዊዑ ወጸ። ፈርዖን ከኣ ነቲ ዝሓለሞ ኩሉ ነገሮ። ዮሴፍ ከኣ “እተን 7 ዝሰብሓን ዝጸበቓን ኣሓ እተን 7 ዝለምዓ ሰዊትን፡ 7 ዓመት ዘመነ ጽጋብን ዘመነ ፍረን ክኸውን እዩ። እተን 7 ዓባሩ ኣሓ 7 ዝደረቓ ሰዊትን ድማ 7 ዓመት ዘመነ ደርቅን ዘመነ ጥሜትን ክኸውን እዩ።

ነተን 7 ዓመት ዘመነ ጽጋብ ዘረስዓ 7 ዓመት ጥሜት ክኸውን እዩ” ኢሉ ተርጎመሉ ። ፈርዖን ንዮሴፍ ኣብ ልዕሊ ኩሉ መንግሥቱ ሸሞ። ዮሴፍ ድማ ኩሉ ሕርሻ ክዝራእ ከም ዘለዎ ኣዋጅ ኣወጀ። እተን 7 ናይ ጽጋብ ዓመታት ምስ ተወድኣ ዓቢ ደርቅን ጥሜትን ኮነ። ያዕቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ፡ ንደቁ ሸሚቶም ከምጽኡ ለኣኾም። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ምስ ረኣዮም ፈለጦም “እንታዎት ኢኹም” ኢልኩም ሕተትዎም ድማ በለ። ደቂ ያዕቆብ ድማ “ንሕና እኽሊ ክንሽምት ዝመጻእና ኢና” ኢሎም መለስሉ። ዮሴፍ ከኣ “ሓሶት ተዛሪብኩም፡ ነዛ መሬት ክትስልዩ ዝመጻእኩም ኢኹም” ድማ በሎም። ንሳቶም ከኣ “ሰለይቲ ተዋጺኦም እዮም ዝለኣኹ ንሕና ግና ኣሕዋት ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ ንካልኣይ ጊዜ “ሓሶት ተዛሪብኩም ሓደ ሰብኣይ ከመይ ኢሉ ዓሰርተ (10) ይወልድ፧” በሎም። ደቂ ያዕቆብ ድማ “ንሕናስ ዓሰርተ (10) ጥራይ ዘይኮናስ፡ ዓሰርተ ክልተ (12) ኢና ነይርና” ኢሎም መለስሉ።

ዮሴፍ ከኣ እቶም ክልተኸ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ሓደ ህጻን ኮይኑ ኣብ ገዛ ተሪፉ ኣሎ። እቲ ሓደ ግና ኣራዊት ኣብ በረኻ በሊዕዎ” በልዎ። ዮሴፍ ከኣ “ክትሽምቱ ከም ዝመጻእኩም ምእንቲ ክፈልጥ ነቲ ኣብ ገዛ ተሪፉ ዘሎ ንእሽቶ ሓውኹም ኣምጽእዎ፡ ንዕኡ እንተ ኣምጺእኩሞ ከም ድላይኩም ክትመላለሱ ኢኹም። እንተዘይኮይኑ ግን ሰለይቲ ኢኹም” ኢሉ፡ ንስምዖን ኣትሪፉ ስርናዮም ሰፊሩ ወርቆም ኣብ ውሽጢ እኽሎም ገይሩ ሰደዶም። ኣብ ገዛ ምስ በጽሑ ዓይበታቶም እንተ ፈትሑዎ ወርቆም ኣብኡ ጸንሖም። ያዕቆብ ከኣ “ስምዖን ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ዮሴፍ ዝበሎም ኩሉ ነገርዎ ስምዖን ድማ ንቢንያም ሒዝናዮ ክሳብ ንምለስ ጐይታ ናይታ ሃገር ኣሲርዎ ኣሎ ኢሎም ነገርዎ ። ያዕቆብ ደቁ ካልኣይ ጊዜ ንግብጺ ክኸዱ ከለዉ ብንያም ምስኦም ምኻዱ ኣይፈተወን። እንተኾነ ግን ንዕኡ እንተዘይወሲዶሞ እኽሊ ክሽምቱ ኣይክእሉን እዮም። ስምዖን ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበረ፡ ይሁዳ ሓደራ ተቐቢሉ ንብንያም ወሰዶ።

ኣብ ግብጺ ምስ በጽሑ ንዮሴፍ “ከነምጽኦ ዝኣዘዝካና ሓውና እዚ እዩ” በልዎ ። ዮሴፍ ከኣ “ኣቦኹም’ከ ከመይ ኣሎ ኢሉ ሓተቶም ጽቡቕ ምህላዉ ምስ ነገርዎ “ብሩኽ ሰብኣይ እዩ” በለ። ንሳቶም ከኣ “ንኣቦና ኣመስጊንዎ” ኢሎም ሰገድሉ።ዮሴፍ ከኣ ንኣዛዚ ቤቱ ኣብ ቤት ፈርዖን በጺሐ ክመጽእ ኢየ ምስ ሓዎም ኣራኽቦም” ኢሉዎ ከደ። ደቂ ያዕቆብ በቲ ዝወሰድዎ ወርቂ ክኣስረና እዩ ኢሎም ሓሰቡ። ነቲ ኣዛዚ ቤቱ ከኣ “ናይ ዝሓለፈን ናይ ሕጅን ወርቂ ሒዝና መጺና ኣለና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኣምላኽ ኣቦኹም ድኣ ሂብኩም እምበር ኣነስ ተቐቢለ እየ” ኢሉ መለሰሎም። ዮሴፍ ኣብ ቤት ፈርዖን በጺሑ ምስ ተመልሰ ደቂ ያዕቆብ መግቢ በሊዖም ሰትዮም በብወገኖም ኮይኖም ከዕልሉ ጸንሕዎ፡ ብንያም ግን ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ዮሴፍ ከኣ ብኣተርጓሚ ገይሩ “እንታይ ኮይንካ በይንኻ ኮፍ ኢልካ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ብንያም ድማ “እቶም 6 ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ እዮም፡ እቶም ክልተ ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ፡ እቶም ክልተ ድማ ደቂ ሓንቲ ሰበይቲ እዮም፡ ንዓይ ሓደ ሓወይ ነይሩኒ ኣብ በረኻ ኣራዊት ስለዝበልዖ በይነይ እየ መምስ ኣሕዋቶም የዕልሉ ኣለዉ” ኢሉ እና ነገሮ። እቲ ሹም ድማ “ቅድም ዝወሰድዎ ወርቂ መሊሶሞ ኣለዉ።ካልእ’ውን ኣምጺኦም ኣለዉ ኢሉ ንዮሴፍ ነገሮ። ዮሴፍ ከኣ “ወርቆም ኣይትተንክፈሎም ይውሰድዎ፡ እኽሊ ከኣ መሊእካ ሃቦም፡ እታ ናተይ ጽዋዕ ኣብቲ ናይቲ ንእሽቶ ዓይበት (ከረጺት) ኣእቲኻ ሃቦ። ከም ጥበብካ ጌርካ ድማ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኣዘዞ። ንሱ ከኣ ከምቲ ዮሴፍ ዝኣዘዞ ገይሩ ናብ ዓዶም ኣፋነዎም። ቁሩብ መገዲ ምስ ከዱ ከኣ ደድሕሪኦም ተኸቲሉ ብምኻድ “ስለምንታይ ጐይታይ ጽቡቕ ገይሩልኩም ከሎ ሕማቕ ትገብሩ፧” ኢሉ ደው ኣበሎም። “ጽዋዕ ናይ ጐይታ ስለምንታይ ወሰድኩማ፧” ኢሉ ሓተቶም ። ንሳቶም ከኣ “ንሕና ኣይወሰድናን ምሳና እንተተረኺባ፡ እቲ ሒዝዋ ዝጸንሐ ይሙት” በልዎ። ንሱ ከኣ “ባርያ ኮይኑ ድኣ ይነብር እምበር ሙትሲ ኣይመውትን እዩ” ኢሉ ብሮቤል ምፍታሽ ጀመረ። እታ ጽዋዕ ከኣ ኣብ ናይ ብንያም ዓይበት ጸንሐት። ሮቤል ከኣ “ንዕኡ ፈንዎ ኣብ ክንድኡ ኣነ ክግዝኣካ” በሎ። ንሱ ከኣ “ስምምዕኩም ስለዝኾነ ከምቲ ዝተሰማማዕኩሞ እየ ዝገብር እምበር ንዓኻ ኣይኮንኩን ዝደሊ”በሎ።

ዮሴፍ ነዚ ኩሉ ዝገብሮ ዝነበረ ከምቲ ንዕኡ ዝሸጥዎ ንቢንያምከ ገዲፎሞ’ዶ ይኸዱ ይኾኑ ኢሉ እዩ ዝፍትኖም ዝነበረ። ይሁዳ ከኣ “ኣቦይ ነዚ እንተስኢነ ክመውት ኢየ ስለዝበለና፡ ሞት ኣቦይ ከኣ ክርኢ ስለዘይደሊ ንዕኡ ፈንዎ ኣነ ኣብ ክንድኡ ክግዛእ እየ” በሎ። ንሱ ከኣ “ዝወሰደ ገዲፈ ዘይወሰደ ከመይ ገይረ ባርያ ክገብሮ፧” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ድማ “እዚ ኩሉ ግፍዒ ናይ ሓውና እዩ። ሓውና ወደቦና ስለዝበደልና ኢና” ክበሃሃሉ ጀመሩ። ብኣተርጓሚ ይዘራረቡ ስለዝነበሩ ይሰምዖም ከም ዝነበረ ኣይፈለጡን። ብድሕሪ እዚ ንሱ ዮሴፍ ሓዎም ምዃኑ ነገሮም። ኣዝዮም ድማ ሰንበዱ። ዮሴፍ ከኣ “ኣጆኹም ዋላ’ኳ ንስኹም ሕማቕ እንተገበርኩም ኣምላኽ ግን ኩሉ ንጽቡቕ ገይርዎ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን እዚ ኩሉ ካበይ ምመጸ ነይሩ፧” ኢሉ፡ ክዳን ከዲኑ ንመገዶም ዝኸውን ምግቢ ሃቦም። ንኣቦኡ ዝኸውን ክዳንን ዝመጸሉ ሰረገላን ሂቡ ከኣ ኣብ ስደት ሃገር ዝረኸብክዎ ክብሪ ነጊርኩም ሒዝኩሞ ምጹ” ኢሉ ኣፋነዎም። ያዕቆብ ድማ ዮሴፍ ብህይወት ምህላዉ ምስ ሰምዐ ብዙሕ ተሓጎሰ። ሰብዓ (70) ርእሱ ኮይኑ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ። ንፈርዖን ኣፍቂዱ ድማ ኣብ ጎሼን ኣቐመጦ። ያዕቆብ ጊዜ ዕረፍቱ ምስ በጽሐ “ኣብ መሬት ኣቦታተይ ድኣ እምበር ኣብ ናይ ኣሕዛብ ቦታ ከይትቐብረኒ” በሎም። ዮሴፍ ከኣ ንደቁ ብየማንን ብጸጋምን ገይሩ “ንደቀይ ባርኸለይ” በሎ። ያዕቆብ ድማ ኣእዳዉ ብምምስቓል (ብምትሕልላፍ) የማነይቲ ኢዱ ነቲ ብጸጋሙ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬም፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ነቲ ብየማን ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ምናሴ ገበሮ። ዮሴፍ ድማ በኹሪ እዚ እዩ ኢሉ ንምናሴ ኣርኣዮ። ያዕቆብ ከኣ “ክልቲኦም ዓበይቲ ሕዝቢ ክኾኑ እዮም። እቲ ንእሽቶ ግን ክበልጽ እዩ” ኢሉ ባረኾምን ትንቢት ተዛረበሎምን። ያዕቆብ ከኣ ኣብ 147 ዓመቱ ዓረፈ። ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ ኣብ ሰረገላ ጽዒኑ ኣገልገልቱ ኣኸቲሉ ኣብ ከንኣን ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ቀበሮ (ዘፍ 50፡13)። ዮሴፍ ድማ ኣብ 110 ዓመቱ ዓረፈ። ሥግኡ ድማ ሽቱ ለኽዮም ኣብ ሳንዱቕ ገይሮም ኣብ መቓብር ነገሥታት ንግዚኡ ገበርዎ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ ከለዉ ከኣ ሒዞሞ ወጹ። እዚ ከኣ 28 ጥሪ ይዝከር።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱሳን  ኣቦታት ኣብርሃም፡ይስሓቅ፡ያዕቆብ ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

 

Leave a comment

Send a Comment