፳፰/28 ጥቅምቲ ዕለተ ዕረፍቱ ለኣባ ይምዓታ ሓደ ካብ ትስዓቱ ቅዱሳን

፳፰/28 ጥቅምቲ ዕለተ ዕረፍቱ ለኣባ ይምዓታ ሓደ ካብ ትስዓቱ ቅዱሳን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

፳፰/28 ጥቅምቲ ዕለተ ዕረፍቱ ለኣባ ይምዓታ

ኣባ ይምዓታ ሓደ ካብ ትስዓቱ ቅዱሳን እዩ።

ርቱዕ ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖት ኂዞም፡ ድንግልናኦምን ንጽሕናኦምን ዓቂቦም ምድራውያን መላእኽቲ ኪኾኑ ዝበቅዑ፡ ንምድረ ኣግዓዚ ብዙኅን ዓቢይን መንፈሳዊ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ተስዓቱ ቅዱሳን እዮም።
ናብ ተስዓቱ ቅዱሳን ድንጒዩ ዝተጸምበረ ኣባ ይምዓታ ኮይኑ ዓዱ ቆስያ’ዩ።

ተስዓቱ ቅዱሳን፡ ናብዚ ምድረ ኣግዓዚ መጺኦም በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመደበሎም ነናብ ቦታኦም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣባ ይምዓታ ድማ ናብ ገርዓታ ኸደ። ብፍላይ ድማ ኣብ ገርዓታ ዝርከብ ‘ጎሕ’ ተባሂሉ ኣብ ዝስመ ኸባቢ ንነዊኅ ዓመታት ተቐመጠ።

‘ጎሕ’ (ወጋሕታ) ዝብል ስያሜ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ይምዓታ ዝተኣሳሰረ’ዩ። ኣቡነ ይምዓታ ካብ ኣክሱም ተበጊሱ ቅዳሴ ማርያም እናዝየመ ኪኸይድ ከሎ፡ “አብ ጎሕ ወልደ ጎሕ መንፈስ ቅዱስ ጎሕ” ኣብ ዝብል ንባብ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብዚ ሕጂ ጎሕ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ወጋሕታ ኾነ። በዚ ምኽንያት’ዚ ነዚ ቦታ ‘ይኩን ስምኪ መካነ ጎሕ’ ኢሉ ሰመዮ።

ኣባ ይምዓታ መንፈሳዊ ተጋድሎ ተጋዲሉ፡ ንእግዚአብሔር ኣሥሚሩ 28 ጥቅምት ብሰላም ዓረፈ።


ሰላም ለይምዓታ ዘተሳተፈ አዕሩገ፡
እለ ኀሠሡ ሥርዐተ ወእለ ዐቀቡ ሕገ፡
በሥምረተ አምላክ ከሃሊ እንተ ሠጠቀ አፍላገ፡
በድነ ሥጋሁ ቅዱስ አመ መልዕልተ ደብር ዐርገ፡
አሠረ ግንዘቱ በኰኵሕ ለትእምርት ኀደገ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ይኹን!

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል 
ወለመስቀሉ ክቡር 
አሜን አሜን አሜን 
Leave a comment

Send a Comment