፳፰/28 ፍልሰቱ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኤጲስ ቆጶስ ዘቆጵሮስ

፳፰/28 ፍልሰቱ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኤጲስ ቆጶስ ዘቆጵሮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

፳፰/28 ፍልሰቱ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኤጲስ ቆጶስ ዘቆጵሮስ

ኤጲፋንዮስ ማለት ከሳቲ፡ ኣርሓዊ፡ ኣስተርእዮ ማለት ኮይኑ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ኣረማውያን ኣብ ርእሲ ምንባሮም ድኻታት እዮም ኔሮም። ኣቦ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ሕፃን ከሎ እዩ ሞይቱ፡ ብዘይካ ሓደ ኣድጊ ኻልእ ጥሪት ኣይነበሮምን፡ በቲ ሓደ ኣድጊ ጌሮም ከኣ ንሱን ኃውቱን ኣዲኡን ይግልገሉ ነበሩ። ይኹን እምበር እቲ ኣድጊ ንዅላቶም ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ ምጽዓን ምስ ኣበዮም ኣዲኡ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ “ንዓ እዚ ወደይ ነዚ ኣድጊ ሽጦ እሞ ገንዘብ ኂዝካ ምጻእ” ኢላ ለኣኸቶ። ኣብቲ ዕዳጋ ሓደ ዝገዝእ ሰብ “በዓል ኣድጊ” ኢሉ ናብቲ ኣድጊ ቕርብ እንተበለ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እቲ ኣድጊ ጠባይ ስለዘይነበሮ ነቲ ኽገዝእ ኢሉ ዝቐረበ ሰብ ነዲሑ ረገጾ እሞ ሞተ “ወረገጾ ማእከለ ምሕኩልቱ ይብሎ። ምሕኩልቱ ረጊጹ ቐተሎ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከኣ በቲ ዘጋጠመ ነገር ደንገፀ።

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣባ ፊሎጎስ ዝተባህለ ጻድቕ ኣብ ጥቓኡ ኣብቲ ዕዳጋ ብሥዉር ይዘዋወር ስለዝነበረ፡ ነቲ ኣድጊ ረጊጽዎ ዝሞተ ሰብ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተንሥኦ። ነቲ ኣድጊ ኸኣ ሞት ይግብኣካ እዩ” ብምባል ኣማዕቲቡ ኸም ዝመውት ጸለየ እሞ ሞተ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንሥአ “መን ኣተንሢኡካ፧” እንተተባህለ፡ ኻብ ዓሌት ኣይሁድ ስለዝነበረ፡ “እቲ ኣቦታተይ ዕሩቅ ብእሲ(ፍጡር) ኢሎም ሰቒሎም ዝቐተልዎ ናይ ኣባ ፊሎጎስ ኣምላኽ እዩ ኣተንሢኡኒ” ኢሉ መስከረ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ዅሉ ሓደ ብሓደ ዝረኣዮ ንኣዲኡ ኸይዱ ነገራ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሓደ ሃብታም ኣይሁዳዊ ኣኮ ነበሮ እሞ፡ ኺመውት ከሎ ሃብቱ፡ ንብረቱ፡ ጥሪቱ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣውሪስዎ ሞተ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ በቲ ዝረኸቦ ገንዘብ መጻሕፍቲ ብሉያትን ትንቢታተ ነቢያትን ገዚኡ ብመንፈሳዊ ጥበብ ኣዝዩ ፍሉጥን ጥበበኛን ፈላስፋን ምሁርን ኮነ።

ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ኣባ ሉክያኖስን ኣባ ፊላታዎስን መንገዲ ኺኸዱ ኸለዉ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ደድኅሪኦም ተኸቲሉ ኺኸይድ ለመኖም፡ ኣባ ሉክያኖስ ግና ዝወሃብ ነገር ምስ ሰኣነ፡ እታ ተኸዲንዋ ከሎ ኣብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ መንገዲ ሓደ ድኻ ብስም እግዚኣብሔር ዝነበረ ዓጽፊ(ካባ) ኣውፂኡ ነቲ ድኻ ምስ ሃቦ ኻብ ሰማይ ፃዕዳ ዓጽፊ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ንኣባ ሉክያኖስ ኣጥምቐኒ” ኢሉ ኣብ ወሪዳትሉ፡ ማቴ 5፡42 ኪኽደን ከሎ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ተገልጸሉ። እግሩ ወደቐ። ኣባ ሉክያኖስ ከኣ ብጸጋ እግዚኣብሔር ከም እተመርጸ ብምርኣይን ብምርዳእን ንኣባ ኢላርዮስ ኣረጋዊ ወሲዱ ብኃደራ ሃቦ።

ድኅሪኡ ኣባ ሉክያኖስ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ምስ ኃውቱ ኣብቲ ገዳም ወሲዱ ኣጠመቖም። ብዛዕባ ሥርዓታት ማለት ሥርዓተ ሃይማኖት፡ ሥርዓተ ገዳምን ምንኵስናን ዚመሃሮ ግና ኣባ ኢላርዮስ እዩ። ኣባ ኤላርዮስ ዝተባህለ ኣረጋዊ ብገድሉ ጎበዝ፡ ብዕድሚኡ’ውን ዓቢይ ፈላሲ (ባሕታዊ) ነበረ ይብሎ። “ቤትካ ኣብ መንጽር ቆጵሮስ ሠሪሕካ ተቐመጥ በሎ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከምታ መምህሩ ዝበሎ ቤቱ ኣብ ከባቢ ደሴተ ቆጵሮስ ሠሪሑ ይነብር ነበረ።

ከምዚ ኢሉ ኸሎ ብሠለስተ መዓልቲ ኻብ ምንኵስና ክሳዕ ክህነት ሸሞ። ኣባ ኢላርዮስ ናይ ቆጵሮስ ሊቀ ጳጳሳት ስለ ዝነበረ ኣቐዲሙ ብትንቢት ክልተ ሕፃናት ኣኸቲሉ ኽልተ ናይ ወይኒ ፍረ ዘለላ ኂዙ ንዝመጽእ ኤጲፋንዮስ ኢልኩም ኺኸውን ብድኅረይ ሽምዎ” ኢሉ ተላብዩ ሞተ። ብዕለት ፲፯ ጸዊዕኩም ንእኡ ናተይ መተካእታ መስከረም ከኣ ሸምዎ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን

ኣብዚ ጊዜ’ዚ ሓደ ዓቢይ ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝተባህለ ኣቦን ንግሥቲ ኣውዶክስያን ዝተባህሉ ነበሩ። እዛ ንግሥቲ እዚኣ ናይ ሓንቲ ድኻ መሬት ብዓመጽ ኣግዲፋታ ነበረት እሞ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ምለስላ እንተበላ ኣበየቶ፡ ንሱ ኸኣ ንንግሥቲ ኣውዶክስያ ኣብ ማኅበረ ምእመናን ከይትሳተፍ ወገዛ።

እዛ ንግሥቲ እዚኣ “ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከምዚ ኢሉኒ ኣሎ እሞ ዝኾነልካ እንተኾይኑ ስራሕካ ስራሕ ማለት ንዮሓንስ ተመለስ” በሎ።

 

እንተዘይኮነ ኣነ ልክዕ ከምታ ናይ ኣቦይ ዲዮቅልጥያኖስ “ኣብያተ /ስቲያናት ይተዓፀዉ፡ ኣብያተ ጣዖታት ይረሓዉ” ኢለ ኸእውጅ እየ፡ ኢላ ናብ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ለኣኸት። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከኣ ቚሩብ ኣዕሪፍና እንተበልናስ ከምዚ ዝበለ ነገር መጺኡ” ኢሉ ብጓሂ ኸይዱ “ኅደጊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝበለኪ ግበሪ በላ። ንሳ ግን “ኣይከውንን” በለቶ። ከምኡ’ውን ናብ ቅዱስ ዮሓንስ በዚ ምኽንያታት’ዚ መከራ እንተመጽአ ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ንዓ ኅደጎ ፍትሓያ” እንተበሎ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ግን “ኣይፈትሓን እየ” በሎ። “ጐይታ እኮ በብርስትኹም ንበሩ እዩ ዝበለ። ርስቲ ምድሪ ኣግዲፋስ ርስቲ ሰማያት ክትወርስ ድያ፧ ዋላ እቲ ናይ ቀደም ናይ ኣቦታታ ዘመን እንተ ኣምጽኣቶ’ውን ንኣኣ ይገዳ እምበር ኣነ እንታይ ሸገረኒ” በሎ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ምስ ንጉሥ ክሰናበት ኣተወ። ሽዑኡ ንግሥቲ ኣውዶክስያ “ብዘይኮነ ነገር ብሓሶት ትርእዩዶ ኣሎኹም ንኣይ ጥራይ ከይኣኽሎስ ንኤጲፋንዮስ ከኣ እንተተዛረቦ ወጊዝዎ፤ ብምባል ከተውሪ ጀመረት።

ሽዑ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ምስ ሰምዐ ሓቂ መሲልዎ ንዘይፈለጠ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ “ስለምንታይ ኣብ ነገረይ ትኣቱ፧” ብምባል ወቐሶ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከም ዘይወዓሎ ገለጸሉ። ልዑል እግዚኣብሔር ናይ ክልቴኦም ቅዱሳን ክብሪ ምእንቲ ኺገልጽ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ሞት ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ፡ ናይ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ሞት ከኣ ንቅዱስ ዮሓንስ ገለጸሎም እሞ ቅዱስ ዮሓንስ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ “ናብ በዓትኻ ኸይኣቶኻ ኣብ መንገዲ ብኣንበሳ ተሰቢርካ ኽትመውት ኢኻ” ኢሉ ተነበየሉ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከኣ ናይ ዮሓንስ ሞት ተገሊጹሉ “ንስኻ እምበኣር ኣብ ደሴተ ኣጥራክያ ተኣሲርካ ኣብ ማእሰርቲ ተሳቒኻ ኸትመውት ኢኻ በሎ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ልክዕ ከምታ ትንቢት ኣብ መንገዲ እናኸደ ኸሎ ናብ በዓቱ ኸይኣተወ ኣንበሳ መጺኡ ሰቢሩዎ ሞተ። ዓሠርተ ሓደ(11) መዓልቲ ምስ ጸንሐ ደቂ መዛሙርቱ ኺቐብርዎ እንተበሉ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብኽሕደቶም ዝወገዞም ዲያቆናት ካብ መዓርጎም ዘውረዶም ሰባት፡ ንኸይቅበር እኳ እንተኸልከሉ፤

ወእምዝ፡ ተንሥአ፡ ፩ ወቀርበ፡ኀበ፡ሥጋሁ ለቅዱስ ኤጲፋንዮስ፡ ወይቤሎ፡ አቡየ፡አነ፡አአምር፡ከመ፡ብከ፡ ሞገስ፡ በኀበ፡ እግዚአብሔር ፡ እመሰ፡ ፈቀድከ ፡ ትክል ፡ ትማዖሙ ፡ ለመስተቃ ርናን፡ እኩያን። ወእምዝ፡ አኀዘ፡ እዴሁ፡ ለቅዱስ፡ ወዘበጠ፡ ባቲ፡ ምድረ፡ ወሶቤሃ፡ እሉ፡ ፪ቱ፡ ዲያቆና፡ ወድቁ ፡ በገጾሙ፡ ወአልጸቁ፡ ለመዊት ፡ ወፆርዎሙ ፡ ውስተ ፡ አብያቲሆሙ፡ወሞቱ። ወለቅዱስሰ፡ ኤጲፋንዮስ ፡ ገነዝዎ፡ካህናት፡ በአፈዋት ፡ ምዑዛት፡ ወጠብለልዎ፡ በአልባስ፡ ክቡራት፡ወአንበርዎ፡ውስተ፡ሣፁን፡ ዘዕብን፡ ክቡር፡ወቀበርዎ፡ ውስተ፡ቤተ፡ክርስቲያን፡ወአስተርአዩ፡እምኔሁ፡ተአምራት፡ ወመንክራት በከመ ኮነ፡ቀዳሚ ይገብር፡ በሕይወቱ። (ስንክሳር ፳፰/28 ግንቦት)

እቲ ሬሳ ኸይተለወጠ ብዙኅ ተኣምራት እናገበረ ማለት ምዉት እናኣተንሥአ ሕሙም እናፈወሰ ኣርብዓ መዓልቲ ምስ ገበረ፡ እቶም ዲያቆናት ዝፈጸሞ ተኣምራት ብምርኣይ ኣመኑ። (ከም ዝሞቱ ውን(ስንክሳር ፳፰/28 ግንቦት)

ይነግር ኢዩ።

ዝደረሶም ድርሰታት መጻሕፍቲ

መጽሓፈ ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ፡ ገድል ተረፈ ኤጲፋንዮስ ዝተባህለ፤ ኣብ ሃይማኖተ አበው ብብዝኂ ስሙ ተጠቒሱ ይርከብ፡ ኣብቶም ዝደረሶም ድርሰታት ስለ ሓድነትን ሠለስትነትን ቅድስቲ ሥላሴ፡ ስለ ጥበብ ሥጋን ስለ ደመናት፡ ዝናማት፡ ስለ ማያትን ነገሥታትን ስለ ፍጥረታት ኣተኃባቢሩ ጠቒሱ ይርከብ፡ እዚ መጽሓፈ ቅዳሴኡ ኣብ ጸሎተ ኃሙስን ኣብ ዘመነ ክረምትን ይቕደስ፡ ነዚ ቅዳሴ’ዚ ዘቕረቦ ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ እዩ። ኣክሲማሮስ ዝተባህለ መጽሓፍ ብዛዕባ ሥነ ፍጥረት ኣስፊሑ ዚገልጽ እግዚኣብሔር ገሊጽሉ ንዓለም መምሃሪ ዝኸውን ጸሓፈ። በዚ ዕለት እዚ ፳፰/28 ግንቦት) ሥጋ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ናብ ቆብርሮስ ዝግዓዘሉ ኢዩ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ፍሉይ መንፈሳዊ ሊቅ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያንና እትምክሓሉ ኣቦ እዩ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

መወከሲ፦ ትርጓሜ መቅድም መጽሓፈ ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ፡

ስንክሳር ግንቦት ዕለት ፲፯ (17)።

ስንክሳር ዕለት ፳፯ (27) ሰኔ።

(ስንክሳር ፳፰/28 ግንቦት)

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment