በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!
፳፱/29 ዕረፍቱ ሰኔ ንቅዱስ ማርቆስ ዘቶርማቅ ንጉሥ ሮም
ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ነዚ ቅዱስ ኣቦ ጻድቕ ለዋህ፡ ንጹህ ገዳማዊ እናበለት ትጽውዖ። ሃገረ ሮም ከምዛ ሎሚ ዘላ ጸባብ ከተማ ዘይኰነት’ሲ፡ ንዓለም ኣብ ትሕቲ ሕቝፋ እትገዝእ ሓያል ሃገር እያ ነይራ። ቅዱስ ማርቆስ ካብ ክቡራት ስድራ ቤት ኣብ ሮም ተወልደ። ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ዓበየ።
መዓልታዊ ንጥፈታቱ ክኣ፣ ብጾምን፡ ብጸሎትን መጽሓፍቲ ምንባብ ዝተጸምደ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ግዚኡ ዝነበረ ንጉስ ምስ ሞተ፡ እቶም መሳፍንቲ ንቅዱስ ማርቆስ ገና ንእሽቶ ከይተ መርዓወ እከሎ ኣብ ልዕሊ እታ
ዓባይ ሃገር ንጉሥ ሸሙዎ። በቲ ዝተሸሞ ንግስነት ከይተዓንቀፈ ድማ ምሉእ ለይቲ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እናጸለየን እናበኸየን ከኣ ምሉእ ለይቲ ይሓድር ነበረ።
ስለ ፍቅሩ ከኣ ድንግል ማርያም “ተገሊጻ “ኦ ፍቁረይ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” በለቶ። ቅዱስ ማርቆስ ከኣ”ንፍቕሪ፣ ሓድነትን፣ ሰላምን ንህዝበይ ሃበኒ። ኣብ ኩሉ እዛ ሃገርን፣ቦታታትን ባእስን ክርክርን ይጥፋእ፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕለይ ይነግስ በላ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ “ከም ቃልካ ይኹነልካ” በለቶ። ኣጋንንቲ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ደው ኣበለቶ። በዚ ድማ ካብ ዘመነ ንግስነት ቅዱስ ማርቆስ ጀሚሩ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ባእሲ፡ ክትዕን፡ ክፍኣትን፡ ወይ ጸገማት፡ ኣይነበረን። ኩሎም ንሰላምን፣ዕርክነትን፣ ሓድሕዳዊ ፍቅርን ፣ኣብ ማእከሎም ነጊሱ ነበረ።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን መካንንትን፣ ህዝብን ተኣኪቦም ገለ ነገር መኸሩ። ቅዱስ ማርቆስ እንተ ተመርዕዩ ንብዙሕ ግዜ ክመርሓና እዩ፣ ምክንያቱ ከም መነኮስ ካብ ዓለም ወጽዩ ከይጠፍኦም ስለ ዝሰግኡን ከኣ ነዚ ሓሳብ መኸሩ።
ብድሕሪ”ዚ እቶም መካንንቲ ህዝቢ መጺኦም ፡ ሓሳባቶም ኣቕረብሉ። ንሱ ግና ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ኣብ ኣእምሩኡ መጺኡ ኣይፈልጥን ነበረ።
“ሽዑ ነቶም መካንንቲ ክሓስበሉ እየ ብምባል መልሲ ሂቡ ኣፋነዎም።” ። ንሳቶም ግን ስለ ዝፈተውዎ፡ እንደገና ተኣኪቦም ካልእ ነገር መኸሩ። ንሱ ከይፈለጠ ድማ ጽብቅቲ ጓል መሪጾም ስነ-ስርዓት መርዓ ኣዳልዮም ከመርዕውዎ ወሰኑ። ቅዱስ ማርቆስ ግና እግዚአብሔር እቲ ዝተገብረ ኩሉ ምስ ገለጸሉ ሰንበደ።
ቀልጢፉ ናብ ስእሊ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስእሊ ቀሪቡ በኸየ ከምዚ ድማ በለ። “ኦ “እመቤተይ! ምሳኺ እምበር ምስዛ ዓለም ክነብር ኣይክእልን እየ ” በላ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከኣ፡ ካብ ሰማይ ወሪዳ ኦ ፍቁረይ ወደይ “እቲ ዝብለካ ዘለኹ ስምዓኒ። ለይቲ ተንስእ እሞ ናብ’ቲ ዘርእየካ ኪድ ” ኢላቶ ካብኡ ተሰወረት። ቅዱስ ማርቆስ ብሓጎስን:ደስታን፣ ነቲ ናይ ንጉሥ ልብሲ ፣ደርብዩ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ ለይቲ ካብ ቤተ መንግስቲ ወጸ።
ንድሕሪት ተመሊሱ ኣይፈልጥን። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከኣ ትመርሖ ስለ ዝነበረት ደብረ ቶርማቅ ዝበሃል እምባ ኣተወ። እቶም ህዝቢ ከኣ ንፉዕ መራሒ ስኢኖም ስለዝነበሩ ኣብ ከተማ ሮም ዓቢ ሓዘንን ኮነ። ቅዱስ ማርቆስ ኣብ ደብረ ቶርማቅ 60 ዓመት ሰብ ከይረኣየ፣ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን፣ ብተጋድሎ ነበረ።
ድሕሪ ቡዙሕ ተጋድሎ በዚ ዕለት 29 ሰነ ብሰላም ካብዛ ሓላፊት ዓለም ኣዕረፈ።
ንስግኡ ዝቀብር ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ከኣ ሊቀ መላእክት ስም ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያትን ካብ ሰማይ ወረዱ።
እቲ ቅዱስ ስጋ ቅዱስ ማርቆስ መዝሙር ቅዱሳን መላእክት ምስ ሰምዐ፣ ካብ መሬት ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ሓፍ በለ።
ጸሎቱን በረኸቱን. ናይ ቅዱስ ማርቆስ ዘቶርማቅ ንጉስ ሮም ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፥ ኣሜን።
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን፧
Leave a comment