በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን !
፳፪/29 የካቲት ክብረ ዕረፍታ
ሓጺር ገድሊ ናይ ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ
ቅድስት ቤተ ክርስቲያና፡ ኣብ ዓመትን ኣብ ወርሕን መመዓልቶም ፈልያ ንብዙሓት ቅዱሳን ብዓሎም ተኽብር እያ። እምበኣር ካብተን ብዙሓት ኣዴታትና ቅዱሳን ኣንስት ኢልና እንምክሐለን ሓንቲ ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ እያ።
ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ ኣዴና፡ ካብ ኣቡኣ ላባ ካብ ኣዲኣ ወንጌላዊት ብ4 ሚያዝያ ተጠኒሳ ብ29 ታሕሣስ ዝተወለደት ቅድስት ኣደ እያ። ኣብ ዝተወለደቱሉ ዕለት ብእግራ ቆማ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘዉጽኣካኒ በዓል ብዙሕ ምሕረት ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግባእ እናበለት ኣመስገነት። እቶም ነዚ ዝሰሙዑ ህዝቢ ድማ ኲሎም ኣዝዮም ተደነቊ። ብድሕሪዚ ኣብ 80 መዓልቲ ክትጥመቅ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰዱዋ’ሞ፡ ስማ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝገለጸሎም “ማርያም ፀደላ” ኢሎም ስም ኣዉጽኡላ። ኣብ’ቲ ጊዜ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ጋረዳ፡ከምዚ ድማ በለት፡ “ናይ ክርስቶስ ስርዓተ ጥምቀት ክፍጽም፡ በዚኣ ስዓት እዚኣ ዝፈቀድኻለይ ቅዱስ እግዚአብሔር አምላኸይ ክብር ምስጋናን ንዓኻ ይኹን” በለት። ብድሕሪ ስርዓተ ጥምቀት ምፍጻሙ ስጋን ደምን ናይ ጎይታ ክትቅበል ከላ፡ “ኣሜን ወኣሜን ናይ ነፍሰይን ስጋይን መድኃኒት ይኲነኒ” ኢላ ቅዱስ ሥጋኡን ክብር ደሙ ተቀበለት። ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ ብጸጋን ብጥበብን ኲሉ ቅዱሳት መጽሓፍት እናተማህረት ኣብ ዝዓበየትሉ፡ ካብ መዓለታት ሓንቲ መዓልቲ ሓደ መነኮስ ናብ ገዝኦም መጸ’ሞ፡ ንፍቅርተ ክርስቶስ ኣብ ርእሳ ስዓማ፡ ክጥምቶ ዝጸንሐ ኣቡኣ ላባ ኸኣ፡ ስለምንታይ ትስዕማ፧ መነኮስ ዶ ጓል ክስዕም ይፍቀዶ እዩ ክብል ሓተቶ፧ እቲ መነኮስ ድማ እዚኣ ቅድስት ናይ ሕያው እግዚአብሔር ፈታዊት፡እምንቲ ኣገልጋሊት ብትገብሮ ተጋድሎ ኣዝያ ጽንዕቲ፡ ካባና’ዃ ትበልጽ እያ። ናታ ገድልን ትሩፋትን ብኣንደበት ናይ ሰብ ተዛሪብካ ኣይዉዳእን እዩ፡ ስለዚ ብምስዓመይ ኣይትቀየመለይ ክብል መለሰሉ። እዛ ቅድስት ኣደ ለይትን መዓልትን መዝሙር ዳዊት ትደግም ፡ ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት ምስ እግዚአብሔር ትራኸብ፡ ድሌታ ኸኣ ኣብ ገዳም ኸይዳ ክትምኩስ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ወለዳ ግና ንዘርዓ ክርስቶስ ዝተባህለ ገዛኢ ኣመርዓዉዋ’ሞ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ግን ነቲ መርዓዊኣ፡ “ክቡር ሓወይ ንእግዚአብሔር ደስ ዘብሎ ነገር እናሰራሕና ድንግልናና ሓሊና ዘይንነብር” ክትብል ሓተተቶ።
ንሱ ኸኣ “ዝሓብተይ ቅኑዕ ኣዛረበኪ ሕራይ! ንዓይ ዉን ስድራይ ኣገዲዶምኒ እንበር ድልየታትይ ኣይነበረንን’እሞ፡ ድንግልናና ሓሊና፡ ከም ቅዱስ ዲሜጥሮስን ቅዱስ ዮሐንስ ከማን ጸኒዕና ንንበር። ናይ ድንግልና ክብሪ ድማ ክንረክብ ኢና” በላ።
በዚ ተሰማሚዖም ከኣ ብጾም፡ጸሎት፡ስግደት፡ ተጊሆም ለይቲን፡መዓልት ንእግዚአብሔር እንዳ ኣገልገሉ ብንጽሕና ጸኒዖም ንቡዙሕ ዓመት ነበሩ። ቅዱስ እግዚአብሔር አምላክና ከኣ ፦ ንበዓል ቤታ ዘርዓ ክርስቶስ ሓላዊኡ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ተዋህቦ ንቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ ከኣ ሓላዊኣ መልአክ ቅዱስ ሚካኤል ተዋህባ ካልኦ መላእኽት ድማ ዘዉትር ይራድኡዎም ነበሩ።
ብኸምዚ ሰናይ ተግባር እንዳ ነበሩ ከለዉ፣ መልአክ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ንስኹም ዝተመረጽኹም ብፁአን ኢኩም። ካባኩም ናይ እግዚአብሔር ፈታዊ ዝኾነ ዓቢ ሕፃን ክዉለድ እዩ። በዚ ነገር ኣይትፍርሁ ናይ እግዚአብሔር ፍቃድ እዩ ፡ ደናግል ኮይኖም ካብ ዝረክብዎ ክብር ኣይጎድለኩምን እዩ ካባኩም ዝተመረጸ ዘርኢ ክወጽእ እዩ” በሎም። ንሶም ክኣ “እዚ ጋኒን ድዩ፧ ወይሲ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ እዩ” በሉ። እዚ ነገር እዚ ካልኣይን ሳልሳይን ራብዓይን ጊዜ ተራኣዮም። ክልቲኦም ን40 መዓልትን 40 ለይቲ ብጾም ፡ ጸሎት ኣብ ምድር እንዳ ደቀሱን ክሓዝኑ ድሕሪ ምጽናሕ ፍቃድ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ካብ ሰማይ ድምጺ ሰሙዑ ።
ብድሕሪዚ ተራኸቡ እሞ ጠነሰት ብዘይ ሕማም ክኣ ወለደት ኣብ ግንባሩ ትእምርተ መስቀል ዘለዎ ኣዝዩ መልክዐኛ ሕፃን ተወልደ እሞ ኲሎም ቤተ ሰብ ክኣ ደስ በሎም። ምክንያቱ ኣቀዲሞም “እዚኦም ሰባት መኻናት ድዮም፧ ወላስ ሱሉባት’ዮም” እንዳ በሉ ይዛረቡ ነይሮም እዮም።
ንወዶም ክኣ ብጸጋን ብጥበብ ዓበየ ወዲ 4 ምስ ኮነ ትምህርቲ ክምሃር ናብ መምህር ወሰዱዎ ሞ ንኩሉ ብቃል ኣጽንዖ ። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ቆይሙ እንዳ ጸለየ ከሎ መልአክ እግዚአብሔር ተገሊጹ ናብ ገነት ወሰዶ እሞ፡ ናይ ሰማይ ምስጢር ገለጸሉ። ብድሕሪዚ “በጃኻ ናብዚ ክፉእ ዓለም ኣይትምለሰኒ” ክብል ነቲ ምስኡ ዝነበረ መላኣኽ ለመኖ። እቲ መልአክ እግዚአብሔር ክኣ ናብ ብሔረ ሕያዋን ወሲዱ ኣብኡ ኣንበሮ።
ስለ ሃይማኖት ከም ዝመስኹሩ።
ብድሕሪዚ ዝኾነ ነገር ስምዑ፡ ቅዱስ ዘርአ ክርስቶስን ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስን ኣብ ዘመኖም ኵሉ፣ ናብ እግዚአብሔር ዘዉትር ይጽልዩን ይልሙኑን ነበሩ። ንስለ ስሙ ደሞም ኣፍሲሶም ሰማእታት ክኾኑ ይምነዩ ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዝረኸሰት ናይ ሮማ ሃይማኖት ናብ ምድረ ኣግኣዚት ኣተወት ፤ በዚ ምክንያት ክኣ ኣብ ሃይማኖት ዓቢ ምንዋጽ ኮነ ፣ ምክንያቱ ንጉስ ሱስንዮስ ናብ ካቶሊክ እምነት ስለ ዝቐየረ ኲሉ ሰብ በዚ ናተይ ሃይማኖት ክኣምን ኣሎዎ ዝቡል ኣዋጅ ኣወጀ። ብንጉስ ሱስንዮስ ዝተኣወጁ ኣዋጃት
1. ኲሎም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ካልኣይ ግዜ ስርዓት ካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያን ክጥመቁ ክኽእሉ ከም ዘለዎም።
2. ካህናት ካልኣይ ግዜ ብናይ ካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያን ስርዓት ክቕቡኡ ከም ዘለዎም።
3. ቤተ ክርስቲያን ብናይ ካቶሊክ ስርዓት ክትቅባእ ኣለዋ።
4. ብምስራቅ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተሳእሉ ኣሳእል ክጥቀሙ ናይ ቀለም ስእል ክተርፍ ብዕንቀይቲ ዝተሳእሉ ኣሳእል ክጥቀሙ
5. ስርዓተ ቅዳሴ ከም ናይ ካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያን ክኸዉን ከም ዘለዎ፡ እንተላይ ምቁጻር ስዓትን ዕለትን
6. ዓርብን ሮቡዕ ጾም ተሪፉ ቀዳም ክትጽወም
7. ናብ እምነት ካቶሊክ ዘይ ኣተወ ክኣ ብሞት ክቅጻዕ ዝቡብ ሓድሽ ሕጊ ሓገገ። ነዚ ኣዋጅ ዝሰሚዖም ኣዝዮም ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታትን ኣዴታትን ገዳማዉያን፡ ካብ ገዳሞም፡ ካህናት ካብ ቤት መቕደስ፣ ሓረስታይ ካብ ማሕረሱ ንኹሉ ዕዮኦም ገዲፎም፡ ንስለ ተዋህዶ ሃይማኖት ክብሉ ኣብ ኣደባባይ እንዳ ወጹ፡ ሰማእትነ ከየምልጠኩም እንዳ ተባሃሃሉ ይመጹ ነበሩ። ካብ ጳጳስ ክሳብ ሕፃን ከይ ተረፈ ብሰማእትነት ሓለፉ። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ዘርዓ ክርስቶስ ኣብ እምነት ካቶሊክ ዘይ ኣመንኻ ተባሂሉ ናብ ንጉስ ኣቅረቡዎ። ንሱ ክኣ ናብ ፍቅርተ ክርስቶስ ሰበይቱ ከምዚ እትብል መልእክቲ ልኣኸ። ንሱ ኸኣ “እቲ ዝደለናዮ ሰማእትነት ጊዚኡ ኣኺሉ ሰማእትነት ኸየምልጠኪ ቀልጢፍኺ ምጺ” ዝብል እዩ ነይሩ። ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ ክኣ ገዝኣ ከይ ዓጸወት ብቕልጡፍ መጸት፡ ኣብ ቤት ንጉስ ኣትያ ክኣ፦ ናብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ክምለስ ተዛረቦቶ፡ ኣይ ምለስን እየ ምስ በላ ቡዙሕ ገሰጸቶ እሞ ፤ ንጉስ ሰሱንዮስ ከኣ ንኽገርፍዎ ኣዘዘ፡ ክሳብ ዓጽማ ዝርኤ ክኣ ገረፍዋ። ንብዓል ቤታ ክኣ ልክዕ ከምኡ ጌሮም ብማዕረ ገረፍዎም እሞ፡ እታ ቅድስት ኣዴ ካብ ብዝሒ ምግራፍ ዝተላዕለ ክዳና ተቀዲዱ ዕርቃና ተረፈት። ብኸምዚ ክኣ ኣዝዩ ብዙሕ ሥቓይ ኣሰቃዩዎም እሞ፡ ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ክሳዶም ብሰይፍ ክቆርጹዎም ኣዘዘ። ዘርዓ ክርስቶስ 4 የካቲት ብሰማእትነ ሓለፈ። ካብ እግዚአብሔር ከኣ 7 ኣክሊል ተቀበለ፡ ዝክርኽኻ ዝገብር ብስምካ ዝምሕጸን ክሳብ 7 ትውልድ ክምሕረልካ እየ ዝብል ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቀበለ። ከሙኡ ዉን ቅድስቲ ፍቅርተ ክርስቶስ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ክሳዳ ብሰይፍ መተርዎ፡ እንተ ኮነ ግና ክልተ ስሙን ኣብ ገነት ጸኒሓ፡ ስፍራ ሓጥኣን ጣዕሚ ስፍራ ቅዱሳን ተመልኺታ፡ ኲሉ ምስጢር ሰማይ ቅዱስ ሚካኤል ኣርኣያ እሞ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ነፍሳ ናብ ስጋኣ ተመሊሳ ካብ ሙውታት ተንስኤት።
ብድሕሪዚ ናብቲ ናይ ቀደም ጋህ ኣቢላቶ ዝወጸት ገዝኣ ተመሊሳ ንኲሉ ንብረታ ንድኻታት ሂባ ናብ ገዳም ከደት።
ኣብኡ ክኣ ብጾም፣ጽሎት፣ስግደት ብቡዙሕ ትርፋት ተጊሃ ንእግዚአብሔር ተገልግል ነበረ። ቅድስት ኣዴና ዝሓለፈቶ ገድሊ ኣዝዩ ቡዙሕ እዩ።
ናብ በላዕቲ ሰብ ከም ዝኸደት
ምስ መነኮሳያት ደቃ ናብ ኢዮርሳሌም ክነግዳ ተበገሳ እሞ፡ ኣብ መንገዲ ሸፋቱ ረኺቦም ሓዝወን፤ ንኲሉ ንብረተን ኣጊዲፎም ክልተ ዓይነን ኣዒዊሮም ኣሰርወን። ንክበልዕወን ከኣ ተዳለዉ።ምክንያቱ ንሶም በላዓቲ ሰብ እዮም ነይሮም። ክበልዕወ ምስ ተቀረቡ ነቲ ሒዘንኦ ዝመጻ መግበን እንታይ እዩ ኢሎም በልዕዎ ኣስናኖም ከኣ ረገፈ። ነቲ ዝረገፈ ኣስናኖም ሒዞም ናብ ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ፡ መጹ ቅድስት ኣዴና ክኣ ኣስናንኲም ከም ቀደመን እንተ ተመሊሰን ብኣምላክይ ትኣምኑ ዲኹም በለቶም።
እወ ንኣምን ኢና በሉዋ። ቅድስት ኣዴና ናብ ምብራቕ ገጻ ጣሚታ ናብ እግዚአብሔር ጸለየት እሞ ጸሎታ ሰሚዑ ነቲ ዝረገፈ ኣስናኖም ክተክልዎ ኣዘዘቶም እሞ ከም ቀደሙ ኮነ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። ብድሕሪዚ ካብኦም 5 ሰባት መቱ እሞ ንክበልዕዎም ተዳለዉ ፣ ቅድስት ኣዴና ክኣ ሰብ ከምዘይብላዕ ነገሮቶም፡ንሳቶም ከኣ እንታይ ድኣ ክንበልዕ በልዋ፤ ቅድስት ኣዴና ምስኣ ዝተመላኣቶ ኣዝርእቲ ነበረ እሞ ፣ ብሓንቲ መዓልቲ ተዘርኡ ዝብላዕ ኮነ። እቲ ዝተዘርኤ ፥ ሽጉርቲ፤ ስርናይ ፣ዓተር: ኣሕምልቲ፣ ነዚ ብልዑ በለቶም እሞ ፣ ሳዕሪ ዶ ይብላዕ እዩ በልዋ። ንሳ ግን እንኩም ብልዕዎ ምስ በለቶም ኣብ ኣፎም ከም ማዓር ጠዓሞም ኣዝዮም ክኣ ተሓጎሱ። ብድሕሪዚ ቅድስት ኣዴና ቤተ ሳይዳ ማለት ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ድዩ ኢላ ሓተተቶም እሞ ቅድሚ ነዊሕ ዘመ
ናት ኣቦታትና ኣብዚ ነይሩ ይብልና ነይሮም ኢሎም ነቲ ቦታ ኣርኣዩዋ። ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ ኣዴና ክኣ ምስጢር ናይቲ ቦታ ክገልጸላ ጸለየ ን60 መዓልቲ መዝሙር ዳዊትን ፤ ኣርጋኖን ፤ ትዓብዮ ነፍስየ ትጽሊ ነበረት እሞ፥ አባ ዘመሎኮት ዝተባህሉ ካብ ምዉታን ተንስኡ። ቅድስት ኣዴና ክኣ ኣብ ቲሒቲ እጉሩ ወዲቃ ሰገደት አባ ዘመሎኮት ክኣ “ጓለይ ተንሲኢ ብጸሎትኽን ልሞኖክን እግዚአብሔር ኣተኒሲኢኒ” በላ። ንሳ ክኣ ኣቦና ካበይ መጺኢኲም በለቶ፤ ንሶም ክኣ ኣቀዲመ ካብ እዮርሳሌም ጵጵስና ተቐቢኤ መጺኤ በላ። እዚኣ ትርእያ ዘለኺ ቦታ ናይ ክርስቲያ ዓዲ ያ ነይራ ኣነ ምስ ዓረፍኲ ኣረሜናዊ ንጉስ ነገሰ ነታ ቤት መቕደስ ውን ኣፍረሳ ንደቀይ ውን ቀተሎም።እዚ ካብ ዝኸውን 528 ዓመት ኮዩኑ ኣሎ፡ ሕጂ ንስኺ ምስ ጸለኺ እግዚአብሔር ናባኺ ሊእክኒ በላ። እሞ ሕጂ እንታይ ንግበር ተባሃሃሉ ኣብዚ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ንስራሕ ተባሃሉ እሞ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሰረሑ።
ቅድስት ኣዴና ብኢዳ ዝጽሐፈቶም መጽሓፍ ፤ኣርባዕተ ወንጌል፤ ስንክሳር፤ ሃይማኖተ አበዉ፤ መጽሐፈ ግንዘት፤ መዝሙረ ዳዊት፤ ኣርጋኖን እዚ ኲሉ ብኢዳ ጽሒፋ ሃበቶም።
ናብ እዮርሳሌም ብምምጻእምእ ኣብ መቃብር ጎይታ ፣ ተሳሊማ ኲሉ ቅዱስሳን ቦታታት ማለት፦ ቤቴልሆም፣ ናዝሬት፣ማይ ዮርዳኖስ ፣ ደብረ ታቦር ወዘተ… በጽሐት ። ብድሕሪዚ ናብ ግብጺ ብምኻት በረኸት ካብ አቡነ ቢኒያሚ ተቀበለት። ናብ መቃብር አቡነ ኤዎስጣጢዎን ኽትኸይድ ደለየት’እሞ፡ መርከብ ስኣነት ብድሕሪዚ ነጸልኣ ዘርጊሓ ገድል ኤዎስጣጢዎስ እንዳ ኣንበበት
ልክዕ ከም አቡነ ኤዎስጣጢዎስ ብነጸልኣ ጌራ ንባሕሪ ተሳገረት። ብሰላም ክኣ ናብ ኣርመንያ በጽሐት መቃብር አቡነ ኤዎስጣጢዎስ ተሳሊማ በረኸት ተቀበለት። ካብኡ ብሃገረ ናግራን፤ ጌራ ናብ ደብረ ቢዘን ተሳሊማ፣ ገዳም አቡነ ብፁጹ አምላክ ተሳሊማ ናብ ደበረ ዳሞ በጽሐት።ኣብ ደብረዳሞ ኸኣ ኣቡነ አረጋዊ ተገሊጹ በረኻ።
ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብፍቃድ እግዚአብሔር ገዳም ገደመት ታሕሳስ 14 ድሕሪ ጸሎት ናይ ንግሆ ብዕለተ ዓርቢ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሑ ጀሚሮ፡ ብሓንቲ መዓልቲ ተወዲኣ ሰንበት ታሕሳስ 16 ታቦት ኪዳነ ምሕረት ኣእቲዮም ቅዳሴ ቀደሱ።
ቅዳሴ ምስ ተወደኤ ጎይታና አምላክና መድኃኒናን ኢየሱስ፡ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ መንበሩ ኮዩኑ ምስ ቅድስት ወላዲቱ ምስ ኣእላፍ መላእኽት ወረደ፡ እታ ቤት መቕደስ ክኣ ብርባዕተ መኣዝን ንጎይታ ሰገደትሉ ክሳብ ሕጂ ድማ ከምኡ ኢላ ኣላ። ብምብራቅ ክትርእያ ከለካ፡ ናብ ምዕራት ትሰግድ፤ ብሴሜን፣ ክትርእያ ከለኻ ናብ ደቡብ ትሰግድ ሽዑ ምድር ተናወት።
ቅድስት ኣዴና ክኣ ጎይታይ ክተጥፍኣኒ ዶ መጺእካ በሎቶ፤ ጎይታ ክኣ ነዚኣ ሰሪሕኽያ ዘለኺ ቤት መቕደስ ክሳብ ዳግም ምጽኣተይ ምሕዳስ ኮነ ምፍራስ ኣይትርእን እያ፤ ኣብኣ ኸኣ እግሪ መናፍቅን፤ ክሓድትን ኣይረግጽዋን እዮም። ኣብኣ ቅዱስ ቊርባት ዝተቀበለ ሓጢኣቱ ክድምስሰሉ እየ። ዘውትር ምሕረተይ በረኸተይ ካብኡ ኣይፍለይን እዩ። ዝብል ቃል ኪዳን ሂቡዋ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ጊዜ ዕረፍታ ስለ ዝኣኸለ ብ27 የካቲት ናብ ምብራቅ ገጻ እንዳ ጸለት ከላ ጎይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምስ ቅድስት ወላዲቱን ምስ ኣእላፍ መላእኽትን ናብኣ ወረደ። ቅድስት ፍቅርተ ክርስቶስ ምስ ርኣየቶ ሰገት እሞ ኣምሪራ ኣልቀሰት። ጎይታ ከኣ ክጥፍኣኪ ዘይኮንኩ ናይ ዘልአለም መንግስተይ ክዉርሰኺ ኢለ እየ መጽኤኪ ዘለኹ።ሕጂ ክኣ ቃል ኪዳን ክህቡኺ ስመይ ኣብ ስምኺ ተወሲኩ ኣሎ እሞ፤ ንቤተ ክርስቲያንኺ መባእ ዝሃበ፤ ዝተላእከ፤ዝተቀብረ፤ኣብ ቤት መቕደስኺ መጹ ዝተሳለመ ፤ በረኸተይ ኣብ ቤቱን ኣብ ደቁን ፤ኣብ ገንዘቡን ክነብር እዩ። መጽሐፈ ገድልኺ ኣብ ዘለዎ ኣጋንቲ ኣይቀርቡን፤ ሓረስታይ ሓሪሱ ስምኺ እንተ ጸዊዑ ግራቱ ለምለም ይኹነሉ፣ብጸሎትኺ ዝምሕጽን ዝኾነ ይኩን ሕማም ኣይሓምምን እዩ፤ ብሓቂ ስምኺ ዝጽዉዕ ዝኸበረ እዩ፤ ብእምነት መጽሐፈ ገድልኺ ዝጻሓፈ፤ዘጽሓፈ፤ዝተርጓሜ፤ዘንበበ፤ዝሰመዐ፤ ክሳብ ብርጪቆ ማይ ዘስተየ ክሳብ 12 ትውልድ ክምሕረሉ’የ ኲሉ ሓጢአቱ ውን ክድምስሰሉ እየ በላ። ስለ’ቲ እፁብ ገድላ 7 ኣክሊል ሃባ። ነዚ ሂብዋ ብክብር ናብ ሰማይ ዓረገ። ብድሕሪዚ ቅድስት ኣዴና ንጎይታ ኣመስጊና ብ29 የካቲት ሰንበት መዓልቲ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ናብታ ዘይትሓልፍ ዓለም ተሳጋገረት። ኣብ ገዳሟ ገዳመ ሲሐት ቅድስት ኪዳነምህረት ፍቅርተ ክርስቶስ (እመ ምዑዝ ) ትብሃል ጋዳም ተቀብረት።
በረኸታን ረዲኤታን ኣይፈለና ኣሜን
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክብር አሜን።