፳/20 ሓምሌ  ዕረፍቱ ሰማዕት ቅዱስ ቴዎድሮስ  

 ፳/20 ሓምሌ  ዕረፍቱ ሰማዕት ቅዱስ ቴዎድሮስ  

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!

፳/20 ሓምሌ  ዕረፍቱ ሰማዕት ቅዱስ ቴዎድሮስ

ሓፂር ታሪኽ ቅዱስ ቴዎድሮስ ሰማዕት

ቅዱስ ቴዎድሮስ ስም ኣቦኡ ዮሐንስ ይብሃል። ኣብ ላዕላይ ግብጺ ሰጥብ ኣብ ዚተባህለት ዓዲ ተወልደ። ኣቦኡ ምስ ሠራዊቱ ናብ ከተማ ኣንጾኪያ ወሲድዎ ኣብኡ ከኣ ይነብር ነበረ፡ ሓንቲ ካብ ደቂ መኳንንቲ ተመርዓወ ንሳ ኣምላኺት ጣዖት ስለዝነበረት ሰብኣያ ዮሐንስ እንታይ ከም ዘምልኽ ኣይትፈልጥን ነበረት። ቅዱስ ቴዎድሮስ ምስ ተወልደ አዲኡ ናብቲ ጣዖት ኣቕሪባ ኣምልኾታ ከተምህሮ ደለየት እሞ ኣቦኡ ከኣ ከልኣ። በዚ ተቘጢዓ ካብ ሰብኣያ ዮሐንስ ተፈትሐት። እቲ ሕፃን ግና ምስ ኣዲኡ ተረፈ፡ ዮሐንስ ኣቦኡ ምእንቲ ወዱ ንእግዚኣብሔር ይልምኖ ነበረ። ቅዱስ ቴዎድሮስ ምስ ዓበየ ጐይታ ብሩህ ልቢ ስለዝዓደሎ ጥበበኛ ኮነ፡ ናብ ኣውላኪስ ዚተባህለ ኤጲስ ቆጶስ ከይዱ ብእኡ ተጠምቀ፡ በዚ ምኽንያት ኣዲኡ ኃዘነት።

ቴዎድሮስ ናይ ኣቦኡ ናብራ ሕይወት ብሥዉር ምስቶም ኣገልገልቱ ይፈልጥ ነበረ፡ ምስ ዓበየ ሓለቓ ሠራዊቱ ኰይኑ ተሸመ። ንሃገር ፋርስ ዘሚቱ ንወዲ ንጉሥ ፋርስ ማረኾ፡ ነቶም ሠራዊት ከኣ ሰጐጎም፡ ምሥራቃዊ ቴዎድሮስ ከኣ ምስኡ ነበረ። ድኅሪ ኂደት ኣዋርኅ ናይ ፋርስን ናይ በርበርን ሰባት ኣብ ልዕሊ ሮማውያን ተላዒሎም ብዙኃን ከተማታት ኣጥፍኡ። ዲዮቅልጥያኖስ ኣዝዩ ፈርሀ። “ንቅዱስ ቴዎድሮስ ጸዊዑ እንታይ ንግበር፧ ኢሉ ኣማኸሮ። ቅዱስ ቴዎድሮስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ “ንስኻ ናይ ኲናት መሳርሒታትካ ወሲድካ ንዓስከራትካ ሃቦም። ኣነ ብረድኤት ፈጣሪየይ ኢየሱስ ክርስቶስ እተኣማመን እየ፡ ናይ ኵናት መሣርሒ ኣይደልን፡ ካብ ወተሃደራት’ውን ሓደ እኳ ምሳይ ዚሕግዘኒ ኣይደልን እየ። እዚ ኂዘዮ ዘሎኹ ኲናትን እዚ ፈረሰይን ይኣኽለኒ ፈጣርየይ ክረድኣኒ እዩ” እቲ ንጉሥ ከኣ በል “እነሆ ጸላእትና ናባና ቀሪቦም ኣለዉ እሞ ዝደለኻዮ ግበር” በሎ።

ንጉሥ ተጠራጢሩ ንናይ በርበር ሰባት ክትወግኦም እንታይ ኃይሊ ኣሎካ ንሳቶም ብዙኃን ዓይነት እዮም” በሎ። ቅዱስ ቴዎድሮስ ግና “ንስኻ ምስ ሠራዊትካ በዚ ቁም” ኣነ ግና ንበይነይ ክኸይድ እየ፡ ዝገብሮ ከኣ ክትርእየኒ ኢኻ። ኣነ ብኃይሊ እግዚኣብሔር ከምዘጥፍኦም እፈልጥ

ከተባርር መጺእካ ትኸውን፡ እየ ብናቶም ብዝኂ እቲ ንጉሥ ኣደነቐ፡ ነቶም ምስኡ ዘለዉ’ውን በርበርን ትዋግኡ ዲኹም ወይሲ ብሰላም ንሃገርኩም ትምለሱ” በሎም። ኣደኑቖም። ቅዱስ ቴዎድሮስ ንበይኑ ከይዱ ነቲ ንጉሥን ነቶም ሰብ ንሳቶም ብጀካኻ ናብ ሰልፊ ዘመፅአ ሰብ ስለ ዘይረኣና ደኣ ምስ መን ክንዋጋእ በልዎ። ንሱ “ኣነ ንበይነይ ብኃይሊ ፈጣሪየይ ከጥፍኣኩም እየ ንሳቶም ምናልባሽ ከልቢ በሎም። እንተፈቲካ ግና ካባና ሓደ ናባኻ ኪመጽእ ምረጽ እሞ ክልቴኹም ተጋጠሙ” በልዎ። ቅዱስ ቴዎድሮስ ገጹ ናብ ምሥራቕ ጠሚቱ ጸለየ። ጸሎቱ ወዲኡ ኣብቲ ኲናት ብምልክት መስቀል ምስ ኣማዕተብ ንበይኑ ገጠመሎም። ኣነ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ እናበለ ኣሰነፎም፡ ኪምለስ ኣንጾኪያን ንሰብ በርበርን ከኣ ማረኽዎም። ከሎ ንጉሥ ብኸብሪ ተቐበሎ፡ እቶም ሠራዊት’ውን ሰገዱሉ፡ ንሰብ ኣውኪስጦስ ኣብ ዝተባህለ ሃገር ዝነበሩ ሰባት ዘምልኽዎ ዓቢይ ገበል ነበረ። በብመዓልቱ ክልተ ክልተ ሰባት ይህብዎ ነበሩ፡ ናይ ሓንቲ ክርስቲያናዊት ሰበይቲ ክልተ ደቃ ብዘይፍቓዳ ነቲ ገበል ኣቕረብዎም፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቅዱስ ቴዎድሮስ ናብኡ መጺኡ ስለዝነበረ ዝኾነ ኵሉ ምስ ናይ ንብዓታ ነገረቶ። ክርስቲያን ምዃና ምስ ፈለጠ ብልቡ  “እዛ ሰበይቲ በዲሎምዋ እዮም፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኪፈድየላ እዩ” በለ። ገጹ ንምሥራቅ መሊሱ ምስ ጸለየ ነቲ ገበል ብዂናት ወቒዑ ቐተሎ። ቁሙቱ ፲፪ (12) ሜትሮ ወይ ከኣ ፳፬ (24) እመት ነበረ። ነቶም ደቃ ከኣ ኣድኃኖም። ድኅሪኡ ነቦኡ ደልዩ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ረኸቦ፡ ኣቦኡ ወዱ ከም ዝኾነ ብመልክዑ ኣላለዮ፡ ቅዱስ ቴዎድሮስ ኣቦኡ ክሳዕ ዚዓርፍ ኣብኡ ተቐሚጡ ናብ ኣንጾክያ ተመልሰ። ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ከኣ ካብ ክሕደቱ ከይተመልሰ ጸንሖ። ቅዱስ ቴዎድሮስ ነቲ ገበል ስለ ዝቐተሎ እቶም ሰብ ሃገር ኣውኪስጦስ ከሲሶምዎ ነበሩ እሞ ንጉሥ ብልኡኻት ጸዊዑ ኣቕረቦ። ቅዱስ ቴዎድሮስ ግና ከይፈርሀን ከይፈረን ስለእቶም ርኹሳት ጣዖታት ነቲ ንጉሥ ገንሖ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንጉ ተቘጢዑ ደሙ ከም ማይ ክሳዕ ዚፈስስ ኣኸትከቶ። ኣእጋሩን ኣእዳዉን ኣብ ሓደ ዓቢይ ጕንዲ ሸንከሮ።

ቃል ኪዳን

ኣብ ውሽጢ ብዙኅ ስቓይ ከሎ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ “ጽናዕ እንሆ ናይ ገድልኻ መፈጸምታ ቀሪቡ፡ ኣብቲ ሥጋኻ ዝዓርፈሉ ቦታ ተኣምራት ክግለጽ እዩ፡” “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናትካ መዘከርታ ዚገብር ዘበለ ኲሉ ብስምካ ንጥሙይ ዘብልዐ፡ ንጽሙእ ዘስተየ፡ ንቤተ ክርስቲያንካ መባእ መጻሕፍቲ ንዝህብ ኣነ ኃጢኣቱ ኲሉ ክድምስሰሉ እየ፡ ገድልኻ ዚጽሕፍን ዜንብብን ዚሰምዕን ኣነ ስሙ ኣብ መጽሐፍ ሕይወት ክጽሕፎ እየ” ሠራዊትን ሕዝብን ተኣኪቦም “ኣንታ ከሓዲ እግዚኣብሔር የጥፍእካ፡ ካብ ኢድ ጸላእትና ዘደኃነና፡ ኃያልን ጽኑዕን ዝኾነ ክቡር ቴዎድሮስ ተሳቕዮ ኣሎኻ” ኢሎም ጨደሩ። ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ከኣ ብሰማዕትነት ዓረፉ። እንደገና ንቅዱስ ቴዎድሮስ ኣብ ዓራት ሓጺን ኣደቂሶም ሓዊ እንተኣቃጸልሉ ብጸሎቱ ማይ ገበሮ። ካብ ሰማይ “ኃይሊ ዝተዋህበካ ጽናዕ፡ በርትዕ ዝብል ድምፂ መጽኦ። ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ቈይሙ “ጐይታይ ኣድኂኑኒ፡ ኣንታ ከሐዲ ኀፈር” በሎ። ንጉሥ ኮነ ናይቶም ጭፍራ ኃላፊ ነዚ ምስ ረኣየ “ክቡር ቴዎድሮስ ዘምልኾ ጐይታ ጥራይ ደኣ እምበር ካልእ ኣምላኽ የልቦን” ኢሉ ጨደረ። ርእሱ ኣቝረጾ እሞ ብሰማዕትነት ዓረፈ። ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ቴዎድሮስ ኣብቲ ኣዲኡ ዘላቶ ቤት ወሲዶም ክሳዱ ቈረጽዎ። ካብ ክሳዱ ደም፡ ጸባ ፈልፈለ። ዕረፍቱ ሐምሌ ዕለት ፳ (20) ኮነ ንሬሳኡ ብሓዊ ኬቃጽልዎ ፈቲኖም ነይሮም ብተኣምራት ከይተቓጸለ ወፂኡ። ኣዲኡ ነቶም ወተሃደራት ብዙኅ ገንዘብ ሂባ ሥጋኡ ወሲዳ ብኽቡራት ኣልባስ ገነዘቶ። ዘመነ ስደት ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ ኣብ ቤታ ኣንቢራ ድኅሪኡ ሰጥብ ኣብ ኣብ ዝተሠርሐት ገዳም ሥጋኡ ኣቐመጡ። ኣብቲ ሥጋኡ ከኣ ቍጽሪ ዘይብሎም ተኣምራት ብምርኣይ ዓቢይ ፈውሲ ኮነ። ስንክሳር ዕለት ፳ (20) ሐምሌ ንመልከት።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ኣማላድነትን   በረኸት ናይ ቅዱስ ቴዎድሮስ ሰማዕትን   ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጸሎትን ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን።

 

Leave a comment

Send a Comment