በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
፳(20) ሰነ ህንጸተ ቤታ እዩ።
፳፩(21) ቅዳሴ ቤታ እዩ።
፳፩ ሰነ አብ ደብረ ሲና ዝበዓል ሰፊሕን ምስ ሓዋርያትን ቀዳማይቲ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰር ጥንታዊ መሠረት ዘለዎ እዩ።
ከምቲ ዝፍለጥ ኣምሳለ ኢዮሩሳሌም ሰማያዊት ዝኾነት ኣማናዊት ቤተ ክርስቲያንና ጐይታ ብክቡር
ደሙ ዝመሥረታ ስብሐተ እግዚአብሔር ዝበጽሕላ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን እንቕበለላ ምስ ቅዱሳን መላእክት እንዝምረላ ቅድስት መካን እያ። ጐይታ ኮነ ሓዋርያት ኣብታ ብዘመነ ብሉይ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ ዝተሓንጸት ቤተ መቅደስ እናተረኽቡ ትምህርት ይህቡን ተኣምራትን ይፍጽሙ ከምዝነበሩ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም ዕንጨይቲ ኣውዲቖም ሃገረ ስብከት ተኸፋፊሎም ነቲ ጐይታ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ክፍጽሙ ኣብ ኵሉ ማእዘናት ዓለም ተበቲኖም ነይሮም። በዚ መሠረት ኸኣ ኣብ ሞንጎ ኣሕዛብን መምላክያነ ጣኦት ኣብ ዝተረኽቡሉን፡ ነቶም ኣሕዛብ’ውን ናብ እምነት ክርስትና ድኅሪ ምምላሶምን ቤተ ጣኦቶም ምግዳፎምን፡ እቶም ኣመንቲ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ቦታ ክፈልዩሎም ንሓዋርያት ተላበውዎም። በዚ መሠረት ኸኣ ሓዋርያት ብጸሎት ናብ እግዚአብሔር ኣመልኪቶም እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዘመን ሓዋርያት ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊልጵስዩስ ተተኽለት።

ብዛዕባ ኣተሓናንፅኣ ብዝምልከት ከኣ ጐይታ ባዕሉ ነቶም ብሱባኤ ዝሓተትዎ ሓዋርያት ብ፫ ኣእማን ገይሩ ቁመቱ ፳፬ እመት ጐድኑ ድማ ፲፪ እመት ዓቂኑ ሃቦም። እዚ ድማ ናይቶም ፳፬ ነቢያት ሓደውን ፳፬ ካህናተ ሰማይን ፲፪ ሓዋርያትን ምሳሌ እዩ። ምስራሕ ምስ ጀመሩ ብጥበብ እግዚአብሔር ኵሉ ተፈጸመሎም። እዚ ዝኾነሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዓረገት ድኅሪ ፬ ዓመት ብዕለተ ፳ ሰነ እዩ። እዚኣ ዕለት ድማ ሕንፀተ ቤታ ተባሂላ ትኽበር።
ድኅሪ ሕንፀተ ቤታ ድማ ጐይታ ሰማያዊ ኅብስትን ጽዋዕን ገይሩ ንኣዴና ታቦት ንሓዋርያት ልዑካን ገይሩ ባዕሉ ቀዲሱ ኣቐበሎም። “እምይእዜሰ አንትሙኒ ከመዝ ግበሩ” (ከምኡ ክገብሩ ድማ ኣዘዞም)። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታና ባዕሉ ዝቐደሰላ ዕለት ብምዃና በብዓመቱ ቅዳሴ ቤታ እናበልና ብፍሉይ ከነኽብራ ንርከብ ኣሎና። (መቅድመ ታሪኽ መጽሐፈ ቅዳሴ)
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ኣብቲ ዳኅራዋይ ዘመን ብስማ ቤተ ክርስቲያን ከምዝትከልን ካብ ገዳም ደብረ ሲና ደቃ ዝኾኑ ቅዱሳን ከምዝወጹን፡ ኣብኣ ነጊዱ ስማ ዝጸወዐ ዝኽራ ዝገበረን ብስማ ኣብኣ ዝጸለየን ጸሎቱ ክስማዕ እዩ፤ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዝነገደ ናብ ጌተ ሰማኔ መቃብረይ ከምዝነገደ ክቖጽረሉ እየ ኢላ ዝሃበቶ ቃል ኪዳን ኣለዋ። ስለዚ ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ብብዝኂ ክነግድን ካብቲ በረኸታ ክሳተፍን ዓመት መጸ ይርከብ ኣሎ። ብሓቂ ድማ ገለ ውሑድ ብልምዲ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ፡ ብዝበዘኀ እቲ ነጋዳይ ኣብ ልቡ ዝዓቖሮ እሞ ንዓዓ ክነግራ እሞ ከተማልዶን ነዚኣ መዓልቲ ዘይጸበይን ሽግሩ ድማ ዘርዚሩ ዘይልምና የልቦን። ሰማዒ ኣደ ስለዝኾነት ድማ ኵሉ ከከም ጸገሙ ዝፍትሓሉ ስለዝኾነ፡ እቲ ነጋዳይ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎ ፍቕርን እምነት ኣዝዩ ልዑል እዩ። ገሊኡ ድማ ብፍላይ እቲ እዋን ሕንፀተ/ቅዳሴ ቤታ በዓተ ክረምት ስለዝኾነ ጥሉል ክራማት ኣምላኽ ክገብረልናን ዝዝረኣናዮ ክፈረየልና ኢሉ ዘይልምና ክፋል ኅብረተሰብ የልቦን እሞ ኣብ መዓልታ ወይ ብድሮ ዝጅመር ማይ ድንቒ ኮይኑ ይርከብ።
እግዚአብሔር አምላኽ መባልዕትና ዝኾነ ክራማት ይግበረልና፤
እግዝእትነ ማርያም በማላድነታ ትሓልወና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!