፴/30 መስከረም ቅዱስ አትናቴዎስ ካብ ስደቱ ዝተመልሰሉ

፴/30 መስከረም ቅዱስ አትናቴዎስ ካብ ስደቱ ዝተመልሰሉ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን!!!

፴/30 መስከረም ቅዱስ አትናቴዎስ ካብ ስደቱ ዝተመልሰሉ

ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ካብ ሐዋርያት ቐፂሉ ከም ቅዱስ አትናቴዎስ ዓንዲ ሃይማኖት ዝተዋገአ ቅዱስ የለን።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ መን እዩ?

+ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብትውፊት ቤተክርስቲያን መሠረት፡ ኣብ ዘመነ ሰማእታት መወዳእታ ( ኣብ 300 ኣካባቢ) ዓ/ም ኣብ እስክንድሪያ (ግብፂ) እዩ ተወሊዱ።ወለዱ ኣረማውያን ብምዃኖም ክርስትና ኣይተምሃረን ነይሩ።

+ብህፃንነቱ ንፀወታ ካብ ገዝኡ ምስ ወፀ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ክርስቲያን ቖልዑ ሃይማኖታዊ ፀወታ ክፃወቱ ተመልከተ።ዋላኳ ንኽሕወሶም እንተደለየ ክርስቲያን ብዘይምዃኑ ከልከልዎ።አትናቴዎሳ ክርስቲያን ክኸውን እሞ ምሳኩም ኣፃውቱኒ በሎም።

ሕራይ ኢሎም እቶም ህፃናት ዕጫ ኣውደቁ፣

ንሓዲኦም ቐሺ፡ንሓዲኦም ዲያቆን በጽሖም አትናቴዎስ ግን ፓትርያርክ ክኸውን ስለዝበፅሖ እቶም ካልኦት ህፃናት ክሰግድሉ ጀመሩ።

ብኣጋጣሚ እዞም ህፃናት እዚ ኹሉ ክገብሩ ከለዉ፣ ብፁዕ ወቅዱስ እለእስክንድሮስ ተገሪሙ ይርእዮም ነበረ’ሞ ንህፃን ኣትናቴዎስ ትንቢት ተነበይሉ።

ድሕሪ’ዚ ድማ ናይ አትናቴዎስ ኣቦኡ ሞተ’ሞ።

ሊቀ ጳጳሳት እለእስክንድሮስ ካብ ኣዲኡ ወሲዱ ኣጥሚቑ:ዝግባእ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኩሉ ተማህረ።ዲቁና ሸይሙ ምሃር በሎ።ዋላኳ ቖልዓ እንተኾነ ካብ ሊቅነቱ:ካብ ኣመላልስኡን ካብ ኣንደበቱን ጣዕሚ ዝተልዓለ ዝሰምዖ ኹሉ ይድነቕ ነበረ።ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡ ሓዲራ እያ’ሞ።

+ቅዱስ አትናቴዎስ ሊቀ ዲቁና ኣብ ዝተሾመሉ ኣዋርሕ ኣርዮስ ቤተክርስቲየን ስለዝረበሸ ኣብ ኒቂያ 318 ሊቃውንቲ ጉባኤ ኣብ ዝተኣከቡሉ ፀሓፊ ገይሮም ሾምዎ። ንኣርዮስ ተኸራኺሩ መልሲ ኣስኣኖ ቅዱስ አትናቴዎስ ምስ ሊቃውንቲ ኾይኑ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላክ ወልድ ኣምላክ:እግዚአብሔር ምዃኑ ኣብ ኣደባባይ መስከረ።ጸሎተ ሃይማኖት እውን ዘርቀቖ ንሱ እዩ።

ካብዚ ንደሓር ናይ እስክንድሪያ(ናይ ግብፂ) መበል 20 ፓትርያርክ ኮይኑ ተሾመ።ንቤተክርስቲያን ብትግሃት ን48 ዓመታት ብዙሕ መከራ እንዳ ተቐበለ ንምእመናን ጓሶዮም።ን5 ጊዜ ካብ መንበሩ ተሰዲዱ፣ብሰንኪ  ዓላውያን (ኣርዮሳውያንን) ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ስደት  ተቀመጠ።

+ኣብ ዝተሰደደሎም ቦታታት መከራ እናተቐበለ ንዘይኣመኑ ኣእሚኑ እዩ።ኣባጊዑ ፋሕ ኸይብሉ ብደብዳቤ፣ መልእክቲ ይጽሕፈሎ ነበረ።ሎሚ ኣብ ሃይማኖተ አበው እንረኽቦ ቃለ ሃይማኖት ኣብ ዘመነ ስደቱ ዝተጽሓፈ እዩ።እዚ ሓዋርያዊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ምእንቲ ኦርቶዶክስ ተዋጊኡ:ብዙሕ ስቓይ ተቐቢሉ ብ370ታት ዓ.ም ኣካባቢ ዓሪፉ።

“ቤተክርስቲያን ከምዚ ኢላ ትጸዎዖ”

ሊቀ ሊቃውንት

ርዕሰ ሊቃውንት

ናይ ቤተክርስቲያን(ናይ ምእመናን) ሐኪም

ሐዋርያዊ ኢላ ተኽብሮ።

    እዛ ዕለት ነዚ ቅዱስ አትናቴዎስ ስደቱ ዝዝከረላ፣ ካብ ስደቱ ፈፂሙ ዝተመለሰላ መዓልታ እያ። አመ፥፴ሁ፥ ለመስከረም፥ በዛቲ ዕለት፡ኮነ፡ተዝካረ፡ተአምር፡ዐቢይ፡ዘገብረ፡ እግዚእነ ፡ ኢየሱስ ፡ ክርስቶስ ፡ ሎቱ ፡ ስብ ሐት፡ ላዕለ ፡ ቅዱስ ፡ ወክቡር ፡ አባ ፡ አትና ቴዎስ፡ሊቀ፡ጳጳሳት፡ዘእስክንድርያ። ከም ዝብል።

እዚ ከመይ እዩ እንተበሉ፦

ኣብቲ ጊዜ ዝነበረ ንጉስ(ቆስጠንጢኖስ ንእሽተይ) ድሕሪ ዕረፍቲ ናይ ኣቡኡ(ቆስጠንጢኖስ ዓብዪ)  ተኸቲሉ ነገሰ።ቀልጢፉ ውን ኣርዮሳዊ መናፍቕ ኮነ።ሃይማኖቶም ዝቐንዐ ኣቦታት እውን ከሳድዶም ጀመረ።ካብ አበው ቅዱሳን ናይዚ መከራ ቐዳማይ ተቋዳሲ እቲ ዓብዪ ሊቅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ንጉስ ነቲ ቅዱስ ናብ በረኻ ኣሳጒጉ:መናፍቕ ጳጳስ ኣብ ግብፂ ሾይሙ:ብዙሓት ክርስቲያናት ብግፍዒ ተቀትሉ:ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ን6 ዓመታት ኣሰቓዮ።ናይ ወገናቱ(ደቁ) ስቓይ ዝሰምዐ ቅዱስ አትናቴዎስ ግን ብድፍረት ናብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ተዛረቦ።

ቅዱስ አትናቴዎስ ክልተ ኣማራፂታት ኣቕሪቡ “ወይ ቕተለኒ እሞ ከም ኣቦታተይ ሰማእት ክኸውን:እንተዘይኮኑ ግን ናብ መጓሰይ(ምእመናን) መልሰኒ” በሎ።እቲ መናፍቅ ንጉስ ግን እንተ ቀቲልዎ፣ ናዕቢ ከምዝለዓል ስለዝፈልጥ ብሕቡእ ከጥፍኦ ወሰነ።

ቐዛፊን :መቕዘፊን:መግብን ማይን ኣብ ዘይብላ ጃልባ ውሽጢ ኣእቲዩ ናብ ባሕሪ ማዲትራንያን ደርበዮ።

ንቅዱሳኑ ኣሕሊፉ ዝይህብ ጎይታና አምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ መላእኽቱ ኣኸቲሉ ካብ ሰማያት ወረደ።

ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ባሕሪ እናቐዘፉ:ካልኦት መላእኽቲ እናመገብዎ በዛ መዓልቲ እስክንድርያ(ግብፂ) ኣብፂሐሞ ተሰወሩ።እቲ ህዝቢ ድማ ብዓብዪ ፍሰሓ እናዘመሩ ኣቦኦም ተቐበሉ።

ጸሎቶምን ጸጋ በረኸቶምን ናይ አቡነ አትናቴዎስ ናይ ኩሎም ደቂ መዝሙርቱን በረኸቶም ኣማላድነቶም ኣይፈለየና ኣሜን።

 

  አምኃ ፡ ሰላም ፡ለዘሠርዐ ፡ ወዓቀመ ፡ ተዝካሮ ። በዕለት ፡ዛቲ፡ ለአትናቴዎስ፡ዘያፈቅሮ ። አመ ፡ ወደይዎ፡ባሕረ፡ለሕማም፡ወለተጽዕሮ።እንዘ፡ይኤዝዝ፡መላእክቲሁ፡ከመ፡ይፁሩ፡ሐመሮ፡እስመ፡ አዕደውዎ፡ለበጺሕ፡ሀገሮ።

 

ስብሃት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Leave a comment

Send a Comment