ሓፈሻዊ ክብረ በዓላት ፴/30 መስከረም ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍቱ ናይ አቡነ አብሳዲ Church EditorOctober 11, 2021 at 12:33 pm1183 Views054321 3 (1 vote) በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!! ፴/30 መስከረም ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍቱ ናይ አቡነ አብሳዲ ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ደበሽን እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ ፈራህያነ እግዚአብሔር ሰብ ኃዳር ነበሩ። ካህን ቶማስ ንበዅሪ ወዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለደ ንቅድስት እምነ ሰሎሜ ከይነገራ ‘ደጊም ይኣኽለኒ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዓለም ዘውርስ ግብረ ጽድቂ ክፍጽም እየ” ኢሉ ንኪምንኵስ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከደ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ንካህን ቶማስ “ካባኻ ዚውለዱ ቅዱሳን ውሉድ ስለ ዘለዉ ምንኵስና ክፍልኻ ኣይኮነን” በሎ እሞ ብድኅር’ዚ ናብታ እምንቲ በዓልቲ ቤቱ ተመሊሱ ብቕዱስ ሥርዓት ሰብኣይ ሰበይትን ንኣቡነ ኣብሳዲ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን ወለደ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኣብሳዲ ብዕለት 16 የካቲት 1277 ዓ.ም. ተወልደ እሞ ስሙ “ሃሎ ክርስቶስ” ተባህለ። ሃሎ ክርስቶስ ብቃለ እግዚአብሔርን ብኣካልን ዓቢዩ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኾነ፡ ኅልፈተ ዓለም ተረዲኡ ናብቲ ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ባሕታዊ ኣባ ገብረ መስቀል (ጳውሎስ) ከደ። ኣባ ገብረ መስቀል እውን ኣመጻጽኡ ብቅኑዕ መንፈስ ምዃኑ ፈሊጡ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሰደዶ። ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኑ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ኣጽፊፉ ተማህረ። ብድኅር’ዚ ወዲ 24 ዓመት ምስ ኮነ ኣስኬማ ዘመላእክት ብኢድ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ለበሰ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ባሪኹን መሪቑን “ኣቡነ ኣብሳዲ” ኢሉ ሰመዮ፡ ትርጕሙ ኸኣ “ኣቦ ብዙኃን” ማለት እዩ። ኣቡነ ኣብሳዲ ካብቶም ሾብዓተ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ በዅሪ እዩ። ኣቡነ ኣብሳዲ ምስ ኵሎም ኣኅዋቱ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ብፍቕርን ብተኣዛዝነትን ብመንፈሳዊ ተጋድሎን ይነብር ነበረ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ኣርማንያ ክኸይድ ምስ ደለየ፡ ነቶም ብትሩፋቶምን ኣእምሮኦምን ብሉጻት ዝነበሩ ኣቡነ ኣብሳዲን ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቁ ኣኅሉቕ ገይሩ ሾሞም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክሾሞም ከሎ፦ “ቡራኬን መስቀልን ንወደይ ኣቡነ ኣብሳዲ፣ ስብከተ ወንጌልን ብቐዳምነት ኣብ መንበር ምቕማጥን ዕብየትን ድማ ንወደይ መርቆሬዎስ” ኢሉ ንደቆም ተላበዎም። በዚ መሠረት ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ጊዜ፡ ፈላሲ ናይ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ ኣብ ዝህልወሉ ንሱ ይባርኽ፡ ከምኡ’ውን ንፈላሲ ደብረ መርቆሬዎስ ኣብ ማእከል መንበር ቀሪቦም ኮፍ የብልዎ። ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ጸሎትን ጾምን ዘዘውትር ብትሕርምቲ ንሥጋኡ ዝቀጽዕ ብቑዕ ኣቦ ብምንባሩ፡ ካብ ቅድስነቱ ዝተላዕለ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ኅቡእ ባሕታዊ ሥጋን ደምን ወልደ እግዚአብሔር ከምዘቐበሎ፣ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ሕፃን ተመሲሉ ፃዕዳ ልብስን ወርቃዊ መጽሓፍን ከምዝሃቦ መጽሓፈ ገድሉ ይገልጽ። ኣብነ ኣብሳዲ ብትምህርቱ ንብዙኃት መናፍቓን ረቲዑን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናዞረ ስብከተ ወንጌል ኣስፊሑን ብዙኅ ተኣምራት ገይሩን እዩ። ኣብ ከባቢ ዓረዛ ድማ ንሰብዓ (70) ዓመታት ተቐሚጡ ብዙኅ ስለዝተጋደለላ ክሳብ ሎሚ እዛ ቦታ ሰብዓ ትብሃል። ሓደ እዋን ኣብታ ተኣምራት ዝገበረላ ቦታ ከሎ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ፡- “ካብዛ እምባ ንወገን ሰሜን ዘላ ቦታ ባሪኸልካ እየ እሞ ምስ ደቅኻ ኣብኣ ንበር” ኢሉ ሓበረሉ። እዛ ቦታ’ዚኣ ድማ ሎሚ ደብረ ማርያም ደብረ ክሳሄ ትበሃል ዘላ እያ። ‘ክሳሄ’ ማለት ምዑዝ ዝጨናኡ ሮዛ ዕንባባ ማለት እዩ። ‘ደብረ ክሳሄ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ካብቲ ገዳም ዝተገደመሉ እምባ ወግረ ክሳሄ ዝተወስደ እዩ። ከባቢ ናይቲ እምባ ኸኣ ደብረ ማርያም እናተባህለ ይፍለጥ። ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ድኅሪ ናይ ነዊኅ ዓመታት ተጋድሎ ዕለተ ዕረፍቱ ከም ዝኣኸለ ምስ ፈለጠ ንደቁ ቃል ምዕዳን ሂቡ ብድኅሪኡ ንኣቡነ ዘካርያስ ሸመሎም። ብድኅር’ዚ ካብ ልዑል እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ 30 መስከረም ብሰላም ዓረፈ። ዝክረ ዕረፍቱ ድማ ዓመት መጽአ 30 መስከረም ብኽብሪ ይበዓል። ምስቲ ገዳሙ ዝተኃኃዝ ገለ ካብ ዝተወህቦ ቃል ኪዳን፦ “ኀባ ጽላሎታ ዘበጽሓ ኢይሬኢ ደይነ/ ኣብ ጽላሎት ናይታ ጎቦ ዝበጽሐ ሰብ ደይን (ሲኦል) ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ዕለት ዕረፍትኻ 30 መስከረም ናብ ገዳምካ ዝነገደ ኢየሩሳሌም ከም ዝነገደ እዩ . . . ” ዝብል ስለዘለዎ ሕዝበ ክርስቲያን በረኸት ቃል ኪዳኑ ንምስታፍ ናብ ገዳሙ ደብረ ማርያም ወደብረ ክሳሄ ይነግዱ። ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን! ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን ኣሜን ኣሜን!!! Leave a comment