፴/30 ሰኔ ልደት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ

፴/30 ሰኔ ልደት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ

ስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፴/30 ሰኔ ልደት ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ

ንቅዱስ እግበዚኣብሔር ኣስሚሮም ዝሓለፉ ፡ ንሰባት ብትምህርቶም ብትሩፋቶም ኣብ መወዳእታ ከኣ ብቃል ኪዳኖም ምስ ልዑል እግዚኣብሔር ዘተዓርቑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ብግብሪ ጽድቂ ዝደኸምናን ናይ ምሕረት በዓል ቤት ዝኾነ እግዚኣብሔር ኮይኖም ንድኅነትና ኩሉ ጊዜ ንእግዚኣብሔር ዝልምኑ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ድማ ከም ቃሉ ንጸሎቶምን ምህለልኦምን ሰሚዑ ምላሽ ካብ ዝህቦም ቅዱሳን ሓደ እቲ ንኣምላኹ ዘጥመቐ እና ተባህለ ክብሩ ዝምስከረሉ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት እዩ።

እግዚኣብሔር ንኣገልግሎት ዝመረጾን ዝሓረዮን ዘይከም እቶም ካልኦት ሕፃናት ጌና ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ኮይኑ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ ንእግዚኣብሔር ወልድ ናይ ኣምላኾ ስግደት፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ጸጋ ስግደት ብሓጐስ ዝሰገደን ዘመስገነን ቅዱስን ዓቢይን ኣቦ እ

ብስራት ጥንሰቱን ልደቱን

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህረናን ከም ዝነግረናን ኣቡኡ ብክህነት ካብ ዘገልግሉ ካብ ክፍሊ ክህነት ኣብያ ኮይኑ፡ ስሙ ድማ ዘካርያስ እዩ። ኣዲኡ’ውን ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት ኤልሳቤጥ ኢያ። ካህን ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሑታት ብግብሪ ጽድቂ ዝተሸለሙ ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ብዘይ ጉድለት እና ፈጸሙ ዝነብሩ ጻድቃን ነበሩ። (ሉቃ፩፡፭-፮/1፡5-6) እንተኾነ ከም ሃና ኣደ ነቢይ ሳሚኤል፡ ከም ሃና ኣዲኣ ንቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ከም ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃምን መኻን ነበረት። ውላድ ብምስኣኖም እውን እንተኾነ ንቅዱስ እግዚኣብሔር ከየማረሩ፡ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ከየጉረምረሙ ኩሉ ጊዜ ብሓጐስን ብደስታን ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ። ብቅድስናን ብቕንዕናን ከኣ ብዘይ ውላድ ነዊሕ ዓመታት ጸንሑ። ሳራ ልማድ ኣንስቲ ዝገደፋ ብዕድመ ዝኣረገት ኮነት። ካህን ዘካርያስ’ውን እንተኾነ ናይ እርጋን ጊዜ ኣርከቦ። ክልቲኦም መዋዕሎም ዝሓለፈ ኣረገውቲ ኮኑ። ምስናይ እዚ ግን ዘካርያስ ካህን ኮይኑ ካብ ምግልጋል ኤልሳቤጥ ድማ እቲ ዝግባእ መንፈሳዊ ስራሕ ካብ ምስራሕ ተቖጢቦም ኣይፈልጡን።

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ከኣ እምበኣር፡ ካህን ዘካርያስ ናይ ኣገልጉለቱ ሰሙን ስለ ዝኣኸለ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቤት መቕደስ ኣትዩ ንኣምላኽ ዘገልግሎ፡ መስዋዕቲ ዕጣን ከኣ ዘቕርበሉ ዝነበረ በዚ ዕለት እዚ እውን ኣብ ቤት መቕደስ ተረኺቡ ንእግዚኣብሔር ከገልግል፡ ዕጣን ክዓጥን ጀመረ። ብወገን የማን ናይቲ ቆይምሉ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ከኣ እቲ ሓያል፡ መጋቤ ሓድሽ ዝተሰምየ ቅዱስ ገብርኤል ሓደ ዓቢ ናይ ሓጐስ ብስራት ሒዝሉ መጸ፡ በሎ ከኣ “ዘካርያስ ጸሎትካ ተሰሚዒልካ እዩ እሞ ኣይትፍራህ! እወ እቲ ናይ ፍርሃት መንፈስ ዘርሕቕ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ! ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ክትወልደልካ ኢያ። ስሙ’ውን ዮሓንስ ኢልካ ክትሰምዮ ኢኻ። ንሱ ሓጐስን ደስታን ኪኾነልካ እዩ፡ ብልደቱ ከኣ ብዙኃት ክሕጎሱ ኢዮም። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ዓቢ ክኸውን እዩ። ወይንን ዘስክር መስተን ኮቶ ኣይኪሰትን እዩ። ጌና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ። ንብዙኃት ካብ ሕዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ። ንሱ ንእግዚኣብሔር ብቑዕ ሕዝቢ ምእንቲ ከዳሉ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ምእንቲ ክመልስ ብናይ ኤልያስ መንፈስን ሓይልን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ”(ሉቃ፩፡፰-፲፯/1፡8-17)።

ከመይ ባህ ዘብል ጥዑም ቃል እዩ። ክቡራት ሕዝቢ ክርስቲያን እዚ ከይኮነ ከሎ ንልቢ ሰማዒኡ ዘረስርስ ቃል እዩ። እንተኾነ ዘካርያስ እንታይ ኢሉ መለሰ “ኣነ ሸምጊለ ኢየ ሰበይተይ ከኣ መዋዕላ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዚ ነገር እዚ ብምንታይ ክፈልጦ ኢየ፧” ከምቲ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ንዓመታ ክምለሰካ ኢየ ሰበይትኻ ሳራ ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ ኢያ” ኢሉ ንኣብርሃም ምስ ተዛረቦ ብልባ “ኣነ ኣሪገ፡ መዓልታተይ ተወዲኡ ኣብርሃም’ውን ኣሪጉ እዩ፡ ኢላ ብልባ ዝሰሓቐት ንውዕለት ኣምላኽ ከኣ ዝዘንግዐት ዘካርያስ እውን እቲ ንመህጸን ዝኸፍትን ዝዓጹን ውላድ ዝህብ፡ ነቲ ዝሃበካ ውላድ’ውን ዝወስድ ነቲ ሓያል መልኣኹ ልኢኹ ናይ ብስራት ቃል ክሰምዕ ዝገበሮ ቅዱስ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘንግዔ ብፍጹም ኣብ ስራሕ ኣምላኽ ከኣ ተጠራጠረ ልሳን ኣውጺኡ ከኣ “ብምንታይ ክፈልጥ እየ በለ”።

እንተኾነ እቲ ሓቐኛ ናይ ብስራት ቃል ሒዝሉ ዝመጸ ቅዱስ መልኣኽ “ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይመ ዘገልግል ገብርኤል እየ፡ ናባኻ ዝተለኣኩ ድማ ነዚ ነገራት እዚ ክዛረበካን ከበስረካን እየ፡፡ እንሆ ከኣ ነቲ ብግዚኡ ዝፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ ክሳዕ እዚ ዝፍጸመሉ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብ’ውን ክትስእን ኢኻ።” (ሉቃ፩፡፲፰-፳፭/1፡18-25)።

ብድሕርዚ ዘካርያስ ዝነበሮ ኣገልጉለት ፈጺሙ ናብ ቤቱ ተመልሰ። እግዚኣብሔር በቲ ቅዱስ መልኣኽ ገይሩ ከም ዝተዛረቦ ቃል ድማ ኤልሳቤጥ ኣብ እርግንኣ ጠነሰት። “ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ዘበሉ ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓቢ ሓደ እኳ ከም ዘይትንሥእ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ” ተባሂሉ ብኣምላኹ ዝተመስከረሉ ዮሓንስ ተጠንሰ። (ማቴ፲፩፡፲፩/11፡11

ጸኒሑ እቲ ሓያል መልኣክ እግዚኣብሔር ቅዱስ ገብርኤል ድሕሪ ጥንሰት ናይ ዮሓንስ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ናዝሬት ናይ ኣውራጃ ገሊላ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከይዱ ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ ዝተነበዮ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ከም እትወልድ፡ እቲ ካብኣ ዝውለድ ከኣ ቅዱስ ወዲ እግዚኣብሔር (መለኮታዊ ቃል–ወልድ) ብፍሉይ ኣካሉ ካብኣ ከም ዝውለድ ኣበሰራ። መዓስ እዚ ጥራሕ እንሆ ብጥንሲ ናይ ኤልሳቤጥ’ውን ባህ ክብላን ክትሕጐስን ስለ ዘለዋ ” እንሆ ኤልሳቤጥ ዘመድኪ እኳ ኣብ እርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ሻድሻይ ወርሓ እዩ” ብምባል ስራሕ ኣምላኽ ዕጹብ ድንቂ ምዃኑ፡ ንኤልሳቤጥ ተስፋ ኣብ ዝቖረጸትሉ ጊዜ መኻንነታ ኣወጊዱ ከም ትጠንስ ዝገበራ ንዓኺ ድማ ብድንግልና ንኽትጠንሲ፡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ነታ ሓያል ኣምላኽ ንኽትጠንሲ ዝሰኣኖ ነገር የለን ክብል ስለ ናይ ኤልሳቤጥ ነገር’ውን ኣዘንተወላ።

ነዚ ዝሰምዔት ቅድስት ድንግል ማርያም እንሆ ቀልጢፋ ናብ ኤልሳቤጥ ከደት። ኤልሳቤጥ ቃል ኣደ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሰምዐት፡ ልባ ብሓጐስ መልአ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ እታ ንዓኣ ክትበጽሕ ኢላ ዝመጽት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኻ፡ ኣደ ጐይታ ምዃና መስከረት። እቲ ጌና ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ሽዱሽተ ወርሒ ዕድመ ኣቕጺሩ ዝነበረ ዮሓንስ ድማ ኣብ ማሕጸን ወላዲቱ ብሓጐስ ተሰራሰረ።

ኤልሳቤጥ እትወልደሉ ጊዜ እዋን በጽሔ ወዲ ድማ ወለደት፡ ከምቲ ከይተጥንሰ ከሎ እቲ መልኣኽ “ዮሓንስ ” ኢሉ ዝሰመዮ ዮሓንስ ኢሎም ሰመይዎ። ብልደቱ ብዙኃት ሰባት ተሓጐሱ። ብዝያዳ ከኣ ናይ ንስሓ ጥምቀት እና ኣጥመቐ፡ መገዲ እቲ ልዑል ጐይታ ኣብ ዝጸርገሉ ዝነበረ ጊዜ ብዙሓት ሰባት ብመገዱ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ስለ ዝቐረቡ ኣዝዩ ባህ በሎም ተሓጐሱ ከኣ። ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ዓባስ ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ ካህን ዘካርያስ በታ ወዱ ዝተገረዘላ መዓልቲ ግና ልሳኑ ከፊቱ ተዛረበ። ስለ ውዕለት ኣምላኽ ኣመስገነ፡ መንፍስ ቅዱስ ኣብ ኣፉ ዘቐመጠሉ ኩሉ ድማ ተዛረበ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ዝተዛረቦ ከኣ ቅቅድሚ ጐይታ እና ኸደ መገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ተዛረበ። (ዕለቱ ጥንሰቱ ፳፮/26 መስከረም ክኸውን ከሎ ልደቱ ከኣ ፴/30 ሰኔ ዘመኑ ድማ ዝነበረ ናይ ቆጾሮ ዘመንን 5500 ዓመት ኣብ ምውድኡ ዓመተ ምሕረት (ናይ ክርስቶስ ልደት) ከይበጽሐ ቅድሚ ፮/6 ወርሒ ዝነበረ ጊዜ እዩ።

ኣተዓባብይኡ ትምህርቱን

ከምቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ጽሒፍዎ ዘሎ(ሉቃ፩፡፹/1፡80) ክሳዕ እታ ናይ ንስሓ ጥምቀት ዘጥምቐላን፡ ነቲ ዝሓረዮን ዝመረጾን እግዚኣብሔር ብዓውተ ዝሰብኸላን ጊዜ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ። (ማቴ፫፡፩-፬/3፡1-4,ማር፩፡፩-፰/1፡1-8, ሉቃ፫፡፩-፲፰/3፡1-18, ዮሓ ፩፡፲፱-፳፰/1፡19-28)

ንድሕሪት ምልስ እንተድኣ ኢልና ግን እንሆ በቲ ዘመን እቲ ንእስራኤል ካብ ዝገዝኡ ዝነበሩ ነገሥታት ሓደ ዝኾነ ሄሮድስ ብዛዕባ ልደት ናይ ክርስቶስ ኣብ ዝሰምዓሉ ጊዜ ንንግሥነተይ ክስዕረኒ እዩ ኢሉ ስለ ዝተሻቐለ እሞ መፍትሒ ሻቑለቱን ጭንቀቱን ነቲ ዝተወልደ ምቕታል ናይ መወዳእታ መፍትሒ ገይሩ ደምደመ። እንተ ኾነ ንክርስቶስ ንበይኑ ፈልዩ ንምቕታሉ ኣዝዩ ስለ ዝሸገሮ ኣብቲ ዘመን እቲ ሕፃናት ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኩሎም ንኽቕተሉ ትእዛዝ ኣመሓለለፈ። ዮሓንስ’ውን ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሽዱሽተ ወርሒ ቀዲምዎ ዝተወልደ ሕጻን ነበረ።

 

ሄሮድስ ንጉሥ ብዘውጽኦ ትእዛዝ መሰረት 144,000 ሕፃናት ተቐትሉ። መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ግብጺ ክስደድ ከሎ ካህን ዘካርያስ ከኣ ንዮሓንስ ናብ ቤት መቕደስ ወሰዶ። በዚ ምኽንያት ካብ ቅትለት ድሓነ። ናብ ቤት መቕደስ መጺኦም ዋላ እኳ እንተደለይዎ ክረኽቦ ኣይከኣሉን። መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ኣዲኡ ኤልሳቤጥ ዊፋት/ዚፋት/ ናብ ዝበሃል በረኻ ወሰዶም። እቶም ወተሃደራት ነቲ ዝደለይዎ ሕጻን ስለ ዘይረኸብዎ ንካህን ዘካርያስ ኣብ ማእከል ቤተ መቕደስ ቀተልዎ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስደት ክሳዕ ዝተመለሰትሉ ጊዜ ኤልሳቤጥ ንወዳ ካብ ጡባ እና ኣጥበወት ትምግቦ ነበረት።ድሕሪ ሞታ ከኣ ቶራ እትበሃል እንስሳ ኣብቲ ገደም እና ኣጥበወት ኣዕበየቶ። ከምዚ ኢሉ ብንጽህናን ብቕድስናን ንሰላሳ ዓመት ኣብቲ ገዳም ተቐመጠ።

ድሕሪ 30 ዓመቱ ግና “ቃለ ዓዋዲ ዘይሰብክ በገዳም ወይብል ጺሑኣ ፍኖቶ ለእግዚኣብሔር፡” (ኢሳ፵፡፫-፭/40፡3-5) ኢሉ ነቢይ ኢሳይያስ ከም ዝተዛረበሉ ” ወኣንተኒ ሕፃን ነቢየ ልዑል ትሰመይ እስመ ትሐውር ቅድመ እግዚኣብሔር ከመ ትጺህ ፍኖተ ” ተባሂሉ ብኣቡኡ ካህን ዘካርያስ ከም ዝተነግረሉ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ኣለዓዒሉ “ነሥሑ እስመ ቀርበት መንግሥተ ሰማያት፡ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ” እና በለ ምምሃር ጀመረ። ከምቲ ትንቢት ዝተነግረሉ እቲ ቅዱስ መልኣኽ’ውን ዝሰበኸሉ ንብዙኃት ካብ መገዲ ጸጋም ናብ የማን መለሶም። ነቶም ዘይንሶም መሲሎም ዝመጽዎ ሰባት ክግስጾም ከሎ ነቶም ብንጹህ ልቢ ዝመጹ ከኣ ክገብርዎ ዘለዎም ኩሉ እና መሃረ ነታ መገዲ ኣምላኽ ኣርኣዮም። ከምዚ ኢሉ ከሎ ንሱ ንጐትኡ፡ ንፈጣሪኡ ኣጠሚቑ ተባሂሉ ልዕልንኡ ክንገረሉ ፡ ንክርስቶስ ኣምላኽና ድማ ብኢድ እቲ ዝፈጠሮ ዮሓንስ ተጠሚቑ ተባሂሉ ትሕትንኡ ክንገረሉ ንዓና ድማ መምህረ ትሕትና ኮይኑ ትሕትና ክምህረና ስርዓትን ምስጢርን ናይ ጥምቀት ድማ ክሰርዓልና ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ኣጠመቖ። በዚ ከኣ ክብሩን ልዕልንኡን ተመስከረሉ ንኣምላኽ ዘጥመቕ -መጥምቀ መለኮት ተባሂሉ ተጸውዔ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ናይ ሥላሴ ምስጢር ተገልጸሉ። እግዚኣብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ዮርዳኖስ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብ ደመና ሰማይ፡ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግቢ ኣብ ርእሱ ክዓልብ ረኣየ።

ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ጠጠው ኢሉ’ውን ክርስቶስ ንዓና ከድኅን ንድኅነትና ዝመጸ ምዃኑ ብዓውታ መስከረ። “ነዋ በግዑ ለእግዚኣብሔር ዘያኣትት ኃጢኣት ዓለም፡ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” እና በለ መሃረ። ስለ ናይ ክርስቶስ መንነት ብዙኅ ጊዜ ነቶም ዝሓትዎን ዝስዕብዎን ዝነበሩ ነገሮምን ኣፍለጦምን። በዚ መገዲ እዚ ተዳልዮም ከኣ ብናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት ኣመኑ።(ማቴ፫፡፩-፲፪/3፡1-12)

 

ምትረተ ርእሱ

ቅዱስ ዮሓንስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኤ ንሰባት ከኣ በቲ ክኾንዎ ዘለዎም መገዲ ዝግስጽን ዝምዕድን ነበረ። ናይ ንስሓ ጥምቀት እና ኣጥመቐ መንነቶም ሸፊኖም ዘይንሳቶም መሲሎም ዝመጽዎ ገለ ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያን ገጽ ንገጽ ገሲጽዎም እዩ። ከምቲ ኩሉ ጊዜ ኣብ ዝኸዶ ብመርሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝምህርን ዝግስጽን ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ዘመኑ ነጊሱ ዝነበረ ንጉሥ ሄሮድስ’ውን ገሰጾ እምበር ኣይነሓፎን።

ንጉሥ ሄሮድስ ንሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ንሄሮድያዳ ኣውሲብዋ ስለ ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ      “ኦ! ሄሮድስ ኢይከውነከ ታውስብ ብእሲተ እሁከ ፊልጶስ፡ ንሰበይቲ ፊልጶስ ሓውኻ ክትውስባ ኣይግብኣካን እዩ” ኢሉ ብትሪ ተቛወሞ። በዚ ከኣ እቲ ገዛኢ ንዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኣቱ ገበሮ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ንጉሥ ሄሮድስ መዓልቲ ልደቱ ዘኽብረሉ ዕለት በጺሑ ብብልዕልን መስተን ክሕጐስ ድሕሪ ምውዓሉ ኣብ መጨረሽታ ጓል ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ማእከል ዕዱማት ኣጋይሽ ብሳዕሳዒታ ስለ ዘሐጐሰቶ ንሱ ከኣ ክሳዕ ፍርቂ መንግስሥቱ’ውን እንተኾነ ክህባ ምዃኑ ቃል ኣተወሉ፡ እታ ጓል ናብ ኣዲኣ ናብ ሄሮድያዳ ከይዳ እቲ ዝኾነ ኩሉ ኣዘንተወትላ ። ኣዲኣ ከኣ እምበኣር እቲ ዝቋወመኒ ዘሎ ዮሓንስ እዩ እሞ፡ ርእሱ ኣብ ሒላብ ጌርካ ሃበኒ በልዮ ኢላ ንጓላ ኣፋነወታ። ከም ቃል ኣዲኣ ከይዳ ንንጉሥ ነገረቶ። ንሱ’ውን ከም ቃሉ መሰረት ንልማኖኣ ሰሚዑ ርእሲ ዮሓንስ ቆሪጾም ክህብዎ ኣዘዘ። ዮሓንስ ክሳዱ ብሴፍ ተቖርጸ። እወ! እቲ ግደፍ ኣይትጋገ ንዓ ናብ መገዲ እግዚኣብሔር፡ ብቓሉ ተመራሕ ዝበለ ቅዱስ ዮሓንስ ርእሱ ብሴፍ ከም ዝቕረጽ ተገብረ።

እንተኾነ ድንቂ መካር ዝኾነ ኣምላኽና ንርእሲ ዮሓንስ ክንፊ ገይራ ከም እትበርር ገበራ። ናብ ሄሮድስ ከይዳ ከኣ “ንሰበይቲ ፊልጶስ ሓውኻ ክተውስባ ኣይግብኣካን እዩ” ኢላ ኣብ ርእሱ ኮይና ተዛረበት። ብድሕሪኡ በሪራ ከደት። ንሥጋኡ ደቂ መዛሙርቱ ቀበርዎ። ርእሱ ግና ን፲፭/15 ዓመታት ወንጌል ምሂራ ድሕሪ ፲፭/15 ዓመት ሚያዝያ ፲፭/15 ዓረፈት።

 

መወከሲ ስንክሳር  ፳፮/26 መስከረም (ጥንሰቱ)

                     ፴/30 ሰኔ (ልደቱ)

                    ፪ መስከረም(ምትረተ ርእሱ)

                  ፲፭ /15 ሚያዝያ (ዕረፍት ርእሱ)

ጸሎቱን ረዲኤቱን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መሎኮት ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት

ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጸሎትን ረዲኤትን ኣይፈለየና።

ይትባረክ ኣምላክ ኣበዊነ! ኣሜን።

 

Leave a comment

Send a Comment