በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
✥ ብዘይ እቲ ሥሩት መሠረት፡ ካልእ ኣይተምሥርቱ (1ቆሮ 3፡11) ✥
መእተዊ
“ነፍሲ ወከፍ ከመይ ገይሩ ከም ዚሓንጽ ይጠንቀቕ” (1ቆሮ 3፡10) ኣብ ሰማያትን ምድርን ስሙ ምስጉን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ነታ ብክቡር ደሙ ዘጥረያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ንድሕነት ወዲ ሰብ ናይ ድሕነይ መርከብ ክትከውን ዝሠረተልና፡ ስሙ ንዘለዓለም ዝተመስገነን ዝተባረኸን ይኹን።
ሎሚ ዕለት 21 ሰነ፡ መላእ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን፡ ነቲ ዓቢይ በዓል “ሕንጸተ ቤታ ንቅድስት ድንግል ማርያም” (ምሕናጽ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን) እናዘከርና፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ኣብቲ ጥንታዊን ቅዱስን ገዳም ደብረ ሲና ነቲ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝተኣሳሰር ዓቢይ ታሪኽ እናተኣሳሰርና ንጽምብሎ ዓቢይ በዓል እዩ ።
1. ክርስቶስ መሥራቲኣ፡ ሓዋርያት ሰበኽታ
እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን እተመሥረተት በቲ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን፡ መሥራትን ጐይታን ዝኾነ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ባዕሉ ጐይታ “ንቤተ ክርስቲያነይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ክሓንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን” (ማቴ 16፡18) ዝበሎ፡ መሥራቲኣ ባዕሉ ምዃኑ ዘረጋግጽ ህያው ቃል እዩ።
ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ነታ ክርስቶስ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም እናዘሩ ኣስተምሂሮም፡ ምእመናን ኣኪቦምን እምበር ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ኣይመሥረቱን። እቶም ብስብከት ሓዋርያት ዝኣመኑ ክርስቲያናት ድማ ቃለ ወንጌል ዝመሃርሉ፡ ንእግዚአብሔር ዘመስግንሉን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝቕበልሉ ሕንጻ ቤተ ክርስቲያን ሠርሑ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ “ሕንጸታ ለቤተ ክርስቲያን“ (ምሕናጽ ቤተ ክርስቲያን) ኢላ ትዝክሮን ተኽብሮን።
2) ታሪኻዊት ከተማ ፊልጵስዩስን ምስጢር ሕንጸተ ቤታን
እዚ ኸኣ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ምሕናጽ ኣብ መቆዶንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ፊልጵስዩስ እዩ ተጀሚሩ። እዚ ዓቢይ ታሪኽ እዚ ብስም ቅድስት ኣዴና ድንግል ማርያም እዩ ተፈጺሙ።
ብዙሕ ግዜ ስም ፊልጵስዩስ ንሰምዕ እምበር፡ እታ ከተማ ከመይ ዓይነት ከም ዝነበረት ምፍላጥ ነቲ ታሪኽ ዝያዳ ህያው ይገብሮ። ፊልጵስዩስ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይ ሕጂ ሃገረ ግሪኽ ትርከብ። ንኤውሮጳን እስያን ዘራኽብ ዓቢይ ናይ ንግዲ መስመር ዝሓልፈላ ስትራቴጂያዊት ከተማ እያ ነይራ። ስማ ዝረኸበት ከኣ ካብቲ ንጉሥ መቄዶንያ ዝነበረ ፊልጶስ ካልኣይ (ኣቦኡ ንኣለክሳንደር ዓቢይ) እዩ። ጸኒሓ ድማ ብሮማውያን ተታሒዛ ፍሉይ ክብረትን ዝረኸበትሉ ፍልጥቲ ዓብይ ከተማ ነበረት። ንመንፈሳዊ ታሪኽና ግና፡ ፊልጵስዩስ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ክፍለ-ዓለም ኤውሮጳ ሰጊሩ (ብራእይ “ናብ መቄዶንያ ስገር እሞ ርድኣና” ተባሂሉ ምስ ተነግሮ) ወንጌል ዝሰበከላ ቀዳማይቲ ከተማ ኤውሮጳ እያ (ግ.ሓ 16፡9-12)።
ቅዱስ ጳውሎስን ምስኡ ዝነበሩ ሲላስን ሉቃስን) ናብ ፊልጵስዩስ ምስ ኣተዉ፡ ከም ልማዶም ቀዳም መዓልቲ ዝጽለየሉ ቦታ ደለዩ። ኣብታ ከተማ ብዙሓት ኣይሁድ ስለዘይነበሩ፡ ቤት ጸሎት (ምኵራብ) ኣይነበራን። ስለዚ ኣብ ደገ እታ ከተማ ወጺኦም ኣብ ጥቓ ሓደ ዋሕዚ ፈለግ ወረዱ። ኣብኡ ድማ ኣንስቲ ተኣኪበን ክጽልያ ጸንሓኦም።
ኣብ መንጎ እተን ኣንስቲ ሓንቲ ቅድስት ሊድያ እትበሃል ፍልጥቲ ሰበይቲ ነበረት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኣ ክምስክር እንከሎ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ከተማ ትያጥራ ዝመጸት፡ ቀይሕ ዓለባ እትሸይጥ፡ ንኣምላኽ እተምልኽ ሊድያ ዝስማ ሰበይቲ ትሰምዕ ነበረት። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ጳውሎስ ዝተዛረቦ ኽትሰምዖ ልባ ኸፈተላት።” (ግ.ሓ 16፡14) ሊድያ ካብ ትያጥራ (ናይ ሕጂ ቱርኪ) ዝመጸ ዓቢይ ዋጋ ዘለዎ (ቀይሕ/ሃምራዊ ዓለባ) እትሸጥ ሃብታም ነጋዲት እያ ነይራ። ንሳ ንትምህርቲ ሓዋርያት ብቕንዕናን ብትሕትናን ስለተቐበለቶ፡ ንሳን መላእ ስድራቤታን ድማ ኣብቲ ፈለግ ተጠምቁ። ንሳ ድማ እታ ቀዳማይቲ ኣማኒት ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ኮነት። ምስ ተጠምቀትውን “ኣብ ጐይታ ዝኣመንኩ ምዃነይ ካብ ፈለጥኩ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ጽንሑ” ኢላ ለመነቶም እሞ፡ ቤታ ናይ መጀመርታ መዕረፊ ሓዋርያትን ናይ መጀመርታ ናይ ክርስትና ማሕበር (ቤተ ክርስቲያን) ክትከውን ከፈተቶ።
“ኦ ኣሕዋተይ! ታሪኽ ቅድስት ሊድያ ዓቢይ መስትያትና እዩ። ንሳ ብምድራዊ ገንዘብ ሃብታም እኳ እንተነበረት፡ ብነፍሲ ግና ድኻ ምዃና ኣሚና ንኣምላኽ ትደሊ ነበረት። ሎሚ ብዙሕ ግዜ ሰብ ምድራዊ ፍልጠቱ፡ ስልጣኑ፡ ወይ ሃብቱ ቁሩብ ክብ ምስ በለ፡ ልቡ ይዓጹ። ንኣቦታት ምስማዕ ይኣቢ፡ ናብ ቃል ኣምላኽ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምጻእ ይሓፍር። ሊድያ ግና ከምኡ ኣይገበረትትን። ምድራዊ ሃብታ ሰማያዊ ማዕጾ ልባ ክዓጽዎ ኣይፈቀደትን። ልባ ንወንጌል ከፈተት፡ ቤታ ድማ ቀዳማይቲ ቤተ ክርስቲያን ገይራ ኣወፈየት። ንሕና እውን ሎሚ ዘለና ዓቕሚ፡ ጥዕና፡ ወይ ፍልጠት ንኣምላኽ እነገልግለሉ፡ ልብና ድማ ንቃሉ እንኸፍተሉ ህያዋን ክንከውን ይግባእ።”
እቶም ማሕበረ ምመናን ክርስትና እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ “ካብ ሕጂ ናብ ናይ ጣዖት ኣብያተ ጸሎት ኣይንኸይድን ኢና እሞ፡ ተኣኪብና እንጽልየሉ ቤት ጸሎት ሃቡና” ኢሎም ንሓዋርያት ሓተቱ። ሓዋርያት ድማ ብናይ ውልቆም ውሳኔ ዘይኮነስ፡ ሱባኤ ብምእታው ናብ ጐይታ ኣመልከቱ። ጐይታ ድማ ሰማያዊ ንድፊ ኣርእዩ፡ ብዕለት 20 ሰኔ (ሰነ) ቤተ ክርስቲያን ተሓንጸት። ብዕለት 21 ሰነ ድማ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ኣኪቡ፡ ነታ ሕንጻ ብቅዱስ ኢዱ ባረኻን ቀደሳን። እዚ ኸኣ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ንመጀመርታ ግዜ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሓንጸት ቀዳማይቲ ቤተ ክርስቲያን ኮነት እሞ፡ በዓል “ሕንጸተ ቤታ“ ተባሂሉ ክበዓል ጀመረ።
ካብዚ ናይ ሓዋርያት ታሪኽ እንረኽቦ ዓቢይ ትምህርቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ብሥርዓትን ብፍቓድ ኣቦታት (ቅዱስ ሲኖዶስ) እምበር ብውልቃዊ ድሌትን ፍቓድን ከምዘይሕነጽ እዩ። ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት’ውን “በታ ጉባኤ ናይ ሓዋርያት ዝኾነት ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን” ንብል ነዚ ንምግካጽ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሠረት ነብያትን ሓዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም” (ኤፌ 2፡20) ይብል።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ሰብ ብዘይ ሕጊ በብዝመስሎ “ቤተ ክርስቲያን” እናበለ ብዘይፍቓድ ኣቦታት ክኸይድ ኣይፍቀድን እዩ። ሰብ ዝምሥርታ “ቤተ ክርስቲያን” እንተሃልያ፡ ንሳ ናይ ግለ-ሰባት ትካል እምበር ሕያዊት ኣካል ክርስቶስ ኣይኮነትን። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ብዘይ እቲ ሥሩት መሠረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሠረት ሓደ እኳ ኺሥርት ዚኽእል የልቦን” (1ቆሮ 3፡11)።
- ሕንጸተ ቤታን ታሪኽ ደብረ ሲናን ኣብ ሃገርና
ነዚ ሰማያዊ በዓል እዚ ዝያዳ ፍሉይን ክቡርን ዝገብሮ፡ እቲ ምስ ሃገርና ኤርትራን ምስቲ ጥንታዊ ቅዱሳን መካናትን ዘለዎ ምስጢራዊ ምትእስሳር እዩ። ዕለት 21 ሰነ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብፍላይ ኣብቲ ብዓቢይ ቅድስና ዝፍለጥ ገዳም ደብረ ሲና ዓመታዊ በዓል ሕንጸተ ቤታ ቅዳሴ ቤታ ንቅድስት ድንግል ማርያም ብዓቢይ ድምቀት ዝብዓለሉ በዓል እዩ።
እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጥንቲ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ሥርዓተ ኣምልኮ ዝፍጸመሉ ዝነበረ፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ዮሴፍን ሰሎሜን ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደሉ እዋን፡ ብግብጺ ኣቢሎም ኣብዚ ገዳም ደብረ ሲና ንኣርባዕተ ወርኂ ከም ዘዕረፉ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ይነግሩ።
ኣብ 332 ዓ.ም. ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ካብ ግብጺ ሥልጣነ ክህነት ተቐቢሉ፡ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሉ ናብ ደብረ ሲና ኣትዩ እዩ። ትምህርተ ክርስትና ሰቢኹ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ጥምቀተ ክርስትና ዝፈጸመሉን ሥርዓተ ቍርባን ዝሠርዓሉን ቦታ እዩ። ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽብሃን (ኤዛናን ሴዛናን) ካብ ኣክሱም ናብዚ ገዳም ብምምጻእ ተጠሚቖም ቆሪቦም እዮም።
ኣብ 474 ዓ.ም. – 478 ዓ.ም. ኣባ ዮሓኒ ምስ ብዙኃት መነኮሳት ብዙኅ ታቦት ኂዙ ካብ ምድረ ግብጺ ናብ ሃገርና ብምምጻእ፡ ነቲ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘምጽኦ ታቦት ኣብ ዘመኑ ብዝነበረ ጳጳስ ኣባ ናሆም ኣባሪኹ ኣብ ደብረ ሲና ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣእትዩ ከም ገዳም ገደማ። ናይዚ ገዳም ሥርዓተ ጳጉሚስ ማኅበር ሓድነት ዝመሥረተ ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ጐይታ ኣብ ጊዜ ስደቱ ብኢዱ ዝዳኅሰሳ ብኢድ ሰብ ዘይተሓንፀት መሠረት ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ኪጽሊ ኸሎ ኣብ 21 ግንቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ንመላእኽትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ኣኺታላ ካብ ፀሓይ ትበርህ ኮይና ብራእይ ስለዝተገልጸትሉ ነዛ ዕለት’ዚኣ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ በዓለ ማርያም ክብዕል ጀመረ። ከምኡ’ውን ኣብ 20 ሰኔ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ቍርባን ኪሠርዕ ስለ ዝረኣዮ 20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ከምዝበዓል ኮነ። በዚ መሠረት ከኣ ዓመት መጽአ ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ 21 ግንቦት ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ብዓቢይ ድምቀት ይብዕል።
ኣብ ገዳም ደብረ ሲና፡ ብዙኃን ቅዱሳን ኣቦታት መናንያን ብብሕትውናን ሱባኤን ይነብሩ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ከባቢ 454 ዓ.ም. ተስዓቱ ቅዱሳን ኣብ መንጽር ደብረ ሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዒሮ ኣብ ዝበሃል ብብሕትውና ተቐሚጦም ከለዉ ኣብዛ ናይ ሕጂ በዓቲ ቤተ ክርስቲያን ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ረኣዩ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ተገልጸትሎም። በዚ መሠረት ምስቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ራእይን ምስ እግዚአብሔር ቃል ንቃል ዝተዛረረበሉን ብምምሳል ነዚ ገዳም ሲሓት ዝበሃል ዝነበረ ‘ደብረ ሲና’ ኢሎም ሰመይዎ። (ዘፀ. 3፡2-6)
ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና ከም ደብተራ ሙሴ ብፍቓድ እግዚአብሔር ዝተገብረ መቕደሱን ቅድሳቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሐንፀ መሠረት ዘይብሉ ዓቢይ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ የገልግል እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣገልግሎት ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ ብ1951 ዓ.ም. ዝተሓንፀ ዘመናዊ ሕንፃ ከምዘሎ ይፍለጥ።
መደምደምታ
ኦ ኣሕዋተይ! ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሕንጻ ጥራይ ኣይኮነትን፡ ንሕና ምእመናን እውን ህያው ሕንጻ ኣምላኽ ኢና። ከምቲ ቅድስት ሊድያ ልባ ተኸፊቱ ንሓዋርያት ተቐቢላ ቤታ መመላእታ ቅዱሳን ዝገበረት፡ ሎሚ እውን ኣብዚ በዓል ሕንጸተ ቤታ፡ ንሕና እውን ልብና ንኣምላኽ ክንከፍት፡ ሰብነታና ህያው ቤት መቕደስ ክንገብር ይግባእ። እቲ ንመጀመርታ ግዜ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሓንጸ ቤት ጸሎት፡ ሎሚ ኣብ ልብና ክሕነጽ፡ እምነትና ኣብ ልዕሊ እቲ ኸውሒ ዝኾነ ክርስቶስ ክጸንዕ ይግባእ። ነታ ብክቡር ደሙ ዝዓደጋ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብስርዓትን ብእምነትን ክንሕልዋ ይግበኣና።
“ነፍሲ ወከፍ ከመይ ገይሩ ከም ዚሓንጽ ይጠንቀቕ” (1ቆሮ 3፡10)
ወላዲተ ኣምላኽ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ጐይታ ብሓጹረ መስቀሉ ኣብ ቤቱ ይሓልወና፡ ንሃገርናን ንድሕነት ነፍስናን ሰላምን በረኸትን ይዓድለና።
ስብሃት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Leave a comment