12 ታሕሣሥ ወርኃዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል

12 ታሕሣሥ ወርኃዊ በዓል  ቅዱስ ሚካኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ  ኣሜን!

“12 ታኅሣሥ ወርኃዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል”

እቲ ናይ ክብሪ በዓል ቤት ዝኾነ ክርስቶስ ቃል ኪዳኑ ዘጽነዓሉ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ዝገበሮ ተኣምር እዚ እዩ።

ልማንኡን ጸሎቱን ካብ ክፉእ መዓልቲ፡ ካብ ፈተና (ጥፍኣት) ሰዓት፡ ካብ ብመዓልትን ብለይትን ዝውርወር ፍላጻ ጸላኢ፡ ካብ ብጸልማት ዝሥራሕ ክፉእ ሥራሕ ንባርያኻ የድኅኖን ይሰውሮን ሎምን  ኩሉ ሰዓን ንዘለዓለም ዓለም አሜን።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ንእግዚአብሔር ዝፈርኅ ሓደ ሕያዋይ ሰብ ንድኻታትን ጽጉማትን ድማ ምጽዋት ዝህብ ለዋህ ሰብኣይ ነበረ። ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ልመና ተስፋ ብምግባር በብወርኁ ኣብ ዕለት 12 በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል   በዓል ( ዝክሪ/ጸበል) ይገብር ነበረ። እዚ ሰብ ሓረስታይ ኮይኑ ናይ ሕርሻ ሥራሕ ይሰርሕ ነበረ።

ብድኅሪ’ዚ ኩሉ ድማ ሓደ ዓመት ኣብ’ቲ ዘለዎ ዓዲ አዝመራ ጠፍአ ዝናብ ኣይዘነመን። እቲ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ ሰብኣይ ድማ ንናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ( ዝክር/ጸበል ) እንታይን ከመይን ደኣ ክገብር እየ ኢሉ ሓሰበ። ከምኡ’ውን ድኻን ጾሙ ዝኃድር (ዘይብሉ) ኮነ። ኣብ ቤቱ ምንም ዋላ’ሓደ ነገር ኣይነበሮን፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ጸገም በርተዖ፡ ዝበልዖን ዝሰትዮን ዝኽደኖን ሰኣነ፡ ናይ ዕለት እንጌራ’ውን ሰኣነ።

ጽምእን ጥሜትን ሽግርን ሓዞ፡ ጽኑዕ ሓዘን’ውን ረኸቦ። ኃይሉ ደኸመ ጉልበቱ ውን ጠፍአ። ክሳብ ካብ ኮፍ ዝበሎን ዝደቀሰሉን ምትንሣእ ዝስእን ድማ ኮነ። ካብ ጽኑዕ ጥሜትን ድኻምን ዝተላዕለ ከኣ ኃዚኑ ኣብ ገዝኡ ደቀሰ። ብፍላይ በታ መዓልቲ እቲኣ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይኑ ደቀሰ።በታ ሰዓት እቲኣ ግን እቲ ንኩሉ ደቂ ሰባት ምሕረት ዝልምን ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ቀልጢፉ ናብኡ መጸ! ።

ቅዱስ ሚካኤል ብለውሃቱ ንደቂ ሰባት ተኣዛዚ፡ ሕያውነቱ’ውን ወሰን ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ነዚ ሰብ ውን ተገለጸሉ፡ ኣረጋገኦ፡ ኣጸናነዖ።

ኦ! ዝኽረይ/በዓለይ/መዘከርታይ/ እትገብረለይ ፍትወይ ንምንታይ ትኃዝን፧ ንምንታይስ ትጉሂ፧ ጽባሕ ኣንጊህኻ ተንሥእ፡ ልቦናኻ ይጽናዕ! ኃይልኻ’ውን ኣይድከም! ናብ ገምገም ባሕሪ ቀልጢፍካ ኪድ። ንመርበብካ’ውን ናብ ባሕሪ ዘርግሕ(ሰንዱ) ዓቢይ ዓሳ’ውን ከኣትወልካ (ክተሓዘልካ) እዩ። እግዚአብሔር ድማ ክብርን ብልዕን ካብኡ ክህበካ እዩ። ካብ ውሽጡ ብዙኅ በረኸት ክትረክብ ኢኻ። ኣነ ውን ካባኻ ኣይክፍለን ምሳኻ ክንበር እየ። ኣይፍለየካን፡ ስቕ ኣይብለካን፡ ፈጺመ ኣብ ሽግርካ ኣድርብየካን፡ ኃይሊ እግዚኣብሔር ንዘለ ዓለም ምሳኻ ይንበር በሎ። እዚ ምስ በሎ ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ካብኡ ተሰወረ፡ ናብ ሰማያት ዐረገ።

ድኅሪ’ዚ ካብ ድቃሱ ምስተበራበረ እዚ ነገር ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ፈለጠ። ወጋኅታ ምስ ኮነ ድማ ኃይሊ ረኺቡ ተንሥአ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ከም ዝተዛረቦ ድማ ናብ ገምገም ባሕሪ ቀልጢፉ ከይዱ ናብቲ ባሕሪ መርበቡ ዘርግሐ። ናይ መላእክት ሓለቃ ቅዱስ ሚካኤል ከም ዝነገሮ ከኣ ዓቢይ ዓሳ ተታሕዘሉ። ኣፉ ምስከፈቶ ከኣ ዝጸረየን ዝነጸረን ወርቂ ረኸበ። በዚ ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ ብጣዕሚ ደስ በሎ።

ንእግዚአብሔር ኣመስገኖ፡ ንናይ መላእክት ሓለቃ ቅዱስ ሚካኤል ቃል’ውን ዘከሮ፡ ኣብ ጽኑዕ ጸገሙ፡ ሽግሩ ስለዘይተፈለዮ ከኣ ኣመስገኖ። ነቲ ወርቂ ሒዙ ብዓቢይ ሓጐስ ናብ ቤቱ ኣተወ። ካብቲ ዝረኸቦ ወርቂ ከኣ ንናይ መላእክት ሓለቓ  ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ብዝጸበቐ መልክዕ (ሽልማት) ኣወቂቡ ኣሥረሐ። ነቲ ሥእሊ ድማ ብዓቢይ ክብሪ ኣብ ዝበረኸ ቦታ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ሰቒሉ ኣቀመጦ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርኂ ዕለት 12 ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ዝኽር ምግባር ኣየቋረጸን።

ፍጹም ጸሎቱን ኣማላድነቱን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ጸኒዑ ይንበር ንዘለዓለም ዓለም አሜን!

 

 

 

 

 

 

ሰላም ለከ ዐቃቤ ቅዱሳን እምተሀውኮ

ወለፀረ ነፍሶሙ ዘሞቃሕኮ።

አመ መጽአ ወልድ በአፈ ነቢያት ተሰቢኮ፡

ከመ ያስተፋኑ ሐራ መልአኮ።

እስከ ምጽንአት ሐምስ ሚካኤል ተለውኮ።

ምንጪ፦ተአምረ ሚካኤል ዘውርኅ ታኅሣሥ።

  ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

              ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል

           ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል

              አሜን።

Leave a comment

Send a Comment