በስመአብ ወውለድ ውመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!
12/፲፪ ግንቦት ዮሓንስ ኣፈወርቅ (344-404 ዓ/ም)
ዮሓንስ ማለት ሓጎስ ርህራሄ ማለት እዩ። ሃገሩ ኣንጾኪያ እዩ። ኣቦኡ ኣስፋኒዶስ (ስፋንዩ) ኣዲኡ ኣትናሲያ ይበሃሉ። ኣቴና ከይዱ ጥበብ ተማሂሩ ብድሕሪኡ ድማ ጥበብ መንፈሳዊ ክመሃር ቅዱስ ባስልዮስ ዝነበረሉ ገዳም ኣተወ። ዕማኾ ስገም ምስ ሓሰሩ ብምምጋብ ዓቢ ትግሃትን ብዙሕ ትሩፋትን ይሰርሕ ነይሩ። ኣብቲ ዝነበረሉ ገዳም ሲሲኮስ ዝበሃል ሕያዋይ ባሕታዊ ነበሩ። ንሱ ሓዋርያ ጴጥሮስን ዮሓንስን ናብ በዓቱ መጺኦም፡ ጴጥሮስ መፍትሕ መንግስተ ሰማይ፡ ዮሓንስ ድማ ወንጌል ክህብዎም ርኣየ። ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ድማ ንዮሓንስ ኣፈወርቅ ነገሮ። በዚ ክሓስብ ድሕሪ ምውዓል ለይቲ ንጸሎትን ስግደትን ምስተንስአ መልኣኽ መጺኡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ። ሰንቢዱ ድማ ወደቐ እቲ መልኣኽ ድማ ኣተንሲኡ ጎይታ ኣዚዝካ ኣሎ እሞ ናይ ኣንጾኪያ ሊቀጳጳስ ዝብለካ ስምዓዮ ኣይትእበዮ በሎ። ንጽባሒቱ ድማ ናይ ኣንጾኪያ ሊቀጳጳስ መጺኡ “ክህነት ክሸመካ እየ” በሎ። ንሱ ከኣ “ኣይከውንን እዩ” ኢሉ ኣበዮ። ደሓር ግን መልኣኽ ዝበሎ ዘኪሩ “ሕራይ” በሎ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቆስጠንጢንያ ምስ ወረደ መእመናን ኣቐዲሶም ስጋ ወደሙ ኣብ ዝቕበልሉ ግዜ ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ጩራኣ ሰደደት። እቲ ዝነበር ኤጲስቆጶስ ንስጥሮስ እዩ። “ጓለየ ዝሰራሕክዮ ሓጢኣት እንታይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ከኣ “ካብ ፍቕሪ ቤተክርስቲያን ዝተላዕለ ዝነጽሃሉ መዓልቲ ከይፈጸምኩ ድኣ መጺኤ እምበር ካብ ናይ ሰብ ዝተፈልየ ዝሰራሕክዎ ሓጢኣት የብለይን” ኢላ መለሰትሉ። ብልቡ ናይ ጎይታ ኣምላኽነትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽነትን ይነቅፍ ስለ ዝነበረ፡ “ድንግል ማርያም ንኣምላኽ ዝወለደት እንተትኸውን ነይራ ነዚ ወርሓዊ ዝፈሰክን ደም ደው መበለቶ ኔራ” ብምባል ዕርቃና ሰቒሉ “ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ፡ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ዝበለ ዝተረገመ ይኹን እናበልኩም ጡፍ በሉላ” ኢሉ ፈረደ። እቶም ህዝቢ ድማ ከምቲ ዝተባህልዎ ገበሩ። “ወሃሎ ኣሜሃ ዮሓንስ ጠርዘቤጠር” ዮሓንስ ኣብኡ ደው ኢሉ ነበረ ታርኡ ምስበጽሐ “ኣነስ፡ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር፡ ካብ ማህጸን ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕቱም ድንግልና ከም ዝተወልደ ይኣምን” ብምባል ሕፍረታን ጥፍጣፍ ናይቶም ህዝብን ከይተጸየፈ ንጽህናን ክብርን ቅድስት ድንግል ማርያም እናሓሰበ ነታ ሰበይቲ ሰዓማ። ካብ ኣፉ ድማ ከም ወርቂ ፈሰሰ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ዝነበረ ስእሊ እግዝእትነ ማርያም ድማ “ንምእመናን ትምህርቱ ከም መዓር ዝጠዓመ፡ ንከሓድቲ ቃላቱ ከም ኲናትን ከም ሴይፍን ዝተሳሕለ ብሓቂ ኣፈወርቅ ልሳንካ ወርቅ” ኢላ ብቃለ ሰብ ተዛረበት። “ሶበ ሰዓመ ህፍረተ ትክት ቅድመ መዋዕለ ንጽሕ ሱባዔ፡ ተኣምረ ፍቅርኪ ያርኢ ወያስተሃፍር ጸላዔ፡ ማርያም ስእልኪ ለዮሓንስ ጽጌ ትንሳኤ፡ ወደሰቶ ወኣእኮተቶ ቅድመ ገጽ ኩሉ ጉባዔ፡ ኣፈወርቅ እንዘትብል ጊዚያተ ከልዔ ” ከም ዝበሎ ደራሲ።
ብድሕሪ እዚ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ኣንጾኪያ ኤጲስቆጶስ ተሸመ።ብዙሕ ተግሳጽን ብዙሕ ድርሳናትን ድማ ደረሰ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ ኣር ቃዴዎስ ይበሃል ንሱ ፈታዊ ዮሓንስ ነበረ ክርእዮ ኢሉ ምስ ከደ መምህር ንዓኻ ምስ ረኣኹ ዝሓሰብክዎ ኩሉ ይጠፍኣኒ፡ ካባካ ምስተፈለኩ ድማ ይዝክሮ፡ ኣብ ልበይ ኩሉ ግዜ ዝመላለሰኒ ድማ ሓደ ነገር ኣሎ “በኹሪ ወዳ ክሳዕ ትወልድ ኣይፈለጣን” (ማቴ 1፡25) ዝበሎ ብድሕሪኡኸ፡ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ተፋሊጦም ማለት ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዮሓንስ ድማ፡ ከምኡ ማለት ኣይኮነን ንስጋዌኡ ዝምልከት ብዙሕ ትንቢት፡ ዝተነገረሉ ብዙሕ ኣምሳል ዝተመሰለሉ ጎይታ ጠኒሳ ከምዘላ ንምምልካት መልክዓ እናተለዋወጠ ይረኣዮ ነይሩ ምስ ወለደት ግን ብሓደ መልክዕን ሕብርን ተራእየቶ በዚ ምኽንያት እዩ ከምኡ ዝበለ ኢሉ ተርጎመሉ። ኣብ መንደቕ ዝነበረት ስእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብቲ ዝነበረትሉ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ሰለስተ ግዜ ብምዛር “ተናገረካ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዮሓንስ ወርቅ’’ ዮሓንስ ልሳን ወርቅ ጽቡቕ ተዛሪብካ ኢላ ኣወዲሳ ናብ ቦትኣ ተመልሰት። ንጉስ ኣርቃዴዎስ ንዝኽሩን ንኽብሩን ክልተ ልሳን ወርቅ ብምስራሕ ኣብ የማኑን ጸጋሙን ኣቐመጠሉ።
ንጉስ ኣርቃዴዎስ ንግስቲ ኣውዶክስያ ዘዝወለድዎም ይሞትዎም ነበሩ። ጓል ምስ ወለዱ ከይትሞተና ብምባል ኣጥምቐልና በልዎ። ዮሓንስ ከጥምቓ እናከደ ከሎ ምስ መልኣከ ሞት ኣብ መገዲ ተራኸቡ። ዮሓንስ ነቲ መልኣከ ሞት “ናበይ ትከይድ ኣለካ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ንሱ ከኣ “ንነፍሲ ጓል ኣርቃዴዎስ ካብ ስጋኣ ፍለያ ተባሂለ ስለ ዝተላኣኽኩ ናባኣ እየ ዝኸይድ ዘለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ዮሓንስ ከኣ “ክሳዕ ዘጥምቓ ኣብዛ ዘለካያ ጽንሓኒ” ኢልዎ ከደ። ምስ ኣጥመቓ ከኣ ረሲዕዎ ብካልእ መገዲ ከደ። ንዓስርተ ዓመት ድማ ኣብታ ዝነበራ ናብ የማን ኮነ ናብ ጸጋም ኣይተንቀሳቀሰን። እዚ ክብሪ ናይ ኣቦታትና ካህናትን ስልጣኖምን ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ምኳኑ ዘብርህ እዩ። ኣብ ዓሰርተ ዓመታ ድማ እታ ቆልዓ ተሓጽየት እሞ “ንዓ ንጓልና ክትምርቐልና” ኢሎም ምስ ለኣኹሉ፡ በታ ናይ ቀደም መገዱ ከደ እሞ እቲ መልኣከ ሞት ከኣ ደው ኢሉ ጸንሖ “ኣብዚ ደው ኢልካ እንታይ ትገብር ኣለኻ” ኢሉ ከኣ ሓተቶ። ካብታ ደው በል ዝበልካኒ ሰዓት ክሳዕ ሕጂ የማን ጸጋም ከይበልኩ ኣብታ ዝበልካኒ ኣለኩ በሎ። ተጋግየ እየ ዝተኣዘዝካዮ ኪድ ፈጽም ድማ በልዎ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሞይታ ጸንሓቶም ኣምሪሮም ድማ ይበኽዩ ነበሩ፡ ነቲ ኹነታት ኣረዲኦም ኣጸናኒዖም ተመልሱ። ንግስቲ ኣውዶክስያ ፈታዊት ገንዘብ ነበረት። ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ከተፍሪ እትክእል ናብ ከተማ ቀረባ ዝኮነት ርስቲ ናይ ሓንቲ መበለት ነበረት። ነቲ ርስቲ ድማ የሕደገታ። ንዮሓንስ ኣፈወርቅ መጺኣ ድማ ነገረቶም። ንሶም ድማ ምለስላ በልዋ። ንሳ ግና “ኣይመልሰላን” ኢላ ኣበየት። ርስቲ መሬት የሕዲኪ ርስቲ ሰማይ ትረኽቢ ከይመስለኪ ብምባል ናብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ከይትኣቱ፡ ስጋኡን ደሙን ከይትቕበል፡ ምስ ምእመናን ከይትራኸብ ወገዝዋ። ንሳ ድማ ነቶም ብሕማቕ ትምህርቶምን ስርሖምን ዝወገዞም ኤጲስቆጶሳት ኣኪባ ተኣሲሩ ካብቲ ቦታ ክግዕዝ ከም ዘለዎ ኣፍሪዳ ፍርዶም ከም ዝህቡ ገበረቶም። ተኣሲሮም ድማ ናብ ደሴት ኣጥራኮስያ ተሰደዱ። ንጉስ ሮማ ኣርያኖስ ዜና ገድሎምን ጽድቆምን ሰሚዑ የድነቖም ነበረ። እንተዘይመሊስካዮ ባእሰይ ምሳኻ እዩ ብምባል ናብ ኣርቃዴዎስ ለኣኾ። ምለሶም ኢሉ ድማ ኣምለሶ። ንንግስቲ ግን ሰይጣን ኣለዓዒልዋ ካልኣይ ግዜ ኣሲራ ከም ዝስደዱ ገበረት ኣብኡ ድማ ዓረፉ። ንሳ ድማ ካብ ኩሉ ከይተጠቕመት ምስ ዓረፉ ጽኑዕ ደዌ ሓደራ። ኣብ መቓብሩ ከይዳ በዲለካ እየ ይቕረ በለለይ እናበለት ብዙሕ መከራ ተቐቢላ ተፈወሰት።
በረከትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣይፈለየና።
Leave a comment