12/፲፪ ጥሪ በዓል ቃና ዘገሊላ

12/፲፪ ጥሪ በዓል ቃና ዘገሊላ
12/፲፪ ጥሪ በዓል ቃና ዘገሊላ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
12/፲፪ ጥሪ በዓል ቃና ዘገሊላ
ቃና ዘገሊላ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብጋህዲ እቲ ቀዳማይ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ እያ። ጐይታ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ቀዳማይ ተኣምሩ ዝፈጸመሉ ኣብ ቤት መርዓ ናይ ዶኪማስ እዩ (ዮሓ 2፡1-11)።
ቃና ዘገሊላ ዝሓዘለቶ ምስጢር ብዙሕ ‘ኳ እንተኾነ ካብቲ ብዙሕ ሓደ ግና ናይ ወላዲን ውሉድን ምእዙዝነት እዩ። ብጽሑፍ ንዝሃበና ትእዛዝ ብግብሪ ንኸርእየና፡ ቅደስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ “ወይኒ እምበር የብሎምን”
ምስ በለቱ ኣማላድነታ ተቐቢሉ ንዝጎደሎም መሊኡ ንማይ ናብ ጥዑም ወይኒ ቀይሩ ንጓሂኦም ናብ ሓጎስ ቀየሮ።
ሕፍረት ተጎልቢባ ቤት መርዓ ሓጎስ ብሓጎስ ኮነት እዚ ከኣ ብኣማላድነት እመ ኣምላክን ብምሕርቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስዮስን እዩ።
ሽግር ናይ ቤት ዶኪማስ ዝተረደአት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብቲ ዝጎደለና ተረዲኣ ጎፎሎና ክምልኣልና ንፍቁር ወዳ ከተማልደልና ንለምና።
ከምቲ ማይ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ልብናን ኣእምሮናን ምስትውዓልናን ናብ’ቲ ቅዱስ ቃሉን ምምላእ ፍቓዱን ዝወስድ ጎደና ነኸተቅንዓና ንምሕጸና።
ምሕረት እግዚኣብሔርን ኣማላድነት እመ ኣምላክን ኣይፈለየና።
ርሑስ በዓል ይግበረልንቅ።
Leave a comment

Send a Comment