13 /፲፫ ጥሪ ዓመታዊ በዓል ቅድስት ዲምያና
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ታሪኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰኣብታ።
ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ። ንሱ ሓንትን እንኮን ዝኾነት፡ ድምያና እትበሃል፡ ምልክዕትን ምጭውትን ጓል ነበረቶ።
ቅድስት ድምያና ጓል 12 ዓመት ምስ ኮነት፡ ኣቦኣ ንሓደ ወዲ ንጉሥ ከመርዕዋ’ኳ እንተደለየ፡ ንሳ ግና መርዓት-ክርስቶስ ንምዃን ብድንግልና ክትነብር ከም እትደሊ ነገረቶ። ንሳ እንኮ ጓሉ ስለዝኾነት ምስኡ ኣብ ቤቱ ክትነብር ተማህጸና። ንሳ ግና ካብ ዓለምን ፈተናኣን ርሒቓ፡ ምስ ኣኅዋታ ደናግል ክትነብረሉ እትኽእል ሥፍራ ንክሠርሓላ ስለዝለመነቶ፡ ሰፊሕ ቀጽሪ ዘለዎ ብዓል ሠለስተ ደርቢ ርሻን ምስ ጀርዲኑ ሠርሓላ’ሞ፡ እመምኔት ብምዃን ኣብኡ ሕይወት ምንኵስና ጀመረት። ዝያዳ ዅላን ኣኅዋታ ኣብ ናይ ብሕታ ክፍሊ ተዓጽያ ብጾምን ጸሎትን ተወሲና ትነብር ነበረት።
ኣረማዊ ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ንጣዖታቱ ኣጵሎንን ኣርጤምስን ምምላኽ ንዝኣበዩ ሕዝበ ክርስቲያን ምእሳርን ምቕታልን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣቦኣ ማርቆስ ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ክንብርከኽን ዕጣን ኽዓጥንን ስለዝተሓተተ መጀመርታ ኣበየ። እንተኾነ ግና፡ እንተ ዘይኣመንካ ንጓልካ ምስተን ምስኣ ዘለዋ 40 ደናግል ክንስይፉ ኢና ምስ በልዎ፡ ምእንቲ ጓሉ ክብል ንጣዖታቶም ክዓጥን ፍቓደኛ ኾነ። ነዚ ዘሕዝን ዜና ዝሰምዐት ጓሉ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ኣዝያ ሓዘነት። ቀልጢፋ ካብ ገዳማ ብምውጻእ ናብ ኣቦኣ ከደት’ሞ “እንታይ እየ ብዛዕባኻ ዝሰማዕኩ፧ ንፈጣሪኻ እግዚአብሔር ምኽሓድካን ንብኢድ ንዝተሠርሑ ጣዖታት ምምላኽካን ካብ ምስማዕ፡ ሞትካ ምስማዕ ምሓሸኒ ነይሩ! ከመይ ኢልካ ነቲ ብኢድ ዝተሠርሐ ሥፍራ ሰይጣን ዝኾነ ጣዖት ሰገድካ፧ ኣቦየ ኵሉ’ቲ ዝገበርካዮ ዘሕንኽን ዘሕፍርን እዩ። እንተደኣ በዚ ዘለኻዮ ክሕደ ጸኒዕካ፡ ንጣዖታት ብምኽሓድ ናብ ኣምላኽካ እንተ ዘይተመሊስካ ኣቦይ ኣይኮንካን። ኣነ’ውን ጓልካ ኣይኮንኩን። ኦ ኣቦይ ካብ ኣረሚ ኴንካ ኣብ ሲኦል ምስ ሰይጣን ንዘለዓለም ምሟት፡ ብስም ክርስቶስ ብሰማዕትነት ሓሊፍካ ንዘለዓለም ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ምንባር እዩ ዝሕሸካ።” ኢላ ናብ ገዳማ ተመልሰት፡፡
ኣቦኣ ማርቆስ ብቃላታ ልቡ ተተንከፈ። ኣምሪሩ ብንስሓ እናበኸየ ድማ “ኣነ ኃጢኣተኛ እየ፡ ኣነ ኣብዞም ሥርሃት ሰብ ዝኾኑ ጣዖታት ምውካለይን ኣብ ሥፍራ ሰይጣን ምስጋደይን ኣዝየ ተጋገኹ። ኦ ምስጉን ዝኾንካ እግዚአብሔር፡ ነዚ ከስተውዕልን ካብ መዓሙቝ ኃጢኣት ነዛ ሰዓት፡ እዚኣ ዝቀደስካለይ ኣመስግነካ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣነ ሰማያዊ ተስፋ ኣሎኒ። ኣነ ብስም ጐይታየይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ ክመውት እየ ምስኡ ክኸውን እየ ንዘለዓለም ምስኡ ክነብር እየ!” በለ። ብድኅሪ’ዚ ብቐጥታ ናብ ኣንፆኪያ ብምኻድ፡ ንከሕዲ ድዮቅልጥያኖስ “ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ብዝኾነ እግዚአብሔር ምምላኽ ገዲፍካስ ከመይ ኢልካ ንጸማማትን ዓባሳትን ሥፍራ ኣጋንንቲ ንዝኾኑ ብእምኒን ዕንፀይትን ዝተሠርሑ ጣዖታት ተምልኽ፧ ስም ኢየሱስ ሠናይ ዝኾነ ስም እዩ ሕያው ዝኾነ ስም ጐይታ ኢየሱስ ዝተመስገነ ይኹን።” በሎ። ኣቦኣ ማርቆስ ገጹ ብትእምርተ መስቀል ድኅሪ ምምዕታብ፡ ኣብ ቕድሚ ኵሉ ሕዝቢ ብዓውታ “ ኣነ ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ እኣምን” በለ። ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ “ኣነ ዕርክነትና ኽሕሉ ብዙኅ ተጋደልኩ፡ ንስኻ ግና ኣብ ቕድሚ ኵሉ ሕዝበይ ኣዋረድካኒ፡ ኵሉ ሕዝቢ ከም ጸላእየይ ጸልኣካ፡ ከምቲ ሕማቕ ጌርካ ዘዋረድካኒ ከዋርደካ እየ!” ኢሉ ብምፍርራሕ፡ ቐልጢፉ ክጠዓስን ተመሊሱ ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ክምብርከኽን ዳግማይ ዕድል ሃቦ። ኣቦኣ ማርቆስ ግና “ኣብ ሰማይን ምድርን ብጀካ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። ብስሙ’ውን ክመውት እየ!” ብምባል ኣበየ። ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ንማርቆስ ክስይፍዎ ኣዘዘ’ሞ ኣብ ኣንፆኪያ ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ሰማዕትነት ተቐበለ። ሰማዕትነት ዝተቐበለሉ ዕለት ድማ 5 ሰነ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንዘለዓለም ተዘኪሩ ይነብር።
ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ማርቆስ ዓርኩ ንጣዖታት ክኽሕድን ናብ ኣምልኾ ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለስን ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነት፡ ጓሉ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምዃና ምስፈለጠ፡ ንሓደ ካብ መኳንንቱ “ክብርን ሃብትን ብምሃብ ንጣዖታትና ከተምልኽን ዕጣን ክትዓጥንን ኣእምና፡ እንተ ኣበየትካ ግና ኣጋፍዓያ፡ ንዅሎም ክርስቲያን ኣብነት መታን ክትከውን፡ ንኣኣን ምስኣ ንዘለዋ ኣርብዓ ደናግልን ሰይፈን።” ብምባል ናብ ሰማዕት ቅድስት ድምያናን ኣርባዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታ ዝነበራኦ ገዳም፡ ሚእቲ ሠራዊቱ ኣሰንዩ ሰደዶ።
ሰማዕት ቅድስት ድምያና እቲ መኮንን ምስ ሠራዊቱ ኣብ ጥቓ ገዳማ ምስ ረኣየት፡ ናብ እግዚአብሔር ክሳዕ መወዳእታ ሕይወታ ጽንዓት ሃይማኖት ክህባ ድኅሪ ምልማን፡ ነተን ኣርብዓ ደናግል “ምእንቲ ክርስቶስ ክትሞታ ፍቓደኛታት እንተኴንክን፡ ኣብዚ ምስይ ጽንሓ። እንተ ዘይክኢልክን ግና ካብ ሕጂ ብኣጋኡ ህደማ።” በለተን። እንተን ኣርብዓ ደናግል ግና ብፍቕሪ ክርስቶስ ስለዝተማረኻ እናበኸያ “ንሕና ንዓለም ንዒቕና ኣብዚ ገዳም እዚ ክንነብር፡ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾንክና ንስኺ ኢኺ፡ ስለዚ ካብ’ዚ ናብ እንከዶ የብልናን። ምሳኺ ብስም ክርስቶስ ክንመውት ድልዋት ኢና!” በላኣ።
ብድኅሪ’ዚ እቲ መኮንን ናብቲ ገዳም ኣትዩ፡ “ኣነ ብንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ዝተለኣኽኩ እየ፡ ብቓላቱ ንኣማልኽቱ ከተምልኺ እእዝዘኪ ኣሎኹ። ነዚ እንተ ፈጺምኪ ድማ ዝደለኽዮ ክህበኪ እየ።” ብምባል መልእኽቲ ንጉሥ ድዮቅልጥያኖስ ነገራ። ሰማዕት ቅድስት ድምያና ድማ፡ ብትብዓት “ብጀካ እቲ ሓቀኛ ሓደ ኣምላኽ፡ ኣብ ወልድ ወምፈስ ቅዱስ፡ ዓለም ዝፈጠረ፡ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ ኵሉ ዝፈልጥን ኣብ ኵሉ ዝርከብን ንዅሉ ብሓቂ ዝፈርድ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። እንተ ኣነ’ሞ ጐይታየይን መድኃኒየይን ኣምላኸይን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሠናይ ዝኾነ ኣቦኡን መንፈስ ቅዱስን፡ ንቅድስቲ ሥላሴ እኣምን። ንእኡ እምስክር ፡ ኣብ ስሙ ጸኒዐ እመውት። ንዘለዓለም ምስኡ እነብር።” በለቶ። ብመልሲ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ዝተቘጥዐ መኮንንን ንሠራዊቱ ብዝተፈላለዩ ኣዝዮም መረርቲን ኣሰቀቕትን ዝኾኑ ግፍዕታት ክሳቕይዋ ኣዘዘ፡ በዚ ድማ ብዙኃት ብኣምላከ ሰማዕት ድምያና ኣመኑን ኣኽሊለ ሰማዕትነት ተቐበሉ።
ድኅሪ ብዙኅ ስቓይን ግፍዕን ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን መላእኽትን ብኽብሪ ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ እቲ ዘዳለወላ ኣኽሊላት ክብሪ ገሊጹ ኣጸናኒዑ ቃል ኪዳን ኣተወላ። ንኣኣ ከሳቕዩ ዝደኸሙ ዝበዝኁ ሠራዊት ነዚ ብምርኣዮም ኣብ ኣምላኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያን ብምእማን ኵሉ እቲ ዝጽዕርዎ ዘለዉ ከንቱ ምዃኑ ነቲ መኮንን ነገርዎ። እቲ መኮንን በዚ ተቖጢዑ ንሰማዕት ቅድስት ድምያናን ነተን ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰዓብታን ካልኦት ብኣምላኸ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ዝኣመኑ ኣርባዕተ ሺህ ዝኣኽሉ ምእመናንን ክስየፉ ኣዘዘ። ብዕለት 13 ጥሪ ድማ ኣኽሊለ ሰማዕትነት ተቐበሉ። ሰማዕት ቅድስት ድምያና ሠለስተ ሰማያውያን ኣኽሊላት ማለት፡ ናይ ድንግልና፡ ናይ ትዕግሥትን ሰማዕትነትን ኣኽሊላት ተቐበለት።
ጸሎታን በረኸታን ናይ ሰማዕት ቅድስት ድምያናን ኣርቦኣ ሰማዕታት ደናግል ደቃን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላኸ አበዊነ ቅዱሳን!
ኣዳላዊ፡ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና
ስብሃት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን