በስመ አብ ወወልድ ወመንፈ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን!!!
14 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ኃጺር ገድሊ”ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ”
በዚ ዕለት እዚ፡ካብ ሃገረ ሮሜ ዝኾነ ዝኸበረ ናይ እግዚአብሔር ሰብ፡ቅዱስ ሙሴ ዝዝከረሉ ዕለት እዩ።ስም ኣቡኡ ኣውፊምያኖስ ስም ኣዲኡ ድማ ኣግልያስ ይብሃሉ።እዞም ቅዱሳን ስድራ፡ ሃብታማት ሰብ ጸጋ፡ንእግዚአብሔር ዝፈርሑ ኩሉ ጊዜ ብዙሕ ምጽዋት ዝህቡ ዝነበሩ ጻድቃን ወለዲ እዮም።ክሳዕ ታሽዓይ ስዓት ከኣ ብዘይ ነዳያንን ሽጉራትን ኣይበልዑ ኣይሰትዩን ነበሩ። ነገር ግና ውሉድ ዝብሃል ስለዘይነበሮም፡ብኹሉንትናኡ ንእግዚአብሔር ዘስምር ብሩኽ ዉላድ ንኽህቦም ይልምኑ ይምሕጸኑ ነበሩ።እቲ ለሚንካዮ ዘይከልእ እግዚአብሔር ድማ፡ልማንኦም ሰሚዑ፡ኣዝዩ ምልኩዕን ዝኸበረን ዝተባረኸን ውላድ ሃቦም።በቲ ዝተወለደሉ ጊዜ ድማ ደስ ኢልዎም፡ንድኽታትን ንስኡናትን ዓቢ ድግስ ገበሩ።ስሙ ድማ ሙሴ ኢሎም ሰመይዎ።ትርጉም ስሙ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ማለት እዩ።ድሕሪ እዚ ድማ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ኣዕበይዎ።መንፈሳውን ስጋውን ትምህርቲ ጥበብን ኩሉ ኣምሃርዎ።ምስ ዓበየ
ድማ ኣቡኡ ኣውፊምያኖስ ንሰበይቱ ኣግልያስ እንሆ ወድና ሙሴ ዓብዩ ንዕኡ ትኸውን ሰበይቲ ነምጽኣሉ፡ብመርዕኡ ከኣ ደስ ይብለናን ንሕጎስን በላ።ኣደ ሙሴ ኣግልያስ ነቲ ዝበላ ሰሚዓ ብሕጉስ መንፈስ ተቐበለቶ። ካብ ሮሜ ካብ ዓበይቲ ሰባት፡መልክዓ ኣዝዩ ዝጸበቐት ጓል ኣምጺኦም ድማ ኣመርዓውዎ።ደስ ብዘብል ብስርዓተ ተኽሊል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብቃል ኪዳነ ብስጋኡን ደሙን ተሓቲሞም ናብ ቤት መርዖኦም ኣተዉ።ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ኣቡ
ኡ ኣውፊምያኖስ፡ነቲ ዓርኪ ጸዊዑ ነቲ መርዓዊ ናብ መርዓቱ ክኣቱ ንገሮ በሎ።ሕጊ መርዓውን መርዓትን ክፍጽሙ ድማ፡እቲ ዓርኩ ንቅዱስ ሙሴ ነገሮ።ቅዱስ ሙሴ ድማ መልክዓን ጽባቔኣን ተመልኪቱ፡ብልቡ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ፡እዚ ኩሉ መልክዕ ጽባቐን ሓልፊ በስባሲ እዩ ኢሉ፡ናብ ሰማያዊ መንግስቱ ንኽኣቱ መገዲ ክመርሖ ናብ እግዚአብሔር ለመነ።ንመርዓቱ ከኣ ከምዚ በላ፡ዝተባረኽኪ ሓፍተይ ሰላም ኩኒ፡ናይ እግዚአብሔር ፍቕርን ሓድነትን ምሳኺ ይኹን።ክሳዕ ኣብ ምጽኣት ጎይታ ንራኸብ ድሓን ኩኒ ኢልዋ፡ነቲ ልብሲ ወርዓዊ ኣውጺኡ ገዲፉላ ከደ።ካልእ ልብሲ ቀይሩ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ በጽሐ።ነቲ ተኸዲንዎ ዝኸደ ልብሲ ከኣ ኣውጺኡ ሸይጡ ንድኻታትን ጽጉማትን ምጽዋት ሂቡ፡ንባዕሉ ግና ልግብጋብ (ዝተቓዳደደ) ኣጭርቕቲ ተኸደነ።ከም ድኻ ኮይኑ ቁራስ እግጌራ እናለመነ በብንእሽቶይ እናተመገበ ሮሃ ኣብ እትብሃል ሃገር በጽሐ።ኣብዚ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ፡ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተወ ናብ ንጉሥ ኣቃርዮ ሃገረ ሮሃ ዝተላእካ ናይ ጐይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስእልን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስእልን ተሳሊሙ ተባረኸ።ንልዑል እግዚአብሔር ድማ ኣመስገነ።

ካብኡ ወጺኡ ከኣ ንብረቱ ንድኻታት ስኡናትን ሃቦም።ካብዚ ንድሓር ከኣ መዓልትን ለይትን ጸሙን ጸሎትን ከየቓረጸ፡ምጽዋት እናለመነ ንድኻታት ይህቦም ነበረ።ኣብ ሳልስቱ ንግሆ ኣብኡ ኣዲኡን ናብ ቤት መርዓዊ ምስ ኣተው ወዶም ከምዘየለ ፈለጡ።እንሆ ከኣ ሓጎሶም ናብ ሓዘን፡ዕልልትኦም ከኣ ናብ ብኽያት ተቐየረ። ኣውፊምያኖስ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ብዙሕ ገንዘብ ሂቡ፡ናብ ኩሉ ምድሪ ከይድኩም፡በብክልተ ኮይንኩም ክሳብ እትረኽብዎ ድለይዎ በሎም።ንድኻታትን ስኡናትን ምጽዋት ክህብዎም ከኣ ገንዘብ ሃቦም።ካብቶም ዝተላእኩ ክልተ ኣገልገልቲ ኣብኡ ከኣ፡ምስ ድኻታት ምጽዋት ክልምን ረኺቦም ሃብዎ፡ከለልይዎ ግን ኣይከኣሉን።ንሱ ግን ስለዝፈለጦም፡ ኦ! አምላኸይን መድኃኔየይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ነዚ ክብሪ እዚ ዘብቃዕካኒ፡ ብኢድ ኣገልገልቲ ኣቦይ ውን ምእንቲ ፍቕርኻ ኢልካ ምጽዋት ክቕበል ስለዝገበርካ የመስግነካ ኣለኹ ኢሉ ኣመስገነ።ናይ ኣብኡ ኣገልገልቲ ብዙሕ ወርሓት ክዘሩ ቀንዮም ናብ ኣውፊምያኖሥ ጎይትኦም ተመለሱ።ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ሙሴ ብዘይካ ሰንበት እኽልን ማይን ከይቀመሰ፡ብዙሕ ተጋድሎ ብምውሳኽ ይነብር ነበረ።ድሕሪ እዚ ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ፡ንሓደ ካህን ሕያዋይ ጻድቕ፡ካብ ካህናት ናይታ ቤተ ክርስቲያን ጽባሕ ንግሆ ወጺኻ፡ኣብ ኣፍደገ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓንዲ ተጸጊዑ በይኑ ይጽሊ ኣሎ’ሞ፡ኣታ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እቶ በሎ በለቶ።እንተኣበየካ ድማ ከይትገድፎ፡እንሆ ጸሙን ጸሎትን ከም ምኡዝ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በጺሑ ኣሎ በለቶ።እቲ ካህን ድማ ንግሆ ተሲኡ ናብ ቅዱስ ሙሴ ከደ።ከምዚ ድማ በሎ፡ኣታ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ሙሴ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እቶ በሎ።ቅዱስ ሙሴ ድማ ኦ! ኣቦይ ኃጢኣተይ ስረየለይ፡ኣነ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ክኣቱ ኣይግብኣንን እዩ።እቲ ካህን ድማ፡ኣነ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተልኣኹ እየ ኢሉ ዝተኣዘዞ ኩሉ ነገሮ።ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣእተዎ።
ብድሕሪ እዚ፡ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ናይ እግዚአብሔር ሰብ፡ናብ ሃገረ ጤርሴስ ናብ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዓዲ ክኸይድ ሓሰበ፡ ሓሲቡ ውን ኣይተረፈን፡ኣብኡ ምስ ከደ ድማ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ኣብዚ ክነብር እየ በለ።ከምኡ ውን ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ዓዲ በረኸት ክቕበል እየ ብምባል፡ብለይቲ ወጺኡ ናብ ገምገም ባሕሪ ከደ።መርከብ ተጻዒኑ ከኣ ጉዕዞ ጀመረ።ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ዓቢ ማዕባለ ተላዒሉ ነቲ ባሕርን ነታ መርከብን ኣናወጾም፡ናበይ ከምዝኸዱ ከኣ ምፍላጥ ስኣኑ።ካብ ማዕበል ዝተላዕለ ከኣ መዓልቲ ጸልመተ። ኩላቶም ከኣ ምእንቲ ድሕነት ነፍሶም ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ።ብኡ ንብኡ ከኣ እቲ ማዕበል ሃድአ ብርሃን ከኣ ተራእየ።ናብ ሃገረ ሮሜ ዘውጽእ ወደብ ከኣ በጽሑ።ቅዱስ ሙሴ ግን ተሲኡ፡ኣብ ውሽጢ መርከብ ዘለው ብሰላም ተሰናቢትዎም ጉዕዝኡ ቀጸለ።ብልቡ ከኣ ከምዚ፡በለ፡እዚ ኩሉ ብእግዚአብሔር ፍቓድ ኮነ።ስለዚ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንርእሰይ ከእምና እየ። ከይወሰነ ንሕያው ዝኾነ አምላኸይ ዘይፈልጦ የለን እሞ፡ኣብ ኣፍ ቤት ኣቦይ ክነብር ኢየ ኢሉ ናብ ቤት ኣቡኡ ተጓዕዘ።ኣብ መገዲ ድማ ምስ ኣቡኡ ተራኸቡ።ኣቡኡ ብዙሕ ሕዝቢ ይስዕብዎ ስለዝነበሩ፡እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ቅርብ ኢሉ፡ነቲ ኣቡኡ ተሰቒልዎ ዝነበረ ፈረስ ልጓሙ ሒዙ ከምዚ በሎ፡እግዚአብሔር ይባርኽካን የኽብርካን ኣንታ ዓቢ ሰብ እግዚአብሔር ንሓጥኣትካ ይቕረ ይበለልካ።
ናይ ልብኻ ልሞና ይሃብካ፡ኣነ መጻእተኛን ድኻን ሰብ ከም ዝኾንኩ ፍለጥ።ንስደተይን ሽግረይን ሪኢኻ ራህርሃለይ።ካብ መኣድኻ ርፍራፍ ኣልዒለ ክበልዕ እንተደኣ ፈቲኻ’ውን መንበርየይ ኣብ ጥቓ ገዛኻ ኣጉዶ ግበረለይ፡ጻማኻ ድማ ካብ እግዚአብሔር ክኸፍለካ ኢዩ በሎ።
ሽዑ ኣውፊምያኖስ ናይ ወዱ ሙሴ ስደት ምስረኣየ፡ብስቡር ልቡ ኣልቀሰ።መንበሪኡ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ቤቱ ንኽሰርሕሉ ኣዘዘ።ካልኣይ ውን ካብቶም ኣገልገልቱ ሓደ ከምቲ ዝግባእ ጌሩ ንኽከናኾኖ ነገሮ።እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ቅዱስ ሙሴ ግና፡ነቲ ኣገልጋሊ ከምዚ በሎ፡ፍቁር ሓወይ፡ብዘይካ ሰንበት ተዘይኮይኑ ዝብላዕ መግቢ ኮነ ዝስተ ነገር ንኸይተምጸኣለይ እልምነካ ኣለኹ፡እዚ’ዉን ድሕሪ ምቑራበይ ፍርቂ እንጀራን ጽዋእ ማይን ጥራይ ይኹን በሎ። ብጾምን ብጸሎትን እናተጋደለ ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኣቡኡ ን12 ዓመት ነበረ።ኣፍቃሪ ደቂ ሰባት ዝኾነ ጐይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብዚ ናይ ዓለም ድኻም ንኸዕርፎ ተገለጸሉ። ከምዚ ድማ በሎ ሕሩየይ ብጹእ ኢኻ፡ ፍቓደይ ውን ፈጺምካ ኢኻ፡ኣብዛ ዓለም እዚኣ ካብ ሓጎስ፡ ሓዘን፡ካብ ብልጽግና፡ድሕነት ሓሪኻ ኢኻ፡ኣነ ከኣ ክጠፍእ ዘይክእል ብልጽግና ክህበካ እየ።ከምኡ ውን ስምካ ዝጸዉዐ ዝኽርኻ ዝገበረ ብስምካ ንዝጠመዩ ዘዐንግል፡ንዝጸሙኡ ዘርዊ፡ንዝዓረቑ ዘልብስ፡ገድልኻ ዝጽሓፈን ዘጽሓፈን ስለ ስምካ ኢሉ ጽቡቕ ስራሕ ዝሰርሐን ቃል ኪዳን ሂበካ ኣለኹ፡ኣብታ ሰማያዊት መንግስተይ ከኣ ዋጋኻ ክኸፍለልካ ኢየ።ተጠራጣሪ ዘይኮነ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ውን፡ክሕልወልካ ኢየ።ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ውን ኣይክነፍገሎምን ኢየ።ሕጂ ግና ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ክወስደካ ኢየ።ምስ ሕሩያነይ
ነብያት፡ሓዋርያት፡ጻድቃን፡ሰማዕታታ ኣብ ዘለውዎ ከእትወካ’የ፡ኢልዎ ብዓቢ ክብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ።ቅዱስ ሙሴ ድማ ካብ እግዚአብሔር ጸጋ ምስ ተቐበለ ኣዝዩ ተሓጎሰ።ነቲ ኣገልጋሊኡ ከኣ፡ ፍቑር ሓወይ፡ደጊም ንዓይ ካብ ምድካም ከተዐርፍ ኢኻ፡ወረቐትን ቀለምን ኣምጸኣለይ በሎ።እቲ ኣገልጋሊ ብዘረቡኡ እናተደነቐ ወረቐትን ቀለምን ኣምጽኣሉ።ክቡር ናይ እግዚአብሔር ሰብ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ድማ፡ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ገድሉ ኩሉ ጸሓፈ።ኣብ ራብዓይቲ መዓልቲ እታ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ከኣ ብኢዱ ጨበጣ።ብዕለተ ሰንበት 14 ጥቅምቲ ከኣ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ብሰላም ኣዕረፈ።ቅዱሳን መላእኽቲ፡ነብያት፡ሓዋርያት፡ጻድቃን፡ሰማዕታት ዘገልግልሉ ናይ ዘለዓለም ተድላን ሓጎስን ዝህብ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ፈጣሪና ምስጋና ይኹኖ እናበሉ ንነፍሱ ተቐበሉዋ።ኩሉ ሕዝቢ ኣብ ቅዳሴ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ተኣኪቦም ኣብ ዝነበርሉ፡ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ናይ ጎይታ፡ሕግን ስርዓትን ዝፍጽሙ ቅኑዓት ኣገልገልቲ ባሮት እግዚአብሔር ዝተመስገኑ ኢዮም፡ንሳቶም ናብቲ ናይ ዘለዓለም ተድላን ደስታን ክኣትው ይግባእ ዝብል ድምጺ ጻውዒት ሰሙዑ።ሊቀ ጳጳሳት፡ኤጲስቖጶሳት፡ካህናት፡ዲያቆናት፡ኩሉ መእመን ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዓቢ ፍርሃት ወደቖም።ስርዓተ ቅዳሴ ድሕሪ ምፍጻሙ፡እዚ ምስጢር’ዚ ንኽግለጸሎም ናብ ጎይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብጸሎት ለመኑ።ብድሕር’ዚ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ፡ኣብ ቤት ኣውፊምያኖስ ደለይዎ።ንሱ ግና ነፍሱ ንእግዚአብሔር ሂቡ ኢዩ ዝብል ድምጺ ድማ ሰምዑ።ሊቀ ጳጳሳት ነዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ንኣውፊምያኖስ ጸዊዑ እዚ ዓቢ ጸጋ፡ኣብ ቤትካ ክነብር ከሎ፡ኣነ ብሕይወተይ እናሃለኹ ካብ በረኸቱ ክሳተፍ ንምንታይ ዘይነገርካኒ በሎ።ኣውፊምያኖስ ከኣ ከምዚ ክብል መለሰ። ብጹእ ኣቦና፡እዚ ዝመስል ኣብ ቤተይ ክነብር ከሎ ኣይፈለጥኩን፡በዚ ጊዜ እዚ፡ ሊቀ ጳጳሳት ተሲኡ ምስ ካህናትን ዲያቆናትን ምስቶም ሕዝብን ናብ ቤት ኣውፍምያኖስ ከዱ። እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ከኣ፡ኣብታ ዝዓረፈላ ቦታ ረኸብዎ። ነታ ዝጸሓፋ መልእክቲ ወሲዱ፡ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝቢ ኣንበባ እሞ፡ሙሴ ናይ እግዚአብሔር ሰብ
ወዲ ኣውፊሚያኖስ ኣዲኡ ድማ ኣግሊያስ እትብል ንባብ በጽሐ።ኣቡኡን ኣዲኡን ኸኣ ነዚ ሰምዑ፡እንሆ ድማ ምስቶም ኣብ ቤቶም ዝነበሩ ኣገልገልቱን ኣዝማዱን መሪር ብኽያት በኸይሉን ሓዘኑሉን።እቲ ሊቀ ጳጳስ ኸኣ ካብ ሓዘኖም ኣጸናንዖም።በዚ ጊዜ እዚ ሊቀ ጳጳስ ናይ ሃሪ ሊብሲ ኣምጺኡ ገነዞ። ናብ ቤተክርስቲያን ወሲዱ ድማ፡ካብ ስጋኡ በረኸት ክሳዕ ዝቕበሉ ኣብ ቤት መቕደስ ኣቐመጦ።ካህናትን ዲያቆናትን ሕዝብን ኩሉ፡ካብዚ ንደሓር ብዙሓት ሕሙማት፡ዕውራት፡ሓንካሳት፡ጸማማት፡ድውያት፡ለምጻማት፡ስጋኡ ኣብ ዝተሳለምሉ ጊዜ ፡ካብ ሕማሞም ተፈወሱ፡ዓቢ ሓጎስ ድማ ኮነ።ሕዝቢ
ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን፡ኣውፊምያኖስ ናይ ወዱ ስጋ፡ ካብቲ ዝተቀሞጦ ከየውድቅዎ ፈርሐ። ብዙሕ ገንዘብ ኣምጺኡ ከኣ፡ነቶም ኣገልገልቱ ክብትንዎ ኣዘዞም።ንስጋኡ ገዲፎም ናብቲ ዝተበተነ ገንዘብ ክኸዱ ኢዮም ኢሉ ሓሲቡ ነበረ፡እንተኾነ ግና ዋላ ሓደ እኳ፡ናብቲ ዝተበተነ ገንዘብ ዝኸደ ኣይነበረን።ብድሕሪ እዚ ስጋኡ ኣብ ናይ ሊቀ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም ቀበርዎ።ብስጋኡ ድማ ኣደነቕቲ ተኣምራት ይገብር ነበረ።ዕዉራት ይሪኡ፡ሓንካሳት ድማ ቀኒዖም ይኸዱ፡ጸማማት ይሰምዑ፡ለምጻማት ይነጽሁ፡ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ፡እቶም ኣጋንንቲ ይወጽሎም ነበሩ።እቶም ሕሙማት ኩሎም ከኣ ካብ ዝነበሮም ሕማም ሓወዪ።እምበኣር ገድሊ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ፡በዚ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን፡ንበረኸት ክኾነና ግና፡ካብ ብነዊሕ ብሓጺር ነዚ ይመስል።ስለዚ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ቅዱሳን ከመይ ኢሎም፡ከምዝሓለፉ እናዘከርና ኣሰር ኣሰር እምነቶም፡ክንስዕብ አምላኽ ኃይሊ ይሃበና።
ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሙሴ መርዓዊ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን።