15 ነሓሰ ዓመታዊ ባዓለ ዕረፍታ እምባ መሪና

15 ነሓሰ ዓመታዊ ባዓለ ዕረፍታ እምባ መሪና
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን!!!
15 ነሓሰ ዓመታዊ ባዓለ ዕረፍታ እምባ መሪና
        ቅድስት እምባመሪና ካብ ክርስትያን ስድራ ዝተወልደት ክትከውን ከላ ኣደኣ ማርያም ትበሃል።ንኡሽተይ ከላ ስለ ዝሞተት ከኣ ምስ ኣቦኣ ዓበየት። ኣቦኣ ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ ዓቅሚ ሄዋን ክሳብ ትበጽሕ ብእምነትን ስርዓትን እንዳመሃረ ብስነ ምግባር ሃኒጹ ኣዕበያ። ድሕሪ እዚ ኣቦኣ ናብራ ዓለም ስለ ዝጸልኦ ንጓሉ ጸዊዑ ናብ ገዳም ክከይድ ከም ዝደለየ ሓበራ። እምባ መሪና ነዚ ምስ ሰምዐት ብዙሕ ሓዘነት ነቦኣ ከኣ ኣነ ውን ምሳካ ናብ ገዳም ክኸይድ ኢየ ድማ በለቶ። ኣቦኣ ድማ ጽቡቕ ኔሩ እንተኮነ እቲ ኣነ ዝከዶ ዘለኩ ገዳም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝነብሩሉ ገዳም ኢዩ ደቂ ኣንስትዮ ኣያትዋኦን ኢየን በላ። ንሳ ድማ ክትተርፍ ስለ ዘይደለየት ደሓን ጸጉረይ ቆሪጸ ስረ ናይ ወዲ ለቢሰ ክከይድ ኢየ በለቶ። በዚ ተሰማሚዖም ድማ ብሓንሳብ ናብቲ ገዳም ኣምርሑ።ኣብቲ ገዳም ምስ ኣተዉ ብሰናይ ገድሊ ክጋደሉ ጀመሩ ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ኣቦኣ ዓረፈ።። ቅድሚ ምዕርፉ ነቶም ኣበ ምኔት ናይቲ ገዳም “እዚ ወደይ ካብዚ ገዳም ከይወጽእ ብሰናይ ገድሊ ክጋደል ተከታተልዎ ኢሉ ሓደራ በሎም” እቶም ኣቦ ከኣ ብጽቡቅ ክካታተልዋ ጀመሩ ። ። ብጽቡቅ እውን ዓበየት። ድሕሪ ገለ ዓመታት እቶም መነኮሳት ናይት ገዳም እዚ መነኮስ እንታይ ኮይኑ ኢዩ ምሳና ዘይለኣክ ንከተማ ኣስቤዛ ዘይወጽእ ክብሉ ጀመሩ። እቶም ኣበምኔት ናይትገዳም ቃል ናይቶም መነኮሳት ንምክባር ናብቲ ከተማ ክልእክዋ ጀመሩ። እቶም መነኮሳት ኣብቲ ከተማ ኣብ ዝከዱሉ ግዜ ዝዕርፉላ ቤት ነበረቶም። ኩሉ ግዜ ኣስቤዛኦም ገዚኦም ኣብታ ቤት ኣዕሪፎም ናብ ገዳሞም ይምለሱ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ እምባመሪና ኣስቤዛ ንምግባር ምስቶም ኣበው መነኮሳት ናብቲ ከተማ ከደት፡ እታ ዝሓድሩላ ቤት ሓንቲ ጓል ነብረቶም እዛ ጎርዞ ምስ ኣብ ጎረቤታ ዝርከብ መንእሰይ ርክብ ጀሚራ ነበረት እሞ እቲ መንእሰይ ከኣ ምናልባት እንተጠኒስኪ እንባመሪና ኢዩ ኣጥኒሱኒ በሊ በላ። ኣንባምሪና ካብ ኩሎም መነኮሳት ዝነኣሰት ስለ ዝነበረት ኢዩ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣታ ጎርዞ ጥንሳ ክፍለጥ ምስ ጀመረ ኣቦኣ ብሕርቃን መን ኢዩ ኣጥኒሱኪ ብምባል ሓተታ። ንሳ ድማ እቲ መነኮስ እምባመሪና ኢዩ ኣጥኒሱኒ በለቶ። እቲ ሰብኣይ ብጣዕሚ ተናዲዱ ናብቲ ገዳም ከይዱ ነቶም መነኮሳት ክጸርፎም ጀመረ። ኣበምኔት ናይት ገዳም ከኣ ጸርፊ ሰሚዖም እንታይ ኢዩ ጸገምካ ዝወደይ እንታይ ኢዩ ዘጻርፈካ ዘሎ በልዎ፡ ንሱ ከኣ ሓደ ካብዞም መነኮሳት ንጓለይ ኣጥኒሱዋ ብምባል መለሰ፡፡ እቶም ኣቦ ከኣ እሞ ብሰንኪ ሓደስ ነዞም ነዞም ኩሎም ቅዱሳን ትጸርፎም መን ኢዩ ከ እቲ ከሙ ዝገበረ በልዎ። እቲ ኣቦ አታ ጓል ድማ እምባመሪና ኢዩ ብምባል ብሕራቃን መለሰሎም። እቶም ኣቦ እምባ መሪና ክመጽእ ኣዘዙ ናብኡ ድማ መጸት እሞ። ስለምንታይ ከሙ ጌርካ ብምባል ሓተትዋ እሞ ንእስነት እዩ ኣጋግዩኒ ብምባል ድንን ኢላ ብትሕትና ኣብ እግሪ እቶም ኣበምኔት ወደቀት፡ እቶም ኣበምኔት ከምዚ ዝበለ ግብሪ ናይ መንኮሳት ዘይኮነ ዓለማውያን ውን ከምዚ ክገብሩ ኣይፍቀድን ብምባል ካብቲ ገዳም ኣባረርዋ ። ኣብቲ ከባቢ ገዳም ንብሕታ ክትነብር ከኣ ጀመረት። እታ ጥንስቲ ዝነበረት ምስ ሓረሰት ከኣ ኣቦ እታ ጓል ነቲ ሕጻን ሒዙ ናብ እምባመሪና ኣምጸኦ ወድካ ኣዕቢ ኢሉ ከኣ ገዲፉሉ ከደ። ቅድስት እምባ መሪና ወደይ ኣይኮነን ከይበለት ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ጓሶት ጸባ እንዳለመንት ነቲ ህጻን ኣዕበየቶ። ብከምዚ ከኣ ኣስታት 3 ዓመታት ሓለፈ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቶም መነኮሳት እቲ ገዳም ናብቶም ኣበምኔት ከይዶም እምባመሪና ብጌጋኡ ተኣሪሙ ናብ ገዳሙ ክምለስ ኣለዎ ምስ በልዎም ሕራይ ብምባል ናብቲ ገዳም ተመልሰት። ኣብኡ ድማ ከቢድ ስራሕ እንዳ ሰርሐት ከተገልግል ጀመረት። ነቲ ገዳም ኣጽርያ በይና ኣብ ርሑቅ ቦታ ከይዳ እቲ ነቲ ጎሓፍ ትጉሕፎ ነበረት። እቲ ህጻብ ድማ እንዳዓበየን እንዳተማህረን ኣብቲ ገዳም ምሳኣ ይነብር ነበረ። ምንኩስና ኩሉ ተማሂሩ ኣብቲ ገዳም ምስንኩስና ተቀበለ። ኣርባዓ ዓመት ምስ ሓለፈ ቅድስት እምባመሪና ንሰለስተ መዓልቲ ሓሚማ ዓረፈት። እቶም መነኮሳት ደወል ደዊሎም ንክትቅበር ክገንዝዋ ምስ ቀረቡ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ጸንሓቶም እሞ ብጣዕሚ ሰንበዱ ነቶም ኣበምኔት ጸዊዖም ድማ ነገርዎም እቶም ኣበምኔት ብዙሕ ሓዘኑን ኣልቀሱን ብዘይገበረቶ ብዙሕ መቅጻዕትን ቁነናን ሂበያ ኢሎም ኣምሪሮም በከዩ። እቲ ኣቦ እታ ጓል ከኣ ተጸወዐ ሞ ዝኮነ ኩሉ ነገርዎ ብዙሕ ከኣ ሓዘንን ተጣዕሰ። ኣስከረን ናይ ቅድስት እምባምሪና ሕዞም ድማ “ኣቤቱ ይቅረ በልልና” እንዳበሉ ካብ ልቦም ጸለዩ። ካብቲ ሬሳ ናይ ቅድስት እምባመሪና ድማ እግዚኣብሄር ይቅረ ይበለኩም ዝብል ድምጺ ሰምዑ።
ተሓጉሶም ድማ ካብ ሬሳኣ ተባሪኮም ብክብሪ ቀበርዋ፡ ኣብቲ መቃብራ ድማ ብዙሕ ተኣምራት ተገብረ።
እግዚኣብሄር በረከት ናይዛ ቅድስት ኣደ ከካፍለና ቅዱስ ፍቃዱ ይኩን።።።።።።።
ንሕና ከ ከመይ ኢና ርእስና ንመርምር ሰብ ክጸርፈናን ክንእደናን ዝገብርናዮን ዘይገበርናዮን ክብለና ንቅበሎ ዶ ነቲ ሰብ ንበኣሶ። ኣምላክ ቅንዕና ዝሓስብ እግዚኣብሔር ብጸጉኡ ይደግፈና።
ኣሜን ጸሎታ ኣማላድነታ በረኸታ ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን!!!
ስብኃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!
Leave a comment

Send a Comment