ሓፈሻዊ ክብረ በዓላት 17/፲፯ ሕዳር በዓለ ልደቱ ለኣቡነ ዮናስ Church EditorNovember 25, 2020 at 3:00 pm1653 Views054321 0 (0 votes) በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 17/፲፯ ሕዳር በዓለ ልደቱ ለኣቡነ ዮናስ ኣቡነ ዮናስ ኣብ ሃገረ ቡር ወይውን ሃገረ መስቀል ኣብ ትብሃል ዓዲ ብዕለት 17 ሕዳር 1404 ዓ.ም ካብ ኣቦኦም ንዋየ እግዚእ ኣዲኦም ኂሩተ ማርያም ተወልዱ። ኣቦኦምን ኣዲኦምን ብሕጊ እግዚአብሔር ዝመላለሱ ኣዝዮም መንፈሳውያን ሰባት ነበሩ። ብጽኑዕ ሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ስለዝነብሩ ዝነበሩ ከኣ ኣብ ሃይማኖቱ ጽኑዕ ዝኾነ ውላድ ወለዱ። ኣቡነ ዮናስ ጌና ብህጻኖም እንከለዉ ኣባጊዕ ስድርኦም ይጓስዩ ነበሩ። ኣቡነ ዮናስ ህጻንነቶም ኣትሒዞም ፈታዊ ጸሎት ነበሩ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምእታዎም ከኣ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሎም መዝሙረ ዳዊትን ካልኦት ቅዱሳት መጻሕፍትን የንብቡ ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ድማ ብህጻንነቶም ናብ መንፈሳዊ ሕይወት ኣድህቦ ስለዝገበሩ ናይ ምናኔ መንፈስ ሓደሮም። ነነዊሕ እዋን ብጸሎትን ሱባኤን ንኣምላኽ ከመልክቱ ድኅሪ ምጽናሕ ነቲ ኵሉ ናይ ዓለም ነገር ንድኅሪት ገዲፎም ካብ’ቲ ዝተወልዱሉ ሃገር እውን ርሒቖም ናብ ሃገርና ኤርትራ መጹ። መጀመርታውን ናብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ዓረዛ ምድሪ ውዲ ሰበራ ኣብ እትርከብ ደብረ ሲና ኣብ እተባህለት ገዳም ኣተዉ። ኣብዛ ሕጂ ናብ ዓዲ ዝተለወጠት ጥንታዊት ገዳም ብሥጋ ኣኰኦም ንዝኾንዎም ኣቡነ ድምያኖስ ዝተባህሉ ዓቢ ባሕታዊ ረኸቡ። ብሓደ ውዒሎም ምስ ሓደሩ ድማ ምርጭኦም ንምናኔ ምዃኑ ኣቡነ ድምያኖስ ምስ ተረድኡ፡ ሓደ ንዓለም መኒኑ ዝምንኵስ መነኰስ ክመሃሮምን ክፈልጦምን ዝግብኦ ኵሉ ሥርዓተ ምንኵስና መሃርዎም፤ እዚ ማለት ድማ ብሉያትን ሓዲሳትን፥ መጽሓፈ መነኮሳት (አረጋዊ መንፈሳዊ፡ ማር ይስሓቅ፡ ፊልክስዩስ) ዝኣመሰሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ማለት እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ትምህርቲ ድማ ብዝግባእ ኣጽኒዖም ምስ ወድኡን ኣሞክሮኦም ምስ ፈጸሙን ኣብ መበል 14 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ 1371ዓ.ም. ካብ ኢድ ኣቡነ ድምያኖስ መዓርገ ምንኵስና ተቐበሉ። ኣቡነ ዮናስ ስም ክርስትናኡ ‘ሀብተ እግዚእ’ ተባህለ። ኣብ እዋን ምንኵስናኡ ግና ‘ዮናስ’ ተባህለ፣ ዮናስ ማለት ለዋህ፣ ሕያዋይ ርግብ ማለት እዩ። ብድኅሪ እዚ ሕጊ ምንኵስና ብፍጽምና እናሰዓቡ ካብቲ ቅድም ዝገብርዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ገድልን ትሕርምትን ብምዝያድ ለይቲ ለይቲ ጠራቒት ኣብ ዝተባህለ ቀላይ እናኸዱ ክጽልዩ ይሓድሩ ነበሩ፤ መዓልቲ መዓልቲ ከኣ ኣብ ጾምን ጸሎትን ስግደት ይውዕሉ ምንባሮም መጽሓፈ ገድሎም ይነግር። ተጋድሎ ብሕትውናኦም ድማ ንነዊሕ ዓመታት ከምዚ ኢሉ ቀጸለ። መጽሓፈ ገድሎም ከምዝሕብሮ ድማ ኣብ ሕይወቶም ብቕዓት ስለዝተራእየ ናይ ኣእዳዎም ኣጻብዕ ልክዕ ከም ጥዋፍ (ሽምዓ) ክሳብ ዝበርህ ኮነ። ኣብ ሰሰሙን ብኢዱ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ኅብስተ ኣኰቴት ጽዋዕ በረከት ካብ ሰማይ ይወርደሎም ከኣ ነበረ። ብኻልኦት ዕለታት ግን ሓሙሽተ ፍረ ዳዕሮ ወይ ድማ ሓሙሽተ ፍረ ዓየ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግቢ ኣይበልዑን ነበሩ። ብኸምዚ መንፈሳዊ ተጋድሎን ትሕርምትን ብጽንዓት ተወሲኖም ድኅሪ ምጽንሖም ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ቀላይ ኮይኖም እናጸለዩ ከለዉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደመና መጺኡ “ኦ ዮናስ ፈታውየይ ጸሎትካን ልማኖኻን ሰሚዐካ ኣሎኹ፤ ደጊም ክፍልኻ ተጋድሎ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ቃል ወንጌል ምምሃር እዩ” በሎም። ንሶምውን “ወይኩን ፈቃድከ” ኢሎም ብትሕትና ትእዛዙ ተቐቢሎም ናብ ስብከተ ወንጌል ክዋፈሩ ነፍሶም ኣዳለዉ። ድኅሪ እዚ ብዙኃት ኣሕዛብ ናብ ዘለውዎ ቦታ እናተዘዋወሩ ብምስባኽ ካብ ግብሪ ኃጢኣት ናብ ግብሪ ጽድቂ፤ ካብ ኣምልኮ ጣኦት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር መለስዎም። ብዙኃት ድማ ኣሚኖም ይጥመቑ ነበሩ፤ ብዙኅ ተኣምራት ድማ ይገብሩ ነበሩ። ትሩፋቶምን ስብከቶምን ብምርኣይን ብምስማዕን ቍጽሪ ዘይብሎም ምእመናን ፈርዩን፤ ብሃይማኖቶምን ሰናይ ግብሪን ድማ ጸንዑን። ካብኣቶም ድማ ብዙኃት ናብራ ምናኔ ስለዝመረጹ ብኢድ ኣቡነ ዮናስ መንኰሱ። እቶም ዝመንኰሱ በብክፍሎም ገዳማት መሥሪቶም ብሓድነት ብሥርዓተ ጳኵሚስ ክነብሩ ምእንቲ ድማ ኣቦና ሥርዓት ገበሩሎም። ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ካብ ፈጣሪኦም ብዝተውህቦም ጸጋ ሕሙማት ይፍውሱ ዕዉራት የብርሁ ምውታት የተንሥኡ ነበሩ። ከምኡ’ውን ብደመና ኢየሩሳሌም ከይዶም ኣብኡ ቀዲሶም ይምለሱ ነበሩ። እቲ ብሕይወት ሥጋ ከለዉ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መስቀል ናይ ኢዶም ሎሚ እውን ኣብ ውሽጢ ገዳም ደብረ ድኁኃን ተረኺቡ ብዙኃት ሕሙማት ይፍውስ ኣሎ። ክሓውዩ ዘይተፈቕደሎም እንተኾይኖም ድማ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝዓርፉ መጽሓፈ ገድሎም ይሕብር፤ ሎሚውን ብመስቀሎም ዝተጠምዐ ማየ ጸሎት እናተሓጽቡ እናሰተዩ ካብ ዝነበሮም ሕማም ዝፍወሱ ቍጽሪ የብሎምን። ኣቡነ ዮናስ ከምዚ ኢሎም ንኣምላኾም እናገልገሉ ድኅሪ ምጽናሕ ከምቲ ኵላቶም ቅዱሳን ኣብ ኣጋ ዕረፍቶም ካብ ኣምላኾም ዝወሃቦም ቃል ኪዳን ንሶምውን ተዋህቦም። “ኦ ፍቁረይ ዮናስ ኵሉ ብእምነት ስምካ ዝጸወዐ ዝኽርካ ዝገበረ ብጸሎትካ ዝተማኅጸነ ኃጢኣቱ ክስርየሉ እየ” በሎም።ኣቡነ ዮናስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ድኅሪ ምቕባሎም 17 መጋቢት 1451ዓ.ም ኣብ መበል 95 ዕድሚኦም ዓረፉ። ኣብዛ ሕጂ ደብረ ድኁኃን ተባሂላ ዘላ ገዳሞም ከኣ ብኽብሪ ተቐብሩ። ክብረ በዓል ኣቡነ ዮናስ ዕለት 21 ጥሪ ምስ በዓለ ዕረፍታ ናይ እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ ብዓቢይ ድምቀት ዝበዓል። እዚ ከኣ ኣቡነ ዮናስ ንደቆም “ተስካረይ ምስ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ግበሩለይ ” ስለ ዝበሎም እዩ። በረኸትን ጸጋን ናይ ኣቡነ ዮንስ ምስኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!! Leave a comment