18 ጥሪ ዕረፍቱ ንቅዱስ ያዕቆብ ዘንጽቢን

18 ጥሪ ዕረፍቱ ንቅዱስ ያዕቆብ ዘንጽቢን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

18 ጥሪ ዕረፍቱ ንቅዱስ ያዕቆብ ዘንጽቢን

 

 

 

 

 

 

 

ቅዱስ ያዕቆብ ሊቀጳጳሳት ዘንጽቢን ሃገረ ትውልዱ እኳ ሶርያ  እንተኾነ፡ ዝተወልደሉን ዝዓበየሉን ግና ኣብ ሃገረ ዘንጽቢን እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ካብ ንእስነቱ ኣትኂዙ፡ ብመንገዲ እግዚኣብሔር ተመላለሰ፡ ኣብ ንእስነቱ ኸኣ መንኰሰ። እታ ዝኽደና ዝነበረት ማቕ ካብ ጸጕሪ ዚተሠርሐት ትባላዕ ኮይና ካብ ሰብነቱ ኣውፂእዋ ኣይፈልጥን ነበረ።

ብጸሎት፡ ብጾም ፡ ብሃሩር ፀሓይ፡ ብቝሪ ለይትን ክረምትን ብስግደት ብትግሃት ነታ ሓንቲ ክዳን ከየውፅኣ ብዙኅ ተጋደለ።

ዝምገቦ መግቢ ኻብ ፍረ መሮር፡ ጽሩይ ማይን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ መንፈስ ቅዱስ ኃዲርዎ፡ ናይ ትንቢት ጸጋን ናይ   ተኣምራት ምግባር ዝተሰወረ ነገር ምርኣይን ጸጋ  ተዋሂብዎ። ነቶም ሕዝቢ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምዃኑ ብትንቢት ይነግሮም ነበረ።

ቅዱስ ያዕቆብ ዘንጽቢን ዝገበሮ ተኣምራት ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።

ንኣብነት፦ ሓደ መዓልቲ ኣዋልድ ኣብ ሓንቲ ማይ ዘለዋ ቀላይ ኮይነን ብዘይምሕፋር ኪጻወታን ኪስሓሓቓን ምስረኣየን፡ ብጸሎቱ ነታ ማይ ኣንቀጻ፡ ጸጉረን  ከኣ ናብ ሽበት ተቀየረ። ደኃር ብንስሓን ብስግደት ጸልየልና ኢለን ምስለመናኦ ነታ ማይ ዝቐድሓላ ዚነበራ ኸም ቀደማ ኣፈልፈላ። እቲ ጸጕሪ ርእሰን ግና ምእንቲ ትዕቢት ከይስምዐን ኢሉ ኣይቀየረለንን።

ሓደ መዓልቲ ከኣ ብመንገዲ ኽኃልፍ ከሎ ሰባት ንሓደ ጥዑይ ዘይሞተ ከም ዝሞተ ኣምሲሎም ኣብ መሬት ኣደቂሶም። ነዚ ምዉት መግነዚ ዚኸውን ኪህቦም ለመንዎ። ንሱ ኸኣ በቲ ነዚ ምዉት ዝተዋህቦ ጸጋ ግብሮም ፈሊጡ ነቲ ሰብ ከም ዝመውት ገበሮ። ሽዑ እቶም ሰባት ርእይ እንተ ኣበልዎ ሞይቱ ጸንሖም።

ድኅሬኡ ብዚፈጸምዎ ጌጋ ተነሲሖም ንቅዱስ ያዕቆብ ነቲ ዝሞተ ከተንሥኣሎም ለመንዎ እሞ ኣተንሥኣሎም።  ዜናኡ ኣብቲ ኸባቢ ብጽቡቕ ምስተፈልጠ ናይ ሃገር ዘንጽቢን ኤጳስ ቆጶስ ኪኸውን መረጽዎ። ንመጓሰ ክርስቶስ ከኣ ብጽቡቕ ካብ ተዃሉን ካብ ኣርዮሳውያንን ሓለወ። ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኒቅያ ኣርዮስ ንምውጋዝ ምስቶም 318 ኣቦታት ሓደ ኾይኑ ጸሎተ ሃይማኖት ዚሠርዐ፡ ንሳ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኵሉ ምእመን ዚጽልያ ጸሎት እያ።  መጽሓፈ ጉባኤ ከምዝምስክሮ ንንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ኪበጽሕ ኣብዝኸደሉ ጊዜ ምዉት ኣተንሥአ። ንጉሥ ፋርስ ንሃገረ ዘንጽቢን ምስ ዓገታ ቅዱስ ያዕቆብ ዘንጽቢን ብጸሎቱ ምስ ደመናን ጣቓን ተናኸስቲ ኣናህብ መጺኦም ነቶም ኣፍራስ ኲናት ምስ ሰራዊቶም ከምኡውን ንሓራምዞም ነኸስዎም እሞ ኻብቲ ንዂናት ዝሓሰብዎ ንዓዶም ተመልሱ። ንጉሥ ፋርስ ነዚ ተኣምር እዚ ብምርኣዩ ኣዝዩ ፈርሀ ናብ ቦትኡ ተመልሰ።

ቅዱስ ያዕቆብ ሊቀጳጳሳት ዘንጽቢን ንሕዝቡ ብጽቡቕ መሑ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኹ ኣሥሚሩ ጊዜ ዕርፍቱ ምስኣኸለ ብሰላም ዓረፈ  ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኹ። ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከኣ ወረሰ። እዚ ቅዱስ ኣቦ መምህር ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ዝነበረ እዩ። በረኸቱን ጸሎቱን ኣማላድነቱን ምስ  ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

መወከሲ- ስንክሳር  18 ጥሪ

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment