18/፲፰ መስከረመ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ

18/፲፰ መስከረመ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ

                                                                                               18/፲፰ መስከረመ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ

      በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

                     ዓመታዊ ክብረ ብዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18/፲፰ መስከረም  እዩ። ኩሉ ግዜ ከኣ ጽባሐ መስቀል ብዓቢይ ክብሪ ይበዓል።

    ኣቡነ ኤዎስጣጤዎስ በቲ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ገድልን ተኣምራትን፡ ብዝሰረትዎ ሓረግ ምንኩስናን ከሙኡ ውን ስለክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ዝገበርዎ ተጋድሎ ድማ ብቀንዱ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ካቡኡ ሓሊፎም ድማ ኣብ እስክንድርያን ኣርመንያን ካብ ዝፍለጡ እቶም ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ እዮም።

እዞም ኣቦ ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳም ኣብ ኤርትራ እኳ ተዘይብሎም ዳርጋ ንመብዛሕቶኦም ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ብምፍጻምን መንፈሳዊ ገድሊ ብምግዳልን ሎሚ ህልዋን ኮይኖም ብቀዋምነት ንዝረከቡ ገዳማት ኤርትራ ዝሓለፉ ቅዱስ ኣቦ ኢዪም። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ከኣ ሎሚ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፡ዞባ ማእከልን ዞባ ደቡብን ብምዝዋር ስብከተወንጌል ዘስፍሑን ብተባሕትዎ ዝተጋደሉን ኣቦ ውን ኢዮም፡ ናብ እስክንድርያን ኢየሩሳሌምን ቡኡ ኣቢሎም ድማ ና ኣርመንያ ቅድሚ ምካዶም ንከባቢታት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕባሕርን፡ ዓንሰባን፡ ጋሽባርካን እግረመገዶም ቃለእግዚኣብሔር እናሰበኹን ተኣምራት እናፈጸሙን ከምዝባረክዎ ታሪኮም ይገልጽ። በዚ ከኣ ዳርጋ ዘይባረክዎን ዘይረገጽዎን ክፋል ሃገርና የለን ክብሃል ይከኣል።

እምበኣርከስ ሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ከባቢ 13-14 ክፍለዘመን ኣብ ትንሳኤ ቤተ ክርስትያን ሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ንዝከፈቱን ዳግማይ ሓዋርያ ንዝኮኑን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ብዙሕ ብሒደት ዜና መዋዕሎም ክንዝክር ኢናሞ ጸሎቶምን በረከቶምን ምስኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ትውልዲ እዞም ጻድቅ ኣቦ ኣብ ትግራይ ኣውራጃ እንድርታ ፍሉይ ስሙ ጽራእ ዝተባህለ ዓዲ ኮይኑ ካብ ስድራጻድቃን ዝተረክቡ ኢዮም፡ ኣቡኦም ክርስቶስሞዓ ኣዲኦም ድማ ሥነሕይወት ይብሃሉ፡ ኣቦኦም ክርስቶስሞዓ ካብ ወገን ስድርስ መኳንንቲ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ወለዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ፍርሓተ ኣምላክ ዝነበሮም ሕጊ እግዚኣብሔር ንምፍጻም ወትሩ ዝተግሁ ከም ዝነበሩ ገድሎም ይገልጽ፡ ንጽጉማትን ዘክታማትን ምርዳእ ንኣርጋውያንን ሰቡኡተን ንዝመትወን መበለታትን ድማ ምሕጋዝ ኮታ ተቀበልቲ ጋሻ ኮይኖም ከምቲ ሕጊ ወንጌል ዝጠመዩ ምብላዕ ዝጸሙኡ ምስታይ መዓልታዊ ስርሖም ነበረ፡ብቃልኪዳኖም ጸኒዖም መንፈሳዊ ግብርን ትሩፋትን እናገበሩ ይንበሩ ደኣ እምበር ወሊዶም ክሓቕፉን ክስዕሙን ኣይተዓደሉን ነበሩ። ክሳዕ እርጋኖም ከኣ ብእግዚኣብሔር እናተጸናንዑን ብጸሎትን ተስፋን ይጽበዩ ነበሩ።

ኣዲኦም ሥነ ሕይወት ብፍላይ ድማ ብዝሕ ትሓዝን ነበረት። ጸሎታ ድማ ልክዕ ከም ጸሎት ብዓል ቤታ ኦ ኣምላከይ ንዓካ ዘስምር ግብረጽድቂ ዝገብር ውላድ ሃበኒ እናበለት ብቀጻሊ ትልምን ነበረት። ልማኖኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተሰምዐ እሞ ቅዱስ ገብርኤል ከብስራ ተላእከ።  “ሓደ ንጹሕን ቅዱስን ውላድ ክትወልዲ ኢኺ።ብትምህርቱ ድማ ንብዙሓት ብመገዲ ጥፋኣት ዝጉዓዙ ዓያሹ ብቃል ወንገል ክመልሶምን ከድሕኖምን እዩ” ድማ በላ።

ተጸኒሶም ድማ ተወልዱ። እዞም ቅዱስ ኣቦ እግዚኣብሔር ኣምላክ ከም ነቢይ ኤርምያስን፡መጥምቀመለኮት ዮሓንስን ገና ኣብ ማሕጸን ኣዲኦም ዝሓረዮምን ዝባረኮምን ብምንባሩ፡ ውልድ ምስ በሉ ጡብ ኣዲኦም ክጠብዉ ከለዉ ኣዕይንቶም ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ንእግዚኣብሔር ጎይታሰራዊት የመስግኑ ነበሩ። እዚ ከኣ ከምቲ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት” እም አፈደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ” ዝበሎ ኢዩ። ኣዲኦም ብዕጹብ ነገሮም ብምግራም ኣብ ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ዘይተራእየ እዚ ተእምራት እዚ እንታይ ይብሃል ትብል ነበረት፡ ኣስዒባ ድማ፡ “ኦ ወልድየ ወብርሃነ ኣዕይንትየ መኑ መሃረከ ዘከመዝ ስብሓታተ” ማለት፡ ወደየ ብርሃን ዓይነይ ከምዚ ዓይነት ምስጋናስ መን መሃረካ ትብሎም ነበረት፡

ምስ ጎበዙ ድማ ንክምሃሩሎም ናብ ኣኮኦም ዝብጽሖም ኣባ ዳኒኤል/ ዘካርያስ/ ዘገዳመ ገረዓልታ ወሰድዎም፡ብዙሕ ትምሕርቲ ውን ቀሰሙ።መንፈሳዊ ዕዮ እናዓየዩ ድማ ግና ትሕቲ ዕድመ ከለዉ ዜናኦምን ተጋድሎኦምን ኣብ ኩሎም መነኮሳት በጽሐ። መዛረቢ ውን ኮነ። እቶም መነኮሳት ከኣ ” መኑ መሃሮ ለዝ ሕጻን ዘመጠነዝ ጥበበ ወስብሓተ” እናበሉ ተደነቁ። ሰብ ድዩ መልእኽ ክሳብ ምባል ውን በጽሑ። በቲ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ልዑል ቅድስና ዝመሎኦ ገድሊ ድማ ይግቦኦ ተባሂሎም ምዓርገዲቁና ተቀበሉ።ብምቕጻል ከኣ ሲመተምንኩስና ካብ ኣባ ዳኒኤል ልብሰምንኩስና ለበሱ።ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ተሰይሙ፡ ትርጉሙ ሥነእግዚእ ማለትዩ። ካብቲ ሰዓት ከኣ፡ “ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብጹዓን ኢዮም” ዝብል ቃል ጎይታ ንምትግባር ሰናይ ገድሊ ክጋደሉ ጀመሩ፡ ካን ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣክሊል ቅዱሳን ዝኮነ መድሓኒናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅዱስ ሚካሌልን ቅዱስ ገብርኤልን ናቦኦም ብምምጻእ ንኣቦና ፍቅሩ ብምስዓም ገለጸሎም።  ቅዱስ እስትንፋሱ ከኣ ኡፍ በለሎም፡ ፍቁር ወደይ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ማሕጸን ኣዴካ ከለካ ሓርየካ ኢየ እሞ ንብዙሓት ኣህዛብ መምህር ኪትከውን ኢካ። ንዓካ ዝሰምዐ ነዓይ ከምዝሰምዐ፡ነኣካ ዘይሰምዐ ድማ ነዓይ ከም ዘይሰምዐ ኢዩ ኢልዎም ንሰናይ ዓረገ፡ ብድሕርዚ ኣንፎም ናብ ምድረኣጋኣዚ( ሃገርና) ኮነ፡ንብዝሓት ድማ ቅዱስ ወንጌል ሰበኩሎም፡ኣብ ሃገርና ከኣ ወንጌል ኣስፋሕፍሑ።

   ካብ ተኣምራቶም ምስ ንምልከት ድማ፡ ሓደ እዋን ምስ ኣርድእቶም በዚ ሎሚ ጎዳይፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ናይ ኣስመራ ይሓልፉ ነበሩ እሞ ኣብዚ ሎሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያኖም ተዶኪናትሉ ዘላ በሪኽ ቦታ ኣዕረፉ፡ እንሆ ምስ ተበገሱ ድማ እታ ኣውሊዕ መወጾም ኣብታ ቦታ ረስዕዋ እሞ፡ ንሓደ ረድኦም ኣምጻኣያ ተበቁላ ግን ገድፋ በልዎ፡ እታ መወጽኣውሊዕ ድማ ሱር ሒዛ ጸንሐት እሞ፡”ገደፍናሃ” (ገዲፍናያ)ኢሎም ሓደግዋ። እንሆ ድማ ሎሚ ልዕሊ 700 ኣቁጺራ ህያው ኮይና ንተኣምራት ትቅጽል ኣላ፡ ብተወሳኪ ውን ርጋጽ ኣሳእን ናይ ኣቦና ኣብቲ ቦታ ኣብ ሓንቲ እምኒ ብንጹር ደሚቁ ይርከብ።

  ኣብ ምድረ ኣጋኣዚ ብዙሕ መንክራት ብምፍጻም ድማ ናብ ገዳም ኣስቔጥስ፡ ብምቅጻል ኢየሩሳሌም፡ ካቡኡ ድማ ናብ ኣርማንያ ኣቕኑዑ።ባሕሪ ኣርማንያ እንክሰግሩ ንሓደ ብዓል መርከብ ኪማልእዎም ሓተትዎ።ገንዘብ የብሎምን ብምባል ድማ ገዲፍዎም ከደ፡ ኣቦና ድማ ነጸሎኦም ናብ ሰለስተ ብምዕጻፍ ባረክዋ፡ንደቆም ድማ ቂምን በቀልብ ውሽጦም ክሃድጉ መከርዎም፡ብ ክልተ መላእክቲ ተዓጂቦም ድማ ብ ዓጽፎም ጉዕዞኦም ፈለሙ፡ ኣብ ሞንጎ ግን ሓደ የማነብርሃን ዝስሙ ተማሃራዮም ቂምታኡ ኣይሓደገአን ነበረ እሞ ብ ሕላፍ መርፍእ ንታሕቲ ሰጠመ፡ ነቲ ዝገደፎም በዓል መርከብ ከኣ ኣርኪቦም ሓለፍዎ። እተን ኣብ ቅድሚኦም ዝነበራ ክልተ ደሴታት ከኣ ጸጋኦም ዓዚዝወን ልሳን ኣውጺአን ኣነ እየ ዝቅበሎ ኣነ እየ ዝቅበሎ ኢለን ተቀዳደማ። ኣርማንያ ድማ ኣተዉ።ሻቡ ከኣ ብዙሓት ሰባት ብዘይ ጃልባ ሚምጾኦም ገሪምዎም ምትሃት ኢዩ በሉ። ኣብ መንጎኦም ድማ ሓደ ምዉት ሕጻን ነበረ። ኣቦና ናቡኡ ብምቅራብ ድማ ከምዚ ኢሎም ጸለዩ። ኦ ኣምላከይ ከምቲ ን ኤልያስ ኣብ ሰራጵታ ምውት ዘተንሳእካሉ ነኣይ ውን ነዚ ሕጻን ካብ ድቃስ ሞት ከተተስኣለይ ይምሕጸነካ ኣለኩ። በሉ፡ንቅዱሳኑ ዘየዝሕፍር እግዚኣብሔር ድማ ሰምዖም፡እቲ ሕጻን ድማ ተንሰአ፡ ዜናኦም ኣብ ምሉእ ኣርመንያ ተውርየ፡ ክሳብ ዕለተዕረፍቶም ድማ ኣቡኡ ምሃሩ፡”ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመእግዚኣብሔር” ከም ዝተባህለ ከኣ ክቡር ሞት ሞቱ።እግዚኣብሔር ድማ፡ ስምካ ዝጸውዐ፡ ተዝካርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ጥሙይ ዘጽገበ፡ ጽሙእ ዘስተየ፡ ዝመጽወተ፡ በተክርስትያንካ ዘሕነጸ፡ ገድልካ ዝጽሓፈ፡ ዘንበበ፡ መንግስተይ ከውርሶ አየ ብምባል ዘይሕሶ ቃልኪዳን ኣተወሎም፡ ገድሊ ኣቦና ዘርዚርካ ኣይውዳእን፡የግዳስ ንሕና ድኩማት ክንበጽሖ ዓቅሚ የብልናን፡ ናኣፍልጦ ግን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣቦ ገዳማት ኤርትራ ምኳኖም ክፍለጥ ይግባእ፡ ኣቡነ መርቀሬዎስ፡ኣቡነ ኣብሳዲ፡ኣቡነ በኪሞስ፡ኣቡነ ዮናስ ወዘተ ብጸጋ መንፈሳውነት ደቆም እዮም።

     ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና በብዝፈጸምዎ ገድልን ተኣምራን ዝተፈላለየ መዘከርታ ኣለዎም። እዚ ንርእሱ ሰፊሕ ዳህሳስን መጽናዕትን ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ንገሊኡ ምጥቓስ ግና ነቶም ዘይንፈልጥ መምሃሪ ይኸውን።

እታ ኵሉ ሰብ ዝፈልጣ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት ኣብ ጐዳይፍ እትርከብ (ስም እቲ ዓዲ’ውን ካብቲ ተኣምር ዝነቐለ ምዃኑ ይእመን) ብስሞም ዝተሰየመት ቤተ ክርስቲያን ኣላ። ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ መንፈስ ወዶም አቡነ እንድርያስ (ሰፍአ) ኮይኖም’ውን ንኣገልግሎት ናብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ይመጹ ከምዝነበሩ ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ብሰፊሕ ዝገልጾ እዩ።

ኣብ ዞባ ማእከል እትርከብ ሰላዕ ዳዕሮ ዝተባህለት ዓዲ’ውን ዝምህሩላን ዘዕርፉላን ምንባሩ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓዲ ተሃኒጹሎም ይርከብ። ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ከባቢ ድባርዋ (ገዛ ላምዛ) ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብጸሎቶም ማይ ኣፈልፊሎም ስለዝነበሩ ክሳብ ሕጂ ፈውሲ ኮይኑ ንብዙኃት ሕማማት ክፍውስ ይነብር ኣሎ። ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ቆሓይን መቃብር ጻብላ ኣብ ዝተባለ ዓዲ’ውን ዝምህሩሉን ዝመላለሱሉን ስለዝነበሩ ብስሞም ዝተሠርሐ ቤተ ክርስቲያን ይርከብ። ካልኦት’ውን ከምኡ።

                                                 በረኸትን ረዲኤትን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

Leave a comment

Send a Comment