ዓበይቲ ክብረ በዓላት 19/፲፱ ጥቅምቲ ክብረ ብዓል ጻድቃን መጠራ Church EditorOctober 28, 2021 at 1:15 pm1569 Views054321 3 (1 vote) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። 19/፲፱ ጥቅምቲ “ጻድቃን መጠራ” ኤርትራ ሃገርና፡ ሓንቲ ካብተን ብጥንታውያን ገዳማትን ብባህርያዊ ተፈጥሮን ዚፍለጣ ሃገራት እያ። ንሎሚ እምበኣር ከም ፍቃድ እግዚአብሔር፡ ሓደ ካብ ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ዝኾነ፥- ”ደብረ ጻድቃን መጠራ” ክንላለ ኢና። መጠራ ካብ ዞባ ደቡብ ን/ዞባ ሰንዓፈ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡብ 136 ኪ.ሜ፡ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ድማ 1ኪ.ሜ ርሒቁ ይርከብ። ካብ መንጐ እቶም ቀዳሞት ብተኻታታሊ ስርዓተ ብሕትውናን ግብረ ምንኵስናን ኣብ ሃገረና ኤርትራ ዘተኣታተዉ እኩባት ሰባት ደቂ ሶርያን ቍስጥንጥንያን ኣብ መጠራን ከባቢኣን ዝነብሩ ዝነበሩ ናይ ሓባራዊ ቅጽል ስሞም፡ ”ጻድቃን መጠራ”ተባሂሎም ዝጽውዑ ቅዱሳን ኣቦታት ይርከቡ።”ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግስተ ሰማያት ንእኣቶም እያ’ሞ ብፁዓን እዮም”፡ ብዝብል ቃል ወንጌል ተመሪሖም እግረ እግረ ‘ተስዓቱ ቅዱሳን’ ናብ ሃገርና ዝመጽኡ (ኣብ መንጎ 476-486) ኣቢሉ ብዙኃት ጻድቃን፡ ብፍላይ ኸኣ ኣብ እምባታትን ኣብ ዝባውንትን ዞባ ደቡብ ብሕትውናኦም እና ኣካየዱ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ሕብረተሰብ ኣብ ምምሃርን ምምዓድን ይዋፈሩ ነበሩ። ታሪኽ ሕይወቶም ዚገልጽ፣ ”ገድለ ጻድቃን” ዝተባህለ መጽሓፈ ብራና ካብ ዘዘንትዎ፡ ንምሳሌ፦ እቶም ቅዱሳን ወፂኦም ናብ በረኻ ቡር ምስ ከዱ፡ካብኣቶም ናብ መጠራ ዝተባህለ እምባታት ኣቢሎም ዝኸዱ፡ናብ ጣሻ ባረክንሃ ገጾም ፡ናብ ጎቦታት እምባ ሶይራን እምባ ዳብራን ዝኸዱ ውን ኣለዉ። ጻድቃን መጠራ፡ መጀመርታ ብዘመን አልኣሜዳ ዝተባህለ ንጉሥ፡ ካብ በትኦም ተበጊሶም ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሑ፡ ካብ ባቕላ ማለት፡ ካብ ባርካ ጀሚሮም ክሳዕ ላስታ፡ ተፋላልዮም ንኽነብሩ ተሳማምዑ። ነበርቲ ናይታ ሃገር ኮይኖም ዝጸንሑ ሕዝቢ ክዋግእዎምን ክማርኽዎምን ዝመጹ መሲልዎም፡ ብዙኅ ፍርህን ራዕድን ወረዶም። ናይዞም ቅዱሳን ጻድቃን ዕላማን መደብን ግና፡ ጸሎትን ብሕትውናን ደኣ እምበር፡ ናይዚ ዓለም’ዚ ጥቅምን ረብሓን ስለዘይነበሮም፡ ኣብ ዘዝቕመጥዎ ቦታ ምስ ተሰማምዑ፡ መጀመርታ ኣብ ገዳም እምባ መጠራ 5,700 ዝኾኑ ጻድቃን ተቐመጡ። ካልኦት ድማ ኣብ ባረክንሃ ነበሩ። ባረክንሃ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ኣስታት 24 ኪ.ሜ ንደቡብ ርሒቃ እትርከብ ዓዲ እያ። እቶም ዝተረፉ’ውን ኣብ እምባ ሶይራ፡ ደብረ ሕርሳ፡ ኣብ ገዳም ሰፍኦ፡ ገዳም ማዕዶኣ፡ ገዳም ሰራሕቶ፡ መካነ ጊዮርጊስ፡ኣብ ገልዖ ማይ ጻዕዳ፡ ኣብ ደብረ ዳሞ፡ ኣብ መዘክር፡ ኣብ ቀንቶ፡ ኣብ ጠብቃሌ፡ ኣብ ተንቤን፡ መንቆራውያን፡ ኣብ ዓጋመ ቤት መኻእ፡ ኣብ እምባ ሰገነይቲ . . . ወዘተ’። ኣብ 15 ገዳማት ይቕመጡ ነበሩ። መግቦም ድማ ሳዕርን ቆጽልን ፍረ ኦምን ደኣ እምበር እኽሊ ዝብሃል ኣይጥዕሙን ነበሩ። እዚ ምስቲ ምእንቲ ጽድቒ ብእምነት ብዛዕባ ዚጋደሉ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸ ጽሑፍ፡ ”ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ጸበቦም፡ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ዓለም ንእኣቶም ዘይትበቅዕ ስለዝኾነት፡ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ ጎዳጕዲ ምድርን ኮለል በሉ”(ዕብ 11፡37)፡ዝብል መልእክቲ ቅዱስ ጳውሎስ ግብራዊ ኮይኑ ይርከብ። ሃገር ትውልዲ እዞም ለባስያነ መስቀል ጻድቃን ካብ በበይነን ሃገራት እስያን ሰሜን ኣፍሪቃን ብፍላይ መብዛሕቲኦም ካብ ሶርያን ግብጽን ምዃኑን ብስም ሃገረ ሶርያ ብኣኣቶም ”እምባ ሶርያ” ከም ዝተባህለ ይእመን።ብዛዕባ ኣመጋግበኦም ካብ ሳዕርን ቆጽልን ፍረ ኦምን ደኣ እምበር፡ እኽሊ ዝብሃል ከምዘይጥዕሙ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቐስናዮ ኣቐዲምና፡ነዚ ታሪኽ እዚ ዘረጋግጽ፡ኣብ ደብረ ጻድቓን መጠራ፡ሓንቲ”ዳዕሮ ጻድቃን” ተባሂላ እንትጽዋዕ ዓባይ ዳዕሮ ኣላ።እዛ ዳዕሮ እዚኣ መግቦም ክትከውን ብአምላኽ ዝተፈቕደት ምዃና ብታሪኽ ይንገር። ከምኡ ከምዝኾነት ዚሕብር ምልክት ከኣ ኣብ ወርኂ ወርኂ ዚፈርያ 12 ጨናፍር ኣለዋኣ። ንሓደ ዓመት ምሉእ ድማ ሓንቲ ጨንፈር ንሓደ ወርኂ እናኣፍረየት ዓመት ምሉእ ፍረ ከየቋረጸት ትነብር።ምናልባሽ ሰባት ‘ተአምር እግዚአብሔር ስለዝኮነ’ ንምእማኑ የሸግሮም ይኸውን። ምኽንያቱ ሓንቲ ኦም ዳዕሮ፡ካብ ሓደ ሱር እትምገብ፣ ኣብ በበይኑ እዋን ከተፍሪ፡እሞ ድማ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ጊዜኣ ሓልያ ኣብ ዓመት ሓንቲ ወርኂ ጥራይ ክትፈሪ፡ ግሩም ሥራሕ እግዚአብሔር ምእማን እንተዘይኮይኑ ክበሃል ዝኽእል የለን። እዛ ተኣምራዊት ዳዕሮ ክሳዕ ሕጂ ስለዘላ ክርእያ ዝደለየ ርእዩ ከኣምን ይኽእል እዩ።እዛ ናይ 12 ኣዋርኅ እተፍሪ “ዳዕሮ ጻድቃን መጠራ” ድማ፡ ማዕረ እዚ ዘለናዮ ወይ በጺሕናዮ ዘሎና ክፍለ ዘመን፡ እቶም ጻድቃን ኣብ መጠራ ዝተቐመጥሉ ዘመን ከተነጻጽሮ ከሎኻ ክሳዕ 2007 ዓ/ም/ ግእዝ 1557 ዓመት ኣለዋ ማለት እዩ።እዞም ኣብ እምባ መጠራን ከባቢኣን ዚተዋፈሩ ጻድቃን፡ኣብ ዚተቐራረቡሉ ዓበይቲ ሕንፃታት ዚቕመጡ ነገስታት በለው ከለው፡ካብ እምነት ክርስትና ወፃኢ ዚኾኑ ተግባርን ሕሉፍ ጓይላን ሳዕሲዒትን ለይትን መዓልትን ብዘይ ምቁራጽ እናኣዘዉተሩ ኣንጻር ጸሎቶምን ምህልላኦምን ይፍጽሙ ስለዚነበሩ፡ጻድቃን መጠራ፡ንእኣቶም ኪምህሩን ኪምዕዱን ብዙሕ ታጋዲሎም ምስላጥ ምስ ኣበዮም፡ መወዳእትኡ መዓት ከም ዚመጽኦም ተነበዪሎም።ረዳኢ ጽጉማት ዝኾነ እግዚአብሔር አምላኽና ድማ፡ነዞም ቅዱሳን ጻድቃን ኣብ ጸሎቶም፡ዕንቅፋት ይኾንዎም ምህላዎም ፈሊጡ፡ንካሌብ ንጉስ ኣክሱም፡ “ኣነ ብውሽጢ መሬት መገዲ ክኸፍተልካ እየ’ሞ፡ነዞም ቅዱሳን ኪድ ርድኣዮም፡ነዞም ዓለውትን መምለኽቲ ጣዖታትን ፈተውቲ ዝሙትን ዚኾኑ ሕዝቢ በለው ከለው ኣጥፍኣዮ “ኢሉ ኣዘዞ።ሽዑ ንጉስ ካሌብ፡ካብ ኣክሱም ብውሽጢ ውሽጢ እናተጓዕዘ ብምኻድ፡ናብታ ዓለዉቲ እግዚአብሔር ዚነበሩላ ዓዲ ማለት ካብ መጠራ ሓደ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ኣውሊዕ ዚተባህለት፡ክሳዕ ሎሚ ውን ስማ ዘይቀየረት ዘላ ቦታ፡ምስ ኣጽዋሩን ሰራዊቱን ወጽአ።እታ ዚወጽኣላ ቦታ ድማ ምእንቲ ምልክት ክትከውን ርጋጽ ናይ ዓባይ እግሩ ኣላታ።ንጉስ ካሌብ ኣብ ማእከለ ዓዲ እቶም ዓለዉቲ ድንዃን ተኺሉ፡መንበር ድሕሪ ምቕማጥ፡ ነዞም ጸላእቲ ጸሎት፡ፈተውቲ ጓይላ ዚኾኑ ሕዝቢ በለው ከለው ንምልክት ዋላ ሓደ ከየትረፈ ኣጥፍኦም።ነቲ ዓዲ ውን ደምሰሶ፡ክሳዕ ሎሚ ድማ ዑና ኮይኑ ከም ታሪኻዊ ቦታ ተፈሊጡ ብግዱሳት ሰባት ይብጻሕ ኣሎ።ብድሕሪ’ዚ እዞም ጻድቃን መጠራ ካብ ገዳሞም”እምባ መጠራ”ተላዒሎም ናብታ ንጉስ ካሌብ ዚነበራ ቦታ ኸይዶም፡”እግዚአብሔር ሰላም ይሃብካ” ኢሎም መሪቖም ባረኽዎ።ንጉስ ካሌብ ድማ፡”ኣብዚ ገዳም እዚ ካብ እትቕመጡ ክንደይ ትገብሩ፧”ኢሉ ሓተቶም እሞ፡ “30”ዓመት ይኸውን” በለዎ።እዚ ዘመን እዚ ድማ ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ከባቢ 506 ዓመት ከም ዝነበረ ይእመን። እቶም ኣብ ባረክናሃ ዚነበሩ ጻድቃን መግቦም ኣብ ሩባ ማና ዚተባህለ ሸኻ ዚርከብ ሳዕሪ ነበረ። ድሕሪ ጊዜ እቶም ደቂ ሃገር “ነዚ ሳዕርና መን ይበልዖ ኣሎ፧ እንስሳ ገዳም’ዶ፧ እንስሳ ቤት ይኾና፧” ኢሎም ንኸረጋግጹ በብተራ ኪሕልዉ ተሰማምዑ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ካብቶም ነበርቲ እታ ዓዲ ሣዕሪ እናሓለወ ከሎ፡ እቶም፡ጻድቃን መጺኦም ሳዕሪ ኪበልዑ ምስ ጀምሩ፡ብኹናት ጌሩ ንሓደ ካብቶም ጻድቃን ኣብ ጎድኑ ወጊኡ ኣውደቖ’ሞ፡ ከም መላእክትን ከም ረጋቢትን ኣኽናፍ ኣውጺኦም ነናብ ቦትኦም ድሕሪ ምምላስ፡ፈላማ ካብ ሃገሮም ኪወጹ ከለው ከምቲ ሓበራዊ ኣወጻጽእኦም ዕረፍቶም ድማ፡ብሓባር ኪኾነሎም ናብ እግዚአብሔር ዘቕርብዎ ጸሎት ስለዝነበሮም፡ጸሎቶም ሰሚርሎም ” ደቂስና ኢና እሞ ደቅሱ ንደቅስ” ተበሃሂሎም ኣብ ባረክናሃ መጠራ እምባ ሶይራን ከባቢኡን ዚነብሩ ኹሎም፡ ኣብ ገገዳሞምን ስፍርኦሙን ሰማዕትነት ተቐቢሎም ኣብ ሓንቲ ጊዜ ብዓሰርተ ትሽዓተ ¶ ብ19 ¶ ጥቅምቲ ኣብ ዘዝነበርዎ ሰላም ዓረፉ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ምድረ ኣግዓዚት፡ጻድቃን መጠራን ባረክናሃን ቀዳሞት ሰማዕታት ኮይኖም ይርከቡ።እዛ ዕለት እዚኣ ዝኽሪ በዓል ፃድቃን መጠራ፡ብኽፉኣት ሰባት ብግፍዒ ዚተቐት ሉላ እያ።ክሳዕ ሎሚ ድማ ቆርበት ስግኦም ኣይተፈልየን መግነዞም ውን ኣይበለየን”።ነዚ ንምርግጋጽ መጽሓፍ ስንክሳር 19 ጥቅምቲ ብግእዝ ንወከስ።ጻድቃን መጠራን ብጾቶሙን ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ካብ ዝፍለዩ፡ክሳዕ እዚ ሒዝናዮ ዘለናዮ ዘለና ዘመን 2007 ዓ/ም ግእዝ 1558 ዓመት ምሕረት ኮይኑ ኣሎ።ናይዞ ጻድቃን ኣቀባብርኦምን መግነዞምን ብኢድ ቅዱሳን መላእክቲ ኮይኑ፡ኣብ ዚተፈላለየ ቦታ፡በብ ሓሙሽተ(5) ኣብ ገሊኡ በብዓሰርተ ክልተ(12) ዚተፈላለየ ቁጽሪ ይርከቦም።እዚ መግነዝ እዚ ናይ ኣሽሓት ዓመታት እዃ እንተኾነ ክሳዕ ሎሚ ከም ናይ ሓሙሽተ – ዓሰረት ኮይኑ መሲሉ ይርአ ምህላዉ፡ደላይ ታሪኽን በረኸት ጻድቃን ንኺሳተፍ ዚድሊ ከይዱ ኪርኢ ይኽእል እዩ። ብርግጽ ኸኣ ኣብ ኩሉ ዚዓረፉሉ ቦታታት ብሓፈሻ ኣብ ከም በዓል መጠራ፡ ባረክናሃን ጉናጉና እንዳ ኣቡነ ዮናስን ብፍላይ እናተራእየ ኣብ መንቃዕ መንቀራቕሮ ኣኻውሕን ኣብ መሽጎራጉር በዓትታትን ክሳዕ ሎሚ ዚርአ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣስኬረን ስርዓት ኣካል ኣሎ። መብዛሕትኡ ብምግዕዓዝን ብተንቀሳቐስቲ ፍጥረታትን ዓፅሚ ጥራይ ቅድሚ ምትራፉ፡ኣብዚ ዚሓለፈ ዘመንን ቅድሚኡን ምስ ቆርበት ስጋኦም ዚረኣይዎም ወፃእተኛታት ተመራመርቲ ብምግራም ይገልጹ። ብብዝሒ ኣብ ሓደ መስርዕ ተሠሪዖም ኣብ ዚሓለፍካዮ በዓትታት ተነቢሮም ምርካቦም ኸኣ ኣብ ሓደ ጊዜ ከም ዚዓረፉ የመልክት። ኣብ እምባ መጠራ ጥራይ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፈን 80 ኣስኬሬናት ዚሓዘ 25 በዓትታት መቓብር ክሳዕ ሎሚ ኣለዋ። ስለ እቲ ኹሉ ቅውም ነገርን ጻዕርን ገድልን እዞም ቀዳማውያን ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን ኣግኣዚት፡ ኣብ ሻዱሻይ ዘመን ኣድባራት መጠራን ባረክናሃ “እንዳ ጻድቃን” ተባሂሉ ብስሞም ከም ዚጽዋዕ ተገብረ። እምበኣር ንጉስ ካሌብ ንሕዝቢ በለው ከለው ከጥፍእ ኢሉ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ኪሰርሓሎም ብዘቕረቦ ሕቶ ዚተዋህቦም መልሲ “ኣነ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምስራሕ ስልጣን ስለዘይብለይ ንገብረመስቀል ወደይ” ክልእከልኩም እየ’ሞ፡ንሱ ክሰርሓልኩም እዩ ዚብል ተስፋ ሂብዎም ከደ። ከምቲ ዚበሎ ድማ፡ንወዱ ሃጸይ ገብረመስቀል ለኣኸ። ኣብ ጥቓ በዓቲ ማህዮ እትርከብ ዘላ ቐዳድ እምባ (ዓይኒ ሰንዓፈ ተባሂላ እትጽዋዕ) ተመልኪቱ ረኸቦ’ሞ፡ ቤተ ክርስቲያን ሰርሓሎም። እቲ ዝተሓንጸ ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ 1943 ዓ.ም ፈረንጂ ኪቕደስ ድሕሪ ምጽናሕ ብምንዋሕ ጊዜ ኣሪጉስ ብሓልዮት ዓዲ መጠራ ተሓዲሱ፡ ብዘመናዊ ኣገባብ ተሃኒጹ ብኣቦታት ብካህናትን ዲያቆናትን ዓዲ መጠራ ይቕደስን ይውደስን ኣሎ። እታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ፍርቂ ጎድኒ ናይ እምባ መጠራ ትርከብ። ብዘይካ እዚ ኣብ ውሽጢ በዓቲ እምባ መጠራ፡ ብግሉጽ ትርአ ዘላ ህንጻውን ብዘደንቕ ምስጢር ብጥበብ እግዚአብሔር ዚተሓንጸት ኮይና፡ እቶም ባሕታውያን ብፍሉይ ሱባኤ ዚኣትዉላ ዚነበሩ ቤት ጸሎት እያ። ኣብ ውሽጣ ኸኣ ስእሊ ቅዱሳን መላእኽትን ዘብለጭልጭ መስቀልን ኣሎ። ከተማ መጠራ ቅድሚ እቲ ዘጋጠማ፡ ዕንወት ይኹን ድሕሪኡ ከም ብሓዱሽ ኣብ ዝተጣየሰትሉ ዘመን፡ ኣሰረ ክርስቲያትና ከም ዘይተፈልያ ዘረጋግጽ ብኹዕታ ካብ ዚተረኽበ፡ ኣሰረ ጥንቲ “ኣብ ዓታሩ ዚጸንሑን ዚተሳእሉን መሳቕል መጀመርታን መወዳእታን ፊደል ግሪኽ፡ ኣልፋ ወኦሜጋ (ራእይ 1፡8) ነናይ ዘመኑ ዘረድእ ሓድጊ ክርስትና ይምስክር። ኣብ ጥንታዊት ከተማ መጠራ፡ ኣብ ዚተገብረ ኩዕታ (1959 -1970) ከም ዚተኸቦ፡ ዓቢይ ሕንጻ ሃይማኖት ክርስትና ተረኽበ። ኣገባብ ኣተሓናንጽኡ ድማ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣዱሊስ ከም ዝኾነ ይንገር። ከም ኣገላልጻ ገድሊ ጻድቃን መጽሓፍ ብራና ኣብ መጠራን ከባቢኣን ብሓንሳእ ዓሰርተ ዚኾና ኣብያተ ክርስቲያናት ተሓኒፀን ነበራ። መጠራ ምስቲ ናይ ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚነበረ ኣሰረ ጥንቲ ናይ ካልኣይ ሳልሳይ ዘመነ ክርስሮስ ባጤራታት (ኣቕራሽ) መጀመርታን መወዳእታን ፊደል ግሪኽ ኣልፋ ወኦሜጋ ናይ 6ይ,7ይ, 8ይ ዘመን ትእምርተ ክርስትና ዘለዎም ዓታሩ፡ ኣዋርቕ፡ መሳቕል እቲ ዚነውሐ ዕድመ ዘለዎ ጽሑፍ ኣብ ንእሽቶ ማዕድናዊ ኣቕሓ ብቕርጺ ተጻሒፉ ኣብ መጠራ ዚጸንሐ፡ ናይ ሳልሳይ ዘመን ዚግመትን ካልእን ብዓቢኡ ኸኣ፡ ቐዋሚ ምስክር ኮይኑ ዝነብር ዘሎ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚኡ ዚነበረ ጽሑፍ ግእዝ ዚተመሓየሸን ካብ መልክዕ “ፊደል ሳባ” ተፈልዩ፡ መልክዕ ፊደል ግእዝ ዚኃዘን ካብ ጸጋም ናብ የማን ዚተጻሕፈ ቀዳማይ ኮይኑ ዚተረኽበ፡ ናይ ቅድሚ 2000 ዓ/ም ምዃኑ ዚተኣመነሉ ሓወልቲ መጠራ ወይ ሓወልቲ በለው ከለው ዚጽዋዕ፡ ኣብ ከርስን ኣብ ዝባንን ምድሪ መጠራ ዚጸምሐ ኹሉ፡ ካብ ዘመን ብሉይ ናብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ዚተሰጋገረን ንጹር መርኣያ ጥንታውነትን ዕቤትን ክርስትና ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።ስለዚ እምበኣር ፡በዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ደብረ ጻድቃን መጠራ፡ ብምኽንያት ዕረፍቶም ዘውትር ብ19 ጥቅምቲ እናተዘከረ ዝውዕል ምዃኑ ፡ኩሉ መእመን ፈሊጡ ክዝክሮምን ጸበሎም ገይሩ በረኸት ክቕበልን ይግብእ። እዚ ክንገበር ኣምላኽ ይሓግዝ። መልክዐ ጻድቃን ዘመጠራ ዘውእቶሙ ማኅበረ ኖምን (ኖምና) ሰላም ለዝክረ ስምክሙ ኃበ ዓምደ ወርቅ ዘተጽሕፈ ማኅበረ ኖምና ጻድቃን ዘትትኄለቁ ኣእላፈ እምኔክሙ አሐዱ ሶበ በአሕጻ ተነድፈ አምሳለ አንስርት አሥሪፆ አክናፈ ኖምኩ ኑሙ ዘይቤ ተሰምዓ ኣጽነፈ። ትርጉሙ ከኣ፥ ሰላም ንዝኽሪ ስምኩም አብ ዓምዲ ወርቅ ዝተፃሕፈ መሕበር ኖምና ጻድቃን ቁፅርኹም አእላፈ ካባኻትኩም ሓደ ብኲናት ምስ (ተወግአ )ተነድፈ ከም ንስሪ አኽናፍ አውፅአ ደቂሰ አሞ ደቅሱ ዝብል አብ ኩሉ ተሰምዐ። ጸሎቶምን በረኸቶምን ምሕረት አምላኸምን ንዘለዓለም፡ ምስ ኩላትና ሕዝቢ ክርስቲያን ፀኒዑ ይንበረ አሜን!!! ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!! Leave a comment