በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን!
20/፳ ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለዮሓንስ ሓጺር
ቅዱስ ኣባ ዮሓንስ ሓጺር፡ ኣብ ከባቢ ላዕለይ ግብጺ ዝተወልደ ኪኸውን ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮነ ለውሃት አምላኽ ኣለዓዒልዎ ኣስኬማ ዘመላእክት ልብሲ ምንኩስና ኺለብስ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ከደ።ኣብኡ ምስ በጸሐ ድማ “ኣባ ባይሞይ” ዝተባህሉ ሓደ ኣረጋዊ ኣቦ ረኸበ’ሞ፡ቅዱስ ዮሓንስ ኸኣ ሰገደሉ ንኽቕበሎ ውን ለመኖ።”ኣባ ባይሞይ” “እዚ ወደይ! ኣብ’ዚ ገዳም’ዚ ዚቅመጡ ብኢዶም ይሰርሑ፡ መዓልትን ለይትን ይጾሙ፡ ይጽልዩ፡ ክድቅሱ ከለው ብዘይምንጻፍ ኣብ ሓመድ እዮም ዚድቕሱ። ንስኻ ግና፡ንእሽቶ መንእሰይ ስለዝኾንካ፡እዚ ኹሉ ሽግር’ዚ ኣይትኽእሎን ኢኻ።ናይ’ዚ ገዳም’ዚ ናብራ ኣዝዩ ጭንቂ እዩ’ሞ ናብ ዓለም ተመሊስካ ከምቲ ኹሉ ሰብ ጽብቕ ናብራ ኣሕልፍ”በልዎ።
ኣቡነ ዮሓንስ ሓጺር ከም ዚመንኮሰ
ቅዱስ ኣባ ዮሓንስ “ኣነ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ንኽነብር መጺኤ ኣለኹ።ስለ እግዚአብሔር ኢልካ ተቐበለኒ ደኣ እምበር ተመለስ ኣይትበለኒ በሎም።”ኣባ ባይሞይ” ንእግዚአብሔር ብጸሎት ከይሓተቱ ዝኾነ ስራሕ ኣይሰርሑን ነበሩ’እሞ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ዝገብሮ ምእንቲ ኪገሊጸሉ ስለ ኣባ ዮሓንስ ሓጺር ንአምላኽ ለመንዎ።መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ ኸኣ”ንሱ ምሩጽ ንብረት ኪኸውን እዩ ተቐበሎ ኢሉካ “በሎም።ብድሕሪኡ ንዮሓንስ ሓጺር ወሲዱ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣእተዎ።ናይ ምንኩስና ኣልባሳት ኣምጺኡ፡ኣብ ልዕሊ እቲ ልብሲ 3 መዓልቲ ጸለየ፡ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ብትእምርተ መስቀል ኣብ ልዕሊ እቲ ኣልባሳት ኣማዕተበ።ድሕሪኡ ንቅዱስ ዮሓንስ ሓጺር ልብሰ ምንኩስና ኣልበሶ።ካብ’ዛ መዓልቲ እዚኣ ኣትሂዙ እምበኣር ተጋድሉኡን ኣገልግሎቱን ጀመረ።
“ኣባ ባይሞይ ንኣቡነ ዮሓንስ ከምዚፈተንዎ”
“ኣባ ባይሞይ” ንኺፍትኖ ሓሰበ እሞ፡ወቒዑ “ምሳኻ ምቕማጥ ኣየድልየንን እዩ”ኢሉ ካብ በዓቱ ኣውጺኡ ኣባረሮ።ቅዱስ ዮሓንስ ሓጺር ድማ ኣብቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ጎልጎል ንሾብዓተ መዓልትን ለይትን ጠጠው በለ። ከምኡ’ውን ንግሆ ንግሆ እናወጸ “ከምዚ ምንባር ኣየድልየንን እዩ” እናበለ ይወቕዕዎ ነበሩ።ንሱ ግና “ኣቦይ ይቕረ በለለይ” ኢሉ ኣብ ትሕቲ እግሮም ይሰግድ፡ኣብ ሻብዓይ(7) መዓልቲ’ውን ናብ ቤተክርስቲያን ኪኸይድ ኣባ ባይሞይ ወጹ።ንኣባ ዮሓንስ ብ7 ቅዱሳን መላእኽቲ ተኸቢቡ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ኺደፍእሉ ረኣየ፡ድሕሪኡ ግና እቲ ዚፍትንዎ ዝነበሩ ነገር ሓደግዎ፡ናብቲ መንበሪኡ ኸኣ ኺኣቱ ፈቐደሉ።
ኣባ ዮሓንስ ሓጺር ንቑጽ ገረብ ከምዘለምለመ
“ኣባ ባይሞይ” ሓንቲ ንቕጽቲ ዕንጸይቲ ወሲዶም ንኣባ ዮሓንስ ሃብዎ’እሞ “እዛ ዕንጸይቲ እዚኣ ትኸላ” ኽሳዕ ቆጽሊ ኣውጺኣ ፍረ እትህብ ማይ ኣስትያ”በልዎ። ኣባ ዮሓንስ ትእዛዝ ኣብኡ ዝሰምዕ ስለዝኾነ፡ነታ ዕንጸይቲ ተቐቢሉ ወሲዱ ተኺሉ፡ኣብ መዓልቲ ክልተ ጊዜ ማይ የስትያ ነበረ።ርሕቀት ናይቲ ማይ (12) ምዕራፍ ማለት፡ ሓደ ምዕራፍ 400 ሜትሮ ማለት እዩ። 12 ምዕራፍ ከኣ 48000 ሜትሮ እዩ።ድሕሪ 3 ዓመት እታ ንቕጽቲ ዕንጸይቲ ቆጽሊ ኣውጺኣ ዓባይ ገረብ ኮነት።ዓንቢባ ድማ ጥዑም ፍረ ኣፍረየት።”ኣባ ባይሞይ” ካብቲ ፍረ ነቶም ቅዱሳን ኣረጋውያን ወሰድሎም፡”ናይ’ዚ ተኣዛዝን ትሑትን ፍረ እነሆ ብልዑ”በልዎም።ንሳቶም ዕጹብ ድንቂ ዝኾነ ተኣምር ብዓይኖም ርእዮም ኣደነቑ።ንመማህራኖም ብትሕትና ንዝእዘዙ ከምዚ ዘኣምሰለ ጸጋ ንዝህብ እግዚአብሔር ኣመስገኑ። ኣባ ባይሞይ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ስፍራ ክኸዱ ምስ ደለዪ፡ ቅዱሳን ኣረጋውያን መነኮሳት ኣኪቦም፡ ናይ ኣባ ዮሓንስ ኢድ ሂዞም “እዚ ሰብ ዘይኮነ መልኣኽ እዩ’ሞ፡ ተቐቢልኩም ሓልውዎ”ኢሉ ሃቦም። ዮሓንስ ወደይ”ድሕሪ ዕረፍተይ ኣብታ ዕንጸይቲ ዝተኸልካላ ኼድካ ኣብኣ ተቐመጥ። እግዚአብሔር ዘዳለወልካ ቦታ እያ። ብዙሓን ኸኣ ብኢድካ ኺድሕኑ እዮም። መዘከርታኻ ኣብኡ ጸኒዑ ኺነብር እዩ። ቅድስናኻ ውን ኣብ ምሉእ ዓለም ኪፍለጥ እዩ”በሎም። እዚ ኢሎም ምስ ተላበዉዎም ኸኣ ብሰላም ዓረፉ’ሞ ብኽብሪ ኸኣ ቐበርዎም።
ድኅሪ’ዚ ቅዱስ ኣባ ዮሓንስ ሓፂር፡ኣረጋዊ ኣበኦም ኣባ ባይሞይ ከም ዝበልዎም፡ናብቲ ቦታ ከይዱ ተቐመጠ።ዝናኡ’ውን ኣብ ዓለም ምሉእ ክሳዕ ዚስማዕ ዓቢ ተጋድሎ ተጋደለ።ኣብቲ ቦታ ኸኣ ኣበሜኔት ኮይኑ ተሸመ። ኣብቲ ግዜ ሽመቱ ሊቀ ጳጳሳት “ቴዎፍሎስ” ኣእዳው ኣብ ርእሱ ኸንብር ከሎ” ኣክዮስ፡ኣክዮስ ፡ኣክዮስ” ዚብል ቃል ካብ ሰማይ ተሰምዐ። ንሱ ኸኣ “ይግብኦ ፡ይግብኦ፡ይግብኦ” ማለት እዩ።ኣብ ጊዜ ቅዳሴ፡ቅዱስ ቁርባን ኪቔርቡ ንዘይግበኦምይፈላልዮም ነበረ።”ሎሚ ኼድኩም ንሰሓ እተው፡ ድኅሪኡ መጺእኩም ቅዱስ ቁርባን ሥጋኡ ወደሙ ትወስዱ” ይብሎም ነበረ።ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ፡ሓደ መነኮስ ንኺበጽዝሖ ናብ በዓቱ ኪመጽእ ከሎ ንኣባ ዮሓንስ ደቂሱ ኸሎ ረኸቦ። ናይ እግዚአብሔር መላእኽቲ ኣብ ልዕሊኡ ይጸቓቐጡ ኽንፎም’ውን ገብገብ የብሉ ነበሩ። ካብቶም መላእኽቲ ሓደ፡ነቲ ኻልእ መልኣኽ “ኅደገኒ ኣነ ኽንፈይ ኣብ ልዕሊኡ ኽዝርግሕ እየ” ይብሎ።ነዚ ርእዩ ፡ንእግዚአብሔር ኣመስገነ ።ቅዱስ ዮሓንስ ሓፂር ብኸምዚ ዓይነት ተጋድሎ ፈጸመ።
“ኣባ ዮሓንስ ሓፂርን ቅድስቲ ኣትናስያን”
ኣባ ዮሓንስ ሓፂር ብጸሎቱን ብንብዓቱን ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ ካብ ዝመለሶም ሓንቲ ቅድስት ኣትናስያ እያ።ቅድስቲ ኣትናስያ ንመእመናን ትረድእ ሕያወይቲ ሰበይቲ እያ ነይራ።ሰይጣናዊ ዝሙት ሲዒርዋ ነቲ ኹሉ ንገዳም ትገብሮ ዝነበረት ትሩፋት ገደፈቶ።በዚ ዝጎሃዩ መነኮሳት፡”ሰይጣን ኣብ ጓልና ኃዲሩ ኣሎ ‘እሞ፡ኣባ ዮሓንስ ሓፂር ይኺዳ”ኢሎም ተሰማምዑ። ኣባ ዮሓንስ ድማ ናይ ማኅበር ትእዛዝ ብምኽባር ናብ ኣትናስያ ኸደ። ናብ ውሽጢ ቤታ ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚኣ ኮፍ ኢሉ ገጽ ገጻ እናረኣየ መሪር ብኽያት ብኽያት ክበኪ ጀመረ። “ኣትናስያ” እንታይ ኼንካ ደኣ ትበኪ ኣሎኻ፧” በለቶ። ንሱ” ጽብቕቲ ስለዝኾንኪ የኅዚንኽኒ” ኢሉ መለሰላ። ነገሩ ስለዝገረማ “እዚ ደኣ እሞ የሐጉስ እምበር የብኪ ድዩ፡” በለቶ። ንሱ” ብጽብቕትኺ ከም ዘለኽዮ ክትነብሪ ኣይትኽእልን ኢኺ።”ምፍራስ ምብስባስ፡ ዝሠራሕካዮን ዝፈጸምኻዮን ናብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምኽሳስ፡ምውቃስ፡ፍርዲ ምቅባል ስለዘሎ፡የብኪ እምበር ኣየሐጉስን ” ምስ በላ፡ ብዘሎ ኹሉ ጌጋኣን ዝፍጸመቶ በደልን ተዘኪርዋ፡ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ኺመኽራ ሓተተቶ። ኣባ ዮሓንስ ካብ ኮፍ ዝበለሉ ተንሢኡ “በሊ ሰዓብኒ”ኢልዋ ናብ ከዳሙ ተበገሰ።ንሳ’ውን ከምታ ዝነበረታ ኮይና ደድኅሪኡ ስዒባቶ ወጸት። ክትኸይድ ከላ ብብዝሒ መገዲ ኣእጋራ ቆሰለ። ካብቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ክዳን ጨርቂ እናቐደደት ነእጋራ ኸም ሳእኒ ብምጥምጣም ትስዕቦ ነበረት። ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ኣባ ዮሓንስ ኣብ በዓቱ በጽሐ።ሓዊ ወሊዑ ጸሎት ከብጽሕ ጀመረ። ንሳ ግና ኾፍ ኣብ ዝበለትሉ ነፍሳ ኻብ ሥጋኣ ተፈለየት።ናይ ሰማይ መሳልል ተዘርጊሑ መላእኽቲ ንነፍሳ ናብ ሰማይ ከዕርግዋ ረኣየ። ኣባ ዮሓንስ፡ንሱ ጸሎት ኣብጺሑ ምልስ እንተበለ ቕድስት ኣትናስያ ሞይታ ስለዝጸነሓቶ ኣዝዩ ጎሃየ፡ “ማለት” ንንስሓ ከይበቕዐት፡ቤታ’ውን ከይዓፀወት ገዲፋቶ ዝመጸት፡” ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ከምትስእን ጌረያ” እናበለ ኪበኪ ጀመረ። ኣብዚ እዋን’ዚ”ኣጆኻ ኣይትኅዘን፡ ንሳ ፈጣሪኣ ንምርካብ ካብ ቤታ ንምውፃእን ንኣኻ ንምስዓብን ቆሪጻ፡ጌና ኣብ ኣፍ ደገ ቤታ እንክላ ጸዲቓ እያ” በሎ ።
“ኣባ ዮሓንስ ነፍሲ ቅድስቲ ኣትናስያ ናብ ሰማይ ኪትዓርግ ከላ ከምዚረኣየ”
ኣባ ዮሓንስ ናይ ሰማይ መሳልል ተዘርጊሑ መላእኽቲ’ውን ነፍሳ ናብ ሰማይ ከዕርጉ ረኣየ። ቅዱስ ኣባ ዮሓንስ በዚ ዓይነት ንብዙኃን ኃጢኣተኛታት ዝነበሩ ምስ እግዚአብሔር እናተዓረቐን እናኣጥመቐን ብቕድስና ክነብሩ ይምህር ነበረ።
ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ’ውን ደቂ መዛሙርቱ ቐሪቦም ናይ መወዳእታ ምኽሩ ኢኃድገሎም ለመንዎ።ብዙኅ መኸሮም፡ካብቲ ምኽርታቱ ሓንቲ ድማ “ናይ ባዕለይ ሥጋዊ ድልየት ክፍጸም ኣይክተልን፡ንባዕለይ ዘይሠርሖም ነገራት ንኻልኦት ምእንቲ ኪሠርሑ ፍጹም ኣይመክርን” ብምባል ኣባታዊ ማዕዳ ነገርዎም ።አምላኽ ከዕርፎ ምስ ደለየ ቅዱሳን ጻድቃን ኣባ እንጦንዮስ፡ ኣባ መቃርዮስ፡ኣባ ጳኩሚስ፡ ኣባ ባይሞይን የጸናንዕዎ እሞ ኻብዚ ኃላፊ ዓለም ምፍላዩ ኺነግርዎ ናብኡ ለኣኾም። ንሳቶም ኸኣ ከምዚ ኢሎም ኣረጋግእዎ። “ባህ ይበልካ እግዚአብሔር ዘይውዳእ ሓጎስ ኣዳልዩልካ ኣሎ። ክብሪ ንእኡ ይኹኖ።ጎይታና ከም ዝኣዘዞ፡ሰንበት መዓልቲ ካልኣይ ናባኻ መጺእና ናብ ናይ ዘልዓልም ሕይወት ክንወስደካ ኢና” ኢሎም ባሪኾምዎ ተመልሱ። ሰንበት መዓልቲ ምስ ኩላቶም ማኅበር ቅዱሳን መጺኦም ብዓብይ ክብሪ ንነፍሱ ናብ ሰማይ ኣዕረግዋ። ነቲ ረድኡ ካብቶም መላእኽቲ ሓደ ናብኡ መጺኡ ኣስማቶም እናጸውዐ፡ ብኣፃብዑ እናኣመልከተ “እዚ ኣባ እገለ እዩ” እናበለ ኣረድኦ፡ እቲ ረድኡ ነቲ መልኣኽ “እዚ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ገጹ ከም ፀሓይ ዘብርህ’ከ መን እዩ፡”ኢሉ ምስ ሓተቶ
“ኣበ መነኮሳት እንጦንዮስ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ቅዱስ ዮሓንስ ሓፂር ገድሉ ብሰላም ፈጺሙ ናብቲ ዘገልገሎ ፈጣሪኡ ብኽብሪ 20 ጥቅምቲ ብሰላም ዓረፈ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኅደረና አሜን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!
Leave a comment