በስመ አብ ወወልድ ወመምፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
24 መጋቢት ”
ጥንሰቱ ለጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት” እዩ።
ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣቦኦም ጸጋዘኣብን ኣደኦም እግዚእኃረያን ብዕለት 24 ታኅሣሥ ተወሊዶም። ቅድሚ ንኣቡነ ተክለሃይማኖት ምውላዶም እዞም ወለዲ እዚኦም ኅሩይ ኮይኑ ንዕኦምን ንኣምላኽን ዘሥምር ከም ናይ ሃናን ኢያቄምን መዕረፊ ዓይኖም ዝኸውን ውላድ ክህቦም ብንብዓት ኣሰንዮም ይልምኑ ነበሩ።
ብሕልፊ ኣብ በዓል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ወወርኂ ካህናት ፡ ድኻታትን ነዳያንን ዓዲሞም የብዕልዎ ነበሩ። ሓደ ጊዜ ሞተሊሚ ዝተባህለ ከሓዲ፡ ንእግዚእኃረያ ምስ ብዙኃት ደቂ ዓዳ ማሩኹ ወሰዳ፡ እሞ መልክዐኛ ብምንባራ እዚ ንጉሥ ምስ ረኣያ ኣብ ልዕሊ እተን 10 ኣንስቱ ኣንጊሡ፡ ኣብቲ ንጣዖት ዝሥውዓሉ ቦታ ክወስዳ መዓልቲ ቈጸረ። ቅድሚኡ ግና ልብሲ ንግሥቲ ኣልቢሶም ከጽንሕዋ ኣዘዘ።
እግዚእኃረያ ግን ን8ተ መዓልቲ ዝኣኽል መግብን፡ ድቃስን ኣቢይዋ ብንብዓት ናብ ኣምላኽ ጸለየትን፡ ንቅዱስ ሚካኤል ተማኅፀነትን። ኮነ ድማ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሚካኤል ፈልዩ (ነጢቑ) ናብቲ ዝዓጥን ዝነበረ ካህን ሰብኣያ ኣብጽሓ። ካህን ጸጋዘኣብ ዓጢኑ ምስ ወድአ፡ ብልቡ ‘ጓል ነገሥታት ትመስል’፡ ኢሉ እናሓሰበ እንከሎ እግዚእኃረያ ልብሰ ንግሥነታ ኣውፂኣ፡ ሰበይቱ ምዃና ነገረቶ። ብሓንሳብ ኮይኖም ድማ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም ናብ ቤቶም ተመልሱ።
እንሆ በታ ለይቲ ዓምደብርሃን ብጐኑ ከዋክብቲ ከቢቦም ብሕልሚ ረኣዩ። በታ ዕለት 24 መጋቢት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተፀኒሶም፡ 24 ታኅሣሥ ተወልዱ።
ድኅሪ 3 መዓልቲ ‘አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሎም ኣመስገኑ። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ 7ተ ዓመት ዕድሚኦም መዝሙረ ዳዊትን 81 መጻሕፍትን ምስ ተመሃሩ ካብ ጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣቦኦም እናኣገልገሉ ከለዉ፡ ሓደ ጊዜ ምስ መተዓበይቶም ክሃድኑ ንበረኻ ወፈሩ።
ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዓሳ ክገፉ ከለዉ ‘ንስኹም ዓሳ ዘይኮነስ ንሰብ ክትገፉ ሰዓቡኒ’ ዝበሎም፡ ንኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ከኣ ‘ንስኻ ሃዳናይ ነፍሳት ክትኸውን ኢኻ’ በሎም። ከምኡ ውን ከምቲ እግዚኣብሔር ንያዕቆብ ‘ስምካ እስራኤል ይበሃል’ ዝበሎ ንኣቦና ድማ ‘ድኅሪ ሕጂ ስምካ ፍሥሓጽዮን ዘይኮነስ ተክለሃይማኖት ይበሃል’ ኢሉ ባሪኹ፡ ሢመተ ሓዋርያውነት ሃቦም። በዚ ድማ ‘ሓዲስ ሓዋርያ’ እናተባህሉ ይጽውዑ።
ኣቡነ ቄርሎስ ቅድስናኦም ርእዮም ሊቀ ካህናት ክኾኑ ሸየምዎም።
ሓደ ጊዜ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንስብከተ ወንጌል ኣብ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እንከለዉ፡ ኣብ ሓንቲ ሰይጣን ዝኃደራ ኦም ዘምልኹ ሕዝቢ ዘለዋ ከተታ ትብሃል ቦታ ኣተዉ፡ ኣቦና ነቲ ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣለፋሊፎም ከም ትኪ ኣብነንዎ። እቲ ሕዝቢ ድማ ብዓውታ ‘ኣምላኽ ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንኣምን’ እናበሉ ኵሎም ተጠመቑ። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ዝኣተውዎ ዓዲ እና ኣእመኑ፡ እናኣጥመቑን ተኣምራት እናገበሩን ነቲ ሕዝቢ ካብ ኣምልኮ ጣዖት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ መለስዎም።
ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ ጊዜ እርጋኖም ማለት የምን ጸጋም ምንቅስቃስ ክደክሞም ከምዝደለየ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ በዓቲ ከይወፅኡ ንነዊኅ ጊዜ ይጽልዩ ነበሩ። መግቢ ማለት ኣቝጽልቲ ኣብ ሰናብቲ ጥራሕ እናበልዑ ፀሐይ ኮነ ነፋስ ከይረኣዩ ኣብ በዓቶም ተዓጽዮም ምስ ጸለዩ፡ ካብ ብዝኂ ድኻምን ጠጠው ምባልን ሓንቲ እግሮም ተቘርጸት። እንተኾነ ከየቋረጹ ብሓንቲ እግሮም ን7ተ ዓመት ጸሎቶም ቐጸሉ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ኣእላፍ መላእኽትን ነቢያትን ሓዋርያትን ኣኸቲሉ ቃል ኪዳን ሃቦም።
ብስምካ ዝክር ዝገበረ፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሠርሐ፡ መባእን ካልእን ዝተፈላለየ ብስምካ ጽቡቕ ዝገበረ . . . ናይ ዘለዓለም መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ ኢሉ፡ ሰዒምዎም ንሰማይ ዓረገ።
ካብ ክብረ በዓል ጻድቕ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት፦
24 መጋቢት = ዝተጠንሰሉ፡
24 ታኅሳስ = ልደቱ፡
24 ጥሪ = ስብረተ አጽሙ፡
24 ነሐሴ = ዕረፍቱ፡
12 ግንቦት = ፍልሰተዓጽሙ እዩ። በረከቱ የካፍለና።
ኣቦና ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዕለተ ዕረፍቶም ከምዝበጽሐ ፈሊጦም ነቶም ደቆም ሓደራ በልዎም። ኣብ ክንድኦም ከኣ ኤልሳእ ዝበሃል ሸምሎም። 99 ዓመትን 1 ወርኅን 10 መዓልትን ዕድመ ምስ ገበሩ፡ ብዕለት 24 ነሓሴ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ድኻምካን ገድልካን ኵሉ ተቐቢለዮ እየ ዕረፍትኻ ኣኺሉ እዩ’ እናበሎም ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ተፈልየት። መላእኽቲ ድማ “ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚኣብሔር / ሞት ጻድቅ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡር እዩ። “ዘጸመወ በዓለም የሀዩ ለዝሉፋ” (ኣብ ዓለም ዝጻመወ፡ ንዘለዓለም ይነብር) “ስብሐት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር” (ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት፡ ሰላም ውን ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት)’ ኢሎም እናዘመሩ ተቐበልዎም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ሾብዓተ (፯) ኣኽሊላት ሃቦም።
ንሳተን ድማ፦
1. ምእንቲ ሃይማኖት
2. ምእንቲ ከም ሓዋርያት ዜርካ ምስባኽካ
3. ምእንቲ ክዕወት ደምካ
4. ጣዖት ስለ ዘጥፍኣካ
5. ኢየሩሳሌም ስለ ዝነገድካ
6. ምእንቲ ስብረት ዓጽምኻ
7. ምእንቲ ድንግልናኻን፡ ንጽሕናኻን’
ከምዚ ኢሉ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎም ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸሎትን ቃል ኪዳንን አቡነ ተክለ ሃይማኖት ይሓልወና።
ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ፡ ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ኣማላድነት፡ ናይ ጻድቕ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት በረኸት፡ ከምኡ ውን ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።
24 መጋቢት ”ጥንሰቱ ለጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት”

