ሓፈሻዊ ክብረ በዓላት 24/፳፬ ነሓሰ ዕረፍቱ ለኣቡነ ተክለሃይማኖት ጻድቕ Church EditorAugust 29, 2021 at 1:34 pm2845 Views054321 0 (0 votes) በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን! 24/፳፬ ነሓሰ ዕረፍቱ ለኣቡነ ተክለሃይማኖት ጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣብኦም ካህን ጸጋዘኣብ ካብ ኣዲኦም ቅድስት እግዚእሃረያ ብ 24 መጋቢት ተጸኒሶም ብ24 ታሕሳስ ፲፩፻፺፯/1197 ዓ.ም ኣብ ሰሜን ሽዋ ቡልጋ ጽላልሽ/ዞረሬ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተወልዱ። ምስ ተወልዱ ስድርኦም ፍሰሓ ጽዮን ኢሎም ሰመይዎም ትርጉሙ ድማ ናይ ጽዮን ሓጎስ ደስታ ተድላ ማለት እዩ። ምስ ተወልዱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቶም ካብ ሕቑፊ ኣዲኦም ወሪዶም “ኣሃዱ ኣብ ቅዱስ፡ ኣሃዱ ወልድ ቅዱስ፡ ኣሃዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሎም ንስላሴ ኣመስገኑ። ምስ ጎበዙ ኣቦኦም ትምህርቲ ሃይማኖት መሃርዎም። ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ድማ ብግብጻዊ ጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሔር ንክህነትን መረጾም እሞ ካህንን ሊቀ ካህናትን ኮይኖም ተሸሙ። ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ወንጌል ዝሰበኹ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ስለዚ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያ ኢላ ትጽውዖም። ብትምህርቶም ንምእመናን ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ስለዘውጽኡ ከኣ ኣቡነተክለሃይማኖት ጽሃይ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣዲኦም ንኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ናይ መጀማርያ ስማ ሳራ እዩ ነይሩ፡ ድሓር ግና ሓሙኣ ትዕግስታን ትሕትንኣን ተኣዛዝነታን፡ ንቕሓት ጸሎታን ርእዮም እግዚእሃረያ ኢሎም ጸውዕዋ። ከይ ወለደት ውን ነዊሕ ገይራ ነበረት። ከምዚ ኢላ ውላድ ዘይብላ እናነበርት ከላ ውን ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ሰራዊት ወዲቓ ተማሪኻ ብዙሕ ፈተና በጺሕዋ ነበረ። እንተኾነ እግዚኣብሔር ንሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሰዲዱ ካብ ኩሉ መከራኣ ኣናገፋ ናብ ዞራሬ ዘላ ናብ ቤተክርስቲያን ውን ኣብጽሓ ሓደ ዓቢይ ውላድ ከም ዝህቦም’ውን ኣበሰሮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣቦኦምን ኣዲኦምን ምስ ዓረፉ ኩሉ ንብረቶም ሸይጦም ገዝኦም ገዲፎም ከዱ። መዓርገ ክህነት ተዋሂቦም ከኣ ናብ ስብከት ወንጌል ተዋፈሩ እሞ ብዝገበርዎ ተኣምርን ብሓይሊ ኣምላኮም ንብዙሓት ነፍሳት ኣጥመቑ። ድሕሪ 3 ዓመት እግዚኣብሔር ንዓዶም ከይዶም ክምህሩ ጸውዖም ኣብኡ ከኣ ንቡዙሕ ዓመታት ተጋደሉ። ንቡዙሕ እዋን ውን ብተራዳእነት ኣገልገሉ። ብተኣምራት ውን ብዙሓት ሕሙማት ፈወሱ ምውታን’ውን ኣተንስኡ። ብድሕሪ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ናብ ቅዱስ ኢየሱስ ሞኣ ኪድ እሞ ንሱ ኣስኬማ ክህበካ እዩ በሎም ናብኡ ከይዶም ኣስኬማ ምንኩስና ተቐበሉ ኣብኡ ከኣ ዓሰርተ ዓመት ተቐመጡ። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብ መዓልቲ ሱሳ ሽሕ ስግደት ይሰግዱ ነበሩ። ብፍቓድ እግዚኣብሔር ከኣ ናብ ትግራይን ከባቢኣን መጹ። ኣብ ደብረ ዳሞ ከኣ ብፍቃድ ኣምላክ ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ተቐመጡ። ናብ ኩለን ገዳማት ውን ብእግሮም ይበጽሕወን ነበሩ። ካብ መዓልታት ሓደ ግዜ ካብ ደብረ ዳሞ ክወርዱ ክብሉ ገመድ ተበትኮም እሞ እግዚኣብሔር ከኣ ሑርያኑ ክጽገሙ ስቕ ኢሉ ስለዘርኢ ከም ናይ መላእኽቲ ሽድሽተ ክንፊ ሃቦም። ብክንፎም ከኣ ወረዱ። ብድሕሪ እዚ ብመሪሕነት መልኣከ እግዚኣብሔር ናብ ኢየሩሳሌም በጺሖም ተመልሱ። ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመልሱ ከኣ ናብ ኣባ ዮሓኒ ከዱ፡ ኣብ እንዳ መስቀል ጉና ጉና ከኣ ንመድሃኒነ እግዚእ ረከብዎ ምንኩስና ሂቦም ድማ ኣቦ መነኮሳት ከም ዝኸውን ተነበይሉ። መድሃኒነ እግዚእ ዓዶም ቢሓት ኮይኑ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቲዎስ ዝወለደ ፡ ንኣባ ስሙኤል ዘዋልድባን ንካልኦት ብርክት ዝበሉ መማህራንን ዝወለዱ እዮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት እዚ ኩሉ ሃዋርያዊ ተልእኾ እናገበሩ ዝምገብዎ ቆጽለመጽሊ፡ ዝሰትዮ ድማ ማይ ጥራይ ነበር። ብዘይካዚ እዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም ብህይወተ ስጋ እንከለዉ ምስ ሱራፋኤልን ኩርቤልን ኮይኖም መንበረ ጸባኦት ዓጢኖም እዮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ንሰባት ናብ ንስሓ ንኽመልሱ ምስ ሓጥኣን ሓጥእ፡ ምስ ዓያሱ ድማ ዓሻ መሲሎም ይጓዓዙ ከም ዝነበሩ ገድሎም ይነግር። ብዘይካ እዚ ኣዝዮም ምእንቲ ክጋደሉ ብየማኖም ጸጋሞምን ኲናት ተኺሎም ንሸውዓተ ዓመት ዝኣኽል ብዘይ ዕረፍትን ድቃስን ተጋዲሎም እዮም። ንኣርባዕተ ዓመት ዝኣክልውን ዝኾነ ይኹን ከይጥዓሙ ይጽልዩ ነይሮም እዮም። ኣብ መወዳእታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ “ኦ ፍትወይ ስለይ ክትብል ኩሉ መከራን ሽግርን ስለ ዝተቐበልካ ኣነ ከኣ ምስቶም ሕሩያነይ ከእትወካ እየ፡ ከምቲ ናቶም ክብሪ ውን ክህበካ እየ” በሎም። ስሞም ዝጸውዐ ብስሞም ንዝጠመየ ዘብልዐ፡ ንዝጸምአ ዘስተየ፡ ንዝዓረቐ ዝኸደነ፡ ተዝካሮም ዝገበረ፡ ገድሎም ዝጸሓፈን ዘንበበን ክምሕረሎም ምዃኑ’ውን ቃል ኣተወሎም። ብድሕሪ እዚ ኣብ መበል 99 ዓመትን 10 ወርሕን ዕድሚኦም ብ24 ነሓሰ ዓረፉ። በረኸትን ኣምላድነትን ናይ ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ጸሃይ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን። ስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን አሜን አሜን ! Leave a comment