26/፳፮ ግንቦት ሓዋርያ ቶማስ

26/፳፮ ግንቦት ሓዋርያ ቶማስ

 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

26/፳፮ ግንቦት ሓዋርያ ቶማስ

     ቶማስ ማለት ጸሓይ ማለት እዩ። ቀዳማይ ስሙ ደዲሞስ እዩ። ደዲሞስ ማለት ጸልማት ማለት እዩ። ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት እዩ (ማቴ 10፡30, ዮሓ 20፡24, ግ.ሓዋ 1፡13)። ጎይታ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ምስ ተንሰአ ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቱ፡ ሰንበት መዓልቲ ጎድኒ ጎይታ ዳህሲሱ መለኮት ምስ ኣቃጸሎ “ጎይታይን ኣምላኸይን” ኢሉ ትንሳኤኡ ኣመነ። ዕርገት ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ዝረኣየ ድማ ሓዋርያ ቶማስ እዩ። ሃገረ ስብከቱ ሕንዴከ (ህንዲ)እዩ።  ንሱ ብ30 ቅርሺ ተሸይጡ ምስ ናይታ ሃገር ሃብታም ክልኩዮስ የገልግል ነበረ። እቲ ሃብታም ከኣ “እንታይ ክትሰርሕ ትኽእል፧” ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ “ህንጻ ምስራሕ ሓወልቲ ምቅራጽ ይኽእል” በሎ። በዚ ተሰማሚዕም ድማ ብዙሕ ገንዘብን ወርቅን ሃቦ። ኣህዛብ ምኩሓት ስለ ዝኾኑ ከኣ “ጥበብ ዘለዎ ሰብ ረኺበ” ክብል ናብ ንጉስ ከደ። ቶማስ ድማ ነቲ ገንዘብን ወርቅን ንድኻታትን ነዳያትን ሂቡ፡ ምሂሩ ኣእመኖም፡ ሰበይቲ ልኩዮስ፡ ምስ ደቃን ኣገልገልታን ኣሚና ተጠምቀት። ልኩዮስ ካብ መገሽኡ ምስ ተመልሰ  “ዝሃነጽካዮ ህንጻ፡ ዝቐረጽካዮ ሓወልቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ “ብገንዘብካን ብወርቅኻን ዘስራሕካዮም ህንጻታት እዚኦም እዮም” ኢሉ ነቶም ዝኣመኑ ህዝቢ ኣርኣዮ። ልክዮስ “ተጻዊትለይ” ብምባል ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ቆርበቱ ተቐሊጡ ክሳብ ዝግፈፍ ገረፎ። ሑጻ ኣሰኪሙ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኮለል ከም ዝብል ገበሮ። ሰበይቱ ኣርሰንዋ ነዚ ርእያ ሰምቢዳ ወደቐት ብኡ ንብኡ ድማ ሞተት። ልክዮስ ከኣ “ሰበይተይ ዝሞተት ብሰንክኻ እያ። ሰለዚ እንተ ድኣ ኣሕዊኻያ ኣነ’ውን ብኣምላኽካ ክኣምን እየ” በሎ። ጎይታ ንቑስሊ ሓዋርያ ቶማስ ከም ማይ ኣዝሓሎ። ቅዱስ ቶማስ ከኣ በቲ ዝተገፈ ቆርበቱ ነታ ዝሞተት ሰበይቲ ተንከያ እሞ ንሳ ከኣ ተንሰአት። ሽዑ ልክዮስ ብጎይታ ኣሚኑ ተጠመቐ። ብድሕርዚ ንቆርበቱ ተሰኪሙ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንዳተዘዋወረ ሕሙማት ፈወሰ፡ ሙዉታን ኣተንስአ፡ ንኣህዛብ ኣእሚኑ ከም ዝጥመቑ ገበረ። ሓደ ግዚ ቀንጠፍያ ትበሃል ዓዲ ምስ በጽሐ ሓደ ሰብኣይ ሸዉዓተ ደቁ ተቐቲሎሞ ሓዚኑ ረኸቦ እሞ ብቖርበቱ ነቶም ደቂ እቲ ሰብኣይ ተንኪፉ ኣተንስኦም። ኣብ ኢናስም ተባህለ ዓዲ’ውን ትምህርቱ ሰሚዖም ተኣምሩ ርእዮም ካብ ንጉስ ክሳብ ገባር ኣሚኖም ተጠምቁ። ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ስለ ዘይስተ ግን ካህናተ ጣዖት ህዝቢ ብጎይታ እናኣመነ ክገድፎም ስለ ዝጀመረ ጥቕሞም ስለ ዝጎደሎም ምስ ንጉስን መዃንንትን ኣባኣስዎ እሞ በዚ ዕለት እዚ ብሰይፊ ሰማዕትነት ተቐበለ። ግዚኡ 72 ዓ.ም እዩ።

 

Leave a comment

Send a Comment