በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላኽ!
27 ጥቅምቲ ዕረፍቶም ንቅዱስ አባጽጌ ድንግል
ቅድስቲ ቤተክርስቲያን፡ሓይለ ቃሉ ምስ ትርጓሜ፡ ትርጓሜ ድማ ምስ ምስጢር፡ከምኡ ዉን ቃል ምስ ዜማ ኣጣሚሮም ዝደረሱ ሊቃዉንት ዘለዉዋ፡ ሃብታም በዓልቲ ክቡር ታሪኽ እያ። ብዙሓት ቅዱሳን ቅድስት ድንግል ማርያም እናተገለፀትሎምን እናባረኸቶምን ምስጋናኣ ደሪሶም እዮም። ከም ኣብነት ክንጠቅስ እንተድኣ ኮይና፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ – አንቀጸ ብርሃን፡ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ- ውዳሴ ማርያም፡አባ ሕርያቆስ – ቅዳሴ ማርያም፡ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ – ሰዓታት ክደርሱ ከለዉ፡ “ዘመነ ጽጌ” ካብ መስከረም 26 – ክሳዕ 6 ሕዳር ዘሎ ጊዜ፡ ብማኅሌተ ጽገ ዝፍለጥ ጥዑም ምስጋና ናይ ስደት ወላዲተ አምላኽ ዝደረሱ ድማ፡ አባ ጽጌ ድንግልን አባ ገብረማርያምን ዝበሃሉ ቅዱሳን ኣቦታት እዮም። እምበኣር ከም ፍቓድ አምላኽ፡ በዚ መዓልቲ እዚ ተዚኪሮም ዝውዕሉ አባ ጽገ ድንግል እዮምእሞ፡ ካብቲ ባሕሪ ዝኾነ ታሪኾም ብጭልፋ ወሲድና ናብ ሰማዕቲ ከነብል ኢና እሞ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑና። አባ ጽጌ ድንግል፡ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ኣብ ሰሜን ሸዋ ይፋት ኣብ ዝተባህለ አውራጃ ዝነበሩ ኮይኖም፡ መጻሕፍቲ ኦሪት ዘይተማህሩን ዘይተጠመቑን ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እዮም ነይሮም።ካብ መዓልትታት ሓደ ጊዜ ንሃደን፡ናብ ጫካ እናኸዱ ከለዉ፡ብዕምበባ ዝተኸበበት ምልክዕቲ “ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም” ረኸቡቡ። ብፅባቐኣ እናተገረሙ ከለው ድማ፡ሓደ አይሁዳዊ ዓርኩ መፂኡ “እዚኣ’ኮ፡ ናይቶም ክርስቲያን ዝበሃሉ ሥእሊ እያ” ብምባል በቲ ሒዝዎ ዝነበረ በትሪ ጌሩ፡ነታ ስእሊ ሃረማ እሞ፡ሽዑ ንሽዑ ተቀዚፉ ወዲቁ ሞተ።አባ ጽጌ ድንግል ነዚ ምስ ርእዮም እናተደነቍ ከለዉ፣ ቅዱስ ሩፋኤል መልኣክ ከም ጻዕዳ ዑፍ ተመሲሉ ብምምጻእ “ሓደ ፈላሲ መፂኡ ክሳብ ዝምህረካ ነዛ ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓልዋ” ኢልዎ ዓረገ። በቲ ዘመን እቲ፡ ወንጌል ዘስፋፋሑ ዝነበሩ፡ ዓብዪን ቅዱስን አቡነ ዜና ማርቆስ (ንኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣኩኡ ዝኾኑዎ)፡ሓደ ጊዜ ንስብከተ ወንጌል ናብቲ አባ ጽጌ ድንግል ዝነበረሉ ቦታ አይሁዳያን ብምኻድ፡ካብ ብሉይ ኪዳን እናጠቀሱ ክምህሩ ጀመሩ። ካብ ናይ ነቢይ ኢሳይያስ ትንቢት ድማ “ካብቲ ጒንዲ እሰይ ሓንቲ ጠጥዒ ክትጥጥዕ እያ፡ካብ ሱራ ውን ፍረ ክፈሪ እዩ” ዝብል፡ብግእዝ እናንበቡን እናተርጎሙን አባ ጽጌ ድንግል ይሰምዖም’ሞ፡«ኣቦታተይ አይሁድ ናይ ነቢያት ትንቢት ሚሂሮሙኒ እዮም።ናይዛ ትንቢት ትርጉም ግን ኣይፈለጥክዋን» በልዎም።
ንሶም ድማ «እቲ <ካብቲ ጒንዲ እሰይ ጠጥዒ ክትጥዕን እዩ ዝተባህለት፡ካብ ዘርኢ እሴይ ዝወፀት ጠጣዒት ሕይወት ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።እቲ ካብ ሡሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ዝተብሃለ ከኣ፡ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ፍረ ሕይወት ዝኾነ ጐይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ” ብምባል፡ናይ ቅድስቲ ሥላሴ ምሥጢርን ናይ ክርስቶስ አምላኽነትን ከምኡ’ዉን ቤዛነት ብግቡእ አረድእዎም። አባ ጽጌ ድንግል “እቲ ፈላሲ ክሳብ ዝመፅእ ነታ ሥዕሊ ሓልዋ» ዝተባህሎም ነገር ዘኪሮም፡ነታ ሥዕሊ ኣምጺኦም ንአቡነ ዜና ማርቆስ ሃብዎም። ንሶም ድማ ናብቲ ደብረ ብሥራት ገዳሞም ወሲዶም፡ብዘመነ ጽጌ ጥቅምቲ 1 ኣእተውዋ።ትኸበረሉ መዓልቲ ድማ ዕለት 3 ጥቅምቲ ከምኡ’ዉን 8 ሰነ ከም ዝብዓል ገበሩ።ድሕሪ እዚ አቡነ ዜና ማርቆስ ንአባ ጽጌ ድንግል፡ብዙሕ ሚሂሮም ብቅድስት ሥላሴ አምላኽነትን ብክርስቶስ ፈጣርነትን ከም ዝኣምኑ ገበርዎም።ንሱ’ውን ብፍቕሪ ክርስቶስ ልቡ ምሉእ ብምሉእ ኣሚኑ፡ኣነ ክርስቲያን ክኸውን’የ፡ብምባል ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተጠመቀ፡ስሙ ድማ “አባ ጽጌ ብርሃን”ኢሎም ሰመይዎም።አባ ጽጌ ድንግል ዝብል ስም ግን ናይ ቅጽል ስም እዩ።
ብድሕሪ’ዚ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ንኣባ ጽጌ ድንግል፡ ትርጓሜ መጻሕፍተ ኃዲሳት ሚሂሮም ወዲ መዝሙሮም ብምግባር፡ብዝግባእ ምስ ተማህሩ፡ንዓለም ኒዒቆም ንዓይ ሕይወተይ ክርስቶስ ኢዩ፡ስለዚ ኣመንኩሱኒ ብምባል መንኮሱ።ብድሕሪዚ ኣባ ጽጌ ድንግል፡ብጾምን ጸሎትን ከም ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታቱ ማለት ከም ቅዱስ ያሬድን አባ ጊዮርጊስን ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዮም ይፈትዋ ነበሩ።ብፍላይ ድማ አቡነ ዜና ማርቆስ ነታ ሥዕሊ ቅድስት ድንግል ማርያም እናዓጠኑ ከለዉ፡ቅድስት ድንግል ማርያም ወሪዳ ነቶም ካህናት እናባረኸቶም ይርኢ ስለዝነበረ፡ከም ኣቦታቱ ከመስግና ተመነየ።ድሕሪ ጊዜ ግን አቡነ ዜና ማርቆስ ናይዛ ዓለም አገልግሎቶም ወዲኦም ኣብ 140 ዓመቶም ብ1402 ዓ.ም ምስ ዓረፉ፡ አባ ጽጌ ድንግል ድማ ልክዕ ከም ኣቡኦም ንቅድስት ድንግል ማርያም፡ብፍቅራ ዝሓመሙ ንኸመስግንዋ ድማ ዘይደኽሙ ነበሩ። ንኣባ ጽጌ ድንግል ኣባ ገብረማርያም ዝተባህሉ ጻድቅ ዓርኪ ነይርዎም።አባ ገብረማርያም ናይ ሓንቲ ደብሪ ናይ መጻሕፍቲ መምህር ስለዝነበሩ፡ምስ አባ ጽጌ ድንግል ብምዃን፡ከም ሓንቲ ቃል ተናጋኒ ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ብምዃን፡ቅድስት ድንግል ማርያም እናተገለፀትሎም ልክዕ ከም መዝሙረ ዳዊት 150 ዝማሬታት ዝሓዘ፡ንቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተፈላለዩ ዕምበባታትን ንወዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብፍረ ሕይወት እናመሰሉ ግሩም ጣዕምን ምስጢርን ዘለዎ “ማኅሌተ ጽጌ” ደረሱ።ኣብ ዘመነ ጽጌ ድማ ብሓደ ኾይኖም ማኅሌተ ጽጌን ሰቆቃወ ድንግልን እናዘመሩ ይነብሩ ነበሩ።ማኅሌተ ጽጌ ኣብ ዝቆሙሉ ግዜ፡እመ አምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ንርሃጾም ብነጸላ ጌራ ትደርዘሎም ከም ዝነበረት መጽሓፍ ገድሎም ይነግረና።ኣባ ጽጌ ድንግል ምስ ኣባ ገብረማርያም ናይ ማኅሌተ ጽጌ ናይ ዘመን ኣጎልጉሎቶም ብፍቅሪ ብሓጎስ ብሓንሳብ ኮይኖም ኣገልገሉ።ሓደ ዓመት ኣባ ገብረማሪያም፡ ናይ ዘመነ ጽጌ ዋዜማ ምስ ኮነ፡(ማለት 25 መስከረም) ካብ ደብረ ሓንታ ናብ ኣባ ጽጌ ድንግል ዘለዎ፡ናብ ደብረ ብስራት ይመጹ እሞ፡ ካብ መስከረም 26 ክሳብ 5 ኅዳር ዘሎ መዓልታት ዘመነ ጽጌ ብሓንሳብ ኣጎልጉሎቶም ፈጺሞም፡ዕለት 8 ኅዳር ናብ ገዳሞም ደብረ ሓንታ ይምለሱ ነበሩ።ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከኣ ኣባ ጽጌ ድንግል ካብ ደብረ ብስራት ናብ ኣባ ገብረማሪያም ብምኳድ ብሓድነትን ብፍቅርን የገልግሉ ከም ዝነበሩ መጽሓፈ ገድሎም ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።ከምዚ እናገበሩ ክሳብ መፈጸምታ ዕለተ ዕረፍትም ድማ ብሓድነት ኣገልገሉ። ማኅሌተ ጽጌ እምበኣር ናይ ዕምበባ ዘመን ኮይኑ፡ንድንግል ማርያም ብዕምበባ፡ንወዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብፍረ እናመሰለ፡ ብዛዕባ ስደታ ዘዘንቱ መዝሙር ኢዩ።ሰቆቃወ ድንግል ከኣ ናይ ድንግል ማርያም ስቓይ ዝገልጽ ኮይኑ፡ኣብ በረኻ ዘጋጠማ ልብኻ ዝሰቅል ስቓይን መከራን ዘዘንቱ ዝማሬን ሰቆቃውን እዩ። እዚ ክልተ መዝሙራት ወትሩ ሰንበት ለይቲ ማኅሌተ ጽጌ ንክንቐውምን ብሕሊናና ምስኣ ክንስደድን ስቓያ ሓናሓሰብና ውዕለታ ክንዝክር ይግብረና። ቅድስት ድንግል ማርያም፡ነቶም ጣዕማን ፍቅራን ከምኡ ዉን ምስጋናኣን ዝናፍቁ ዝነበሩ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያውን ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስን ዉዳሴኣን ቅዳሴኣን ክደርሱ ዝኻኣሉ፡ ንሳ ባዕላ ስለዝገለጸትሎም እዩ። ብፍቅራ እናናፈቑ ዝነብሩ ዝነበሩ ቅዱስ ኣባ ጽጌ ድንግል ዉን፡ደጊማ እዚ ማህሌት ጽጌ ከምዝድርሱ ገበረቶም።ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገለጸ ድማ፡ማህሌተ ጽጌ ብናይ መልክዕ ስርዓት ኣደራርሳ ዝተጻሕፈ እዩ። እግዚአብሔር ካብ ቤተ ዳዊት ድንግል ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ከም ትወልድ፡ብነብይ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብግልጺ ተዛሪቡ እዩ።ነቲ ርሑቕ ኣቅሪቦም፡ኣብ መጻኢ ዝፍጸመን ክውን ከም ዝኸዉን ብትንቢት መነጽር ኣቅሪቦም ዝረኣዩ፡ሥውር ምሥጢር ዝግለጸሎም ቅዱሳን ነብያት፡ዝተሓትመት ምንጪ ዝተዓጽወት ናይ ምብራቕ ማዕጾ እናበሉ ጸዊዖማ እዮም። “ኣዴና ኣርምሞኣ ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ነዚ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ዝበሎ፡ ኣርሙሞኣ ብጣዕሚ ዘደንቕ እዩ ነይሩ። ማንም ፍጡር ዘይሰምዖ ብሥራተ መልኣኽ ዝሰምዔት፡ብዝኾነ ሰብ ዘይተፈጸመ ብድንግልና ፀኒሳ ብድንግልና ዝወለደት፡ንማህጸና ዓለም ጌሩ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ቅዳሴ መላእክት ዝሰምዐት፡ንፈጣሪኣ ዝወለደት፡ካብ ኩሉ ፍጥረት ካብ ሱራፌኤልን ኩሩቤልን ዝበልጽ ክብርን ጸጋን ዝተዓደለት ከላ፡ንሳ ግና ኣብዚ ዓለም እናነበረት ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ምዕቓር እንተዘይኮይኑ፡እዚ ረኣኹ እዚ ሰማዕኩ ብዘይምባላ ንኣርምሞኣ ካብ ምድናቕ ሓሊፍና ወላ ሓደ ንብሎ የለን።ኣዴና ሔዋን ዕጸ በለስ በሊዓ ፀጋኣ ክትስእን ዝገበራ፡ ንዓዓን ንኣቦና ኣዳምን ዝተነግረ ምሥጢር ኣውጺኣ ንዲያብሎስ ብምንጋራ እዩ ነይሩ። ኣዴን ቅድስተ ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ግን፡ ንኩሉ ነገር ኣብ ልባ መዝገብ ጌራ ብምሓዛ ዝተመስገነት ዝተወደሰትን፡ መዝገብ ምሥጢር ኮነት። ኣባ ጽገ ድንግል ጣዕሚ ፍቕራ ስለዝተረድኦም፡ “ኦ! ድንግል ማርያም ኣደይ፡ከም ማሕተም ኣብ ልብኪ ኣንብርኒ፡ብኣድነትኪ ብኣማላድነትኪ ኣይትረስዕኒ፡ኣብ ልብኪ ኣንብርኒ እናበልኩ ዝልምነኪ ዘለኹ፡ጽቡቅ ተግባር ስለ ዘለኒ ኣይኮንኩን። ብናይ ሰብነተይ ክፍኣት፡ ብምኽንያት ሓጢኣተይ ዉርደተኛ ብምዃነይ፡ ካብ ልብኺ ኣይተውጽእኒ” እናበሉ ይምሕጸንዋ ነበሩ። እዞም ቅዱስ ኣቦ ልቦም ፍቕራ ስለዝመልአ፡ ከምቲ ሓደ ህጻን ኣዲኡ ሪኡ ዝሕጎስን ዝሳራሰርን፡ ንሶም ከኣ “ኦ! ድንግል፡ንስእልኺ ብምርኣይን ንዕኡ ብምስላምን ደስ ይብለኒ፡ልክዕ ከምቲ ኣዱኡ ዝረኣየ ህጻን ድማ ይሕጎስ ኣለኹ” እናበሉ ኣመስግንዋ። እታ ርህርህተ ልቢ ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ፡ ኣብ ኩሉ ጉዕዝኦም ትድግፎምን ትሕግዞምን ነበረት። ኣባ ጽጌ ድንግል ብማህሌት ጽጌ ገይሩ፡ ነቶም ኣብ ዘመኖም ተላዒሎም ‘’ንመስቀልን ንቅድስት ድንግል ማርያምን ክብርን ስግደትን ኣይግባእን እዩ፡ ዝብሉ ዝነበሩ ደቂቀ እስጢፋኖስ’ውን ገሲጽዎም እዩ።ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብ፡ጉባኤ ሰሪዖም ንኣባ ጽጌ ድንግል ምስቶም ደቂ እስቲፋኖስ ኣከራኸርዎም እሞ፡ እቶም መናፍቃን ደቂ እስቲፋኖስ ተረቲዖም ሓፊሮም ከዱ። ኣባ ጽጌ ድንግል፡ኣብ ማህሌት ጽጌ ድርሰቶም፡ ነቶም ተኣምር ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘየኽብሩ ዝነበሩ መናፍቃን ወሲኾም ገሲፀሞም እዮም። ንኣብነት “ጻድቕ ሰብ ንጸላእቱ እግዚአብሔር ክፈድየሉ ክርእይ እንከሎ፡ ደስ እዩ ዝብሎ” ይብል። እዚ ማለቱ ናትኪ ተኣምር ሓይሉ ከርእይ እንከሎ እቲ ጻድቅ ሰብ ደስ ይብሎ” ማለቱ እዩ። እዚ ካብ ኮነ ንናትኪ ተኣምር ዝንዕቁን ነዓኺ ዘየኽብሩን ከሓድያን ግን፡ከመይ ኢሎም ብሕይወት ክነብሩ ይግበኦም፡ምኽንያቱ ብናይ ወድኺ ትእዛዝ ‘’ነቡኡ ወይ ነዲሉ ዝወቅዐ፡ ዝረገመ(ዝጸረፈ) ይቀተል ተባሂሉ ተፈሪዱ እዩ (ዘጽ 21፥15)።ኣቡኡን ኣዲኡን ዝጸረፈ ሞት ይግበኦ ካብ ኮነ ድኣ፡ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘልኣለማዊ አምላኽ ወሊዳ ጡባ ኣጥብያ፡ሓዚላ ዝተሰደደት፡ናይ ዓለም ሕይወት ዘበሰረት፡ኣብ ልዕሊኣ ሕማቅ ቃል ዘሙልቅ ደኣ እንታይ ዓይነት መከራ ይጽበዮ ይኸውን፧ ንዝብል እቲ ፍርዲ ናብ አምላኽ ንግደፎ። ናይ ቆላ ሹሻን ዋላ እሾኽ እንተኸበባ፡ካብ ምፍራይን ምዕንባብን ንድሕሪት ኣይትብልን እያ።ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ብዙሕ ተኣምራት እናረኣዩ፡ዘይኣምኑ ኩሉ ግዜ ምልክት ዝደልዩ ምግባር ክፋእ ዝኾኑ ኣይሁድ፡ኣብ ማእከሎም ኮይና ብሃይማኖት ምዕንባብን ፍረ ትሩፋት ካብ ምሥራሕን ኣይከልከላን።ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል’ውን ናይ ቅዱስ ሰሎሞን ቃል ትንቢት ምፍጻሙ ከረድኡ ከለው፡”ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ኣብ መንጎ ኣይሁድ ንንጹህ ፍረ ክርስቶስ ወሊዳ” ብምባለ ይገልጽዎ። ናይ’ዚ ትንቢት ፍጻሜ ድሕሪ ምርድኦም “ብኣኺ ኣድነትን ቃልኪዳንን ንኣምን፡ንኩልና ካብ ክፉእ ፍርዲ ኣድኅንና፡ብኣኺ ምእማነይን ንዓኺ ተስፋ ምግባረይን ንኸንቱ ኣይኮነን፡ እኳ ድኣ ጸሎትን ምህለላን የቅርበልኪ” እናበሉ የወድስዋ። ብድሕር’ዚ ኣባ ጽጌ ድንግል ብ27 ጥቅምቲ ካብዛ ሓላፊት ዓለም፡ናብታ ዘይትሓልፍ ዘለዓለማዊት ዓለም ተሳገሩ። ጾሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኩላትና ይኹን። ናይዞም ቅዱስ ኣቦ ታሪኽ ሕይወት እዚ እዩ ኢልካ እኳ ዝፍጸም እንተዘይ ኮነ፡ ንሕና ግና ካብቲ ነዊሕ ብሓጺር ካብቲ ብዙሕ ድማ ብውሑዱ ነዚ ኣቅሪብና ኣለና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ጸሎታን በረኸት ጣዕሚ ፍቕራን ምስ ኩላህና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!!
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!!!