3 ታሕሣሥ ዕረፍቲ ኣቡነ ዜና ማርቆስ

3 ታሕሣሥ ዕረፍቲ ኣቡነ ዜና ማርቆስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ አሜን!!

3 ታሕሣሥ ዕረፍቲ ኣቡነ ዜና ማርቆስ

 

 

 

 

 

 

ሓጺር ገድሊ አቡነ ዜና ማርቆስ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ኣብ ወርሕን ኣብ ዓመትን እትዝክሮም ቅዱሳን ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ማለት ቅዱሳን መላእኽት፡ነቢያት፡ ሐዋርያት፡ ሰማዕታት ጻድቃን፡ ቅዱሳን ነገስታት፡ እናበለት ኣብ ወርሓውን፡ ዓመታውን ትዝክሮም። እምበኣር ንሎሚ ካብ ቅዱሳን ጻድቃን ሓደ፡ ብገድሉን ትርፋቱን ኣዝዩ ብብዙኅ ቅድስና ዝፍለጥ፡ገድሉ ብኣና ተጻሒፉ ዘይብጻሕ፡ ግና’ኸ ንበረኸት ክኾነና ካብ ብዙኅ ብዉሕድ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ናይ አቡነ ዜና ማርቆስ ክንርኢ ኢና።

አቡነ ዜና ማርቆስ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኮኾብ ገዳም፡ ትውልዱ ካብ ነገደ ሌዉን ካብ ነገስታት እስራኤልን ኮይኑ ካብ ኣቦኦም ካህን ዮሐንስ ካብ ኣዲኦም ማርያም ዘመዳ ኣብ ኢትዮጵያ ሸዋ፡ፍሉይ ስሙ ዞረሬ (ጽላልሸ) ኣብ ዝብሃል ቦታ ተወሊዶም። ወለዱ ዉላድ ሲኢኖ ብዙኅ ይሓዝኑን ይበኽዩን ነበሩ።ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ማርቆስ ሐዋርያ ናብ ኣዲኡ ማርያም ዘመዳ መጺኡ ዉላድ ከም ትወልድ ኣበሰራ።ብገድሉን ብተአምራቱን ስብከቱን ብዙኃት ነፍሳት፡ ከም ዝድኅና ድማ ነገራ።ነቡኡ ካህን ዮሐንስ ዉን ከምኡ ተገሊጹ፡ ብዓልቲ ቤትካ ማርያም ዘመዳ (ለካቲት 24 ጠኒሳ ኅዳር 24 ብበዓል 24ተን ካህናተ ሰማይ ክትወልድ እያ ሰሙ ድማ ዜና ማርቆስ ክትብሎ ኢኻ ኢሉ ኣበሶሮም።

አቡነ ዜና ማርቆስ ብ24 ሕዳር ምስ ተወልዱ፡ ቅዱስ ሩፋኤልን ቅዱስ ኡራኤልን ብኣኽናፎን ክክልልዎ ከለዉ ይርእይዎም ነበሩ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣቡኡ ንአቡነ ሳሚኤል ዘደብረ ወገግን ኣቡኡ ንአቡነ ተክለሃይማኖት ካህን ጸጋዝአብን ቅዱሳን መላእኽት ብክንፎም ጋሪዶም ናብ ቅዱስ መቃብር ናይ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ወሲዶም ብኢድ ሊቀ ጳጳስ ተባሪኹ ናብ ኣዲኡ መለስዎ። አቡነ ዜና ማርቆስ ኣብ ካልኣይ መዓልቶም ብእግሮም ደዉ ኢሎም፡ ምስጋና ንአብ ምስጋና ንወልድ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ ንሓደ ኣምላኽ ኢሎም ኣመስገኑ። ኣብ 40 መዓልቶም ድማ ክጥመቑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰዱዎም።ስርዓተ ጸሎት ምስ በጸሐ፡ኣብ ማይ ምስ ኣእተዉዎም፡እሰግድ ለአብ እሰግድ ለወልድ እሰግድ ለመንፈስ ቅዱስ ብምባል 3 ጊዜ ሰገዱ።እቲ ዝጥመቕሉ ዝነበረ ማይ ጥምቀት ኸኣ ፈለሐ እሞ! እቶም ዘጠምቕዎም ዝነበሩ ካህን ድማ ሓውብኡ ንአቡነ ተክለሃይማኖት ካህን እንድሪያስ ዝብሃሉ ኮይኖም፡ዕድሚኦም ከኣ ወዲ 72 ዓመት ነበሩ።ነዚ ተኣምር ምስ ርኣዩ ፈሪሖም፡ካብቲ ሕፃን ናብ ቤት መቅደስ ክኣትዉ ጎየዩ’ሞ፡ቅዱስ ሩፋኤል ኸኣ ፍርሓቶም ኣርሒቑ፡ ንዓኻ’ዉን ተኣምር ክግበረልካ እዩ። ካብ’ቲ ማይ ወሲድካ ኣብ ርእስኻ ድፍኣሉ’ሞ፡እቲ በሪሑ ዘሎ ጸጉርኻ ክመልኣልካ እዩ፡ንብዙኃት ድማ ብተአምር ካብ ሕማሞም ክፍዉሶም እዩ በሎ። ካህን እንድርያስ ኸኣ ከም’ቲ ዝተኣዘዞ ገበረ’ሞ ጸግሩ ድማ በቆለ። ኣብ’ቲ ጊዜ እቲ ወዲ 72 ዓመት እዩ ዝነበረ። ነዚ ተኣምር ዝርኣዩ ዘበሉ ኩሎም ተደነቑ። ተመሊሶም’ውን ነቲ ስርዓተ ጥምቀት ፈጸምዎ።

አቡነ ዜና ማርቆስ ወዲ 1ዓመት ምስ ኮኑ፡ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኸዱ፡ ቅዱስ ኡራኤልን ቅዱስ ሩፋኤልን ብክንፎም ተሰኺሞም ናብ 7ተ ሰማያት ኣብጽሑዎም።ብጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተባሩኾም፡ ከምኡ’ውን ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወሲዱ ከም ዝባረኽ ገበሮም። ብድሕሪ’ዚ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣብጺሑ፡ኣብ መቓብር ጐይታና ኣብ ጎልጎታ፡ ኣብ መቓብር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣብ ጌተ ሰማኒ ኣሳሊሙ፡ ናብ መቓብር ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ኣብጽሖም። ኣብቲ ጊዜ እቲ ብዝነበሩ ሊቃነ ጳጳሳ ከም ዝባረኽ ጌሩ ናብ ኣዲኡ መለሶም። ብድሕሪ’ዚ ወዲ 5 ዓመት ምስ ኮኑ ትምህርቲ ክምሃሩ ናብ መምህር ወሰድዎም። ኣብ ውሸጢ 3 ዓመት ኸኣ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ተማሂሮም ወደኡ።ወዲ 8 ዓመት ምስ ኮነ ዲቁና ካብ ቅዱስ ቄርሎስ ተቐበሉ።ድሕሪ’ዚ ክምለሱ ከሎዉ ድማ፡ ሸፋቱ ረኸብዎ’ሞ ብዙኅ ኸኣ ሃሪሞም ኣሳቐይዎም። ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለዩ፡ እታ ሒዞማ ዝነበሩ በትሪ ተመን ተቐይራ ንኩሎም ነኸሶቶም፡ምስተነኸሱ ከኣ ኩሎም ሞቱ። ቅዱሳን ግና ልቦም መዝገበ ርህሩህ ስለዝኾነ፡ ካብ ሞት ንኸተንሥኦም ናብ ጐይታ ጸሎት ጌሮም ካብ ሞት ኣተንሢነኦም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኣሙኑ ገበሩዎም። ድሕሪ’ዚ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡነ ዜና ማርቆስ፡ማርያም ክብራ እትብሃል ትሕትና ዝመልኣ ኣዝያ ርህርኅቲ ሰበይቲ ኣመርዓዉዎ።ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፡አቡነ ዜና ማርቆስ ንማርያም ክብራ ሓፍተይ፡ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎን ሓላፊ እዩ፡ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ኣቡኡን ኣዲኡን፡ኣሕዋቱን ቤቱን ደቁን ዘይሓደገ ንዓይ ኣይበቅዕን ዝብል ቃል ዘኺሮም፡ ናብ ገዳም ክኸይድ ኣፍቅድለይ በልዋ። ማርያም ክብራ ውን ንስኻ ዝገደፍኻያ ዓለም ንዓይ እንታይ ክትገብረለይ ብምባል፡ ክልቲኦም ብፍቓዶም ካብ ቤቶም ወጺኦም ቅዱስ ኡራኤልን ቅዱስ ሩፋኤልን መሪሖሞም፡ ንአቡነ ዜና ማርቆስ ናብ ገዳም ምሑር ኢየሱስ፡ንማርያም ክብራ ድማ ናብ ደብረ ደናግል ናብ ማማስ ኣብጽሕዋ። ድሕሪ’ዚ ማርያም ክብራ ብቕድስና እናዓበየት ምስ ከደት፡ብዙኅ ተኣምራት እናገበረት ገድሊ ቅድስንኣ ቅድሚ ምፍጻማ፡ብዓንደ ደመና ጌራ ናብ ኢዮሩሳሌም ክትሳለም ኢላ ምስ መጸት:ነፍሳን ሥጋኣን ተፋላልየን ብ21 ጥሪ ብሰላም ኣዕረፈት።መቓብራ ውን ኣብ ጌተ ሰማኒ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝኾነ እዚ ገድሊ ናይ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ይነግረና።ንቅዱስ ሥጋኣ ኸኣ ክልተ ኣናብስ ብምምጻእ ቐበርዋ።አቡነ ዜና ማርቆስ ድማ ኣብ ምሑር ዝብሃል ገዳም ምስ ከዱ፡ኣብቲ ከበቢ ዝምለኽ ጣዖት ነበረ’ሞ፡ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ከም ትዉሕጦ ገበረ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ንጉሥ ድማ ምስ ሰራዊቱ ተቆጢዑ ብምምጻእ፡ንአቡነ ዜና ማርቆስ ክሃርሞም ደለዩ’ሞ፡ አቡነ ዜና ማርቆስ ኸኣ፡ንስኻ’ውን እንተዘይ ኣሚንካ ከም ማኮስ ጣዖትካ ምድሪ ኣፋ ከፊታ ክትውሕጠካ እያ በሎልዎ’ሞ፡ብቕጽበት ድማ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ምስ ወተሃደራቱ ወሓጠቶም። ብድሕሪ’ዚ ብደመና ተጻዒኖም ናብ ግብጺ ብምኻድ፡ካብ አቡነ ቢንያሚ ክህነት ተቀቢሎም መጹ።ናብ ሃገረ ምሑር ብምኻድ ድማ ንብዙኃት ኣእመንዎም።ደቂ እቲ ንጉሥ ውን ኣሚኖም ተጠመቑ።ድሕሪ ሓሙሸተ ዓመት ንስለ ደቁን ሰበይቱን ኢሎም፡ብጸሎቶም ካብ ምዉታን ከም ዝትንሥኡ ገበርዎም። ኣብ’ቲ ሃገር ምሑር ኸኣ ንብዙኃት ኣእሚኖም ኣጠመቕዎም፡ብዙኅ ተኣምራት ዉን ይገብሩ ነበሩ።ነዚ ዝተገብረ ተኣምር ምስ ርኣዩ፡ጳጳስ አቡነ ቔርሎስን እቲ ሕዝብን ኣዝዮም ክድነቁ ድሕሪ ምጽናሕ፡ነቲ ካብ ምዉታን ዝተንሥአ መራሒ ሃገር ምድሪ ባሕሪ ተዋሒጥካ ከለኻስ ከመይ ጌርካ ካብ ምዉታን ተንሢእካ መጺኻ፧ብምባል ሓተትዎ።

ንሱ ድማ ኣብ ሲኦል ዝርኣዮ ኩሉ ነጊሩ ብጸሎት አቡነ ዜና ማርቆስ ከም ዝተንሥአ ነገሮም።ኣብ ሲኦል ካብ ዝርኣዮ ከኣ ከምዚ ክብል ገለጸሎም “ወዲ ሰብ ብክፉእ ስርሑ ተፈሪዱዎ ኣብ ሲኦል ምስ ኣተወ፡ኣብ ናይ ባሕሪ ሓዊ ይድርበ ብጀኻ ቀዳምን ሰንበትን ከምኡ ውን ናይ ፍጥረታት እመቤትና ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዴና፡ብዓል ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሲኦል ኣዉጺኦም የዕርፉና ካልእ መዓልቲ ግና ካብኡ ኣይንወጽእን ኢና በሎም።አቡነ ዜና ማርቆስ ኣብ ምሑር ሃገር ከለዉ፡ጳጳስ አቡነ ቄርሎስ ብድንገት ዓረፉ’ሞ፡ አቡነ ዜና ማርቆስ ምስኦም ስለዝነበሩ ብጸሎቶም ካብ ሞት ኣተንሥእዎ።

አቡነ ዜና ማርቆስ ዝገብርዎም ዝነበሩ ተኣምራት ዕጹብ ድንቂ ስለዝነበረ:ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኮንቱ ዉዳሴ ከይኮኖም፡ነቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተኣምራት ከርሕቐሎም ናብ እግዚአብሔር ለመኑ።ብድሕሪ’ዚ አቡነ ዜና ማርቆስ ናብ ወገዳ እትብሃል ሃገር ብምኻድ፡ኣብ በረኻ ከሎዉ አቡነ ተክለሃይማኖት ናብኡ ብምምጻእ ብሓንሳብ ብዙኅ ተኣምራት እናገበሩ ብዙኅ ዓመታት ብሓንሳብ ተቐመጡ። ወላዲ ኣእላፍ ዝኾኑ አቡነ ተክለሃይማኖት ድማ፡ብትሕትና ንአቡነ ዜና ማርቆስ የገልጉሉዎም ነበሩ። ከምዚ ኢሎም እናነበሩ፡ናብ ሞረት እትብሃል ዓዲ ክኽዱ መልኣኽ እግዚአብሔር ምስ ነገሮም ተተሓሒዞም ከዱ። እቲ አምላኺ ጣዖት ዝነበረ ገዛኢ ሞረት፡ነዚ ሰሚዑ ምስ ሰራዊቱ ክቐትሎም ኢሉ ናብ’ቲ ዝነበሩዎ ጣሻ ከደ። አቡነ ዜና ማርቆስ ኸኣ ነቲ ዝነበሩዎ እምባ ብስም ቅድስት ሥላሴ ባረኽዎ’ሞ፡እቶም ሰራዊት ብምልኦም ምድሪ ኣፋ ከፊታ

ዋሓጠቶም።

ንገዛኢ ድል ኣሰግደ ብተኣምራቶም ኣእሚኖም ኣስተሚሂሮም ኣጥመቑዎ። ብድሕሪዚ ቅዱስ ገብርኤል ንአቡነ ተክለሃይማኖት ተገሊጹ፡ናብ ጊራርያ ወይ ደብረ ሊባኖስ ክኸዱ ስለ ዝነገሮም አቡነ ተክለሃይማኖት ናይ ኣስኬማ መላእክት ንአቡነ ዜና ማርቆስ ኣልበስዎም፡አቡነ ዜና ማርቆስ ኣብ ደብረ ብስራት ክጸንዑ ነጊሮሞም ናብ ጊራርያ ኩዱ።አቡነ ተክለሃይማኖት ክኸዱ ከለዉ ናይ ደብረ ብስራት ኣእማን ኣግራብን ከም ንጉሥ ዓጂቦሞም ብቅድሚኡን ብድሕሪኡን ምስኦም ተጓዓዙ።አቡነ ተክለሃይማኖት ድማ ንሓወይ ዜና ማርቆስ ሓዲኩሞ ክትከዱ ኣይፈቅድን እየ፡ ኣብ ዘለኹሞ ደዉ በሉ ናብ ቦታኹም ዉን ተመለሱ ኢሎም ኣዘዝዎም እሞ፡ ናብ ቦትኦም ተመለሱ።                                                                                                              አቡነ ተኽለሃይማኖት ኸኣ”ዋላ’እኳ፡ሰብ ንምንኩስና ናብ ግራርያ ቅድሚ ምምጽኡ፡ነዚኣ ምድሪ ከይተሳለመ ናባይ ኣይምጻእ ብምባል፡ጽኑዕ ቃል ኪዳን ምስ ደበረ ብስራት ኣተዉ።

አቡነ ዜና ማርቆስ 8 እንጌራ 8000 ሕዝቢ ከም ዝመገበ፡

አቡነ ዜና ማርቆስ ናብ ጐይታ ከምዚ ክብል ጸለየ፡ ኦ”ናይ ምስጋና ብዓል ቤት፡!ጐይታይ ፈጣርየይ ኢየሱስ ክርስቶስ ብ5 እንጃራን 2 ዓሳን 5000 ሕዝቢ ዘጽገብኻዮም ንስኻ ኢኻእሞ ሕጂ ድማ እዞም ጠምዮም ዘለዉ ባሮትካ በሊዖም ክጸግቡ መታን፡ብኣይ ብኢድ ባርያኻ ኣብ ልዕሊ እዚ እንጀራ ናይ ምሕረት ጸጋኻን በረኸትካን ኣፍስስ:ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ነቲ ዘምጽኡሉ 8 እንጌራ ባሪኹ ቆሪሱ ንደቂ መዛምርቱ ሃቦም። ደቂ መዛሙርቱ ውን ነቶም ኣጋይሸ ዝኾኑ መነኮሳት ሃብዎም’ሞ በሊዖም ጸገቡ ካብቲ ዝተረፈ ኸኣ 148 መሶብ ተረፍ ኣልዓሉ።ንብዙኅ ጊዜ ውን ካብኡ እናተመገቡ ጸንሑ።ኣብ ወርሒ ታሕሳስ አቡነ ዜና ማርቆስ ኣብ ገዳም ደንስ በረኻ ዝረኸቡዋ ተኣምራታዊት ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ከዱ ሰራይ ካህን ኮይኖም ክቕድሱ ኣተዉ።እቲ ዝግባእ ስርዓተ ቅዳሴ ውን ጀመረ፡ ማዕጠን ሒዞም እናዘሩ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ ክርስቲያን፡ኣብ ዝዓጥንሉ ጊዜ፡ቅዱስ ሥጋኡን ክብር ደሙን ዝቕበሉ ናይ ደቁ መነኮሳት ብዙኃት ርኣየ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ብልቡ ከምዚ ብምባል ሓሰበ፡ ነዞም ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ቅዱስ ቁርባን ከመይ ጌርካ ክተቐብሎም ይከኣል፧ እዚ ኩሉ ሰብ ክሳዕ ዝቕበል ፀሓይ ክትዓርብ እያ፡ምድሪ ዉን ክጽልምት እዩ በሉ። ብድሕሪ’ዚ ግና ዓይኒ ልበንኡ ናብ ሰማይ ኣቅንዐ” ኦ እግዚአብሔር! ጸላእቱ ክሳዕ ዝጠፍኡ ንደቂ እስራኤል ርስቶም ክሳዕ ዝቕበሉ ንመስፍን ኢያሱ ፀሐይ ኣብ ጊብዖን ዘቖምካሉ ንስኻ ኢኺ’ሞ፡ ሕጂ ውን ቅዱስ ሥጋኻን ክቡር ደምካን፡ነዞም ባሮትካ ቅዱሳን መነኮሳትን ሕዝብኻን ክሳዕ ዝቕበሉ፡ብምሕረትካ ንፀሓይ ደዉ ኣብላ።ኢሉ ጸሎቱ ምስ ኣብጽሐ ሸዑ ንሸዑ ፀሓይ ደው በለት።ብድሕር’ዚ ቅዳሴ ተወዲኡ ኩሉ ሕዝቢ ቆረበ።

ድሕሪ’ዚ ምፍጻሞም ድማ አቡነ ዜና ማርቆስ ናብ ዋልድባ ብምኻድ፡በረኸት ተኻፈሉ።ከምኡ ውን ናብ ናይ ተስዓቱ ቅዱሳን ገዳማት ብምስላም በረኸት ተኻፈሉ። ናብ ኣክሱም ጽዮን ብምኻድ ኸኣ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስን ቅዱስ ኣባ ኤፍሬም ሶርያውን ንቅዱስ ያሬድ ድርሶቶም እናኣንበቡሉ፡ ቅዱስ ያሬድ ድማ ብዜማ ክደርሶ ከሎ ተገለጸሉ። ናብ ሃይቅ እስጢፋኖስ ኣባ ኢየሱስ ሞዐ ገዳም ብምኻድ ውን ካብኡ በረኸት ተቐበሉ። ኣብ ደመና ተጻዒኖም ድማ ናብ ብሔረ ሕያዋን፡ሞት ናብ ዘይርኣዩ ቅዱሳን፡ናብ ቅዱስ ሄኖክን ነቢይ ኤልያስን ነቢይ እዝራን ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላውን፡ዝበጽሑ ቅዱስ ኣቦ እዮም።መዓስ እዚ ጥራይ፡ከም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ደመና ተጻዒኖም ናብ ኢዮሩሳሌም ብምምጻእ ናብ መቓብር ጐይታ ተሳሊሞም፡ናብ ጌተ ሴማኒ ብምካድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም መቓብር ተባረኹ፡ናብ ሩባ ዮሩዳኖስ ብምኻድ ተሓጸቡ፡ንኣሞራታትን ንስርን ካብ ማይ ዮሩዳኖስ ኣሰኺሞም ናብ ገዳሞም ደብረ ብስራት ብምዉሳድ ምስቲ ሓመድ ሓዋዊሶም፡ ንብዙኃት ካብ ሕማሞም ፈዊሶም፡ ቅንዕና ልቦም ዝተዓዘበ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ድማ ደብርኻ፡ ከም ኢዮሩሳሌም ትኹነልካ በሎም’ሞ፡በዚ ኸኣ ዳግማዊት ኢዮሩሳሌም እናተባሃለት ትጽዋዕ ኣላ።አቡነ ዜና ማርቆስ ኣብ ምሑር ኢየሱስ ገዳም ኼሬብ ኣብ ዝብሃል ቦታ ን40  ዓመት ብበሕትዉና እናነበሩ ከሎዉ፡ መልአክ እግዚአብሔር ዕረፍቶም 3 ታሕሣሥ ከም ዝኾነ ምስ ነገሮም፡ዕለት 1 ታሕሣስ ናብ ገዳሞም ብምኻድ፡ቀዲሶም ንኹሎም ሕዝቢ ቅዱስ ሥጋኡን ክብር ደሙ ከቐብሉ ከለዉ፡ ፀሓይ ንካልኣይ ጊዜ ደዉ ኣቢሎማ እዮም።አቡነ ዜና ማርቆስ ጊዜ ዕረፍቶም ካብ መልአክ ከም ዝተነገሮም ንደቂ መዛሙርቶም ኣኺቦም ከምዚ በልዎም፦

ካብዛ ዓለም ዝፍለየላ ጊዜ ኣኺሉ እዩ፡ናብ ፈጣሪየይ ክኸይድ እየ።ስለዚ እዞም ደቀይ:ኣነ ሸማግለ ኣቦኹም ዝብለኩም ስሙዑኒ፡ እቲ ሰናይ ተግባር ዝብሃል መጀመርታ ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ፡ ፍቕሪ ብዘይ ትዕቢት ናብ መንግሥተ እግዚአብሔር ስለተብጽሕ ኣብ መንጎኹም ሃልሃል ትብል ፍቕሪ ትሃልኹም።ከምኡ’ውን ኣነ ይጸዉም እየ ኣይትበሉ፡ኣብ ትጸሙሉ ጊዜ፡ንድሕነት ነፍስኹም ካብ መከራን ካብ ጥፍኣትን ክትድሕኑ እናጾምኩም ከለኹም፡ናብ ሰብ ዓለም ምስ ትኸዱ ኣብ ጊዜ ጾም ክበልዑን ክሰትዩን ምስ ትርኢዎም፡ሎሚ ጊዜ ጾም ስለዝኾነ፡

ንሕና ንጾውም ኢና ኢልኩም ኣብ ኣደባባይ ኣይትዛረቡ። ንስኹም ብምጻምኩም ንሶም ብዘይ ምጾሞም ሓንቲ ኢልኩም ከይትዛረቡ፡ብዘይ ምጾሞም ውን ኣይትንቀፍዎም።ኣብ ጾም ዘይፈልጡ ቦታ እንተ በጺሕኩም፡ሓቢርና ንብላዕ እንተ በሉኹም:ንሕና ንጾዉም ኢና ኣይትበሉ።እንታይ ድኣ፡ቅድሚ ናብ’ዚ ምምጻእና፡ኣብ ገዛ በሊዕና መጺና ኢና ምስ እትብልዎም፡ሸዑ ንሱኹም ከም ዝጸምኩም ክፈልጡ እዮም በሉዎም።ብድሕሪ’ዚ ዕለት 2 ታሕሥስ አቡነ ዜና ማርቆስ እግሪ ደቂ መዛሙርቶም ክሓጽብ ዊዕሎም ከምቲ መልአክ እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ዝበሎም ብዕለት 3 ታሕሥስ ኣብ መበል 140 ዕድሚኦም ብሰላም ኣዕረፉ።

ክብርን ምስጋና ንዑኡ ይኹኖ፡ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጹ ዕድሜኻ 140 ከም ዝኾነ ንዓኻ ዝፈትዉ’ውን ዕድሚኦም ካብ 80 ኣየዉሕዶን እየ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ናብ ሰሜን ሸዋ እናኸዱ ከለው ውን ድንቂ ዝኾነ ቃል ኪዳን ኣተወሎም።ስምካ ዝጸዉዐ፡ ባሕሪ ሲኦል ኣይክርእን እዩ።አምላኽ ዜና ማርቆስ ኢሎም ዝጽልዩ ኩሎም፡ንዓኻ ኣስራት ይኹንካ ኩሎም ዝሰበክኻሎም ቦታታት ደብረ ብስራትን ካልኦትን ኣስራት ይኹንካ ኢሉ ነገሮም። ስምካ ኣብ ዝጽዉዓሉ ቦታ መጽሐፈ ገድልኻ ኣብ ዝትርጎመሉ ጊዜ፡  ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተሃነጸሉ ቦታ መልአከ ሞት ኣይፈርሕን እዩ።ዝኾነ ዓይነ ሕማም ብድብድ፡መቕዘፍቲ፡ኣይቀርቦምን እዩ።ብስምካን ስም ውላዱ ዝሰመየ፡ወርሒ መጸ ዕለት 3 ዝዘከረካ ንዘለዓለም በረኸትካ ክዓስሎ እዩ በሎ። አቡነ ዜና ማርቆስ ንጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክብሉ ለመንዎ፡ ኦ ጐይታይ ስመይ ዝጽዉዕ ኃጥእ እንተኾነ ውን ብንስሓ ከይተመለሰ ብሞት ኣይትቅጽዓዮ ንስሓ ኣትዩ ሰናይ ተግባር ፈጺሙ ብሰላም ከም ዝዓርፍ ግበሮ በልዎ።ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፍትወይ ዜና ማርቆስ ከም ዝበልካዮ ይኹነልካ።ስምካ ዝጽዉዕ ኃጥእ እንተኮይኑ ዕድሚኡ ክሳዕ 160 ከብጽሖ እየ፡ ሰናይ ስራሕ ፈጺሙ ብሰላም ከም ዝዓርፍ ክገብሮ እየ።ኢሉ ምሉእ ቃል ኪዳነ ኣተወሎም።

በረኸቱን ጸሎቱን ምሕረት አምላኹን ናይ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ  ማርያም ድንግል

ወለመስቀሉ ክብር ወኃያል

አሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment