3 ጳጉሜን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

3 ጳጉሜን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል
              ቅዱሳን መላእክት፡ ልኡካን ኣገልገልቲ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ናብ ሰባት፡ ምስጋና ልማኖ ጸሎት ሰባት ድማ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ምእንቲ ዅሉ ፍጥረት ዝልምኑ ፍሉያት ቀረባ እግዚአብሐር ማለት እዩ።
ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ነባብያን ለባውያን ሕያዋን ኃያላንን ቅልጡፋትን ረቂቃንን እዮም። እዚ ማለት ባሕርይ ናይ ሕማም ድካም ሞት የብሎምን። ብዝኆም ብቝጽሪ ዘይውሰን አእላፈ አእላፋት (ናይ ብዙኅ ብዙኅ) ቍጽሮም ብዘይካ ፈጣሪኦም ካልእ ኣይፈልጣን እዩ።
ቅዱሳን መላእክት፡ ከም ብዝኆም ዓይነት ኣገልግሎቶም ብዙኅ እዩ። ንእግዚአብሔር ምምስጋን (ኢሳ. 4 ራእ. 5፡12)፣ ምእንቲ ሰባት ምልማን (ማቴ. 18፡10)፣ ንዘኽብርዎምን ዝፈርህዎምን ካብ መከራ ምንጋፍ (መዝ. 34፡7)፣ ንዝደኸሙ ምብርታዕ

ን ምርዳእን (ዘፍ. 16፡7) . . . ወዘይመስሎ እዩ።
ሓደ ካብዞም ቅዱሳን መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል እዩ። ትርጓሜ ስሙ ለዋህ ኄር ንልቢ ዘሐጕስ ንኃጥኣን ክሳብ ዚንስሑ ዝረድኦም ማለት እዩ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ መንፈስ ሰባት ዝተሸመ፡ ፈታሔ ማሕፀን ሰባትን እንስሳታትን፡ መዛግብቲ ሰማያት ኣብ ኢዱ ዝተዓቝቡ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ድማ ዝዓጹን ዝኸፍትን፡ ሓደ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ዚብሉን ሾብዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ (ድርሳነ ቅዱስ ሩፋኤል፡ መጽ. ጦቢት 12፡15)።
             ካብ ነገደ ንፍታሌም ጦቢት ዝበሃል ምሉእ ሕይወቱ ጽቡቕ ግብሪ እናገበረ ብቕንዕና ሕገ እግዚአብሔር እናፈጸመ ዝመላለስ ሰብ ነበረ። በዓልቲ ቤቱ ሓና ሓደ ወዱ ድማ ጦቢያ ይበሃሉ። ኣብ ስደት ከሎ ከይተረፈ ብእምነቱን ብሠናይ ግብሩን እሙን ነበረ። ሬሳ ቐቢሩ ሰብነቱ ተሓፂቡ ደቂሱ ኸሎ ለዃዅቶ ኣብ ኣዕይንቱ ሸይነናኑ ብምዕዋሩ ናብ ኣምላኹ ንኽምሕሮ ይጽሊ ነበረ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ሾብዓተ ጊዜ ተመርዒያ ‘ኣስማንድዮስ’ ብዝተባህለ እኩይ ጋኔን ዝመትዋ ዝነበሩ ሣራ ጓል ራጉኤል ብግዝእታ ስለዝተጸርፈት ጕሕያ ካብዚ ውርደት እዚ ከድኅና ንፈጣሪኣ ትምልን ነበረት። እግዚአብሔር ጸሎት ክልቲኦም ሰሚዑ ንኬሕውዮም ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ለኣኸሎም።
ድኅር’ዚ ጦቢት ምስ ገባኤል ዘሎ ገንዘቡ ዘኪሩ ንጦቢያ ምዒዱ ኪሰዶ ዓስቡ ዝወሃቦ መካይድቲ ሰብ ክደሊ ነገሮ። ጦቢያ ካብታ ቤት ውፅእ ምስ በለ ምስ ቅዱስ ሩፋኤል (ኣዛርያ) ተራኸቡ። ጕዕዞ ተጀሚሩ ከባቢ ሩባ ጤግሮስ ኃደሩ። ጦብያ እግሩ ኪሕፀብ ምስ ወረደ ካብቲ ሩባ ኺውሕጦ ዝደለየ ዓሣ ምስ ወፅአ። ሓሞቱን ልቡን ጸሊም ከብዱን ክወስዶ ነገሮ ንሱ’ውን ንምንታይ ከምዘገልግል ሓተቶ። ልብን ጸሊም ከብድን ንዅሉ ጋኔን ዝኃዞ እንተ ዓጠንካዮ እቲ ጋኔን ከምዝሃድምን ከምዘይምለስን እቲ ሓሞት ድማ ዓይኑ ንዝዓወረ እንተ ኣንጢብካሉ ከምዝርኢ ነገሮ።
ኣብ መንገዲ ኤክባታና ኸለዉ ኣብ እንዳ ራጉኤል ከምዝኃድሩን ንሣራ ዚምርዓዋ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ይነግሮ። እንተኾነ ጦቢያ ከምቶም ተመርዒዮምዋ በቲ ጋኔን ዝሞቱ ሾብዓተ ሰብኡት ከም ዘይመውት ነገሮ። ቅዱስ ሩፋኤል ናይቲ ዓሣ ልብን ጸሊም ከብዳን ኣብቲ ዚተክኽ ዕጣን ምስ ገበሮ ነቶም ሰብኡት ዚቐትሎም ጋኔን ካብ ሣራ ከምዝወፅእን ሰማያዊ ኣምላኽ ብምሕረቱ ከምዝጥምቶምን ኵሉ ነገሮ። ድኅርዚ እንዳ ራጉኤል ኣትዮም ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ ንሣራ ሰበይቱ ክትኾኖ ሃቦ። እቲ ዅሉ ጸገማ ከምቲ ቅዱስ ሩፋኤል ዝነገሮ ምስ ገበረ እቲ ጋኔን ካብኣ ወፅአ። መርዓ ተፈጺሙ ናብ ወለዱ ኪምለስ ከሎ ቅዱስ ሩፋኤል በቲ ሓሞት ዓሣ ንኣዕይንቲ እንተለኸየን ከምዝሓዊ ተዛረቦ። ከምታ ዝተሓበሮ ድማ ነተን ዝዖራ ኣዕይንቲ ጦቢት ምስ ለኸየን ሓወያ። ጦቢያ ብዅሉ ተሓጕሱ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ።
በዓላት መርዓ ምስ ኃለፈ ጦቢት ንጦቢያ ወዱ ነቲ መካይድቱ ዝነበረ ዓስቡ ክንደይ ከምዝኸፍሎ ሓተቶ። ጦቢያ በቲ ዅሉ ዝተራድኦ ብሰላም ናብ ቤቱ ኪምለስውን ስለዝገበሮ ፍርቂ ናይቲ ዘምጽኦ ሃብቲ ከምዝግብኦ ነገሮ። ሽዑ ቅዱስ ሩፋኤል በቲ ዅሉ ዝተገብረሎም ንእግዚአብሔር ከመስግኑን ግብሩ ክነግሩን ንሱ ሓደ ካብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ዚብሉን ሾብዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ምዃኑ ነገሮም። ጦቢትን ጦብያን ከኣ ብፍርሂ ብግምባሮም ተደፊኦም ኣብ ምድሪ ወደቑ። ኣጆኹም ኣይትፍርሁ ክሳብ መወዳእታ ንኣምላኽ ከመስግንዎ ዝተገብረሎም ኪጽሕፍዎ ነጊሩ ናብ ሰማይ ዓረገ። በቲ ዅሉ ዝገበረሎም ዜደንቕ ግብርታት ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ።
ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ዓመት መፅአ 3 ጳጉሜን እተኽብረሉ ቐንዲ ምኽንያት ኣሎ። ቅዱሳን ሓዋርያት ንፈጣሪ ዓለማት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ብዝሓተትዎ መሠረት ካብ ሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤልን ቅዱስ ገብርኤል ቀጺሉ 3ይ ሊቀ መላእክት ኮይኑ ከም ዝተሸመን ሥልጣኑን ክብሩን ዝተገልጸሉ ተራዳኢነቱ ዝተጋህደሉ ዕለት እዩ።
ብተወሳኺ’ውን ዕለት 13 ምስ አእላፍ መላእክት ወርኃዊ በዓሉ እዩ።
ተራዳእነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣይፈለየና።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
 አሜን አሜን አሜን።
Leave a comment

Send a Comment