በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!
ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ
ገዳም ደብረ ድማኅ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ኾይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ቈላ ሠራየ፡ ካብ ርእሲ ከተማ ኣሥመራ ኣስታት 102 ኪ.ሜ. ርሒቁ ይርከብ። ብራኸኡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2075 ሜትሮ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብኣቡነ መርቆሬዎስ ብ1340 ዓ.ም. ተመሥረተ።
ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ቅዱሳን ወለዶም ካህን ቶማስ ስምዖንን ሰሎሜ ሕይወትብነን 29 ነሐሴ ብ1274 ዓ.ም ወምበርታ ፍሉይ ስሙ ደበሽን እንዳ ማርያም ተወልዱ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ወለዲ ተኣዘዝቲ እግዚኣብሔር ኣኽበርቲ ቅዱሳን ስለዝነበሩ ወርኂ ወርኂ ዝክር ቅዱስ ሰማዕት መርቆሬዎስ(ፒሉፓዴር) ይገብሩ ብምንባሮም ኣብ ዕለተ በዓሎም ብዝተገብረሎም ተኣምር መርቆሬዎስ ኢሎም ሰመይዎም። ስመ ክርስትናኦም ኸኣ ዕሤተ ማርያም በልዎም።
ካብ ዝተወልዱሉ እዋን ጀሚሮም ዘርእይዎ ዝነበሩ ተግባራት ናይ ዓቢይ ሰብ እምበር ናይ ሓደ ሕፃን ጠባይ ስለ ዘይኮነ ወለዶም ብኣንክሮ የስተውዕልዎ ነበሩ። ምስ ብሥጋ ኣኅዋቶም ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን (ኣደ ኣቡነ ቴዎድሮስ) ብፍቕሪ ድኅሪ ምንባር ኣቦኦም ካህን ቶማስ ንክምሃሩ ናብ ኣኮኦም ኣቡነ ጳውሎስ ወሰድዎም። ኣብኡ ከኣ ፊደል ቈጺሮም ዝጀመርዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 22 መዓልታት 81 መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓድስ ኪዳንን ኣጽፊፎም ተገልጸሎም። ብድኅር’ዚ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ካብ ኣቡነ ጳውሎስ ናብ ገዳም ኣቡነ ዳንኤል ሽማና ኸዱ። ኣብዚ ገዳም’ዚ ትምህርቶም እናቐጸሉ ንብዙኃት ኣረጋውያን ብምርዳእን ብኣገልግሎት ገዳምን ምስ ጸንሑ ካብ ግብጻዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ መዓርገ ዲቁና ተቐቢሉ። ካብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ ኣብ መበል 33 ዕድሚኦም ኣብ ደብረ ሽማና ምንኵስናን ኣስኬማን ተቐበሉ።
ንነዊኅ እዋን ብብሕትውና ድኅሪ ምጽናሕ ወንጌል ብምስባኽን ክርስትና ብምስፋሕን ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት እናተዘዋወሩ ሰፊሕ ትምህርቲ እናሃቡን ብዙኅ ተኣምራት እናገበሩን፣ ንኣስታት 67 ዓመታት ተጋደሉ።
ብድኅር’ዚ ብመንፈስ እግዚአብሔር ምስ ናይ መንፈስ ኣቦኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ሃገር ኤርትራ ከም ዝኸዱ ተነጊርዎም፡ ኣብ በራቒት ተራኸቡ። ወንጌል እናሰበኹ ኣብ ማይምነ ምስ በጽሑ ግን፡ እቲ ሕዝቢ ካብ መንገዲ እግዚአብሔር ኣዝዩ ርሒቑ ጸንሖም። ብሰይጣናዊ ምኽሪ ሓቢሮም ድማ ነታ ደቂሶሙላ ዝኃደሩ ኣጉዶ ሓዊ መለሱላ። እቶም ቅዱሳን ኣቦታት ግና በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ከይተተንከፉ ብተኣምራት ደኃኑ። ብድኅሪ’ዚ እቶም ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ቈላ ሠራየ እንዳ ማርያም በርቋሕ፡ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ን7 ዓመት ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ ን4 ዓመት ዝኣክል ብጽኑዕ ብሕትውና ኣብ በዓቲ ኣትዮም ኣብዚ ሕጂ ደብረ ደናግል ናይ ደብረ ድማኅ ኮይኑ ዘሎ ተቐመጡ።
ድኅሪ ናይ ሸውዓተ ዓመት ሱባኤ ድማ ካብ እግዚአብሔር ራእይ ርኣዩ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ንኣርማንያ ከም ዝኸዱ ክንገሮም ከሎ፡ ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ ብሓደ ዑፍ ተመሪሖም ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ በጽሑ። ነታ ቦታ ምስ ርኣይዋ ከኣ “እዚ ንዘለዓለም መዕረፊተይ እያ” ምስ በሉ መድኃኒዓለም መጺኡ ብኣርባዕተ መዓዝኑ ባረኽሎም። ኣብዚ ቦታ’ዚ እቶም ሕዝቢ ንኣርማንያ ከምዝኸዱ ምስ ሰምዑ “ኣቦታት ረድኤት ኪኾነና ቀዲስኩም ኣቝሩቡና” ምስ በልዎም ክልቲኦም ቅዱሳን ኣቦታት ብዕለት 18 ጥሪ ቅዳሴ ሠርዑ።
ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ኣቡኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ኣብ ሱዳን ኣገልግሎት ወንጌል ኣስፊሖም፡ ብግብጺ ተሳጊሮም፡ ኣርማንያ በጺሖም ናብ ኢየሩሳሌም ብምኻድ ቅዱሳት መካናት ተሳሊሞም ናብ ገዳሞም ተመሊሶም ኣብ ውጡሕ ዝተባህለ ቦታ፡ ኣብ በዓቲ ኣትዮም ተባሕትዎ ኃዙ።
ዓርቢ 12 መጋቢት በዓል ቅዱስ ሚካኤል፡ ኣብ ውሽጢ እዛ በዓቲ (ምጽላይ) ክጽልዩ ከለዉ ሃንደበት ቁመቱ 170፡ ጐድኑ ኸኣ 9 እመትን ሓደ ስድርን ዝኾነ ጸላኤ ሠናያት ዝተጻዕኖ ገበል ንኽውሕጦም መጽአ። እንተ ኾነ ግና እግዚአብሔር ምስኦም ስለዝነበረ፡ ጸሎቶም ሰሚዑ ንመልኣኹ ቅዱስ ሚካኤል ኣዚዙ ‘ዘጋል” መስቀል ሃቦም። በዛ ዝተቐበልዋ ዘጋል መስቀል ድማ ብስም ሥላሴ ምስ ዓተብዎ እቲ ገበል ኣብ ብዙኅ ተመትረ። እቶም ኣብኡ ኃዲሮም ዝነበረ ኣጋንንቲ ካብኡ ወፂኦም ክሃድሙ ምስ ተበገሱ ኣውጊዞም፡ ‘ተሰኪምኩም ውሰድዎ’ በልዎ’ም እሞ ተሰኪሞም ኣብ ዱቦኒ ዝበሃል በረኻ ደርበዮ። ንኵሉ ፍጡር እቲ ከባቢ ድማ ሰላምን ዕረፍትን ኮነሉ። በዚ መሠረት ዓመት መጸ 12 መጋቢት ኸኣ ኣቦታት መነኮሳት ካብ ገዳም ታቦት ኂዞም ብምኻድ ይቕድስዎን የኽብርዎን እዮም፡ እቲ ቅዱስ ሚካኤል መልኣክ ዝሃቦም ዘጋል መስቀል ክሳዕ ሎሚ ዝተፈለለየ ተኣምር እናገበረ ኣብ ገዳም ኣሎ።
ኣቡነ መርቆሬዎስ ድኅሪ ብዙኅ ገድሊ ‘ሥጋይ ዝዓርፈሉ ቦታ ግለጸለይ’ ኢሎም ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለዩ እዚ ሕጂ መቓብሮም ተነቢሩሉ ዘሎ ገዳም ደብረ ድማኅ ከም ዝኾነ ገለጸሎም እሞ ብ1340 ምስ ኣስታት 600 መነኮሳትን 300 መነኮሳያይትን መጺኦም ሥርዓተ ምንኵስና ሠሪዖም ገደምዎ። ማኅበሮም ምስ ሠርዑን ኣደላደሉን ኣብ መንጎ’ዚ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብራእይ ስለ ዝተገለጸሎም ምስ 25 መነኮሳት ናብ ኣርማንያ ተበገሱ እንተ ኾነ ግና ንመርከብ ዝኽፈል ሰልዲ ስለ ዘይነበሮም፡ ነቲ ቅድም ብዓጽፊ ተንሳፊፎም ተሳጊሮሞ ዝነበሩ ባሕሪ፡ ኣብ ደመና ተጻዒኖም ብምኅላፍ ኣብ ኣርማንያ በጺሖም ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተራኸቡ። ኣብ ዝዘራረቡሉ ዝነበሩ ጊዜ “ዓንዲ ተሰይሩ” ብምባል ሰገጥ በሉ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ከኣ ‘እንታይ ዓንዱ እዩ ዝስበር’ ኢሎም ምስ ሓተትዎም፡ ‘ንጉሥ ዓምደ ጽዮን ሞይቱ’ በልዎ፡ በዛ ጊዜን ሰዓትን ኸኣ እቲ ንጉሥ ከም ዝሞተ ተረጋገጸ። ንኣቦኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ቀቢሮሞም ተመልሱ። እንተኾነ ንእሽቶ ሓዎም ኣቡነ ኣብሳዲ ውን ዓሪፎም ስለዝጸንሕዎም “ወተመንደበ በክልኤ ኃዘናት” ከምዝብል ብዙኅ ጐሃዩ። ብድኅር እዚ ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ኣርማንያ ተመሊሶም ኣብ ተኸላ ገዳም መሥሪቶም ን10 ዓመታት ዝኣክል ተቐመጡ።
ቅዱስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ንኣርማንያ ኪኸዱ ከለዉ፡’ኵኖሙ አበ ህየንቴየ’ ክብሉ መስቀል ኢድ ዝሃብዎ ንኣቡነ ኣብሳዲ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቶም ግና እዚ ኃላፍነት እዚ ኣብ ዝባን ኣቡነ መርቆሬዎስ ክወድቅ ግድነት ኮነ። በዚ መሠረት እቲ መንበር ንኣቡነ መርቆሬዎስ ተዋህበ። ክሳዕ ሕጂ ድማ እቶም ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣበ ምኔት ዝሽየሙ ኣቦታት ኵሎም በዚ መንበር እዚ እዮም ዝሽየሙ፡ ክሳዕ ሕጂ ድማ እዚ መንበር እዚ ኣብቲ ገዳም ተዓቒቡ ይርከብ።
ኣቡነ መርቆሬዎስ ብዕድመ እናሸምገሉ ምስ ከዱ፡ ንኣባ ገብር ኄር ኣብ ክንድኦም ማኅበር ክመርሕ ገዲፎም፣ ካብ እግዚአብሔር ‘ዝኽርካ ዝገበረ፡ ስምካ ዝጽወዐ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘጽሓፈን፡ ናብ ገዳም መካነ መቓብርካ ዝነገደን ሞባእ ዝሃበን ክምሕረልካ እየ. . . ’ ዝብል ቃል ኪዳን ድኅሪ ምቕባል ፡ ብ16 ታኅሣሥ 1411 ዓ.ም. ኣብ መበል 130 ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም እዚ ብሞተ ሥጋ ተፈልዩ። እቶም ደቆም ከኣ “ሞተ ኖላዊነ ወተዘረውነ አባግዒሁ ተበትከ ኀብለ ራግናት ወተሰጥሙ ሕዝብ ውስተ ባሕረ ኃጢኣት/ ጓሳና ሞተ፡ ኣባጊዑ ተበተና፡ ገመድ መልሕቅ መርከብ ተበትከ፡ ሕዝቢ ድማ ኣብ ባሕሪ ኃጢኣት ጠሓሉ” እናበሉ ኣልቀስሎም።
ብድኅር ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ እቶም መነኮሳት ኣቦ ንክኾኑዎም ዝገደፍሎም ኣበ ምኔት ብዘይምእዛዞም፡ ብቀዛፊ ሕማም ተወድኡ። ድኅር እዚ እቶም ኣበምኔት ካብ ሞት ዝተረፉ ውኁዳት መነኮሳት ኂዞም ናብ ትግራይ(ራያ) ብምኻድ ገዳም መሥረቱ። እቲ ሓደ እዋን 900 ፈለስቲ ዝነበርዎ ገዳም ባዲሙ ብዘይ ሰብ ተረፈ። እንተኾነ ደቆምን ደቂ ደቆምን ንኣቡነ መርቆሬዎስ ከካብ ዘለውዎ እናመጹ ኣብ ዓዓመት ይዓጥንዎን ይቕድስዎን ነበሩ። ሓደ እዋን ግና ኣባ ተክለ ኢየሱስ ዝተባህሉ መነኮስ ትውልዲ ዓዶም ዓዲ ሕዝባይ ዝኾኑ፡ ብመንፈስ እግዚአብሔር ካብ ባምቡቆ ተመሪሖም፡ ካልኦት መነኮሳት ውን ኣኻኺቦም፡ መኅበር ሓድነት ኣቖሙ። ካብዚ ጊዜ እዚ ንደኀር ገዳም ደብረ ድማኅ ምሉእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። እዚ ገዳም እዚ ኣብ ርእሲ ናይ ብሕትውናን ምናኔን ቦታ ምዃኑ ብዙኃት ሊቃውንቲ ዘፍርን’ውን ስለዝኾነ ናይ ትርጓሜ መጻሓፍቲ ብሉይን ሓዲስን፡ ቅኔ፡ ምዕራፍን ጾመ ድጓን፡ መዝገበ ቅዳሴን መማህራን ኣይፍለይዎን እዮም።
ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ብፍሉይ ዝፍለጥ ብፃዕዳ ጸበሉ እዩ። እዚ ድማ ኣቡነ መርቆሬዎስ፡ ኣቡነ ኣብሳዲን ኣቡነ ፊልጶስን ኣብ ጐዳዕ ከባቢ ገዳም ደብረ ድማኅ እምባ ሮራ ኾይኖም ነናቶም ባህጊ ገለጹ። ኣቡነ ፊልጶስ፡ ‘እታ ዝዓርፈላ ገዳም ይትረፍ ኣንስቲ ኣንስተይቲ እንስሳ’ውን እንተ ኾነት ኣይትእተዋ’ በሉ፡ ኣቡነ ኣብሳዲ ድማ ‘ደቀይ ይብዝኁ’ ክብሉ ከለዉ ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ ‘ኣነ ዝቕመጦ ገዳም ፃዕዳ፡ ደቀይ ውን ሕልንኦም ከም ፃዕዳ ንጹሕ ግበረለይ’ በሉ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ከከም ጸሎቶም ሃቦም። በዚ መሠረት እምበኣር እዚ ፃዕዳ ጸበሎም ንዝኾነ ሕማም ብፍላይ ድማ ንሕማን ጋኔን ፡ መንሽሮ፡ ዓባይ ሰዓል. . . ወዘይመስሎ ሕማማት ፍቱን መድኃኒት እዩ። ከም ፍሉይ ተኣምር ናይዚ ፃዕዳ ጸበል ኸኣ ንልዕሊ 600 ዓመታት እቲ ጸበል ንምውፃእ ዝዃዓተሉ ጉድጓድ ክሳዕ ሕጂ ሓደ ስድሪ ዕምቈት ዘይብሉ ዘይጐድል ምዃኑ እዩ።
እምበኣር በረኸቶም ተኻፈልቲ ንምዃን ብማየ ጸሎቶምን ጸበሎምን ድማ ድኅነት ሥጋን ነፍስን ክንረክብ ናብዚ ገዳም ክንነግድ ይግባእ። ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!
Leave a comment