በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!
“እንሆ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ“(ሉቃ 2፡10)
ኣዳም ትእዛዝ እግዚኣብሔር ጥሒሱ ኣይትብላዓያ ዝተባህለ ዕጸ በለስ በሊዑ፡ ሞት ተፈሪድዎ ካብ ገነት ድሕሪ ምውጽኡ ንእግዚኣብሔር ዝኣክል ጎይታ፡ ንገነት እትመስል ቦታ ሰኢነ ተሪፈ ብምባል ተጣዕሰ። ጎይታ ድማ ሓዘኑ ርእዩ ልመንኡ ሰሚዑ “በኅሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ፡ ወለትከ ወእትቤዘወከ በመስቀልየ መበሞትየ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቃን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ” ዝብል ቃል ኣትዩሉ ነበረ። እቲ ዝተባህለ ግዜ ምስ በጽሐ ልክዕ ኣብ ግዚኡ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕቱም ድንግልና ተጠኒሱ ብሕቱም ድንግልና ተወልደ። እዚ ከምይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ፣ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ዮሴፍ ከላ እቲ ዘመን ናይ ሽግር ዘመን ስለ ዝነበረ ዮሴፍ ክነግድ ኢሉ ምስ ከደ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ክምለስ ከሎ ሓደ ዮሓንስ ዝበሃል ፍላስፋ ዓርኩ ክሓቶ ኢሉ መጸ። ምስ ከደ ድማ ከም ዝጠነሰት ፈሊጡ እዛ ጓል ድኣ ካባኻ ድያ ወላ ካብ ካልእ እያ ጠኒሳ በሎ። ዮሴፍ ድማ “ኣነስ ነዚ ነገር እዚ ክገብሮስ ይትረፍ ሓሲበዮውን ኣይፈልጥን እየ” በሎ። ብዝኾነ ግን ኣቲኻ ሕተታ ኢሉዎ ተሰናቢትዎ ከደ። ዮሴፍ ድማ ኣትዩ “ኦ ወለተ እስራኤል መኑ ቀረጸ ኣክናፍ ድንግልናኪ ወእምነ መኑ ጸነስኪ፥ ካብ መን ኢኺ ጠኒስኪ፧” በላ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣነስ “እቲ መልኣኽ ተፈስሂ ኦ ምልእተ ጸጋ ኢሉ ኣኽቢሩ ካብ ዝነገረኒ ካልእ ዝፈልጦ የብለይን” በለቶ። “ንኣዕዋፍ ብባህሪኦም ከም ዝበዝሑ፡ ነእዋም ከም ዘፍርዮ ዝገብር እግዚኣብሔር እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ ይሰኣኖ ድዩ፧” ኢላ ኣብ ልዳት ቤት ቆይሙ ንዝነበረ ደረቅ ጉንዲ ኣለምሊማ ኣርኣየቶ። ብድሕሪዚ “ወወጸኣ ትእዘዝ እምኅቤ ኣውግስጦስ ቄሳር ከመይጸሓፍ ኩሉ ዓለም” (ሉቃ 2፡1) ይብል። በቲ ቅነ’ቲ ድማ ኩሉ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ዝነበረ ህዝቢ ክጸሓፍ ካብ ቄሳር ኣጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። እስራኤላውያን ድማ በቲ ትእዛዝ መሰረት በብነገዶም ክቑጸሩ ነናብ ዓዶም ከዱ። “ወወድቀ ዮሴፍ ውስተ ጽኑዕ መዋግደ ሕሊና “ይብል። ዮሴፍ “ገዲፈያ እንተመጻእኩ ግብሩ ፈሊጡ ገዲፍዋ መጺኡ ክብሉኒ እዮም፣ ሒዘያ እንተወጻእኩ ዘምያ ኢሎም ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ክቐትልዋ እዮም” እናበለ ሓሳብ ከውርድን ከደይብን ድሕሪ ምጽናሕ ብስዉር ገዲፍዋ ክኸይድ ሓሰበ። እንተኾነ ግን ንሱ ነዚ ክሓስብ ከሎ መልኣኽ እግዚኣብሔር መጺኡ “ኦ ዮሴፍ ኢትፍራህ ነሲኦታ ለማርያም ፍህርትከ እስመ እመንፈስ ቅዱስ ውእቱ፥ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ካብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራህ” በሎ (ማቴ 1፡20)። ዮሴፍ ድማ ሒዝዋ ናብ ቤተልሔም ከደ። ኣይሁድ ግን ክፉእ ካብ ምሕሳብ ስለ ዘይዓርፉ “ማየ ዘለፋ ክትሰቲ ኣለዋ” ኢሎም ማየ ዘለፋ ኣስተይዋ። “ወኣጽደለ ገጻ እምብርሃነ ፀሓይ ዘወርኃ ኔሳን” ይብል ካብ ጸሓይ ንላዕሊ በርሀት። ጽድልቲ ኮይና ተረኽበት። ኣይሁድ ድማ “ነዛ ጓል ብኮንቱ ኣሚትናያ ኣሎና እሞ ወይልና ወይልና” በሉ።
ብድሕሪዚ ኣብኡ ከለዉ እዋን ሕርሳ በጽሐ። ኣብቲ መሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዕ ማል ወለደት።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንልደቱ ብዘይ ዘርኢ ርካቤ ዝገበሮ ቀዳማዊ ልደቱ ንምግላጽ እዩ፡ ድሕሪ ዓለም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ኣቦ ምውላዱ፡ ቅድሚ ዓለም ድማ ካብ ኣቦ ብዘይ ኣደ ምውላዱ የረድኣና። “ልደት ቀዳማዊ ተዐውቀ በደሃራዊ ልደት” ከም ዝብል (ሃይ ኣበው ዘሱኑት) እዚ ድማ ነቲ ዝተነግረ ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም እዩ።
ትንቢት፦ “ነሁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ፥ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ውን ክትወልድ እያ” ተባሂሉ ተነጊሩ ስለዝነበረ እዩ(ኢሳ 7፡14)።
ምሳሌ፦ኣዳም ካብ ሕቱም ምድሪ ከም ዝተረኽበ። ሄዋን’ውን ካብ ሕቱም ጎድኒ ተረኺባ እያ። እዚ ድማ ጎይታ ብሕቱም ማህጸን ናይ ምውላዱ ምሳሌ እዩ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ምውላዱ፥
ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ።
1, ትንቢት፦
ንጉስ ዳዊት፥ “ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ” ኢሉ እዩ (መዝ 131፡6)። ቤተልሄም ምድሪ ኤፍራታ ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ እያ።
ሚክያስ፦”ወኣንቲኒ ቤተልሔም ምድረ ኤፍራታ ኢትቴሐቲ አምነገስተ ይሁዳ እስመ እምኔኪ ይወጽእ ንጉስ ዘይርእዮሙ ለሕዝብየ እስራኤል፥ ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተልሔም ፡ ንስኺ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ከተማታት ዝነኣስኺ ኢኺ። ትውልዱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘልዎ ኸተንስእ እየ” ኢሉ እዩ (ሚክ 5፡2)።
2, ምሳሌ፦
ንእስራኤል ብስጋ ዝገዝኣ ወይ ዝመርሓ ንጉስ ናይ ምድሪ ዳዊት ካብ ቤተልሔም እዩ ተመሪጹ (1 ሳሙ 16፡1)። ንኹሉ ሰብ ብስጋን ብነፍስን ዝገዝእ ንጉስ ሰማይን ምድርን ጎይታ ኣብ ቤተልሔም ናይ ምውላድ ምሳሌ እዩ።
ጓሶትን መላእኽትን ኣብ ግዜ ልደት ጎይታ
ኣብቲ ሃገር እቲ ብለይቲ ማሎም ክሕልዉ ኣብ መሮር ዝሓድሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሔር መጺኡ ድማ “እስመ ናሁ ተወልደ ለክሙ ዮም መድሕን ዘውእቱ ክርስቶስ እግዚእ ቡሩክ በሃገረ ዳዊት፥ እንሆ ንኹል ህዝቢ ዝኸውን ኣብ ሓጎስ አበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድሓኒ ክርስቶስ ጎይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ። ምልክት ከኣ እዚ ይኹንኩም፥ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክትረኽቡ ኢኹም ” በሎም። ብሃንደበት ከኣ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም “ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማይ ወሰላም ብምድር ለዕጓለ እመሕያው” እናበሉ እናመስገኑ ናብ ሰማይ ክዓርጉ ረአይዎም። ሽዑ እቶም ጓሶት “ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክዉን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ናብ ቤተልሔም” ተበሃሃሉ። ቀልጢፎም ከኣ ከዱ ኣብኡ ድማ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ረኸብዎ’ሞ ደስ ኢልዎም ኣመስገንዎ(ሉቃ 2፡8-20)።
ኣብ ግዜ ልደት ጎይታ ሰብን መላእኽትን ጥራይ ኣይኮኑን ደስ ኢልዎም። እንስሳታትን ኣራዊትን ኩሉ ፍጥረታትንውን ደስ ኢልዎም እዩ።
“ወኣስተማወቅዎ ኣስትንፋሰ ኣድግ ወላህም” ይብል እንስሳታት ንጎይትኦም ፈሊጦም ብእስትንፋሶም ኣማሚቆሞ እዮም። ቁረ. ለይቲ ንምግላጽ እዩ።
ኣብ ግዜ ልደቱ ማይ ባሕሪ፥ ጸባን መዓርን፡ ጎቦታት እንጌራ፡ ዕንጨይቲ’ውን ናይ በረኸት ፍረ ኮይኑ እዩ። “በእንተ ልደቱ ለክርስቶስ ኣድባር ኮኑ ህብስተ ሕይወት ወዕጸወ ገዳምኒ ፈረዩ ኣስካለ በረከት ማየ ባሕርኒ ኮነት ሓሊበ ወመዓረ” ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ።
ሰብኣ ሰገልን ኮኾብን ኣብ ግዜ ልደት ጎይታ
ሰገል ማለት ጥበብ፡ ሜላ፡ ምርምር፡ ርቀት፡ ፍልጠት፡ ፍልስፍና ማለት ክኸውን ከሎ፡ ሰብአ ሰገል ማለት ከኣ ሰብአ ጥበብ ወይውን ናይ ጥበብ ሰባት ማለት እዩ። ንፍጥረታት ዓለምን ኑባሬኦምን፡ ኣካይዳ ስርዓቶምን ህይወቶምን መሰረት ብምግባር ብዛዕባ ጥበብ ዓለም ዝግደሱን ዝመራመሩን ፈላስፋታት ወይውን ጠቢባን ማለት ከኣ እዩ።
እዞም ሰባት እዚኦም ኮኾብ ርእዮም “ኣቦና ዝነገረና ግዜ በጺሑ ማለት እዩ “ኢሎም ብኮኾብ ተመሪሖም ናብ’ቲ ጎይታ ዝተወለደሉ ተበገሱ። ካብ በብዓዶም ክብገሱ ከለዉ 12 ነገስታት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዘሰነይዎም ነናቶም እልፍ እልፍ ዝኸውን ሰራዊት ነበሮም። ይኹን ደኣ እምበር ፈለገ ኤፍራጥስ ምስ በጽሑ በቲ ሓደ ኣብ ሃገራቶም ወረ ኲናት ከም ዝተላዕለ ብምስምዖም፡ በቲ ካልእ ድማ ጉዳይ ስንቂ ኣብ ስክፍታ ስለዘብጽሖም (ምውዳእ)፡ በቲ ንጉሰ ነገስት ፋርሻቡር ተመሪሖም እቶም 9 ነገስታት ንድሕሪት ተመልሱ። እቶም ሰለስተ (3) ነገስታት ግና መገዶም ብኮኾብ እናተመርሑ መንገዶም ብምቕጻል ኢየሩሳሌም በጽሑ (ተኣምረ ኢየሱስን ትርጓሜ ወንጌልን)። እቶም ኣብ ቤተ ልሔም በጺሖም ንዝተወልደ ጐይታ ዝሰገዱን ገጸ በረኸት ዘቕረቡን ሰለስተ ነገስታት ድማ ማንቱሲማር፡ ዲዳስፋ፡ ሜልኩ ይብሃሉ። መበቆሎም ድማ ካብ ፋርስን ባቢሎንን ምድረ ሳባን ዓረብን (ምድረ ኣግኣዚ) ከምዝኾነ ታሪኽ የረድእ።
እዞም ሰለስተ ነገስታት ከኣ ካብ ገነት ዝተረኽበ ወርቂ፡ ዕጣን፡ ከርቤ ኣምጺኦም ንጎይታ ኣብ ግዜ ልደቱ ህያብ ሃብዎ። ወርቂ ናይ መንግስቱ፡ ዕጣን ናይ ክህነቱ፡ ከርበ ናይ ሞቱ ምሳሌ እዩም።
ካበይ ረኺቦም ምስ እንብል ኣዳም ካብ ገነት ድሕሪ ምውጽኡ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል፡ ቅዱስ ገብሪኤል፡ ቅዱስ ሩፋኤል ወርቂ፡ ዕጣን፡ ከርቤ ኣምጺኦም ኣብዎ። ንሱ ከኣ “ንስኢ ሕጼኪ” ኢሉ ንሔዋን ሃባ። ሔዋን ድማ ንሴት ሃበቶ። ካብ ሴት ድማ እና ተመሓላለፈ ናብ ኖህ በጽሐ። ኖህ ድማ ካብ መርከብ ድሕሪ ምውጽኡ ንሴም ሃቦ፡ ሴም ድማ ንመልከ ጼዴቅ ኣጽንሓሉ። መልኬ ጼዴቅ ድማ ንኣብርሃም ሃቦ። ካብ ኣብርሃም ድማ እናተመሓላለፈ ብዳዊትን ብሰለሙንን ገይሩ ናብ ኣክኣብ በጽሐ። ብናቱ ዘመን ድማ ቴልጌልፋልሶር ማሪኹ ወሲዱ ኣብ ቤተ መዛግብቲ ኣንበሮ። ኣብኦም ዥረደሽት ይበሃል ፍላስፋ ድማ እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ግዜ ቀትሪ ኣብ ገምገም ማይ ኮይኑ ክፈላሰፍ ከሎ ኣብ ሰለዳ ኮኾብ ድንግል ሕጻን ሓቊፋ ርኣየ። ነቲ ዝረኣዮ ድማ ኣብ ሳሌዳ ስኢሉ ኣቐመጦ። ክመውት ከሎ ድማ ንደቁ ደቀይ ከምዚ ዝበለ ኮኾብ ክወጽእ ከሎ ኣብ ዝረኣኽሙሉ ግዜ ሰማያዊ ንጉስ ስለዝውለድ ነዚ ወሲድኩም ስገድሉ ኢሉ ሂብዎም ሞተ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተባህልዎ ብምግባር ኣብ ቤተልሔም ብምብጻሕ ንጎይታ ሰገድሉ። ሰጊዶም ድሕሪ ምውጽኦም እቲ ሓደ ኣረጊት እንድዩ ደኣ በለ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣረጊት ኣይኮነን መንእሰይ እምበር በለ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣረጊት ኣይኮነ መንእሰይ’ውን ኣይኮነን ንሱ ድኣ ህጻን እምበር በለ። ተመሊስና ኣቲና ንርኣዮ ተበሃሂሎም እንደገና ምስ ኣተዉ ነቲ ዓቢ ሰብኣይ መሲሉ ዝተራእዮ መንእሰይ፣ ነቲ መንእሰይ መሲሉ ዝተራእዮ ህጻን፡ ነቲ ህጻን መሲሉ ዝተራእዮ ድማ ዓቢ ሰብኣይ መሲሉ ተራእዮም። ተመሊሶም ሽዑ ከም ናትካ እዩ ከም ናትካ እዩ ክበሃሃሉ ጀመሩ። መልኣኽ መጺኡ ድማ ከም ናይ ኩላትኩም እዩ በሎም። ብእዝንኻ ዝሰማዕካዮ ብዓይንኻ እንተርኢኻዮ ይርደኣካ እዩ ኢሎም ሳልሳይ ግዜ ኣተዉ። ነቲ ሽማግለ መሲሉ ዝተራእዮ፡ መንእሰይ ኮይኑ ተራእዮ፡ ነቲ መንእሰይ መሲሉ ዝተራእዮ ከኣ ህጻን ኮይኑ ተራእዮ፡፡ ነቲ ህጻን መሲሉ ዝተራእዮ ከኣ ዓቢ ሰብኣይ መሲሉ ተራእዮ። ነዚ ርእዮም ድማ ዕጹብ ዕጹብ እናበሉ ኣመስገኑ።
ንሃገሮም ክምለሱ ኢሎም ምስተበገሱ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ስገም እንጌራ ሰንኪታ ሃበቶም። ናብ ሃገሮም ክሳብ ዝኣትዉ ድማ ምስ ሰራዊቶም ኮይኖም እና ተመገብዎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ከተምኦም (ዓዶም) ምስ በጽሑ ነዚ ቅዱስ መግቢ ናብ ከተማና ኣይነእትዎን ኢና ኢሎም ኣብቲ ኣፍደገ ናይቲ ከተማ ቀቢሮሞ ኣተዉ። በጺሕኩም መጺእኩም ኢሎም ተሓቲቶም ንሶም ድማ እወ በልዎም። እንታይ ምስክር ኣለኩም ድማ ኢሎም ሓተትዎም፧ ብክልተ ዓመት ዝኸድናዮ ብኣርብዓ መዓልቲ ተመሊስናዮ። ኣዲኡ ዝሃበትና ናይ ስገም እንጌራ ንሕናን
ሰራዊትናን እናተመገብናዮ መጺእና ናብ ከተማና ኣይነእትዎን ኢና ኢልና ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ከተማ ቀበርናዮ ኣሎና” በልዎም። ተተሓሒዞም እንተኸዱ ድማ ክተክኽ ረኸብዎ።
መልእኽቲ ልደት
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብ ኩሎም ሃብታማትን ነገስታት ንጓሶት መሪጹ ነዚ ዓቢይ ብስራት’ዚ መልኣኹ ሰዲዱ ከበስሮም እንከሎ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። እዚ እግዚኣብሔር ንትሑታት ከም ዘፍቕሮም ዝገልጽ እዩ። መላእኽቱ ሰዲዱ ናብ መብልዕ ማል ናብ ቤተ ልሔም ክኸዱ ምንጋሩ ንዓና ዓቢይ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ እንኸይድ ኣብኡ ጐይታ ኣሎ። ኣብ ቤተ ልሔም ኣማናዊት ቤተ ልሔም (ቤተ ሕብስት) ቅድስት ድንግል ማርያም ኣላ። ጻድቕ ዮሴፍ ኣብኡ ኣሎ። ጓሶት’ውን ይርከቡ እዮም። እምበኣርከስ ቤተ ልሔምና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መኅደሪ መለኮት እያ። አምላኽ ወትሩ ዘይፍለያ ቤቱ እያ። ንእኡ ዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ወትሩ ብቃል ኪዳናን ብጸጋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣላ። ጐይታን ኣዲኡን ዘኽብሩን ዘመስግኑን፤ ኣብ ሕይወቶም ሒዞሞም ዝኸዱን ዘይፈልይዎምን ጻድቃን ቅዱሳን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዮም ዝርከቡ። ጓሶት መምህራን ኣብ ቤቱ ኣለዉ። ብጸጋ ዝኸብዋን ዘጽልሉዋን ቅዱሳን መላእኽት’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣለዉ። ስለዚ ናብ ኣማናዊት ቤተ ልሔም ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ እንኸይድ፡ ንጐይታ ምስ ኣዴኡን ምስ ኵሎም ቅዱሳኑን ክንረኽቦም ኢና። ኣብኡ ሥምረት ሰማያውያንን ምድራውያንን ኣሎ። ምድራውያን ዝዝምርዎ ሰማያዊ ዜማ መላእኽቲ ኣሎ። ሰማያዊ ስብሐት ወውዳሴ ኣሎ። ኣብ ምድሪ እንከላ ብሰማያዊ ስርዓት ዝተሰርዐ ድንቂ መንፈሳዊ ኣገባብ ኣሎ። ናብቲ ሰማያዊ ክብርን ጸጋን እትወስድ ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ እሞ ናብኣ ንኺድ። እምበኣርከስ ንጐይታ ክንረኽቦን ክንሰግደሉን ናብቲ መብልዕ ማል ዝርከበላ ቤተ ልሔም “ስብሐት ለእግዚአብሔር..” እናበልና ንኺድ። ኮይኑ ግና ብዙሓት ኣብዚ ቅዱስ ዕለት ሰማያዊ ሓጐስን ጸጋን ክንርኽበሉ ኣብ ዝግባእና ስፍራ ኣይንርከብን። ነቲ ኣምላኽን ስሌና ዝገበሮ ነገራት ኣስተውዒልና ከነመስግኖ ኣይንርአን ኢና። ነቲ ክንገብሮ ዝግባእና ብመሰረት ቃሉን ፍቓዱን ክንገብር ኣይንርከብን ኢና። ካባና እቶም እንሰሳታት ብርግጽ ንጐይቶኦም ዝፈለጡ ምዃኖምን፡ ዝከኣሎም ድማ ከም ዝገበሩ ምስትብሃል ከድልየና እዩ። ሎሚ ኣብ ክንዲ ናብታ እግዚአብሔር ምስ ቅዱሳኑ ዝርከበላን፡ ሰባት ብሰማያዊ ስርዓት ዝነብሩላን ኣማናዊት ቤተ ልሔም፤ ናብቲ እግዚአብሔር ዝጸየፎ ስፍራ ብምኻድን ብዘይግባእ ምድራዊ ስርዓትን እነሕልፎ ኣይንሰኣንን። ስለዚ ትርጉም ክቡር ልደት ቅኑዕ ንባቡ ኣብ ሕይወትና ክንበብ እንተኾይኑ፡ ካብቶም ጓሶት ንመሃር። ናብ ቤተልሔም ብምኻድ ድማ ነቲ ሊቀ ኖሎት ነመስግኖ። ናብኡ ንቕረብ ንሱ ከብርሃልናን ክጓስየናን እዩ።
ጐይታናን ምድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለና ክብል መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ተወሊዱ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ይግበኣና፣
እምበኣር ከምቶም ብለይቲ ክንድቅስ ከይበሉ ብትግሃት ዝጓስዩ ዝነበሩ ጓሶት ከይተሃከና መንፈሳዊ ዕዮና ብትግሃት ክንፍጽም ይግበኣና (ሉቃ 21፣34-36)።
ብሓቂ ነዚ ክቡር ዕለት እዚ ከነብዕል ከለና፡ ዓቢይን ክቡርን በዓል እዩ ኢልና ጥራይ ክንሓልፎ ዘይኮነ፡ ንድኻታት፡ ንዘኽታማት፡ ንጽጉማትን ስደተኛታትን ብዓይኒ ርህራሄ እናጠመትና ብዓቕምና (ሰብ ብዘለዎ እዩ ዝእመን) ክንሕግዞምን ክንናብዮምን ይግባእ። እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና ኣሜን!!
ዝተባረኸን ዝተቀደሰን ኣውድኣመት ይግበረልና! ኣሜን!
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment