በስመኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
፫/3 ጥሪ ዕረፍቱ ለኣባ ሊባኖስ መጣዕ
ኣቦና ኣቡነ ሊባኖስ ካብ አቦኦም አብርሃምን ኣዲኦም ንግስት ማርያም (ባዚሊሳ) ኣብ መጀመርታ ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ትውልዲ ዓዶም ቊስጥንጥንያ
(ኮንስታንቲኖፖል) ተወልዱ። ኣብቲ ዘመን እቲ እዛ ምዕብልቲ ዝነበረት ግዝኣት ዋና ከተምኣ ቍስጥንጥንያ ብዝብል ትፈለጥ እምበር ቀዳማይ ስማ ሮም ብዝብል ትጽዋዕ
ከምዝነበረት ታሪኽ ይገልጽ። ወለዲ ኣባ ሊባኖስ እዚ ጎዲልዎም ዘይበሃሉ ኣዝዮም ሃብታማት ነበሩ። ኣባ ሊባኖስ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሑ ካብ ኣዝማድ ኣዲኦም ንዝኾነት
ጓል ኣሕጺዮም ኣመርዓውዎም። ብድሕሪዚ በሊዖም ሰትዮም ተጻዊቶም ምስ ወድኡ ስርዓተ መርዓውን መርዓትን ከብጽሑ ኢሎም መጋረጃ ሃብዎም። ኣባ ሊባኖስ ግን
ሎምስ ምስ ኣቦይ እየ ዝድቅስ ኢሉም ምስ ኣቦኦም ደቂሱ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ቅዱስ ገብርኤልመጺኡ “ንስኻ ንመንግስተ ሰማይ ዝተሓጸኻ ኢኻ እሞ ስዓበኒ” ኢሉ
እናመርሖም ገዳም ዳውናስ ኣብጽሖም። ኣቦምኔት ናይቲ ገዳም ዝነበሩ ኣባጳጉሚስ ምሂሮም መዓርግ ምንኩስና ሂቦም ኪድ ምሃር ኢሉም ድማ ናብ
ምድሪ ኣጋእዚት ሰደድዎም። መጺኦም ድማ ኣብ ምድሪ ትግራይ ኣብ በቅላ 7 ዓመት ብጾምን ብጾሎትን፡ ብስግደትን ብምምሃርን ጸኒዖም ነበሩ።
ብድሕሪዚ ካብ ኣኽሱም ብድሕሪ ቤተ መቕደስ ዘሎ ዱር (በረኻ)ንዕዖም ዝኸውን ስፍራ ኣዳልዮም ኣብኡ ተቐመጡ። ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ
መጸት ሽዑ ካብቲ ዝረገጸቶ እምኒ ሸተት ኢላ ወደቐት እሞ እቲ ሓቚፋቶ ዝነበረት ህጻን ሞተ። እናበኸየት ክትምሕጸን ከላ ንሶም ድማ ጸልዮም
ብዘንጎም ተንክዮም ኣተንስኡላ ። ንጉስን፡ ጳጳስን ነቲ ህዝቢ ግብሪ እና ኣኽፈሉ ህያባት እና ተቐበሉ ይነብሩ ነበሩ። ኣባ ሊባኖስ ድማ ግደፉ ነዚ ነገር እዚ ኣይትግበሩ
ይብልዎም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ነዚ መጻእተኛ መን ፈራዲ ገይርዎ ኢሎም ኣሳደድዎም። ኣብ ምድረ በዳ በዓቲ ሰሪሖም ድማ ተቐመጡ። ድሕሪዚ ሰማይ ዝናም ንዘርኢ
ዝኸውን ጠሊ ካብ ምሃብ፡ ምድሪ ድማ ነቲ ዝተኸሉላ ካብ ምጽዳቅ፡ ነቲ ዝዘርኡላ ካብ ምብቋል ተኸልከለት። ጥሜት ምስኮነ ድማ ኣተዓርቑኒ
ኢሎም ንኣባ ኣድኃኒ ልኣኹሎም። ነቲ ንጉስን ነቲ ጳጳስን ነቶም ካህናትን ርስቲ ጉልቲ ክወሃቦም ግብሪ ምሃብ ግን ክተርፍ ከም ዘለዎ ቃል ኣእትዮሞ
ጸልዮም ዝናም ከም ዝዘንብ ገበሩ። ብዘንጎም ገይሮም ሃሪሞም ዝፈልፍል ማይ ፈውሲ ገበሩ፡ ኣብኡ ኮይኖም
ክጽልዩ ከለዉ ድማ እቶም ህዝቢ ተኣኪቦም ሰላም ክብልዎም መጹ። ምስ ረኣይዎም ድማ ውዳሴ ኮንቱ ስለዝኾነ ገጾም ቀይሮም ናብ በዓቶም
ተመልሱ። ኣቦና፡ ኣቦና እንዳበሉ ሃወኽዎም ተቖጢዖም ወጺኦም መንገዲ ክጎዓዙ ጀመሩ። ህዝብኻ ንመን ገዲፍካ ትኸይድ ኣሎኻ ኢሎም ምስ
ተኸተልዎም ኣይገድፈኩምን እየ፡ ኩሉ ግዜ ምሳኹም እየ ኢልዎም ናብ ሽዋ መጺኦም ኣብ ዘጋሚኤል ዝበሃል ቦታ ተቐመጡ። ቁሩብ ግዜ ኣብኡ ድሕሪ
ምንባር ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ “ዛቲሰ መካን ኢኮነት ኣንተ ኣከኣለ ህድግ ሎቱ ለዘይመጽእ እምድህሬከ” እዛ ቦታ እዚኣ ቦታኻ ኣይኮነትን እሞ
ብድሕሬኻ ንዝመጽእ ግደፈሉ። “ወበእንተ ጻማከሰ ትሰመይ በስምከ ደብረ ሊባኖስ” ስለ ዝደኸምካላ ግና ብስምካ ደብረ ሊባኖስ ተባሂላ ክትጽዋዕ ኢያ
በሎም። አቡነ ሊባኖስ ኣብ አጋ ዕረፍቶም ድራር (ገብረ ክርስቶስ) ንዝተባህለ ናይ መንፈስ ውሉዶም ንስኻ ኢኻ እትቐብረኒ ዝቕበረሉ ቦታ ከኣ ብመንፈስ
ቅዱስ ተመሪሕካ ክትረኽቦ ኢኻ፣ ኢሎም ምስ ተላበውዎ አብ ምድሪ ሓራሳት ከኣ ዓረፉ። ምድሪ ሓራሳት አብ ጥቓ ዓዲ ግራት እትርከብ ዓዲ
ኢያ። ቅዱስ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብዚ ቦታ’ዚ ምስ ዓረፉ ማንም ሰብ ኣይረኣዮምን ነበረ ብተኣምራት ግና ዝተገልጹሎም ሰባት ስለ ዝነበሩን ድኅሪ’ዚ ድማ ነቲ
ዝተላበውዎ ገብረ ክርስቶስ (ድራር) ብርሑቕ ቀስተ ደመና ስለዝተራእዮ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ትእምርቲ ዝረኣየሉ ምስከደ ኣቡነ ሊባኖስ ከኣ ኣብኡ
ዓሪፎም ጸንሕዎ። ከምቲ ለበዎኦም ድማ ካብ ምድሪ ሓራሳት ተሰኪሙ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ገዳሞም ደብረ ወርቅ አምጺኡ ቀበሮም። ምድሪ ሓራሳት
ካብ ደብረ ሊባኖስ ናይ ምሉእ መዓልቲ መገዲ ኢዩ። ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከባ ጥንታውነት ዘለወንን ታሪኽን ቅርሳ ቅርስን
ዝዓቀባ ገዳማት ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕ እዩ። መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጥኡ ኣዝዩ ሰሓቢ ኣብ ኣጻድፍ ዝተገደመ ኮይኑ ምሉእ ስሙ ገዳም
ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ተባሂሉ ይፍለጥ። ዝርከበሉ ቦታውን አብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ካብ
ኣስመራ ኣብ ኣስታት 150 ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። ኣቡነ ሊባኖስ ብህይወት ስጋ ከለዉ 80 ዝኣኽላ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስሪሖም እዮም።
በረከቶምን ጸጋኦምን ኣይፈለየና ኣሜን!!!
Leave a comment