5ይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም (ደብረ ዘይቲ)

5ይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም  (ደብረ ዘይቲ)
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን
5ይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም
ደብረ ዘይቲ
        ኣብ ዓመት ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን ኅልፈተ ዓለም ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ወርኃ ጳጉሜን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል ኣሎ፡ እቲ ሣልሳይ ድማ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት’ እናተባህለ ዝጽዋዕ እዩ።
ደብረ ዘይት ማለት ዘይቲ ዝርከቦ፡ ኣውሊዕ ዝበቝሎ እምባ ማለት እዩ። እዚ እምባ’ዚ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብወገን ምሥራቅ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ኣደባባይ ወይ ሜዳ ቤተ መቅደስ ሰብዓን ኃሙሽተን ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ቦታ’ዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሕዝበ እስራኤል ካብ ላዕላይ ገሊላን ታሕታይ ገሊላን ሕጊ ኦሪት ንምፍጻም፡ በዓል ንምኽባር ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ እናመጽኡ ዝኃድሩሉ ቦታ ስለ ዝነበረ መኅደሪ ገሊላ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቅዱስ ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ሃዲሙ ‘ናብ ደብረ ዘይት ደይቡ ይብል። (2ይ ሳሙ. 15፡30-32)
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ኸሎ ኣቦታትና ሓዋርያት ብሕት ኢሎም “ ናይ ዳግማይ ምጽኣትካን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምልክት እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና ” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ብዛዕባ ምፍራስ ኢየሩሳሌምን ቤተ መቅደስን፡ ብዛዕባ መፈጸምታ ዓለም፣ ብዛዕባ ናይ ምጽኣት ምልክት፣ ብዛዕባ ክሳዕ ክንደይ ዘመን እዚ ወለዶ ንእግዚአብሔር ከይኣመነ ከምዝጸንሕን ኣብ ፍጻሜ ዓለም ብኽብሪ ብመላእኽቱ ተዓጂቡ ንፍርዲ ኸም ዝመጽእ ብሓፈሻ ምሥጢረ ምጽኣቱ ዝመሃረሉ ቦታ እዩ። (ማቴ. 24)
ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ ብትሕትና እዩ ነይሩ። ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ። ብገዛእ ወገኑ ኣይሁድ ኣብ ፍርዲ ቖመ፣ ክጸፍዕዎ፡ ክዳኑ ክገፍዎ፡ ኣክሊለ ሦክ ክደፍእሉ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ክሽንክርዎ፡ ኣብ መስቀል ክሰቕልዎ ኸለዉ ስቕ በለ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ስቕታ ክገልጽ ከሎ፡ ‘‘ እንታይ ዓይነት ትዕግሥቲ እዩ፡ ቀርኒ ኸለዎ ዘይዋጋእ በጊዕ፡ እንታይ ዓይነት ትዕግሥቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዘባጭውሉ ስቕ ዝብል ’’ በለ።
ነቢይ ኢሳይያስ እውን ኣብ መጽሓፉ ምዕራፍ 53 “ ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ኣብዚ ነገር እዚኸ ኃይሊ ቕልጽም እግዚአብሔር ከም ዘሎ ንመን ተጋህደሉ፧ . . . ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ዅላትና ኸም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና ነፍስ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ እግዚአብሔር ከኣ ኣባሳ ዅላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ ብትሕትና ተቐበሎ፡ ኣፉ’ውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ገንሸል ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።” በለ። እዚ ዅሉ ኣብ ቀዳማይ ምጽኣቱ ዝኾነ እዩ።
ዳግማይ ምጽኣቱ ግና ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በክበበ ትስብእት በግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣቱ መንገዲ ዝጸርጉ ምልክታት ገለ ካብኣቶም ሎሚ ንዕዘብ ኣሎና።
“ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃን ብስመይ ክመጽኡ እዮም እሞ ንብዙኃን’ውን ከስሕቱ እዮም።” ከምዝበሎ ናይዚ ምልክት ቅድሚ ሕጂ “ብስም ክርስቶስ መጺኦም ነይሮም፡ ብሕጂ’ውን ብዝገደደ ክመጽኡ እዮም። ብስም ክርስቶስ ትካላት እምነት ዝመሥረቱ፣ ክርስቶስ ብሕልምን ራእይን ተገሊጽለይ እናበሉ ዝመጽኡን ዝመጽኡ ዘለዉን ኣዝዮም ብዙኃን እዮም።” መስሓትቲ ብምዃኖም ድማ ንከየስሕቱና ክንጥንቀቕን ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ኽንቃወሞምን ‘ዑቍኬ ኢያስሕቱክሙ/ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ’ ኢሉ የጠንቅቐና።
“ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም . . . ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፡ መንግሥቲ ውን ናብ መንግሥቲ ክለዓል እዩ” ሃገር ምስ ሃገር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነንሓድሓዱ፤ ኣብ መንጎ ሥድራን ቤተ ሰብን፡ ኣብ ሓደ ሰብ ሥጋን ነፍስን . . . ውግእን ፍልልይን ዝኸፍኣሉ ዘመን ብምህላውና ነቲ ትእምርቲ ምጽኣቱ ብሩህ ይገብሮ።
“ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ . . . ” ከምዝበሎ ብተፈጥሮን ሰብ ብዝሠርሖን ሕልቂት ሕዝቢ፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝኸፍአ ሳዕቤን፡ ብዝቐልጠፈ ተርእዮን ሎሚ ዓለም ተናዊጻ ምህላዋ ርዱእ ትእምርቲ ምጽኣቱ እዩ። ምዕቡል ዘመን ኣብ ዝተባህለሉ ጊዜ ክብሪ እኽለ ማይን፡ ድርቅን ጥሜትን ዓጸቦን ሕማም ተላገብን ዝገደደሉ ጊዜ እዩ። ካብዚ ዝገደደ ግና ረኃብ ነፍሲ፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ዘይኮነስ ረኃብ ቃለ እግዚአብሔር ምህላዉ እዩ። ሰብ ሃይማኖቱ ኃዲጉ፡ ንዓውለማ ዝተገዝኣሉ፡ ካብ ቃል እግዚኣብሔር ዝያዳ ኣድህቦን ኣድናቖትን ዝህቦ ንስፖርተኛታት፡ ደርፍቲ፡ ተዋሳእቲ . . . ወዘይመስሎ ብምህላዉ እቲ ጊዜ ምቕራቡ ዘረድእ እዩ።
ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ 49፡3-6 “ ኣምላከ ኣማልክት እግዚአብሔር ነበበ ወጸውዓ ለምድር፡ እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም/ ኣምላከ ኣማልክት እግዚኣብሔር ተዛረበ ንምድሪ’ውን ጸውዓ እግዚአብሔር ብግልጺ ክመጽእ እዩ፡ ስቕ’ውን ኣይብልን” ከምዝበሎ በታ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኃይልን ብዓቢይ ክብርን ዝመጽኣላ መዓልቲ ምድሪ ነቶም ኂዛቶም ዝነበረት ከተረክብ እያ። ወልደ ዕጓለ እመሕያው ክርስቶስ ብዘፍርሕ ግርማኡ ክግለጽ እዩ። ሽዑ መወዳእታን መፈጸምታን ዘይብሉ ንብዓት ከም ማይ ክረምቲ ክውኅዝ እዩ። መሣጢ መብረቕን ዘሰምብድ ብልጭልጭታን፡ ድምፂ ነጐድጓድን፡ ኃያል መስመስታን ከኣ ናብኣቶም ክፍኖ እዩ። እዚ ኸኣ ዝስይፍን፡ ዝቖርጽን ዝፈላልን ብጽሒት ኃጥኣን እዩ። ምድሪ ዝተቐበለቶ ኅድሪ ክትመልስ እያ፡ ኣደ ኸኣ አውያት ጓላ እኳ ኣይክትሰምዕን እያ። “ሽዑ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ኽንቀውም ኢና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ)። ሽዑ ኃጥኣን ካብ ኳኽ ሾብዓተ ጊዜ ጸሊሞም ዲያብሎስ መሲሎም ክትንሥኡ እዮም፡ ጻድቃን ግና ካብ ፀሓይ ሾብዓተ ጊዜ ኣብሪሆም ንክርስቶስ መሲሎም ክትንሥኡ እዮም። ንጻድቃን ብየማኑ ንኃጥኣን ብጸጋሙ ኣቝሙ፡ ነቶም ጻድቃን ተግባሮም ሞጊሱ ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻን ንዑ ናባይ ኢሉ ናብ ናይ ዘለዓለም ጽድቂ ክቕበሎም ከሎ፡ ነቶም ብጸጋሙ ዝቖሙ ኃጥኣን ግና ተግባሮም ወቒሱ ‘ኺዱ ካባይ ረኃቑ’ ኢሉ ናብቲ ናይ ዘለዓለም ደይን ክሰጎም እዩ።
እሞ’ኸ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ ክንድዚ ተፍርህ ካብ ኮነት፡ ንመዓልቲ ጐይታ ከመይ ኮይንና ክንጽበያ ይግብኣና፧ እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከምዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቅሑ!” ከምዝበለ። (ማቴ 24፡42)
“ግና መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ እዩ፡ ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎት’ውን ንቕሑ” (1ይ ጴጥ. 4፡7) እናተባህለ ንሕና ግና ነቲ “ንቕሑ” ዝብል ቃል ዝዘንጋዕናዮ ንመስል። እሞ’ኸ ደኣ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ንዝቐርበልና ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ድልዋን ዲና፧ ነታ መዓልቲ ብሓቂ ከምዚ ዘለናዮ ዲና ክንጽበያ፧ ያእ ኣይፋልናን! ሕዝበ ክርስቲያን ነቲ ኵሉ ዝተዋህበና ሰምዕታ ከነስተብህለሉ ይግብኣና።
ሎሚ እዚ ዘለናዮ ዘመን ምጽኣት ዝቐረበሉ፡ ምድሪ ዝረኸሰትሉ እዩ። እዚ ሰዓት ንዳንኤል ብትንቢቱ ነቲ ቃል ትንቢት ኅተሞ ዕጸዎ ዝበሎ፣ ንዮሓንስ ድማ ኣብ ራእዩ እቲ ናይ ዘመን ፍጻሜ በጺሑ እዩሞ ነቲ መጽሓፍ ገንጽሎ እቲ ዝቕደስ ኣዚዩ ይቀደስ እቲ ዝረኽስ ኣዚዩ ይርከስ’ ይብሎ። ሎሚ ዓለምና ብጕድለት እምነትን ብገቢረ ኃጢኣትን ረኺሳ እያ፣ እቲ ዅሉ ዝተተንበየ ትንቢት’ውን ይፍጸም ኣሎ እሞ ምስ መን ኢና ዘሎና ምስ እግዚአብሔር ወይ ምስ ዓለም፧
ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ሮሜ መልእኽቱ “ኵሎ ዘተጽሕፈ ለተግሣፀ ዚአነ ተጽሕፈ/ ኵሉ ንተግሣፅናን፡ ንምህሮናን እዩ ዝተጻሕፈ’ (ሮሜ 15፡4) ዝበሎ ነዚ ነገረ ምጽኣቱን ኅልፈተ ዓለምን ብሸለልትነት ክንምልከቶ ኣይግባእን።
እስከ ብዛዕባ እተን ዓሠርተ ደናግል ንዘክር! እተን ኃሙሽተ ለባማት ነቒሐን ስለዝጸንሓ ነቲ መርዓዊ ክቕበላ ከም ዝበቕዓ፡ እተን ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል ግና ጐይታና ክድንጕ እዩ ኢለን ከም ዝደቀሳ፡ እቲ መርዓዊ ምስ መጽአ ድማ ክቕበልኦ ተንሢአን፡ ነቲ መብራህተን (ቀንዴለን) ከብርሃ እንተፈተና ግና እተን ቀንዴለን ዘይቲ ዘይብሉ ኾይኑ ነቲ መርዓዊ ክቕበልኦ ከም ዘይከኣላ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ። (ማቴ. 25፡1-13)
እቲ ዘይቲ ዘይነበሮ ዝተባህለ፡ ምግባረ ሠናይ ዘይብሉ፡ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ፡ ንምጽኣት ጐይታ ከይተዳለወ ዝጸንሐ ሰብ እዩ። መወዳእታኡ ድማ ናብ ቦታ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ሽዑ ዝኸውን ብኽያትን፡ ኣውያትን ንብዓትን ረብሓኡ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ፈጣሪ እኳ ኢዱ ዝፈጠረቶም ናብ ጥፍኣት ክኸዱ ምስ ርኣየ ምእንቲ ፍጡራቱ ክነብዕ እዩ። (ቅዳሴ ኣትናቴዎስ)።
    ስለዚ ነዚ ምልክታት ነገረ ምጽኣቱ ተረዲእና፡ ኻብቲ ዝደቀስናዮ ንበራበር፡ ምስ ጐይታ ብጾም ብጸሎት ብስግደት ብምጽዋት ንራኸብ፡ ኣብ ተዋሕዶ ሃይማኖትና ንጽናዕ። ነዚ ዘመን ነስተብህለሉን ካብ መስሓትያን ንተሓሎን። “ኣምላክ ሰላም ባዕሉ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን ይሓልዎ።” (1ይ ተሰ. 5፡23) ከምዝብል።
አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኃፍረነ! ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ኣየሕፍረና!
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
Leave a comment

Send a Comment