5/፭ መጋቢት ዕረፍቲ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ
ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ንሂሳ (ግብጺ) እዩ። ኣቦኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅለስያ ይበሃሉ። ውላድ ስኢኖም ን30 ዓመታት ይሓዝኑን ይትክዙን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ቤተክርስትያን ብምእታው ኣብ ትሕቲ ስእሊ ኣጋእዝቲ ኣለም ስላሴ ብምውዳቕ ክትልምንን ክትማሕጸንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዐል ቀርኑ እምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ብራኸ ሰማይ ዝበልጽ ቆልዓ እንኪ ተቐበልኒ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ መሰረት ድማ ኣቦና ገብረመንፈስ ቅዱስ መጋቢት 29 ተጠኒሶም ታሕሳስ 29 ድማ ተወልዱ።
ውልድ ምስ በሉ ድማ “ስብሓት ለኣብ፡ ስብሓት ለወልድ፡ ስብሓት ለመንፈስ ቅዱስ ዘኣውጻእከነ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” ኢሎም ብምምስጋን ምድራዊ መግብን ምድራዊ መስተን ከይተመገቡን ከይሰተዩን ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ከም መላእክት ይምሰሉ።
ሰለስተ ዓመት ምስ ገበሩ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብኣብ ገነት ካብ ዘለዉ ቅዱሳን ኣባሪኹ፡ ገዳማውያን ኣብ ዘለውሉ ኣብ ኣፍ ደገ ኣበምኔት ኣቐሚጥዎም ከደ። ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበሩ ድማ ፍሱህን ሕጉስን ኮይኖም ረኸቦም። ተኸናኺኖም ብምዕባይ ድማ ምሂሮም ንመዓርገ ምንኩስና ኣብጽሕዎም። ሃብተ ፈውሲ ድማ ተዋህቦም። ኣብ ሓደ መዓልቲ ድማ ኣሽሓት ዕዉራንን ሓንካሳትን ፈወሱ። ኤጲስ ቆጳሳትን ካህናትን ዜናኦም ሰሚዖም ኣብ ዝመጽሉ፡ ካብ ግብሪ ኣገልግሎቶም የቋርጽዎም ነበሩ። ቅዱስ ገብርኤል ብክንፉ ሰዊሩ ብምውሳድ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ኣቕረቦም። ጎይታ ድማ ብገድልኻን ብቱርፋትካን ካብ ሞተ ነፍስን ካብ ስቓይ ግሃንምን ዝድሕኑ ብዙሓት ነፍሳትን ኣለዉ እሞ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ኣብ ጫካ ንበር ምሳኻ ድማ 60 ኣናብስን 60 ኣናብርን ይንበሩ በሎም። ኣቦና ገብረመንፈስ ቅዱስ ድማ “ጎይታይ እንታይ በሊዖም ምሳይ ክነብሩ፧” በልዎ። “ዘኬድከ ጸበለ እግሪከ ይልሕሱ ወበውእቱ ይጽገቡ/ ዝረገጽካዮ ሓመድ ብምልሓስ ንሱ መግቢ ይኹኖም” ብምባል ልክዕ ከም ነቢይ ዳንኤል ምስ ኣናብስትን ኣናብርትን ኣብ ባዕትታት ክነብሩ ጅመሩ።
ከምዚ ኢሎም ን30 ዓመት ምስ ጸንሑ ጎይታ ድማ ብሓድነትን ብሰለስትነት ብምግላጽ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ” በሎም። መጀመርያ ንዘለኻዮ ምልማን ስለ ዝድለ ኣቦና ገብረመንፈስ ቅዱስ ድማ “ንደቂ ምድረ ገቦታን” ምሓረለይ በልዎ። ን3000 ሓጥኣን ድማ ካብ ሲኦል ኣውጺኦም ናብ ገነት ኣእተውሎም። ብድሕሪ እዚ ድማ “ሑር ምድረ ኢትዮጵያ/ ናብ ምድሪ ኢትዮጲያ ኪድ” በሎም። ቅዱስ ገብርኤል ብሰረገላ ሓዊ ጽዒኑ ምድረ ከብድ ኣብጽሖም፡ ቀጺሎም ድማ ዝቋላ (ደብረ ቅዱስ) ወሰዶም፡ ኣብኡ ኮይኖም ድማ ሓጢኣት ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ርእዮም ብንጹህ ልቢ ርእሶም ኣብ ባሕሪ ብምትካል ክጽልዩ ጀመሩ። ኣርብዓ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብምምጻእ “ዘገብረ ተዝካረከ ወዘጸውዐ ስምከ እምሕርለከ/ ዝኽርኻ ዝገበረ ስምካ ዝጸውዐ ክምሕረልካ እየ” ኢሉካ ኣሎ በሎም። ንሶም ድማ “ንመላእ ኢትዮጵያ እንተዘይ ምሒርካለይ ካብዚ ዘለኹዎ ኣይወጽእን እየ” ብምባል ን100 ዓመት ዝኣኽል ኣብኡ ኮይኖም ጸለዩ። ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ጎይታ “ተንስእ ወጻእ መሓርኩ ሰብ ኩሎ ኢትዮጵያ/ንኹሉ ምሒረልካ ኣለኹ ውጻእ” በሎም እሞ ካብ ዝነበርዎ ባሕሪ ወጹ።
ናብ ምድረ ከብድ ብምውራድ ካብ መሬት ሓፍ ኢሎም ካብ ሰማይ ውርድ ኢሎም ንሽውዓተ ዓመት ዝኣኽል ከም ዝተተኽለ ዓንዲ ኮይኖም የዒንቶም ሰለም ከየበሉ ጸለዩ። እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን ብሕማቕ ቅንኢ ተላዓዒሉ ኳኽ መሲሉ ብምምጻእ ዓይኖም ኣዕወሮም። ክልተ ሱባኤ ምስ ፈጸሙ ቅዱሳን መላእኽቲ ሚካኤልን ገብርኤልን ኡፍ ምስ በሉሎም ከኣ ደሓኑ። ናብ ዝቋላ ዝተባህለ ቦታ እናኸዱ ከለዉ ኣጋእዝቲ ኣለም ስላሴ ኣረጋውያን ሰባት መሲሎም ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ኮፍ ኢሎም ረኸብዎም፡ ብዙፋነ እግዚኣብሔር ተማሕጺንናካ ኣለና ሓዚልካ ናብቲ ስግር ኣብጽሓና በልዎም፡ ሓዚለሞም እናኸዱ ከለዉ ድማ ብሓድነትን ሰለስትነትን ተገልጹሎም። ሰንቢዶም ድማ ወደቑ። ኣተንሲኦም ድማ “ዝቋላ ወሪድካ ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ሕነኻ ፍደ” በልዎም። ኣብ ዝባን መብረቕ ተጻዒኖም ሽውዓተ ሊቃነ መላእክት ሓገዝ ጌሮም እልፍ ኣእላፍት ኣጋንንቲ ብመብረቕ ዓጸድዎም።
ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ ኣንበሴ ዘሓዘሎን፡ ኣባ ብንያም ግብጻውን ክብሮም ሰሚዕም ኣናብስቶም ኣኸቲሎም ክበጽሕዎም መጹ። ኣናብስቶም ከኣ ብኣናብስ ናይ ኣቦና ገብረመንፈስ ቅዱስ ተበልዑ። እዚ ዝኾነ ንኣቡነ ገበረመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ተገልጸሎም እሞ ነቶም ኣናብስቶም “ጎይታ ርጋጽ ኣሰረይ ደኣምበር ስጋን ደምን ንኽትበልዑ’ዶ ኣዚዝኩም እዩ፧” በሎም። እቶም ኣናብስ ድማ ነቶም ዝበልዕዎም ኣናብስ ተፍእዎም ምስ ባረኽዎም ድማ ህይወት ዘሪኦም ተንስኡ። ነዚ ዝረኣዩ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ ኣንበሴ ዘሓዘሎም፡ ኣባ ስምኦን ግብጻውን “ርኢነ መንከረአ ኦ ኣባ” ኢሎም ኣመስጊኖም ተመልሱ።
ብድሕሪ’ዚ ጎይታ ናብ ምዕራብ ሃገር ወሰዶም። ብምምጻእ ኣቦና ገብረመንፈስ ቅዱስ ጣኦታት ክሰባበሩን ኣጋንንቲ ክወጹን ዝረኣየ ንጉስ ናይታ ሃገር፡ ሰውነቶም’ውን ብጻዕዳ ሃሪ ዝመስል ጸጉሪ ተሸፊኑ ስለዝነበረ “ኣንታ ጸጉሪ ክዳኑ ሰብ ዲኻ ዋላ እንታይ ኢኻ” ክብል ሓተቶም። ንሶም ድማ “እወ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እየ” በሎም። ንሱ ከኣ “በቲ ኣይሁድ ሰቒሎም ዝቐተልዎ ሰብ ብእኡ ትኣምን፧” በሎም። ንሶም’ውን መሊሶም “ዝሓፍር መሲሉካ እንተኾንካ ተጋጊኻ፡ ንስኻ’ውን ብእኡ እንተትኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምረኸብካ ነይርካ” በልዎ። እቲ ንጉስ መሕደሪ ኣጋንንቲ ስለ ዝነበረ፡ ንወታሃደራቱ ሓዊ ኣጒዶም ከንድድዎም ኣዘዘ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ እንተኾነ እቲ ሓዊ ንኣቡነገበረ መንፈስ ቅዱስ ገለ ኣይገበሮምን። ነዚ ዝተዓዘቡ ብዙሓት ካብ ሰራዊት እቲ ንጉስ “ብኣምላኽ ገብረመንፈስቅዱስ ኢና ንኣምን” ኢሎም ኣመኑ። ብድሕሪ እዚ እቲ ጨካን ንጉስ ኣቡነ ገበረ መንፈስ ቅዱስ ብሰይፊ ንኽስየፉ ኣዘዘ። ንሱን ሰራዊቱን ንኣቦና ገብረመንፈስ ቅዱስ ክስይፎም እናተቐራረበ ከሎ መብረቕ ንዕኡን ንተኸተልቱን ንኹሎም ቀተሎም። ኣቡነ ገበረመንፈስ ቅዱስ፡ ነፍሲ እቶም ጸላእቶም ኣብ ኢድ መላእኽቲ ጽልመት ክኣትዉ ርእዮም “እዚ ኹሉ ብኣይ ምኽንያት እዩ ዝኾነ” ብምባል እግሮም ገመድ ኣሲሮም ካብ ነዊሕ ገደል ቁልቁል ኣፎም ተደፊኦም ጠልጠል በሉ። ሰይጣን ክፉእ ግብሪ ካብ ምግባር ዓዲ ስለዘይውዕል ነቲ ገመድ ብምብታኽ ነፍሶም ክወስድ መጸ። እንተኾነ ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መሬት ከይወድቑ ተቐቢሉ ኣድሓኖም። ንሶም ከኣ ንቅዱስ ሚካኤል “ብርእሰይ ክትከል ስለ ዝግበኣኒ ግደፈኒ” ስለዝበልዎ ብርእሶም ተተኺሎም ኣብ ኣፎም እምኒ ብምእታው ሰላሳ (30) ዓመት እናበኸዩ ነበሩ። ብድሕሪ እዚ እቲ በዓል ብዙሕ ምሕረት ዝኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ነቶም ምሓረለይ ዝበልካኒ ምሒረልካ ኣለኹ” በሎም እሞ ነቲ እምኒ ካብ ኣፎም ኣውጽእዎ። ነቲ እምኒ ካብ ኣፎም ምስ ኣውጽእዎ ኣርባዕተ ኣስናኖም ኣብቲ እምኒ ተተኺሉ ተረፈ።
ኣብ ካልእ ግዜ ናብዚ ቦታ ምስ ተመልሱ ኣብቲ ኣስናኖም ዝተተኸለሉ እምኒ መኣዝኡ ደስ ዘብል ናይ ጨና ዕንጨይቲ በቊሉ፡ ኣብቲ ደሞም ዝነጠበሉ ቦታ ድማ ወይኒ በቚልዎ ረኸብዎ።
ንምስምዑ ኣዝዩ ብዘገርም ዕጹብ ብዝኾነ ግብሪ ኣብ ኢትዮጵያ 262 ዓመት ኣብ ትውልዲ ዓዶም ድማ 300 ብጠቕላላ 562 ዓመቶም ብተስፍኦም ዝኣመነ ብኪዳኖም ዝተማሕጸነ ጎይታ ካብ መከራ ስጋን መከራ ነፍስን ክምሕረሎም ቃል ብምእታው ሰንበት መጋቢት ዓረፉ። መላእክት ድማ ብኣኽናፎም ጼሮም ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ የማን ምስዋእ ቀበርዎም።
Leave a comment