ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ

ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን!

ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ 

  ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘላ ረቡዕ ሰለስተ ነገራት ዝተፈጸሙላ መዓልቲ እያ።

1, ኣይሁዳውያን ንጎይታ ክቐትሉ ተማኺሮም ዝተሰማምዕሉ መዓልቲ እዩ።

    ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ስለዝነበረ ኣይሁዳውያን ብዙሕ እዋን ክሕዝዎን ክቐትልዎን ይሓስቡን ይደልዩን እኳ እንተነበሩ ክኾነሎም ግን ኣይከኣለን  ምኽንያቱ ድማ ጐይታ ተሰቒሉ ንዓለም ዘድሕነላ መዓልትን ሰዓትን ስለ ዘይ ኣኸለ እዩ።   ጎይታጊዜይ ገና ኣይበጽሐን” “ጊዚኡ ስለ ዘይኣኸለእናበለ ብዙሕ እዋን ተዛሪቡ እዩ። 

   እዛ ዕለት እዚኣ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታ ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዎ ምኽሮም ዝፈጸሙላ ዕለት ስለ ዝኾነት ዕለተ ምኽረ ኣይሁድ (መዓልቲ ምኽሪ) ተባሂላ ትጽዋዕ። እቶም ሊቀነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ብሊቀ ካህናት ቀያፋ ተመሪሖም ጉባኤ ኣኪቦምኩሉ ሰብ ካብ ዝጠፍእ ሓደ ሰብኣይ እንተሞተ ይሓይሽኢሎም  ወሰኑ (ማቴ 261-5, ማር141-2, ሉቃ 221-2, ዮሓ1145-53)

   2, ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምኦን ብሓንቲ ሓጥእ ሰበይቲ ብቅዱይ ሽቱ ዝተቐብኣሉ መዓልቲ እዩ። 

  እዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቢታንያ ኣብ እንዳ ስምኦን ዝተባህለ ሰብኣይ  ምስ ኣተወ  ብሓንቲ ማርያም ዝተባህለት ሓጥእ ሰበይቲ ሓደ ፍርቂ ኣበስንቲ ዝኸውን ቕዱይ ሽቱ ወሲዳ  ዝቐብአትሉ፡ ብንብዓት ኣእጋር ጎይታ ሓጺባ፡ብጸጉሪ ርእሳ ገይራ ዝደረዘትሉ መዓልቲ እዩ። እታ ሓጥእ ሰበይቲ ንጎይታ በቲ ክቡር ሽቶ ገይራ ክትቀብኦ እንከላ እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ተሓዚ ማሕፉዳ ስለዝነበረ ካብኡውን የልዕል ስለዝነበረእዚ ክቡር ሽቱ እዚሲ ተሸይጡ ንድኻታት ዘይውሃብኢሉ ብተንኮል ዝተዛረበሉ ዕለትውን እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንተንኮሉ ፈሊጡንመዓልቲ ቀብረይ ዘዳለወቶ እዩ ሕደጋ ድኻታትሲ ኩሉ ግዜ ምሳኹም ኣለዉ  ንኣይ ግና ኩሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹምኢሉ ብምግሳጽ፡ ነቲ ንሳዝገበረቶሰናይተግባር ብምንኣድእዚወንጌልእዚኣብእተሰብኮዘበለኣብኩላዓለምእዚንሳዝገበረቶንመዘከሪኣከምዝንገር፡ብሓቂእብለኩምኣሎኹበሎም(ማቴ266-13, ማር 143-9,  ዮሓ121-8) እዚ ዘረድኣና እቲ ሰናይ ዝገብር ኩሉ ግዜ እናተዘከረ ከም ዝነብር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርውን ሞጎስ ከም ዝረክብ፡ ዓስቡውን ከም ዝቕበል  እዩ እሞ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብታ ትመጽእ መንግስቱ ክዝክረና ሰናይ ነገር ክንገብር ይግብኣና።   

 3,ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላሳ ዲናር ክሸጦ፡ ዝተዋዓዓለሉ መዓልቲ እዩ።

  ይሁዳ፡ እታ ሓጥእ ማርያም እናበኸየት ክቡር ጨና ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስስ ከላእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ተሸይጡስ፡ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩኢሉ ደንጋጺ ድኻ መሲሉ ብምቕራብ ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ፍቅረ ንዋይ ኣግሂዱ ዝተዛረበ  እዩ። እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበን፡ነቲ ብምሻጥ ጨና ክረኽቦ ዝኽእል እሞ ዝሰኣኖ ገንዘብ ክከሓስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ፍቅረ ንዋይ ኣገዲድዎ ናብቶም ጸላእቲ ጐይታ ከደ። ይሁዳን ጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ክቱር ጽልኢ ከም ዘለዎምን፡ ክሕዝዎውን ይደልዩ ከም ዝነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ናብ ኣቶም ከይዱኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኒበሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ(ማቴ 2614-16, ማር1410-11, ሉቃ223-6) በዚ ዘይጠቅም ገንዘብ ድማ ነቲ ናይ ነገስታት ንጉስ፡ ናይ ጎይታት ጎይታ ዝኾነ ምድሃኔ ኣለም ክርስቶስ ናብቶም ጨካናት ኣይሁድ ኣሕሊፉ ሃቦ። ሎሚውን  ከም ይሁዳ ንቤተክርስቲያንን ኣገልገልታን ንኽፉእ ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣይተሳእኑን መወዳእትኦም ግና ጥፍኣት እዩ። ስለዚ ኩላትና ካብ ክፍኣተ ግብሪ ርሒቕና ንቤተክርስትያንን ንኣገልገልታን ከነኽብር ይግብኣና።

  እዛ መዓልቲ እዚኣ እምበኣር ኣይሁዳውያን፡ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐትልዎ ተሰማሚዖም  ዝወሰኑላ መዓልቲ ስለዝኾነት፡ቅድስት ቤተክርስቲያን ምስ ዓርቢ ሓዊሳጾመ ድሕነትኢላ ብምስማይ፡  መዓልቲ ሮቡዕ  ጾም ክትከውን ብምእዋጅ ምስተን ሸውዓት ናይ ቤተክርስትያን፡ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሰሪዓታ ትርከብ።

 ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል 

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

 

 

 

Leave a comment

Send a Comment