በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን!
ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ
ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘላ ረቡዕ ሰለስተ ነገራት ዝተፈጸሙላ መዓልቲ እያ።
1, ኣይሁዳውያን ንጎይታ ክቐትሉ ተማኺሮም ዝተሰማምዕሉ መዓልቲ እዩ።
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ስለዝነበረ ኣይሁዳውያን ብዙሕ እዋን ክሕዝዎን ክቐትልዎን ይሓስቡን ይደልዩን እኳ እንተነበሩ ክኾነሎም ግን ኣይከኣለን ምኽንያቱ ድማ ጐይታ ተሰቒሉ ንዓለም ዘድሕነላ መዓልትን ሰዓትን ስለ ዘይ ኣኸለ እዩ። ጎይታ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን” “ጊዚኡ ስለ ዘይኣኸለ” እናበለ ብዙሕ እዋን ተዛሪቡ እዩ።
እዛ ዕለት እዚኣ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ንጐይታ ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዎ ምኽሮም ዝፈጸሙላ ዕለት ስለ ዝኾነት ዕለተ ምኽረ ኣይሁድ (መዓልቲ ምኽሪ) ተባሂላ ትጽዋዕ። እቶም ሊቀነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ብሊቀ ካህናት ቀያፋ ተመሪሖም ጉባኤ ኣኪቦም “ኩሉ ሰብ ካብ ዝጠፍእ ሓደ ሰብኣይ እንተሞተ ይሓይሽ” ኢሎም ወሰኑ (ማቴ 26፡1-5, ማር14፡1-2, ሉቃ 22፡1-2, ዮሓ11፡45-53)።
2, ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምኦን ብሓንቲ ሓጥእ ሰበይቲ ብቅዱይ ሽቱ ዝተቐብኣሉ መዓልቲ እዩ።
እዛ መዓልቲ እዚኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቢታንያ ኣብ እንዳ ስምኦን ዝተባህለ ሰብኣይ ምስ ኣተወ ብሓንቲ ማርያም ዝተባህለት ሓጥእ ሰበይቲ ሓደ ፍርቂ ኣበስንቲ ዝኸውን ቕዱይ ሽቱ ወሲዳ ዝቐብአትሉ፡ ብንብዓት ኣእጋር ጎይታ ሓጺባ፡ብጸጉሪ ርእሳ ገይራ ዝደረዘትሉ መዓልቲ እዩ። እታ ሓጥእ ሰበይቲ ንጎይታ በቲ ክቡር ሽቶ ገይራ ክትቀብኦ እንከላ እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ተሓዚ ማሕፉዳ ስለዝነበረ ካብኡ’ውን የልዕል ስለዝነበረ “እዚ ክቡር ሽቱ እዚሲ ተሸይጡ ንድኻታት ዘይውሃብ” ኢሉ ብተንኮል ዝተዛረበሉ ዕለት’ውን እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንተንኮሉ ፈሊጡ “ንመዓልቲ ቀብረይ ዘዳለወቶ እዩ’ሞ ሕደጋ ድኻታትሲ ኩሉ ግዜ ምሳኹም ኣለዉ ንኣይ ግና ኩሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም” ኢሉ ብምግሳጽ፡ ነቲ ንሳዝገበረቶሰናይተግባር ብምንኣድ “እዚወንጌልእዚኣብእተሰብኮዘበለኣብኩላዓለምእዚንሳዝገበረቶንመዘከሪኣከምዝንገር፡ብሓቂእብለኩምኣሎኹ” በሎም(ማቴ26፡6-13, ማር 14፡3-9, ዮሓ12፡1-8)። እዚ ዘረድኣና እቲ ሰናይ ዝገብር ኩሉ ግዜ እናተዘከረ ከም ዝነብር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር’ውን ሞጎስ ከም ዝረክብ፡ ዓስቡ’ውን ከም ዝቕበል እዩ እሞ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብታ ትመጽእ መንግስቱ ክዝክረና ሰናይ ነገር ክንገብር ይግብኣና።
3,ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላሳ ዲናር ክሸጦ፡ ዝተዋዓዓለሉ መዓልቲ እዩ።
ይሁዳ፡ እታ ሓጥእ ማርያም እናበኸየት ክቡር ጨና ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስስ ከላ “እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ተሸይጡስ፡ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ” ኢሉ ደንጋጺ ድኻ መሲሉ ብምቕራብ ኣብ ውሽጡ ንዝነበረ ፍቅረ ንዋይ ኣግሂዱ ዝተዛረበ እዩ። እቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ቅቡል ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበን፡ነቲ ብምሻጥ ጨና ክረኽቦ ዝኽእል እሞ ዝሰኣኖ ገንዘብ ክከሓስ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ፍቅረ ንዋይ ኣገዲድዎ ናብቶም ጸላእቲ ጐይታ ከደ። ይሁዳን ጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ኣብ ልዕሊ ጐይታ ክቱር ጽልኢ ከም ዘለዎምን፡ ክሕዝዎ’ውን ይደልዩ ከም ዝነበሩ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ናብ ኣቶም ከይዱ “ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ እንታይ ትህቡኒ”በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ሃብዎ(ማቴ 26፡14-16, ማር14፡10-11, ሉቃ22፡3-6)። በዚ ዘይጠቅም ገንዘብ ድማ ነቲ ናይ ነገስታት ንጉስ፡ ናይ ጎይታት ጎይታ ዝኾነ ምድሃኔ ኣለም ክርስቶስ ናብቶም ጨካናት ኣይሁድ ኣሕሊፉ ሃቦ። ሎሚ’ውን ከም ይሁዳ ንቤተክርስቲያንን ኣገልገልታን ንኽፉእ ኣሕሊፎም ዝህቡ ኣይተሳእኑን መወዳእትኦም ግና ጥፍኣት እዩ። ስለዚ ኩላትና ካብ ክፍኣተ ግብሪ ርሒቕና ንቤተክርስትያንን ንኣገልገልታን ከነኽብር ይግብኣና።
እዛ መዓልቲ እዚኣ እምበኣር ኣይሁዳውያን፡ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቐትልዎ ተሰማሚዖም ዝወሰኑላ መዓልቲ ስለዝኾነት፡ቅድስት ቤተክርስቲያን ምስ ዓርቢ ሓዊሳ “ጾመ ድሕነት” ኢላ ብምስማይ፡ መዓልቲ ሮቡዕ ጾም ክትከውን ብምእዋጅ ምስተን ሸውዓት ናይ ቤተክርስትያን፡ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሰሪዓታ ትርከብ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!
Leave a comment