ደብረ ምጥማቅ

ደብረ ምጥማቅ

ደብረ ምጥማቅ

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

       ብዕለት 21 ግንቦት  ደብረ ምጥማቅ እና ተባህለ ዝብዓል ዓቢ በዓል ሓደ ካብተን 33 ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም  በዓላት እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምውላዳ ፡ነዚ ዜና እዚ ዝሰም ሄሮድስ  ብቕንኣት ተበጊሱ ክቐትሎ ደለየ። ምስዐ ሓላዊኣ  ዝነበረ ኣረጋዊ ዮሴፍ፡ሰሎሜን  ንጎይታ ሓዚላ ነቲ መሪር ናይ ምድረ በደ ስደት ሓደ ኢላ ተተሓዘቶ።ብብዙሕ ድኻምን ጥሜትን ካኣ ምድሪ ግብጺ በጽሐት። ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ እምበኣር ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዘዕረፍሉ ቦታ ብእግሩ  ከም ህጻን ዘወር እና በለ ከሎ ብእግሩ  ረጊጹ ኣሰር ኣጻብዕቱ ኣብቲ  እምኒ ከም ዝተረፍ ገበረ።

ቀጺሉ ንኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም   ብስምኪ ኣብዚ በታ እዚ ዓብይ ቤተ ክርስቲያን ክሕነጽ እዩ ስሙ ካኣ ደብረ ምጥማቅ  ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ”  ክብል ተዛረባ ።እዚ ኣምላኻዊ ቃል እዚ ካኣ  ኣብ ሰዓቱን ኣብ  ግዚኡን  ተፈጸመ ።ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም  ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ተሰርሑ ፡ከምቲ ኣቐዲሙ  ጎይታ ዝበሎ ካኣ “ደብረ ምጥማቅ ”  ተባሂሉ ተጸውዐ።ብዙሓት መናንያን ዝቕመጥሉ  ቦታ ኮነ።እንተ ኾነ  ምድሪ ግብጺ ከምቲ ንግንዘቦ ምድረ በዳ ስለ ዝኾነ ንዕለታዊ ናብራን  ንንግደት ናይቲ  ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን እኹል ቀረብ ማይ ኣይነበሮምን።በዚ ምኽንያት ካኣ  ብዝያዳ ኣብ ግዜ ዓመታዊ በዓል  ኣቦታት ናይቲ ገዳም ኣዝዮም ይሽገሩ ነበሩ፡እንተ ኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስኣቶም ስለ ዝነበረት  ንዓኣ እና ለመኑ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ትግብረሎም ነበረት ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ናይቲ በዓል እውን ዝጎድሎም ኮነ ዘሽግሮም ኣይነበረን።

ኩሉ ግዜ ኣብቲ ክብሪ በዓል ካኣ ብዝያዳ ኣመንትን ዘይኣመንትን  ኣብ ዝተኣከብሉ ግዜ ቅድስ ድንግል ማርያም ብቕዱሳን መላእክት ተዓጂባ ትግለጸሎም ነበረት።እቶም ብዙሕ ጉዕዞን ኣድካሚ ምድረበዳን ሰጊሮም ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ዝተረኽቡ ሰባት ድማ  በቲ ቅድስት ድንግል ማርያም እትገብሮ ዝነበረት ተኣምራት  ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ ሓሳባት ልቦም ለሚኖም ናብ ወዳ  ክተብጽሓሎም ተማሕጺኖማ ይኸዱ ነበሩ። ጸግዒ ድኹማት  ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካኣ ብዝተዋህባ ጸጋን ሞጎስን ኣብ ቅድሚ ወዳ ቀሪባ  ሓሳባቶምን ጸሎትምን  ትፍጽመሎም ነበረት።ሎሚ እውን  ጸጋኣ ኣሚና ምስ እንልምና   ንኹሎም ቅዱሳን ምሕረት ካብ ወዳ ከም ዝለኣኸትሎም  ንዓና እውን ኣብዚ ክፉእን ዓላዊ ወለዶን ዝለመናዮ ክተውህበና ፡ኣብ እምነትና መታን ክትጸንዕ ብበረኸት ብረድኤት ክትሕልወና  እያ።እንተ ኾነ ከምቶም ብጎቦ ልቦም ዝልምኑ ዘይኮነስ  ብእምነት ፡ብዘይምጥርጣር ክኸውን ይግባእ።

ጸሎታን በረኸታን፡ጣዕማን ኣማላድነታን ምስ ቅዱሳን ከም ዝነበረ ሎሚ እውን  ምሳና ይኹን።ኣሜን።

ደብረ ምጥማቅ  እምበኣር ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተመስረተት ብዙሕ ድንቂ ስራሕን ተኣምራትን እና ተገብረላ እትነብር ቅድስት ቦታ እያ።ዝያዳ ኩሉ ካኣ እታ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ንምድሕን  ሰብ ኮይኑ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ  ከም ሰብነቱ ብእግሩ ረጊጹ ከም ኣምላኽነቱ ካኣ ናይ ኣጻብዕቱ ኣሰር ከም ዝወጽእን ንምስክርነት ከም ዝተርፍን ዝገበራ ተኣምራታዊት እምኒ ዝለዓለ ታሪኽን  ቦታን ሒዛ ትርከብ።

ከም ኩለን ገደማትን ቤተክርስቲያናትን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት ፡እዛ ቅድስት ገዳም እውን ብዓላውያን ብዙሕ ግዜ ዕንወት ወሪድዋን ፈሪሳን እያ።እንተኾነ  ናይ ኩሉ ገዛኢ ዝኾነ ኣምላኽ ብሓይሊ ጥበቡ ንቅዱሳን ሰባት ኣለዓዒሉ ካብቲ ዝዓነወቶን ዝፈረሰቶን ኣተንሲኡ ከም እትህነጽ ገይርዋ እዩ።

እዚ ክቡር ዕለት ካብ 21 ግንቦት ክሳዕ 25 ግንቦት ኣብዛ ቅድስት ቦታ ምእመናን ብኽብሪ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል የብዕሉ

ናብ ሃገርና ኤርትራን እንተ መጺእና እውን ካብዚ ብዘይፍለ ሓደን ዝተመሳሰለን ታሪኽ ኢና ንረክብ ።ንሱ ካኣ እንሆ ኣብዛ ሎሚ ደብረሲና  ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ቅድስት  ስፍራ ዝተፈጸመ ናይ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ን ናይ ድንግል ማርያም ክብሪ ዝተገልጸሉን እዩ።

 

ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና

ናይታ ካብ በዓቲ ብኢድ ኣምላኽ ዝተሓንጸት  ታሪኽ  ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረሲና ብጥንታውነታን ብታሪኻን ዝተፈልጠት ገዳም ካብ ሩባ ዓንሰባ ብሸነኽ ምብራቕ ካብ ዝርከብ  እምባታት  ሓንቲ ክትከውን ከላ ካብ ዒላበርዕድ  ልዕል ኢላ እትርከብ ቦታ  እያ።

ዝተፈለላየ ዕጽዋት ዝበቑሉላ ከም መኽደን መሶብ እትምሰል እያ።ምሕረቱ ወሰን ዘይብሉ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተወልደ  ኣብ ክልተ ዓመቱ ናይ  ናይ ኢየሩሳሌም ንጉስ  ሄሮድስ ክቐትሎ ምስ ደለየ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ተረዲኣ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዚላ ፡ንዮሴፍን ንሰሎሜን ኣኸቲላ  ስንቆም ኣብ ኣድጊ ኣጽዒና ካብ ሃገራ ምድሪ እስራኤል ተበጊሳ ኣንብ ሃገረ ግብጺ ተሰዲዳ  ደብረ ቁስቋም በጽሔት ።

ኣብኡ ኣብ ዝቐነየትሉ ግዜ ስንቂ ተወዲእዎም  ብጽእምን ማይን ከም ዝተሳቐዩ ታሪኽ ይነግር።

ስለዚ ኣባ ሰቆቃው ድንግል ዝተባህሉ ጻድቕ ደራሲ ፡ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ክንደይ ዝኣክል መከራ ከም ዝረኸባ ክገልጹ ከለዉ

” ሚ ዕጹብ ብዝሓ ትሕትናኪ ማርያም እግዝእትየ፡ምስለ ወልድኪ ባዕል ዘገብረ ሰማየ ፡ውስተ ደብረ ቁስቋም ሓደርኪ  ተመሲለኪ ነዳየ ፡ኢረከብኪ ሰብእ በህየ ዘይሁበኪ ሲሳየ

ወእመ ኣኮ ለጽምዕኪ ማየ።’

ትርጉሙ  

ኣዴና ማርያም ብዝሒ  ትሕትናኺ ክንደይ ዕጹብ እዩ ፡ምስቲ ሰማይ ዝፈጠረ  ሃብታም ወድኺ ድኻ ተመሲልኪ  ኣብ ደብረ ቁስቃም ሓደርኪ  ኣብኡ ካኣ መግቢ ዝህበኪ ወይ ካኣ  ንጽምእኺ ማይ ዘስትየኪ ሰብ ኣይረኸብክን።”

ወላዲተ ኣምላኽ  ቅድስት ድንግል ማርያም በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጸበባ ምስ ጸንሔት ፡ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓርዩን ዝተባረኹን ህዝቢ ተቐበልቲ ኣጋይሽ  ኣብ ወገን ደቡበ  ከም ዝርከቡ ንወላዲቱ ንድንግል ማርያም ኣመልከታ።

ኣዲኡ ድንግል ማርያም ድማ በቲ ዘመልከታ መሰረት ናብ ሃገርና ኤርትራ መጺኣ  ደብረሲና በጽሐት ።ነዛ ሕጂ ቤተ መቕደስ ኮይና ዝቕደሰላ  ዘሎ በዓቲ እምኒ ፡ጎይታ ባዕሉ ብኢዱ ስለ ዝዳህሰሳ  ኣፍ ደገን መስኮትን  ብተኣምራት ወጺኡላ ተኸፍተት ፡

ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓደ ግንቦት ምስ ኣረጋዊ ዮሴፍ፡ሰሎሜን ንወዳ ሓዚላ ኣብዛ በዓቲ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ተቐመጡ ።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ  ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ነጊሱ ዝነበረ  ንጉስ ባዜን  ይበሃል ፡እዚ ንጉስ እዚ  ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ናብ ምድሪ ኤርትራ መጺኣ   ኣብ ውሽጢ ደብረሲና ከም ዝተቐመጠት  መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ስለ ዝነገሮ ፡ብዙሓት ሰራዊት ኣኽቲቱ  ካብ ኣኽሱም ናብ ደብረሲና   ገስጊሱ በጽሐ ።ብሓቂ ብኣካል እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ  ምስ  ሰሎሜን  ዮሴፍን   ኣብቲ ብተኣምራት ዝተዳለወ በዓቲ  እምኒ ተቐሚጦም  ረኸቦም እሞ ብገጹ ተደፊኡ ድማ ሰገደሎም።

ሃገሩ ኢትዮጵያ ካኣ  ንድንግል ማርያም ክተአንግድ ዕድል ስለ ዝረኸበት  መንፈሳዊ ሓጎስ ተሓጎሰ  ንኣምላኽ ካኣ ኣመስገነ።

ንኽብሮም ካኣ  ኣብ ከባቢ  ደብረሲና  ብዙሕ ሽግ መብራህቲ ኣብርሀ ።ዓቢ ድግስ ካኣ ገበረ።ደብረ ሲና ድማ ገዳም ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ፈቐደ ።እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ  ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዝማዳ  ዮሴፍን ሰሎሜን  ኣብዚ ቦታ እዚ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ።ንምድሪ ኢትዮጵያ ኣቢላ ክትከይድ ከላ ድማ  ብኢድ ወዳ ኢየሱስ  ክርስቶስ  ንንጉስ ባዜን ባረኸቶ።

እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ” ክቡር ንጉስ ኣብ  ጸበባይ ንዓይ ዝገበርካለይ  ሰናይ ተግባር ብኣይን ብወደይን ዘይርሳዕ  ቁም ነገር እዩ።እግዚኣብሔር  ሃገርካን መንግስትኻን ይባርኽ ።እዛ ኣዕሪፈላ ዝቐነኹ ቦታ  ድማ  ዝተባረኸትን ዝተቐደሰትን ትኹን ።

ናይ ቅዱሳን ድኣ እምበር ናይ ዓለማውያን  ከይትኸውን ሓልዋ፡ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ብስመይ  ታቦት ካኣትዋ እዩ ።ዓባይ ክትከውን እያ።ናይ ወደይ  ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጠሊ ምሕረት ድማ ኣይክፍለያን እዩ።ነዛ ቦታ እዚኣ ካብ ርሑቕ መጺኡ  ዝሰግደላ  ኣብኣ ተቐሚጡ  ዝጽልን ዘገልግልን  በረኸት ስጋን በረኸት ነፍስን ክረኽብ  እዩ” ኢላ ባሪኻ ኣፋነወቶ።

ንጉስ ባዜን ድማ እዚ ዝኣክል  ዓቢ ተስፋ  ካብ ወላዲተ ኣምላኽ ስለ ዝሰምዐ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ኣቕረበ ፡ኣብ ምድሪ ወዲቑ ድማ ሰገስደ።

ነታ ወላዲት ኣምላኽ ምስ ወዳን ምስ ኣዝማዳን ኣዕሪፋትላ ዝቐነየት በዓቲ እምኒ ድማ ኣብ ዙርያ ብዙሕ ኣእዋም ተኸለላ መናንያን ዓለም ከም ዝቕመጥዋ ድማ ገበረ።በዚ መሰረት ብዙሓት ቅዱሳን ኣብኣ ክነብሩን ክጽልዩን ከለዉ ብዘመነ መንግስቲ ሓጸይ ኣልኣ ሜዳ ፡”ኣባ  ዮሓን” ዝተባህሉ መነኮስ ብ474 ዓመተ ምሕረት ካብ ኢየሩሳሌም ታቦት  ኣምጺኦም ብ21 ሰነ ቅዳኤ ቤታ  ንጉስ ኣልኣሜዳን ጳጳስ ኣቡነ  ናሆምን ኣብ ዘለውሉ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣኽበረ።

ታቦት ምስ ኣተወ ድማ ፈውሲ ድዉያን ዝኾነ  ማይ ፈልፈለ።ኣባ ዮሓኒ ካኣ  ኣብታ ገዳም ናይ እምኒ ኣጋንእን መንበርን እና ወቐሩ ሰርሑ ።ደብረሲና ካኣ ናይ  ሓድነትን ናይ ጥጥቖን  መቑነን ገዳም ክትከውን ስርዓተ ጳኲሚስ ሰርዑላ።እዚ ስርዓት እዚ ክሳዕ ሎሚ ጸኒዑ ይነብር ኣሎ።በብግዚኡ ዝነገሱ ነገስታት ካኣ ሓጸይ ባዜን ንዝወሰንዎ ስርዓት ብምኽባር ኣብ ልዕሊ  ክብሪ ክብሪ እና ወሰኹ  ስለ ዝጸንሑ ፡ሎሚ ገዳም ደብረ ሲና ብወገን ንዋየተ ቅዱሳን ኣዝያ ሃብታም እያ ።ኣብዛ ገዳም እዚኣ ዝርከቡ ህዝቢ ድማ ንጸላኢ ከም ሓያል ሰራዊት ዘሰንበዶ ጥንታዊ ንዋየ ቅዱሳታ ብኽብሪ ተሓልዩ ይርከብ ኣሎ።

ገዳም ደብረሲና እቲ ናይ በዓቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ኣፍ ደጊኣ ክልተ እግሪ ከም ዘይብሉ መንበር እያ እትመስል፡ ብምስትውዓል ንዝርእያ ግና  መሬት ዝተንከፈት ኣይትመስልን።

ቅርጺ እቲ በዓቲ ከም ብሩርን ከም ወርቅን  ብልጭልጭ ዝብል ዝመስል ኣብ ርእሲ ምኻኑ ኣፍ ደግኡ ሓጺርን ጸቢብን ኮይኑ  ናብ ሓደ በዓቲ ዝወስድ እዩ ዝመስል ።ውሽጢ እቲ በዓቲ ግና  ንመቕደስን ንቅድስተ ቅዱሳንን ዝኣክል እዩ።እዛ ናይ ደብረሲና ታቦት ንዝለመናን  ንዝተማሕጸናን  ብፍጥነት ሰማዕ ስለ ዝኾነት  ንብዙሓት ሕሙማት ዝፍውስ  ጸበል ስለ ዘለዋ  ብኹሉ ዝተፈልጠት እያ።ነዛ ናይ እምኒ በዓቲ ቤተ መቕደስ ንምርኣይ ዝተዓደለ ብኣንክሮ ኢዩ ዘደንቕ ።ናይዛ ታሪኻዊት ቤተ መቐደስ ታሪክ ዝሓዘ ዜና ድግናዝን ንጉስ ይበሃል።እዚ መጽሓፍ እዚ ኣብ ሚኒስትሪ ባህልን ቤተ መዘክርን ይርከብ።(ታሪኽ ደብረሲና ብመርጌታተወልደመድህን መንግስቱ)

በዚ ዕለት እዚ እምበኣር ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ደብረሲና ፡ኣብ ግብጺ/ምስሪ ካኣ ኣብ ደብረ ምጥማቅ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ክብረ በዓል ብድምቀት ዝበዓለሉ  ዕለት እዩ።

ስለዚ ብሃይማኖታዊ  መገዲ ጥራሕ ዘይኮነ ብሃገር ደረጃ እውን ኩርዓትን ሓበንን ዝኾነት ደብረሲና  ናትና ናይ ኦርቶዶክሳውያን ደቂ ተዋህዶ ዋንነት ስለ ዝኾነት  ብዝተኻእለ  መጠን ስርዓታትን ታሪኻን ንምሕላው ክንጽዕር ይግባእ።እዚ ካኣ ናይ ኩላትና ሃይማኖታዊ ግዴታ እምበር  ናይቶም ኣብቲ ገዳም ዝነብሩ መናንያን ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍቕራን ጣዕማን ንዘልኣለም ምሳና ክኸውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር

ለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን፡

 

Leave a comment

Send a Comment