5/፭ ሓምለ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

, ቅዱስ ጴጥሮስ

   ጴጥሮስ ማለት ከውሒ ማለት እዩ። ብእብራይስጥ ኬፋ ይበሃል። ቀዳማይ ስሙ ስምኦን እዩ፡ ትውልዱ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ኮይኑ ኣቦኡ ዮና ይበሃል። ዝተወልደሉ ቦታ ኣብ ቤተ ሳይዳ ኣብ ገሊላ እዩ። ሰበይቱ ድማ ጴርቴዋ ትበሃል። ንሱ ዓሳ ብምግፋፍ ናብርኡ ዝመርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ከኣ ምስ ሓዉ እንድርያስ ዓሳ እናገፈፉ ከለዉ ንሓዋርያነት ተጸውዑ (ማቴ 4፡19) ።

ጴጥሮስ የዋህ፡ ፈጣን፡ ቅጡዕ ነበረ። የዋህ ዘብሎ ጎይታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ክኸይድ ከሎ ምስ ረአዮ “ኦ ጎይታይ ናባኻ ኽመጽእ ፍቐደለይ” ኢሉ ብባሕሪ ክከይድ ምፍታኑ፡ (ማቴ 14፡28) ፡ ፈጣን መበሊኡ ጎይታ ንደቂ መዛምርቱ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ገሊኦም “ሙሴ ይብሉኻ፡ ኤልያስ ይብሉኻ…” ኢሎም ምስ መለስሉ፡ “ንስኻትኩም መን ትብሉኒ” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እቲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ (ማቴ 16፡16) ፡ ቁጡዕ ዘብሎ ድማ ኣይሁድ ንጎይታ ምስ ሓዝዎ፡ ተቖጢዑ እዝኒ ማልኮስ ብሴይፊ ምቁራጹ እዩ (ዮሓ 18፡10) ።

ጎይታ “ሃብታም መንግስተ ሰማያት ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ “ኩሉ ገዲፍና ንኽተለካ ኣሎና ንዓና እንታይ ዓስብና፧” ኢሉ ሓተቶ። ጎይታ ድማ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ወዲ ሰብ በታ ሓዳስ ዘመን ኣብ ዝፋን ክብሩ ኣብ ዝቅመጠላ እዋን ንስኻትኩም ድማ ንዓሰርተ ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም” ኢሉ ዝረኽብዎ ክብሪ ነገሮም (ማቴ 19፡27-28) ። ሓደ መዓልቲ ኩሎም ደቂሶም ከለዉ ጎይታ ግን ኣይደቀሰን ነይሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ንጎይታ ኣይትድቅስን ዲኻ ኢሉ ሓተቶ። ጎይታ ድማ ናይ ዑንቂ ጽዋእ ዝሑል ማይ ገይሩ ሃቦ፡ ከይሰተያ ከሎ ድቃስ መጾ። ካብ ኢዱ ድማ ወደቖ ምስ ተበራበረ፡ ጽዋእ ተሰይሩ ማይ ፈሲሱ ረኣዮ እሞ ሰንበደ። ጎይታ ድማ ምስንባድ ናይ ጴጥሮስ ርእዩ “ኣነ ድማ ንዓለም ከምአ ገይረ እየ ሒዘያ ዘለኹ ዝድቅስ እንድሕር ኮይነ ከምታ ጽዋእ ትስበር ከምታ ማይ ድማ ትፈስስ ኣሰራ’ውን ኣይትርከብን” ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስ ከኣ ንጎይታ “ንዓለም ከመይ ጌርካ ትሕዛ፧” ክብል ደጊሙ ሓተቶ፡ ንዓለም ኣብ ኢዱ ሒዙ ንዕኡ ድማ ኣብ ማእከላ ገበሮ እሞ ኦ ስምኦን ኣበይ ኣለኻ ኢሉ ሓተቶ፡ እንድዒ ኣበይ ከም ዘለኹ ኣይፈልጥን እየ ኢሉ መለሰሉ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ኩሉ እኳ ንጎይታ እንተስዓቦ ኣብ ግዜ ሕማማቱ ግን ቅድሚ ኩሎም ክሒዱዎ ነበረ ግን ከኣ ብንስሓ ተመልሰ (ማቴ 26፡69-75)። ጎይታ ቅድሚ ዕርገቱ “ኣባጊዐይን ዕያውተይን ሓሉ” ኢልዎ ነይሩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ፍጹምነት ኣብ ማእከላውነት ኣብ ምጅማር ዘለዉ ከም ኣቦ ኮይንካ ሓልዎም ብምባል ሓደራ ሃቦ (ዮሓ 21፡15-17) ። ጎይታ ምስ ዓረገ ኣብ 10ይ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሉ ዝፈልጦ ጸኒዕሉ ዘይፈልጦ ተገሊጽሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብስብከቱ 3000 ኣእሚኑን ኣጠሚቑን እዩ (ግሃ 2፡41) ። ምስ ዮሓንስ ጸሎት ክገብሩ ናብ ምኩራብ ምስ ኣተዉ ክውለድ ከሎ ዝለመሰ ሰብአይ ነበረ። ብስም እግዚኣብሔር ድማ ለመኖም። ጴጥሮስ ድማ “ንህበካ ወርቂ ወይ ብሩር የብልናን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ተንስእ” ምስ በሎ ተፈወሰ (ግሃ 3፡1-8) ።

ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዓመት ምስ መሃሩ፡ ወንጌል ንዘይ በጽሖ ብስራተ ወንጌል ከስፋሕፍሑ ብመሪሕነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕጫ ገበሩ ንኹሎም ኣኣብ ዝበጽሖም ሃገረ ስብከት ኣብጺሑ ንሱ ድማ ሮም ከደ። ኣብ ሮም ድማ 25 ዓመት መሃረ። ቅድሚ ናብ ሃገረ ስብከቱ ሮም ምኻዱ ኣብ ሰማርያ፡ ኢዮጴ፡ ልዳ፡ ኣንጾኪያ፡ የንጦስ፡ ገላትያ፡ ቀጶደቂያን፡ ቢታንያ፡ ምሂሩ ኣብ ኢዮጴ ንጣቢታ ካብ ሞት ኣተንስኣ፡ ኣብ ልዳ ድማ ንኤንያ ካብ ሓሚምዎ ዝነበረ ሕማም ለምጺ ኣድሓኖ። ኣብ ሰማረያ እናመሃረ ከሎ ስምኦን ዝበሃል ጠንቋላይ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ብምምጻእ፡ ከማኹም ተኣምር ከም ዝገብር ግበረኒ በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “መንፈስ ቅዱስ ብወርቅን ብብሩርን ክትገዝእ ደሊኻ፡ ጽኑዕ ክሕደት ከምዘለካ ይርኤካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ስምኦን ከምዘይኮነሉ ምስ ፈለጠ ኣንጾኪያ ከይዱ ክምህር ጀመረ። ንምእመናን የስሕት ኣሎ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንዮሓንስ ሒዙ ድማ ናብ ሰማርያ ወረደ፡ ምሰኦም ምክርካር ከም ዘይዋጽኦ ፈሊጡ ናብ ሮማ ከደ። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ይስዕቦ ነበረ። ነቶም ህዝቢ ንምእማን ድማ ንመስዋዕቲ ዝተቐረበ ብዕራይ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ ምስ በሎ፡ ኣብ ክልተ ተመቕለ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመስቀል ኣማዕተበሉ ሓፍ በለ፡ ብድሕሪ’ዚ ሓይሊ ኣጋንንቲ ተጠቂሙ ክዓርግ ፈቲኑ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመስቀሉ ምስ ኣማዕተበሉ ካብ ላዕሊ ወደቐ ብሕማቅ ኣማውታ ድማ ሞተ።  ትንሳኤ ሙታን የለን ጎይታ ንነፍሱ ብምትሃት፡ ብሕድረት እዩ ኣልዒልዎ ኢሎም ንህዝቢ ዝህውኹ ተላዕሉ። ንሓዋርያትን ኣርድእትን ኣኪቡ ብመሪሕነት ያዕቆብ ኣብ ኢየሩሳሌም ጉባኤ ገበሩ። 43 ዓንቀጻት ዘለዎ መጽሓፍ ደድስቅልያ ድማ ጽሓፈ። እዚ ዝኾነሉ ብ50 ዓ/ም እዩ። ነቶም ዝማሃሮም ካብ ሃይማኖቶም ከይዝንብሉ ክልተ መልእኽቲ ጽሓፈሎም እታ ቀዳመይቲ ብ54 ዓ/ም ኣብ ባቢሎን ኮይኑ፡ እታ ካልአይቲ ድማ ብ60 ዓ/ም ኣብ ሮማ ኮይኑ ጽሒፍወን።

ንጉስ ነይሮን ቄሳር መምለኺ ጣዖት ስለ ዝነበረ ብምኽንያት ሃይማኖት ኣሲርዎ ነይሩ። ንኣካይያ ዘሚቱ ምስ ተመልሰ ኣብ ጣዖት ስገድ በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ኣይሰግድን ኢሉ ኣበዮ። ብሽንካር ተሸንኪሩ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ይሙት ኢሉ ፈረዶ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣህዛብ ከሸግርዎ ከለዉ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ክበልዖም ናብ ኣምላኽ የመልክት ነበረ። ከምቲ ዘመልከቶ ድማ ይኾነሉ ነበረ፡ ምስ ተፈርደ ድማ ከምኡ ኢሉ ጸለየ፡ ጎይታ መስቀሉ ተሸኪሙ ከሎ ተራእዮ፡ ጎይታይ ኣብ ሮማ ንኻልአይ ግዜ ተሰቒልካ በሎ። ንስኻ ስለዝፈራህካ ካልአይ ግዜ መጻእኩ በሎ። ብድሕሪ እዚ፡ ከም ጎይታ ዝተሰቅሎ ዘይኮነስ ቁልቁል ኣፈይ ገይርኩም ስቐሉኒ” በሎም። መርቄሎስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙሩ ካብ መሰቀል ኣውሪዱ ብጸባን ብወይንን ሓጺቡ ሽቶ ቀቢኡ ብጻዕዳ ሃሪ ገኒዙ ስጋኡ ምእንቲ ከይፈርስ ኣብ መዓር ዝመልአ ሳንዱቅ ገይሩ ቀበሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ ን50 ዓመት ዝኣክል ምስ መሃረ በዛ ዕለት እዚአ ዓረፈ።

. ቅዱስ ጳውሎስ

ጳውሎስ ማለት ሕሩይ፡ ምሩጽ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ድማ ብርሃን ማለት እዩ። ጳውሎስ ማለት ብርሃን ኮይኑ (ዘዳ 14፡2) ቀዳማይ ሽሙ ሳውል እዩ። ሳውል ማለት

ድማ ጸጋ እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ብንያም እዩ (ፊል 3፡5) ። ኣቦኡ ዮስኤል ይበሃል። ጎይታ ምስ ተወልደ ኣብ ሓሙሻይ ዓመቱ ኣብ ጤርሴስ ተወልደ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ዓባይ ሓፍቱ ብምቕማጥ ኣብ ትሕቲ ገማልያል ሕጊ ኦሪትን መጻሕፍቲ ነቢያትን እናተማህረ ዓበየ (ግ.ሓ 22፡3) ። ብሕገ ኦሪት ኣዝዩ ቀናእ ስለ ዝነበረ “ክርስቶስ ፍጡር እዩ፡ ወንጌል ድማ ድቓላ እያ” እናበለ ንሓዋርያት ይቃወም፡ ንምእመናን ድማ የሳድድ ነበረ። ብወንጌል ዝኣመነ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብ 8ይ ዓመቱ እዩ። ክርስቲያን ንምስዳድ ካብ ሊቀ ካህናት ወረቀት ተቐቢሉ ናብ ደማስቆ እናኸደ ከሎ መብረቕ ወደቖ፡ ሰንቢዱ ድማ ወደቐ፡ “ሳውል ሳውል ስለምንታይ ተሳድደኒ ኣለኻ፧” ዝብል ድምጺ ድማ ሰምዐ። ንሱኸኣ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ድማ ሓተተ። “ንምእመናን ኣብ ዝወዓልዎ ኣየውዕልን፡ ኣብ ዝሓደርዎ ኣየሕድርን፡ ኢልካ ተሳድደኒ ዘለኻ፡ኣነ ክርስቶስ እየ፡ በሊሕ ሴፍ እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝኸፍኣካ፡ ሕጂ ድማ ንምእመናን እንተበደልካ ዝጉዳእ ንስኻ ደኣ እምበር ኣነ ከይመስለካ” በሎ፡ ጳውሎስ ድማ “ሕጂ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ተሲእካ ናብ ከተማ እቶ እትገብሮ ክነግሩኻ እዮም በሎ። ምስኡ ዝነበሩ ድምጺ እናሰምዑ መልክዑ ግን ክርእዩ ኣይከኣሉን፡ ካብ ዝወደቖ ተንሲኡ ተመሪሑ ከኣ ናብ ደማስቆ ኣብጽሕዎ እኽለ ማይ ከይቀመሰ ከኣ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።

ካብ 72 ኣርድእቲ ሓደ ሃናንያ ኣብ ደማስቆ ይነብር ነበረ። ጎይታ ብራእይ “ንጳውሎስ ኣእሚንካ ኣጠምቆ” በሎ። ንሱ ከኣ “እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን እዚ ሰብ እዚ ንምእመናን ዘሳድድ እንድዩ፧” በለ። ጎይታ ከኣ “ምሩጽ ኣቕሓ ገይረዮ ኣለኹ ኪድ ተቐበሎ ድማ” በሎ። ንሱ ከኣ ከይዱ “ሳውል ሓወይ እቲ ኣብ መገዲ ዝረኣኻዮ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ክሓድረካ ናባኻ ልኢኹኒ ኣሎ” ኢሉ ዓይኑ ዳህሰሶ እሞ እቲ ዓይኑ ሸፊንዎ ዝነበረ ነገር ተቐራሪፉ ካብ ዓይኑ ረገፈሉ።

ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚነ ኢሉ ክምህር ምስ ጀመረ ኣይሁድ ተገረሙ ተንኮል ካብ ምሕሳብ ስለዘየዕረፉ ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ኣብ ሶርያን ኪልቂያን ክምህር ከሎ ሲላስ ምስኡ ስለዝነበረ ንክልቲኦም ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ዓው ኢሎም ዘመሩ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ካብ መሰረቱ ኣንቀጥቀጠ፡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምንቅጥቃጥ እቲ ቤትን ምክፋት ማዕጾን ርእዩ እሱራት ዝሃደሙ መሰሎ እሞ ካብ ቁጥዐ ሓለቓኡ ፈሪሁ ገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ሴፍ ኣውጽአ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ “ኩላትና ኣለና ሓደ እኳ ዝኸደ የልቦን ነፍስኻ ኣይተጥፍእ” በሎ። በዚ ከኣ ኣሚኑ ተጠምቀ (ግሓ 16፡19-34)። ቅዱስ ጳውሎስ ክምህር ከሎ ብጥበብ እዩ ዝምህር ዝነበረ። ኣብ ጣዖት ንዝአምኑ ከም መምለኺ ጣዖት መሲሉ ይምህሮም ነበረ (1ቆሮ 9፡21)። ናይዚ ምኽንያት ድማ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ዮሓንስ ከካብ ሃገረ ስብከቶም ተመሊሶም ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣንጾኪያ ኬድኩም መሃሩ ኢሉ ለአኾም። ንሳቶም ድማ ብደመና ተጻዒኖም ከዱ፡ እቶም ህዝቢ መምለኽቲ ጣዖት ነበሩ፡ ኣብኡ ኣትዮም ክምህርዎም ምስ ጀመሩ ንጴጥሮስ ሃሪሞም ኣብ እግሪ ጣዖት ደርበይዎ ንዮሓንስ ድማ ብዘይ ማይ ላጽዮም ኣብ ደገ ደርበይዎ። ጳውሎስ ድማ ልብሲ ካህን ተከዲኑ፡ መምለኺ ጣዖት መሲሉ መጸ። ኣብ ደገ ድማ ንዮሓንስ ረኸቦ። “ፍቁረ እግዚእ! እንታይ ኣውዲቕካ፧” በሎ። ዮሓንስ ድማ “ኣነስ ድሓን እየ ሊቀ ሓዋርያት ጴጥሮስ ሃሪሞም ኣውዲቖሞ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ናብ ውሽጢ ኣትዩ ድማ ብኢዱ ጠቂዑ ንህዝቢ ኣከቦም፡ ካብ ቄሳር ተላኢከ እየ መጺአ ነዞም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ዝምህሩ ሒዝኩም ኣምጽኡለይ ኢሉ ኣሎ” ብምባል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ንሶም ድማ “ሕጊ ንጉስ ስለ ዘይሰማዕና ሃሪምና ኣብዚ ደርበናዮም” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ “ናብዚ ኣምጽኡለይ” በሎም እሞ ኣምጽእሉ። ንሱ ከኣ “እንታይ እናበልኩም ኢኹም ትምህሩ፧”ኢሉ ሓተቶም። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “ጎይታ ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ሞተ፡ ተንስአ፡ ዓረገ፡ ዳግማይ ድማ ክመጽእ እዩ” ኢልና ንምህር በሎ። ንሱ ከኣ “ድንግል ከመይ ኢላ ትወልድ፧ ምውት’ከ ከመይ ኢሉ ይትንእ ሓሳዊ” ብምባል ንቅዱስ ጴጥሮስ ብጽፍዒት ሃረሞ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ናብቲ ናይ ቅድም ግብሩ ዝተመለሰ መሲልዎ፡ “ተመየጥከኑ ጳውሊ ሃበ ዘቀዳሚ ግብርከ” በሎ። ብድሕሪ እዚ “እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ እንተኾይኑ ምውት ኣተንሲእኩም ኣርእዩኒ” ብምባል ናብ ሓደ ካብ ዝመውት ክልተ ወርሒ ገይሩ ዝነበረ ወዲ ንጉስ መቓብር ወሰዶም። እቶም ሓዋርያት ድማ ጸሎት ገበሩ፡ ጳውሎስ’ውን ብትሑት ድምጺ ይጽሊ ነበረ። እቲ ምዉት ድማ ተንስአ፡ “መን ኣተንሲእካ ኢሎም” ከኣ ሓተትዎ፡ ንሱ ከኣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልክዕ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ነጊሩ “ኣተንሲኡኒ” ኢሉ ነገሮም። እቶም ህዝቢ ከኣ ነዚ ተኣምር ርእዮም ብጎይታ ኣሚኖም ተጠመቑ።

ቅዱስ ጳውሎስ ንሕሙማት ውን ሕሙም ተመሲሉ ምሂሩዎም እዩ (1ቆሮ9፡22) ። እዚ ከመይ እዩ እንተተባህለ “ሓሚመ” ኢሉ ኣብ ቤት ሕሙማት ኣተወ 40 መዓልቲ ድማ እኽለ ማይ ከይበለዐ ብኸቢድ ከም ዝሓመመ ይግዕር ነበረ። 40 መዓልቲ ምስ ገበረ “ኣቱም የሕዋተይ በቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝምህር ዝነበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባህለ እንድሕር ኣሚንካ ትድሕን ኢኻ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ካባኻ ንላዕሊ ሕሙም የለን እሞ ንስኻ እመን፡ እንድሕር ንስኻ ካብ ሕማምካ እንተሓዊኻ ንሕና ከኣ ብእኡ ክንኣምን ኢና” በልዎ። ጳውሎስ ከኣ “ኣነ ብኢየሱስ ክርስቶስ አሚነ ኣለኹ” በለ እሞ ተንስአ። ነዚ ርእዮም ከኣ እቶም ሕሙማት “ንሕና’ውን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚና ኣሎና” ኢሎም 200 ዝኣኽሉ ሕሙማትን ድውያትን ካብ ሕማሞም ሓውዮም ተንስኡ። ብወንጌል ኣሚኖም ከኣ ተጠመቑ። በዚ ከምዚ ከኣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናኸደ ብዙሕ መሃረ ነቶም ዝመሃሮም ድማ ካብ ሃይማኖቶም ከይወድቁ 14 መልእኽትታት ጽሓፈሎም።

ብ69 ዓ.ም ሮም ኣትዩ ክምህር ከሎ ንጉስ ኔሮን ቄሳር ኣሲርዎ ነበረ። ንኣካይያ ስዒሩ ምስ ተመልሰ ካብ ማእሰርቱ ኣጸውዖ፡ መስቀሉ ሒዙ ድማ ቀረበ፡ በዚ ተቖጢዑ ብሴይፊ ክቐትልዎ ኢሉ ኣዘዘ፡ ከም በጊዕ እናጎተቱ ክወስድዎ ከለዉ ኣብ መገዲ ጓል ንጉስ ረኸበቶ። ኣሚና ስለ ዝነበረት መንዲልኪ ሃብኒ በላ፡ ንሳ ድማ ሃበቶ ብእኡ ሸፊኖም ድማ ሰየፍዎ፡ ደሙ ንላዕሊ ብምንጣር ብዓመጻ ትቀትሉኒ ኢሉ ከሰሶም፡ “ደምከ ጴጥሮስ ወልደዮና በጽዋዐ መስቀል ተቀድሐ፡ ወደመ ጳውሎስ ሰማያተ ጸርሐ” ከም ዝበሎ ደራሲ። ቀቲሎሞ ክምለሱ ከለዉ ጓል ንጉስ ረኸበቶም እሞ ጳውሎስ’ከ ኢላ ሓተተቶም። ብመንዲልኪ ሸፊና ቀቲልናዮ በልዋ። ንመንዲለይ መሊሱለይ ምስ ጴጥሮስ በዚ ክሓልፉ ርኤዮም ከለኩ ከመይ ጌርኩም ቀቲልናዮ ትብሉኒ ኢላ መንዲላ ኣርኣየቶም በዚ ድማ ኣመኑ። ተቖሪጹ ዝወደቐ ርእሲ ምስ ኽሳድ ኣልገብዎ ከም ቀደሙ ድማ ኮነሎም እሞ ቀበርዎ። መዋእል ስብከቱ 42 ዓመት ድሕሪ ምምሃር ወዲ 74 ዓመት ምስኮነ ብሰማዕትነት ዓረፈ።

Leave a comment

Send a Comment