በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!
፲፪/12 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለድሜጥሮስ ሊቀጳጳስ (ዝተሸመሉ 180ዓ.ም)
ድሜጥሮስ ማለት መስትያት ማለት እዩ። ሃገሩ ድማ እስክንድርያ እዩ። ኣቡኡን ኣዲኡን ንእግዚአብሔር ዝፈርሑ ሕያዎት ነበሩ። ንሓወቡኡ ሓንቲ ጓል ነበረቶ። ክመውት ከሎ ንወደይ ካብ ንጓልካ ፈሊኻ ኣይትርኣዮ ስለ ዝበሎ ምስ ጓሉ ኣዕበዮ። ኣብ ጊዜኦም ምእመናን ዝወሓድሉ ኣረማውያን ዝበዝሑሉ እዩ ነሩ።
ደቆም ዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ምስ በጽሑ፡ ካብ ምስ ዘይኣምኑ ነመርዕዎም፡ ሕጊ ሰብ ድኣ ይፍረስ እምነር ሕጊ ሰማያዊ ኣይነፍርስን ኢሎም ኣመርዓውዎም። በሊዕም ሰትዮም ተሓጊሶም ወዓሉ። መሬት ምስ መሰየ ከምቲ ወግዒ ቤት ፈልዮም። እታ ጓል ሓወብኡ ቀዲማ “ድሜጥሮስ ሓወይ ኣነ ንዓኻ ሓብትኻ እየ ንስኻ ድማ ሓወይ ኢኻ ነዚ ስዒርና ከመይ ጌርና ስራሕ ጓና ክንሰርሕ ንኽእል” በለቶ። ድሜጥሮስ ድማ “ኣነስ ፍቓድ ኣቦይን ኣደይን ክፍጽም ኢለ እየ እምበር ድሌተይ ኣይኮነን። ፍቃድኪ እንተኾይኑስ ክንገድፎ ንኽእል ኢና። ምእንቲ ንዓይ ምስ ካልእ ንዓኺ ድማ ምስ ካልእ ከየመርዕዉና ግን ሰብኣይን ሰበይትን መሲልና ንንበር በላ። በዚ ተሰማሚዖም ኣብ ሓደ መንጸፍ እንዳደቀሱ፡ ሓንቲ ነጸላ እንዳ ተኸድኑ፡ ን48 ዓመት ነበሩ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ክበሃል ይኽእል እዩ። ነቲ እግዚአብሔር ዝመረጾ ብጥበቡ እዩ ዘንብሮ። ሚካኤል መልኣኽ ለይቲ ለይቲ እናመጸ፡ የማናይ ክንፊ ንዕኡ ጸጋማይ ክንፊ ድማ ንዓኣ ከዲኑ ሓዲሩ መሬት ምስ ወግሐ ድማ ብኣምሳለ ርግቢት ብመስኮት ክወጽእ ከሎ ይርእይዎ ነበሩ።
ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ሊቀጳጳስ ሉክዮስ (ሉክያኖስ) ይበሃል። ምስ ኣረገ ንህዝቢ ኣኪቡ ኣነ ኣሪገ እየ ብድሕረይ ዝሽየም ምረጹ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ባዕልኻ ሕጊ ሰሪዕካ ንገረና እምበር ንሕናስ ንፈልጦ የብልናን በልዎ። መዓልቲ ቆጺሩ ድማ ኣፋነዎም። ኩሎም ድማ ኣብ መዓልቲ ቆጸርኦም ተኣከቡ። ኣብ ሱባኤ ከለዉ ተኣዚዙ ዝመጸ መልኣኽ ነጊርዎ ስለ ዝነበረ፣ ኣብዘይ ጊዜኣ ዝበሰለት ዘለላ ወይኒ ሒዙ ከባርኽ ናባይ ክመጽእ እዩ ብድሕረይ ዝሽየም ድማ ንሱ ኢሉ ነገሮም። ሽዑ ንሽዑ ድማ ድሜጥሮስ፡ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ፡ ኣብዘይግዚኣ ዝበጽሐት ዘለላ ወይኒ ኣብ ሙዳይ (ጥብሒ) ሒዙ መጸ። ካብቲ ዝሓዞ ዝያዳ በረኸት ተቐቢሉ ክወጽእ ከሎ፡እቲ ብድሕረይ ዝሽየም እዚ እዩ ኢሉ ኣመልከተሎም።
ሊቀ ጳጳስ ሉክዮስ ኣይደንጎየን ዓረፈ። ቀቢሮሞ ክምለሱ ከለዉ፡ መንበር ብዘይ ሹም ኣይሓድርን እዩ እሞ ንዓ ተሸየም በልዎ። ንጹህን ድንግልን ዝቕመጦ ወንበር፡ ከምዚ ኸማይ ሕጊ ዘይመልአ፡ ዘይተማህረ ከመይ ኢሉ ይሽየም ኢሉ ኣበየ። ኣቦና ነጊሮምና እዮም ኢሎም ኣገደድዎ። ክሽየም እንተኾይነ ስርዓት ምሃሩኒ በሎም። ኣይተማሃርኩን ስለ ዝበልካ እምበር ኣቦና ክሽየም ከሎ ኣንቀጸ ብጹኣን፡ ኣንቀጸ ኣበግዕን ኣንቢቡን ተርጊሙን እዩ ተሸይሙ በልዎ። ነቲ መጽሓፍ ኣምጹእለይ ብምባል ምንባብን ምቱርጓምን ስለ ዝተገልጸሉ፡ ኣንቢቡን ተርጊሙን ተሾመ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብሉይን ሓድሽን ኩሉ ተገልጽሉ።
ብድሕሪ እዚ ኣብ ፍጹምነት ካብ ምብጽሑ ዝተላዕለ ከቑርብ ከሎ ዝነጽሀን ዘይነጽሀን፡ ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ይረኢ ስለ ዝነበረ፡ ንስኻ በቂዕካ ኢኻ ንስኻ ኣይበቓዕካን፡ ንስኻ ኣቲኻ (ተነሲሕካ)ነጺህካ ቅረብ ይብሎም ነበረ። በዚ ድማ ብዙሓት ሓጢኣቶም ንኣባት ነፍሶም እንዳ ነገሩ፡ ዝበሎም እና ፈጺሙ ዝቖርቡ ኮኑ። ካልእ ድማ ንጹህን ድንግልን ዝቕመጦ መንበረ ማርቆስ ምቕማጡ ከይኣኽሎስ ከምዚ ይብለና ብምባል ሓመይዎ ነበሩ። ዝተኣዘዘ መልኣኽ ናብኡ ብምምጻእ “ኦ ድሜጥሮስ ኢትፍቅድ ኣድህኖ ርእስከ ባሕቲቱ ኣላ ክስት ዘሀሎ ምስሌካ ወማእከለ ብእሲትከ”ናትካ ድሕነት ጥራይ ኣይትርኣይ ህዝቢ ብሒሜት ይጉዳእ ኣሎ። ኣባኻን ኣብ ሰበይትኻን ዘሎ ምስጢር ግለጸሎም በሎ።
ንጽባሒቱ በዓለ ጳራቅሊጦስ ነበረ። ቀዲሱ ምስ ኣቑሮቦም ሓዊ ኣጒዱ ኣብ ውሽጢ ኣትዩ ብምቅዳስ፡ ንሰበይቱ ጸዊዑ “ስፍሒ ኣጽፈኪ” ክዳንኪ ዘርግሒ ብምባል ካብቲ ጓህሪ እንዳሓፈሰ ኣብ ክዳና ገበረላ። ነቲ ህዝቢ ሰለስተ ጊዜ ብምዝዋር መለሰቶ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣባ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ኣሎኻ በልዎ። ብምኽንያት ሰበይተይ ትሓምዩኒ ከም ዘለኹም መልኣኽ ነጊሩኒ። ነቲ ምስጢር ክገልጸልኩም ድማ ኣዚዙኒ በሎም። ነዚ ኩሉ ዓመታት ብሓደ ከነሕልፎ ከለና ብግብረ ስጋ ኣይንፋለጥን ኢና በሎም። “ስረይ ለነ ኦ ኣቡነ እስመ ንሕነ ኣበሳነ ወጌጋየነ” በዲልና ኢና እሞ ይቕረ በለልና እናበሉ ኣብ እግሩ ወደቁ። “ይህድግ ይፍታሕ ያንጽህ ወያሰረይ እግዝእ” ኢየሱስ ክርስቶስ ይቕረ ይበለልኩም፡ ይፍታሕኩም ኢሉ ስርየት ሃቦም። ንዛዜ ዝተጀመረ በዚ ግዜ እዚ እዩ።
ካብ ዘመነ ሓዋርያት ክሳብ ግዜኦም ጐይታ ምስ ተጠምቀ ከይወዓለ ከይሓደረ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸይሙ እናበሉ፡ ጽባሕ ጥምቀት ይጸሙ ትንሳኤ ኣብ ዝወዓለሉ ግዜ የኽብርዎ ነበሩ፡ መዓልቲ እንተዝግለጸለይ እንዳበሉ ይምነዩ ስለ ዝነበሩ፡ ሆሳዕና፡ ትንሳኤ፡ ጰራቅሊጦስ ኣብ ሰንበት፡ ስቅለት ኣብ ዓርቢ፡ ዕርገት ድማ ብሓሙስ መዓልቱ ከይልወጥ ከም ዝኸብር ከምቲ ዝለመንዎ ተገልጸሎም። ኣብ ጊዜ እርግናኡ ኣብ ዓራት ተሰኪሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምውሳድ ክሳዕ ጸሓይ ትዓርብ ይምህሮም ነበረ። ስጋ ዝለበሰ ዘበለ ዋላ እንተበቅዐን ጻድቅ እንተኾነን ካብ ሞት ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ግን ድሜጥሮስ ኣብ 105 ዓመቱ በዚ ዕለት እዚ ዓረፈ።
በረኸትን ኣማላድነትን ሊቀጳጳሳት ቅዱስ ድሜጥሮስ ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!
ስብሃል ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment