በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

 ነገር ቤተ ክርስቲያን  2  ክፋል

 

 

 

 

 

 

 

ሓቀኛ ክርቤተ ስቲያን መን እያ፧

ሓቀኛ ቤተክርስቲያን መን ምዃና ንምፍላጥ ብክልተ መገዲ ክንርዳእ ንኽእል፥

ንሳቶም ድማ፥

1 ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ

2 ብትምህርቲ ቀድምት አበው።

1 ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን መን ምዃናን ከተማልኦም ዝግባእ ረቛሒታት እንታይ  ምዃኖም ይነግረና እዩ።

ንኣብነት ይሁዳ. 1፡3

ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ሓዋርያ ይሁዳ ናይታ ቅንዕቲ ቤተ ክርስቲያን መንነትን ከተማልኦ ዝግበኣን ከምዚ ክብል ጽሒፍልና ኣሎ (በታ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንቅዱሳን ዝተዋህበት ሃይማኖት ጸኒዕኩም ክትጋደሉ ጺሒፈ ክመኽረኩም ግዲ ኮይንኒ ኣሎ” ይብል ። ነዚ ሓሳባት እዚ ምስ እንርእዮ፥

. በታ ሓንሳብን ንሓዋሩን

ሃይማኖት ማለት እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንደቂ ሰባት ዝገልጸሉ መገዱ እዩ። ሃይማኖት ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበ ድኣ እምበር ሰባት ኣብ ጣውላ ተኣኪቦም ተሰማሚዖም ዝመሥረትዋ ከምዘይኮነት ዝረድኣና እዩ። ናይ ሃይማኖት ውሃቢ እግዚአብሔር እዩ። ናትና ሥራሕ ድማ ፍጡራቱ ከም ምዃና መጠን ተቐቢልካ ከምዝተባህለካ ምትግባር እዩ። ስለዚ ሃይማኖት ክትውሃብ ከላ ሓደ ጊዜ እያ። ሓደ ጊዜ ክትውሃብ ከላ ውን ፍጽምትን ምልእትን ምሕዳስ ዝባሃል ዘየድልያ ጌይሩ እዩ እግዚኣብሔ ሂቡና።  ምሕዳስ ዘየድልያ ምዃኑ ንኸረድኣና ድማ “በታ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንቅዱሳን ዝተዋህበት” ይብለና። ስለዚ ክትውሃብ ከላ ሓደ ጊዜ እያ ተዋሂባ። ፍጽምቲ ኮይና እያ እውን ተዋሂባ። ብምኽንያቱ ውሃቢኣ ዝኾነ ኣምላኽ ጉድለት ዘይብሉ ፍጹም ኩሉ ዝፈልጥ ስለዝኾነ። ስለዚ ሃይማኖት ምሕዳስ የድልያ እዩ ዝብሉ ሰባት እንተ ሃልዮም ግና እግዚአብሔር ኣብ ዕይኡ ጉድለት ኣለዎ; ፍጹምነት የብሉን ናብ ዝብል ጉጉይ ትምህርቲ ዝወስድ ስለ ዝኾነ ምጥንቃቕ የድልየና። ኣምላኽና እግዚኣብሔር ኣብ ዘመኑ ኅልፈት ኣብ ሥርሑ ጉድለት ኣብ መንግሥቱ ስዕረት ዘይብሉ ኣብ ኹሉ ነገሩ ፍጹም ከም ምኻኑ መጠን ሓንሳብን ንሓዋሩን ምሕዳስ ዘየድልያ ፍጽምቲ ተዋሕዶ ሃይማኖት ህይቡና። ንሕና ድማ ተቀቢልና ኣብኣ ምንባር የድልየና ።

. ንቅዱሳን ዝብል ምስ እንርኢ ድማ ፥

ሃይማኖት ክትውሃብ እንከላ ንቅዱሳን ከም ዝተዋህበት ዘረድኣና እዩ። እዚ ድማ እታ ቅንዕቲ ቤተ ክርስቲያን እትበሃል ሃይማኖት ንቅዱሳን ዝተዋህበት ምዃና ፈለጣ ኣሚና ኣማልዱልና ተባሂሎም ዝልመኑ ወይ ዘማልዱ ቅዱሳን ዘለውዋ ፡ ነገረ ቅዱሳን ፡ ክብረ ቅዱስን ዝንገረላ ምዃና ዘረድኣና እዩ።

. ጸኒዕኹም ክትጋደሉ፥ ምባሉ ድማ ኣብታ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ተጋደሉ፡ ሠናይ ግብሪ ግበሩ፡ጽንዑ፡ እምነትን ግብርን ይሃልኹም፡ መንግሥተ ሰማያት ብቡዙኅ ድኻምን ጻዕርን ተጋድሎን ኢኹም ተኣትዉ ተባሂላ ዝንገረላ ምዃኑ ዘረድእ እዩ ።

ስለዚ መንግሥተ ሰማያት ብእምነትን ብግብርን ብተጋድሎን ከም እትእቶ ኣሚንና ንጓዓዝ እንተኾይና ቅንዕቲ ምዃና ዘረድእ እዩ (ግ.ሓ 14፡22, 2ቆሮ 5፡9-10፡ ማቴ 24፡13፡ ዕብ 11፡35-38 ፡

2ጴጥ 4፡6፡ ሮሜ.14፡17፡ ራእይ22፡12፡ ማቴ.25፡31-46)።

2. ብመንጽር ትምህርቲ ቀዳሞት አበው ክበሃል ኮሎ

እዞም ኣቦታት እዚኣቶም ነቲ ካብ ሓዋርያት ዝተቐበልዎ ናብቲ ዝቅጽል ወለዶ መጽሓፍቲ ጽሒፎም፡ ሕጊ ሥሪዖም ዘመኃላለፍዎ ትምህርቲ መሠረት ብምግባር መን ምዃና ክንፈልጥ ንኽእል (ዕብ 13፡7, ምሳ 22፡28, 1ዮ1፡1) ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ውን “ጽልዩ በእንተ ሰላመ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ጉባኤ እንተ ሐዋርያት” ብዝብል ካብቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዘይወፅአት እንተኮይና ብምርኣይ ክንፈልጥ ንኽእል።

ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ውን “ወንኣምን በኣኃቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላዕለ ጉባኤ ዘሐዋርያት” ዝብል ነዚ እዩ ዘረድኣና። ስለዚ ትምህርቲ ሓዋርያትን ሓዋርያውን ኣበውን ብዝግባእ ዝሓዘት እንተ ኮይና ቅንዕቲ ምዃና ንፈልጥ ።

ንኣብነት፥

ጠርአሎስ ዝተባህለ ሊቅ ከምዚ ይብል “ሓንቲ ቤተ ክርስርቲያን ቅንዕቲ ምዃና ዝሕብሩ ክልተ ነገራት(መስፈርት) ኣለዉ ። ንሳቶም ድማ ፥

1, መስፈርት ናይ ሓዋርያት ተኸተልቲ ኽኾኑ ኣለዎም

2, ካብ ትምህርቲ ቀዳሞት ኣቦታት ዘይወፅአ እዩ “ይብል።

1 መስፈርት ተባሂሉ ዘሎ ­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­ናይ ሓዋርያት ሰንሰለት ዝኃዘ ክኸውን ኣለዎ። ስዓብቲ ሓዋርያት ክኾኑ ኣለዎም (Apostolic succession) ። ኣብዚ ሕጂ ጊዜ በዚ መስፈርት እዚ ክንመዝኖ ከለና ዳርጋ የለዋን ክንብል ንኽእል።

ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስቲያና ግና ክህነቶም ካብ ላዕሊ እንተኾይኑ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ዝመጽእ ግናኸ በዚ ጥራይ ቅኑዓት እዮም ክንብሎ ኣይንኽእልን። ኣብ ቤተ ክርስቲያና ድማ ትኽ ኢልና ናብ ቅዱስ ማርቆስ ንኸይድ።

  • 2 መስፈርት

­­­­­­­­­­­­እቲ ካልኣይ መስፈርት ካብ ትምህርቲ ቀዳሞት ኣቦታት ዘይምውፃእ እዩ (early church Fathers) በዚ ትምህርቲ እዚ ክርአ ከሎ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ጎደሎ እያ። ምኽንያቱ

ሀ, ክልተ ባሕርይ እናበሉ ዝምህሩን ዝኣምኑን እዮም።

ለ, ጳጳስ ፍጹም ኣይጋገን እዩ ዝብል ትምህርቲ ኣለዎም።

ሐ,(Immaculate Conception) ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሰማያት ከም ዝመጽአት ጌርካ (ኣርያማዊት እያ ምባል) ካብ ሰማያት ዝወረደት ኃይሊ ኣርያማዊት እያ ይብሉ።

ስለዚ በዚ መለክዒ እዚ ­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­­ክርአ ከሎ ቅኑዕ ሥርዓትን ትምህርትን ኂዛ እትርከብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ጥራይ እያ።

ባሕርያት ቤተክርስቲያን

ባሕርይ ማለት መግለጺ መንነት ናይ ሓደ ነገር እዩ።  በዚ መሠረት ድማ ቤተ ክርስቲያን ንባሕርያታ ዝገልጽ መንነት ኣለውዋ።ንሳቶም ድማ ብመሠረት ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝረቐቐ ጸሎተ ሃይመኖት ካብ ዝተገልጹ እዮም።  ከምኡ ውን ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ “ጸልዩ” ኣብ ዝብል ተገሊጹ ዘሎ ኮይኑ ከምዚ ይበል “ወንኣምን ብኃቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋርያት (ብሓንቲ ቅድስት ዓለም ለኻዊት ሓዋርያዊት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን) ዝብል ተውሳኪ ውን ኣብ ቅዳሴ “ጸልዩ ብእንተ ሰላማ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ጉባኤ እንተሓዋርያት” እውን ይብል። ነዚኦም ብዝርዝር ምስ እንርእዮም፥

  1. ቤተ ክርስቲያን ንቲ ዝተባህለትሉ ምኽንያት፥

ሓድነት ኩሉ ጊዜ ዘይቅየር ናይ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን መለለዪ ጠባይ እዩ።  ቅዱስ ጳውሎስ ውን ብዛዕባ ጐይታን ጥምቀትን ሃይማኖትን ከስተምህር እንከሎ “ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተጸዋዕኩም ሓደ መንፈስን ሓደ ሰብነትን ኣሎ። ከምኡ ውን ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ ሃይማኖት ሓንቲ ጥምቀት” ይብል (ኤፌ 4፡4-5) ። መቸም ማንም ሓዋርያ “ሓደ ኣካል ዝበሎ” ንእግዚኣብሔር እምበር ንቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን ኢሉ ክምጉት ዝኽእል የልቦን፡ ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብኣካል ሠለስተ እምበር ሓደ ኣይኮነን።  ስለዚ ንቤተ ክርስቲያን ብሓቂ ዝመርሐ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ከምዝኾነ፡ ብመንፈስ እትምራሕ ናይ ክርስቶስ ኣካል ዝኾነት ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ውን ሓንቲ እያ።

ሕያዋይ ጓስ ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነተን ካብ ደምበ ዝወፅኣ ኣባጊዕ ንዕአን ንምድላይ ከምዝመጽአ “ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ካልኦት ኣባጊዕ ኣለዋኒ ንዕአን ድማ ኣብዚ ከምጽአን እየ። ቃለይ ውን ከሰምዓ እየን ፡ ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ከኣ ክኾና እየን” ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ዝጠቅስ እዩ (ዮሓ 10፡16) ። ምኽንያቱ ካብዚ መጓሰ ዘይኮና ካልኦት ኣለዋኒ ንዕአን ናብዚ ከምጽአን ይግበኣኒ ደኣ እዩ ዝበለ እምበር “ኣብቲ ዘለውኦ ቦታ ከመኃድረን ይግበኣኒ እዩ ኣይበለን።  እቲ መጓሰ ሓደ እቲ ጓሳ ውን ሓደ እዩ። ስለዝኾነ እተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ናብቲ ደምበ ኣባጊዕ ደኣ መጽኣ እምበር ናብቲ ዘለውኦ ካልእ መጓሰ ክሠርሓለን እየ ኣይበለን።

ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ ቤተክርስቲያን ሓድነት ብክልተ ምሳሌታት ጌሩ ይገልጾ፥

ቀዳማይ፥ ክርስቶስ ናይ ኣካሉ (ቤተ ክርስቲያን) ርእሲ እዩ ብምባል ናይ ርእስን ኣካልን ርክብ ብምልዓል በዚ መንጽር ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ንኣካል ወኪሉ ዘቕረበ እዩ (ቆላ 1፡18) ።  ከም ዝፍለጥ ልምዳዊ ዝኾነ ናይ ተፈጥሮ ሥርዓት ብዝተኸተለ መገዲ ዝተዋቐረ ናይ ሰብ ኣካል ክህልዎ ዝኽእል ርእሲ ሓደ ክከውን ከሎ ፡ ሓደ ኣካልን ሓደ ርእስን ጥራይ እዩ ዘመሓድሮ።

ስለዚ ናይ ቤተ ክርቲያን ርእሲ ሓደ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ ብእኡ እትምራሕ ኣካሉ ዝኾነት ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ድማ ሓንቲ እያ።  በዚ ድማ ብዙኅ ኣካላት ሓደ ርእሲ ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ዘይተለምደን ካብ ሥርዓተ ተፈጥሮ ወፃእን ከምዝኾነ ኣብ ብዙኃት ቤተ ክርስቲያናት (ካብ ኦርቶዶክስ ወፃኢ ንዘለዋ ሓዊስካ) ድማ ሓደ ርእሲ ክርስቶስ ይርከባ ኢልካ ምሕሳብ ኮነ ምስትምሃር ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወፃእን ካብቲ ልሙድ ናይ ቀደምት አበው ትምህርትን ምውፃእ እዩ።

ካልኣይ፥ ብሰብኣይን ሰበይትን ዝመሰሎ ምሳሌ እዩ (HUSBAND WIFE analogy)

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ብዛዕባ ክርስቶስ ከምዚ ይብል “እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ” ብምባል ንክርስቶስ ብመርዓዊ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ብመርዓት ይምስላ (ዮሓ 3፡29, ኤፌ 5፡23) ። ሓደ መርዓ (ሓዳር) ብቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዝወሃቦ ምሥጢሩ ኣብ ኣመንጎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ክሳዕ ምስዝፍጸም ጥራይ እዩ። ነዚ ኣምላኻዊ ትምህርቲ ምኃዝ ሓደ ንዝኾነ መርዓዊ ተሓጽያ ዝቐረበት መርዓት ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ምዃና የረድኣና።

ስለዚ ብእምነት፡ ብመሠረታዊ ትምህርቲ፡ ብሕይወት ሓንቲ ስለዝኾነት ሓንቲ ትበሃላል።

3   ክፋል   ይቅጽል   —————

 

 

 

 

 

Leave a comment

Send a Comment