በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሚን!!!
፳፩/2ı መስከረም ብዙሃን ማርያም
21 መስከረም፡ ብኽልተ ነገር እዩ ይኽበር። እቲ ቀዳማይ ብምኽንያት ጉባኤ ንቅያ እዩ። ካብ ተማሃሮ ተፍጻሜ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበረ ኣርዮስ “ትቤ ጥበብ ፈጠረኒ ኣብ ከመ እኩን መቅድመ ኩሉ ተግባሩ” ዝብል ቃል ከይመርመረ፡ስብሐት ይኹኖ፡ ንጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ወልድ ፍጡር እዩ” ኢሉ ከስተምህር ጀመረ። በዚ ዝተላዕለ ናይ ሃይማኖት ዘይምርድዳእ፡ ጻድቕ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ንቅያ ጉባኤ ክካየድ ኣወጀ። ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል።
ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን መዓርገ ክህነት ተቐቢሉ ኣብ እስክንድርያ ዘገልግል ዝነበረ ኣርዮስ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ። ኣርዮስ፡ ካብ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ዝወፀ ብፍጹም ክሕደት፡ “ወልድ ፍጡር እዩ እምበር ኣምላኽ ኣይኮነን” ብምባል ተላዕለ።
ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተናጋሪ ኮይኖም 318 ሊቃውንት፡ ትምህርተ ኣርዮስ ክሕደት ምዃኑ ገሊጾም ብሓባር ኣውገዝዎ። እዞም ሊቃውንት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጸሎተ ሃይማኖትን ኃሙሽተ ኣእማደ ምሥጢርን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝጠቕሙ ካልኦት ሥርዓታት ወሲኖም።
በዚ ዕለት’ዚ ነዚ ዝወሰንዎ ስለ እንዝኽሮ “ብዙኃን ማርያም” ተባህለ። በዚ ዕለት እዚ ካብ 2340/43 ሊቃውንት ኣብ ኒቅያ ትኣከቡ።
እቲ ካልኣይ ድማ ንመስቀል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምልከት። ናይ ግብጺ ነገስታት ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዓመጽን በደልን ኣበርትዑሎም። እቶም ምእመናን ድማ ንንጉስ ኢትዮጵያ ንጉስ ዳዊት ርድኣና ኢሎም ልኣኽሉ። ናብ ስናር ዝተባህለ ቦታ ብምኻድ ንሩባ ግዮን ዓጸዉዎ። ህይወት ግብጻውያን ኣብ ሩባ ግዮን ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ፡ ምሳኹም ሰላም እዩ ዘድልየና ኢሎም መልእኽቲ ልኣኹ። ምዕጻው ናይዚ ሩባ እንተላይ ነቶም መእመናን እዩ ዝጎድእ እሞ ነቲ ማይ ከምቀደሙ ናብ ንቡር ምለሶ ኢሎም ህያብ ሂቦም ልኣኹሎም።
ንጉስ ዳዊት ድማ ተመለስ ካብ በልኩምኒ ክምለስ እየ፡ ነቲ ሩባ’ውን ክኸፍቶ እየ። ጽቡቕ ከም ዝገበርኩልኩም ምእንቲ ክትፈልጡ ግን ነቲ ዝለኣኽኩምለይ ህያብ ሓንቲ ከየትረፍኩ ይመልሰልኩም ኣለኹ። ግን ኣብ ሃገረይ ዝናብ ኣይዘነበን ዘራእቲ’ውን ኣይበቆለን እሞ ጽኑዕ ጥሜት ኮይኑ ኣሎ። ምናልባሽ ጎይታ እንተተዓረቐና ካብቲ መስቀል ሓደ ክፋል ልኣኹለይ ኢሉ ህያብ ሂቡ መልእኽተኛ ሰደደ። ሓሲቦም መኺሮም ይግቦኦ ኢዩ ኢሎም ወሰኑ እሞ፡ የማናይ ኢዱ ዝተሸንከረሉ (ዝተሰቅለሉ)፡ ስእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝሰኣላ፡ ስእሊ ርእሱ እናሃረምዎ (ስእለ ተኮርዖ) ገይሮም ለኣኹሉ። ናብ ስናር ዝተባህለ ቦታ ክቕበልዎ ወረዱ። ግብጻውያን ንመስቀል ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክህብዎ ሕራይ ከም ዝበለዎ ምስ ፈልጠ: ንመስቀል ክርስቶስ ዘምጽኡ10 ቅዱሳን ኣቦታት ገዳማዉያን መረጸ። ንሳቶም ከኣ፣
አቡነ ፊሊጶስ፡አቡነ ኅሩተ አምላክ፡አቡነ እንድሪያስ ፡አቡነ በትረ ማርያም ፡አቡነ ዮሐንስ፡ አቡነ ታዲዎስ፡አቡነ ያፍቅረኒ እግዚእ ፡አቡነ ዘካርያስ፡ አቡነ ያሳይን፡አቡነ ቶማስ ኢዮም።
ብዕልልታን ሓጎስን ተቐቢለሞ ክምለሱ ኸለዉ ተጻዒኖማ ዝነበሩ ባዝራ (ገልገል ፈረስ) ኣውዲቓቶም ኣብ መገዲ ዓረፉ።
ብድሕሪኦም ዝነገሰ ንጉስ ዘርኣ ያዕቆብ፡ ነዚ ኩቡር መስቀል ኣበይ እንተኣቐመጥኩዎ ይሓይሽ እናበለ ክሓስብ ከሎ ጎይታ “ኣንብር መስቀልየ በዲበ መስቀል” ንመስቀለይ ኣብቲ ትእምርቲ መስቀል ዘለዎ ኣቐምጦ በሎ። ኣዋጅ ኣዊጆም ብዓል ገይሮም በዚ ዕለት እዚ ኣብ ግሸን ማርያም ገበርዎ። ብዙሃን ማርያም ዝተባህለሉ በዚ እዩ (ዘመነ ንግስነት ንጉስ ዘርኣ ያዕቆብ 1427-1440 ዓ.ም)እዩ፡
ሰላም ለክሙ ጳጳሳት አዕማድ፡
318 በፍቅድ፡
በእንተ ማርያም ጳጦስ ፀዋሪተ ነድ፡
ንዑ ንዑ መምህራን ትባርኩነ ለውሉድ፡
እንዘ ትእኅዙ መስቀለ በእድ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ሎዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment


