ቅዱሳን ሰባት Church EditorNovember 19, 2024 at 5:14 pm1915 Views054321 0 (0 votes) ስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!! ፩፩/11 ኅዳር ዕረፍታ ለቅድስቲ ሃና ኣደ ወላዲት ኣምላክ ቅኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዓልትን፣ ወርሕን፣ዓመትን ንቅዱሳን፣ተክብርን፣ብዓቢይ ክብር ትዝክሮምን። ኣብ ቡሉይን፣ሓድሽ ኪዳን እትዝክሮም ቡዙሓት ቅዱሳን ኣለዉ። ካብዚኦም ቅዱሳን ኢልና ንጽዉዖም ዘለና ቅዱሳን ኣንስቲ ውን ኣለዋ ኢየን፣ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ጀሚርካ፣ ኣዝየን ናይ ቡዙሕ ቡዙሕ ቁጽሪ ዘለወን፣ ኣብ ኣጎልጉለት ውን ኣዝየን ቡሩትዓት ኣዴታት እየ። ቅዱሳን ኣንስቲ ዘበርከኦ እንተ ሪኢና፣ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መሪጾም ካብ ዚሰዓብዎ ሚእቲን ዕሥራን (120) ስድራቤት ኣማላኽ፡ እተን ሠላሳን ሽድሽተን(36) ቅዱሳን ኣንስቲ እየን። እዚእተን ከብቲ ዝተመርጻሉ ጊዜ ኣትኂዘን ክሳዕ መወዳእታ ንጐይታ ዝሰዓባን ዘገልገላን እየን። ኣብ ጊዜ ስቕለትው’ውን ንድኅሪት ኣይበላን። እዘን ቅዱሳን ኣንስት እዚኣተን ኣብ ዙርያ መቓብር ጐይታ’ውን ተረኺበን እየን። ቀዳሞት ምስክር ናይ ትንሣኤ’ውን ቅዱሳን ኣንስት እየን። ድኅሪ ትንሣኤ’ውን ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ከይተፈልያ ኣብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ዓቢይ እጃም ኣበርኪተን እየን። በብጊዜኡ ንጽሕናን ቅድስና ገንዘበን ብምግባር ነዚኣተን ኣርኣያ ገይረን መከራ ኣብ ዝጸንዓሉን ኣብ ዝበዝኃሉን ጊዜ ብናይ ክርስትና ጐደና ዝተጓዕዛ ኩለን ኣዴታት ቅዱሳን ኣንስት ይብሃላ። እንበኣር ንሎሚ ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ብዛዕባ ቅድስት ሃና ኣደ እመ ብርሃን ታሪኻ ክንርኢ ኢና። ሃና ማለት ብሃይማኖት ብምግባር ዝጸነዐት፡ ብንጽህና ብቕድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ክብርቲ ፍጥረት ማለት እዩ። አባ ዓርከ ሥሉስ ኣብ ስንክሳር ከምዚ ይብላ “ሓና ብፅዕት ተፈሥሒ እንበለ ንትጋ፡ እስመ ረከብኪ ሞገሰ ወአድማዕኪ ጸጋ፡ እምሔውተ አምላክ ትኩኒ በሥጋ/ ንኣምላኽ ብሥጋ ዓባዩ ንምዃን ሞገስ ረኺብክን ጸጋ ተዓዲልክን ኢኺ እሞ ብፅዕት ሓና ብዘይ ምቁራጽ ደስ ይበልኪ!” ይብል። ሓረግ ትውልድ ኣዴና ሃና ጴጥሪቃን ቴክታን ዝበሃል ሰባት ኣበ ኢዮርሳሌም ብቅዱስ መውስቦ ብሓንሳብ ይነበሩ ነበሩ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ዝኣምኑ ዝተፍተዉ ጻድቃን ሰባት ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ኣብ ቅድሚ ሰባትን እዚ ተርፍዎም ዘይብሃል ሰብ ጸጋ ነበሩ። ግና ውርሲ ዘውርስዎ ውላድ ኣይነበሮምን መኻናት እዮም ኔሮም። ሓደ መዓልቲ ጴጥሪቃ ንቴክታ ሓፍተይ እዚ ኩሉ ዘላን ሃብቲ እንውርሶ ሰብ የብልናን እንታይ ኢና ክንገብሮ። ንስኺ መኻን ኢኺ ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን እየ ብጀካኺ በላ። ንሳ ድማ ክቡር ሓወይ ኣምላከ እስራኤል ንዓይ ውላድ እንተኸልኣኒ ንሳኻውን ከማይ ኮንካ ክትተርፍ ᎒ ናብ ካልእ ከድካ ውለድ እንተበለቶ፣ ከዚ ነገር እንካን ክግበሮ ኣብ ሓሳበይ እካ ከምዘየለ ኣምላከ እስራኤል ይፈልጥ በላ። እንተኾነ ግና ብኡ ንብኡ ዘጸናንዕ ራእይ ረኣዩ፥ ፃዕዳ ብተይ ካብ ደንብኦም ክትወፅእ እታ ብተይ ብተይ እናወለደት ክሳዕ ሽዱሽተ ክትበጽሕ፣ እታ ሻድሸይቲ ወርኂ፡ እታ ወርኂ ድማ ፀሐይ ክትወልድ ተራእዮም። ኣብቲ ዓዶም ሕልሚ ዝፈትሕ ነበረ እሞ ናብኡ ከይዶም ነገርዎ። ንሱ ድማ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ረኣየኩም ብሳህሉ ከኣ መጊበኩም “ውላድ ክትወልዱ ኢኹም ሸውዓተ ጻዕዳ ብተይ ምውላድኩም ሸውዓተ ኣዋልድን ደቂ ደቅኹም ክትወልዱ ኢኹም። ናይ ወርኂ ነገር ግን ካብ ፍጡራን ልዕል ዝበለ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም ፤ ናይ ፀሐይ ነገር ግን ኣይተገለጸለይን፡ ከም ነቢይ ከም ንጉሥ ዝበለ ይኸውን” በሎም። እቲ ራእይ ካብ እግዚአብሔር ኮይኑ በዚ ጊዜ’ዚ ፀነሰት። ኣብ 9ተ ወርሑ ድማ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ንሽማ ሄኤሜን ኢሎም ኣውጽኡላ። ሄኤሜን ማለት ዘእምስእለትነ ዝብሂል ረከብነ (ዝተመባጻዕናዮ ረኸብና) ማለት እዩ። ሄኤሜን’ውን ኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ዴርዴ ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ’ውን ጓል ድማ ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ቶና ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ቶና ማለት ራእይ ሪኢና ነገር ረኺብና ዝወለድናያ ማለት እዩ። ቶና’ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ ሲካር ኢሎም ኣውጽኡላ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ሲካር’ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ሴትና ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ሴትና ማለት ሥርሓ ዝጸበቐ ምግባራ ዝሰመረ ጽብቕቲ ማለት ኢዩ። ሴትና’ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ሄርሜላ ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ሄርሜላ ማለት ካብ ሃብታማት ካብ ክቡራት ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ሄርሜላ ድማ ዓበየት ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብሻሙናይ መዓልታ ድማ ሃና ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ሃና ማለት ብሃይማኖት ብምግባር ዝጸነዐት፡ ብንጽህና ብቕድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ክብርቲ ፍጥረት ማለት እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቑጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቖጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ ኢየን ሃና’ውን ብሥርዓት ዓብያ ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ካብ ቤተ መንግሥት ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ ኢያቄም ንዝባሃል ሰብ ኣመርዓውዋ። ሃናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ከለዉ ውላድ ግና ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት ከኣ ውላድ ንኽህቦም ኩሉ ሳዕ ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ንብዙሕ ግዜ ቀጸሉ። ኩሉ ግዜ መባእን መሥዋዕትን ናብ ቤተ እግዚአብሔር የቕርቡ፡ ብተስፋ ከኣ ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ መኻናት ብምንባሮም ህዝቢ ኣይሁድ ኩሉ ግዜ የባጭውሎም ነበሩ። ስለዚ ድማ ንግሆን ምሸትን ተስፋ ብዘይ ምቍራጽ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ኵሉ ጊዜ ይጽልዩ ከምዝነበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይነግረና። ብኸምዚ ብዙኅ ዓመታት ምስ ኣኅለፉ፡ ኣሚኖም ንዝቐርብዎ እግዚአብሔር ቐረባኦም እዩ እሞ፡ ጸሎቶም ሰሚዑ ልመናኦም ተቐቢሉ ሓሳብ ልቦም ከምዘሥምረሎም ብምእማን ኣብ መወዳእታ ተመባጽዑ። ኢያቄምን ሃናን ክመበጻዑ ከለዉ ውላድ ክህቦም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቲ ዝተዋህቦም ውላድ ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነብር ክኸውን፡ ሰብ ዘየቐይም ንፈጣሪኡ እውን ዘየሐዝን ክኾነሎም ለመኑ። እንተወሊድና ሓሪስና ወሪድካን ደይብካን ሓግዘና ኣይንብሎን፡ እንታይ ደኣ ቤተ እግዚአብሔር ከምዘገልግል ክንገብር ኢና። ከምኡ እውን ጓል እንተደኣ ወሊድና ድማ ማይ ወሪድኪ ኣስትይና፡ ዕንጨይቲ ኣሪኺ ሓግዝና ኣይንብላን፡ እንታይ ደኣ ንቤተ እግዚአብሔር ዘድልዩ ነገራት እናሰርሐት ክትነብር ንቤተ እግዚአብሔር ክንህባ ኢና ኢሎም ተመባጽዑ። ካብ ዕለታት ብሓደ መዓልቲ ቅድስት ሓና፡ “ሎምስ ቤተ እግዚአብሔር ክስዕም ደልየ ነይረ፣ እንተኾነ ግና ብሰንኪ ክዳን ተሪፈ” ኢላ ናታ ኣብ ጎረቤታ ብዝሙት እትመኃደር ሰበይቲ ነገረታ። ንሳ ድማ፥ “ክዳን ደኣ ንኣይ 2ተ 3ተ ኣሎኒ ካብኡ ሓደ ተኸዲንኪ ዘይትኸዲ” በለታ። ቅድስት ሓና ግና፥ “ክዳንኪ ዝተኣከበ ብዓስበ ዝሙት ብዓስበ ደነስ እዩ። እግዚአብሔር ንጹሐ ባህርይ እዩ እሞ ንጹሕ ነገር ይፈቱ፣ ክዳንኪ ተኸዲነ እንተ ለመንክዎ ከመይ ኢሉ ይሰምዓኒ፧” በለታ። ንሳ ኸኣ “በሊ ሓና ኣነስ ብምንታይ ምኽንያት ውላድ ከሊእዋ እናበልኩ ይኃዝነልኪ ነይረ፣ ለካ ከም እምኒ ኣድሪቑኪ ከም በቕሊ ኣምኪኒኪ ዘሎ እዚ ክፍኣትኪ እዩ” ምስ በለታ ኣዝያ ኃዘነት። ከምኡ’ውን ክልቲኦም (ኢያቄምን ሓናን) መሥዋዕቲ ከነቕርብ ኢሎም ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ከዱ፣ እቲ ሮቤል ዝተባህለ ሊቀ ካህናት “ ‘ወኢይትዌከፍ መሥዋዕቶሙ ለመካናት/ መሥዋዕቲ መኻናት ኣይቅበልን እየ’ ከምዝብል፡ ንስኻትኩም ደኣ’ሞ “ብዝኁን ተባዝኁን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ ” ኢሉ ነቦና አዳም ዝሃቦ ጸጋ ዝኸልኣኩም ስለ ዝጸልኣኩም እዩ እምበር እንተ ዝፈትወኩም ደኣ ውላድ ዘይህበኩም” ብምባል “መሥዋዕትኹም ኣይቅበለኩምን እየ” ኢሉ ምቕባል ኣበዮም። ብተወሳኺ’ውን ካብ ኣዕሩገ እስራኤል እቶም ዝወለዱ ዝምገብዎ፣ እቶም ዘይወለዱ ግና ዘይምገብዎ ተረፈ መሥዋዕት ከሊኦሞም እናኃዘኑ ክምለሱ ከለዉ፡ ኣብ ጽላል ኦም ኣዕረፉ። ቅድስት ሓና ረጋቢት ምስ ደቀን ክጻወታ፥ ዕፀዋት ዓምቢቦም ፈርዮም ርእያ፥ “ረጋቢት ብባህርያተን ከም ዝራብሓ ከም ዝባዝኃ፣ ዕፀዋት ዓንቢቦም ከም ዝፈርዩ ዝገበርካ አምላኽ ንኣይ ደኣ ውላድ ዝኸላእካኒ ተፈጥሮይ ካብ እምኒ’ዶ ኾይኑ እዩ!” ኢላ ኃዘነት። እንሆ ድማ ዕለት 30 ሓምሌ፡ ሓና ንኢያቄም “ፀምር ከዕጥቁኻ መቆምያኻ ፈርያ ኵሉ ፍጥረት ክምገባ ርእየ” በለቶ። ኢያቄም ድማ ንሓና “ፃዕዳ ርግቢ 7ተ ሰማያት ሰንጢቓ መጺኣ ኣብ ርእስኺ ኽትዓልብ ፤ ብየማናይ ዕዝንኺ ኣትያ ኣብ ማኅፀንኪ ኽትኃድር ርእየ” በላ። ጊዜኡ በጺሑ ዕለት 7ተ ነሐሴ በፈቃደ አምላክ ድንግል ማርያም ተፀንሰት። ሓና ምስ ፀነሰት ብዙኅ ተኣምራት ተገብረ። ዓይኒ ስዉርቲ በርሴባ እትበሃል ዘመዳ “ሓና እግዚአብሔር ብረድኤት በጺሑኪ እዩ መስለኒ” ኢላ ንማኅፀና ዳኅሢሣ ዓይና ምስ ሓሰየቶ በርሃላ። ኵሎም ሕሙማን ነኣኣ ኣብነት ገይሮም ማኅፀና እናዳኅሠሡ ይሓውዩ ነበሩ፣ ሓደ ሳምናስ’ዝተባህለ ቤተ ሰባ ሞተ’ሞ ቅድስት ሓና ኣዝያ ትፈትዎ ስለዝነበረት ንእግዝእትነ ማርያም ፀኒሳ ነቲ ዝነበሮ ዓራት እናዞረት ከተልቅስ ከላ ጽላላ ምስ ዓረፎ ካብ ምውታትን ተንሢኡ ከምዚ ኢሉ ኣመስገና፣ ሰላም ለኪ ኦ እምሔውቱ ለዘገብረ ሰማየ ወምድረ” “ሰላም ንኣኺ ዓባይ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ”ኢሉ ኣመስገና። ድኅርዚ አይሁድ ንኽፍኣት ኣየዕርፉን እዮም’ሞ “ቅድሚ ሕጂ ካብዚኦም ወገን ዝኾኑ ዳዊት ሰሎሞን ኣረርብዓ ዓመት ከም ገልዒ ቀጥቂጦም ከም ስምዒ ኣምኪኾም ገዚኦምና ነበሩ። ሕጂ ድማ ካብዚኣ ዝውለድ እንታይ ይገብረና ይኸውን፧” ኢሎም ብዓይኒ ጽልኢ ጠመትዎም። ኣቐዲሙ ጥበበኛ ሰሎሞን “እምሊባኖስ ትወፅእ መርዓት” (መኃ. 4፡8) ኢሉ ከምዝተዛረበ መልአከ እግዚአብሔር ድማ ንኢያቄም ኂዝካያ ናብ ኣድባረ ሊባኖስ ኪድ ኢልዎ ምስ ከደ 1 ግንቦት ቅድስት ሓና ንድንግል ማርያም ወለደታ። ቅድስት ሓና፡ ካብ ብዝኂ ፍቕራ ዝተላዕለ ክሳብ ጓል ሠለስተ ዓመት ካብ ሑቕፋ ፈልያታ ኣይትፈልጥን ነበረት። ድንግል ማርያም ጓል መብጽዓ ስለዝኾነት 3ተ ዓመት ምስ ገበረት ሓና ንኢያቄም፥ “እዛ ቈልዓ ከብዳ ዘመድ ከይፈተወ፣ ኣፋ እንጌራ ከይለመደ ወሲድና ከም መብጽዓና ነወፍያ። ‘ዝሃበ እንተ ወሰደ ኣይብልዎን ዕደ’ ከም ዝበሃል ሓደ ነገር እንተ ኾይና ኣይ ምስ ጓልና ኣይ ምስ አምላኽና ሓዲግ መዲግ ኴንና ከይንተርፍ” በለቶ። ንሱ ድማ፥ “ኣነ ደኣ ፍቕርኺ ክትውድኢ ኢለኪ እየ እምበር ፍቓደይ’ዶ ኣይኮነን!” በላ። በዚ ኸኣ 3 ታኅሣስ ወሲዶም ናብ ቤተ መቅደስ ኣወፈይዋ። እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ካብ ዝህቦም ጸጋ ንላዕሊ ቅድስት ሓና፡ ኣደ ወላዲተ ክርስቶስ ክትከውን በቒዓ ወትሩ እናተዘከረት ትነብር ኣላ። ብፍላይ ድማ 11 ኅዳር ዝዓረፈትሉ ዕለት፡ ስማ እናተጸውዐ ታሪኻ እናተተረኸ ብቅኔን ያሬዳዊ ዜማን ጸሎተ ቅዳሴን “ሰአሊ ለነ፣ ሰላም ለኪ፡ ስብሐት ለኪ” እናተባህለት ትዝከር ኣላ። መቃብራ ውን ኣብ ኢዮርሳሌም ጌተ ሰማኒ ምስ መቃብር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። በረከት ረዲኤትን ናይ ቅድስት ሃና ምስ ኩላትና ህዝብ ክርስቲያን ይኩን። ድስቲ ሃና ኣደ ወላዲተ ኣምላክ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን! Leave a comment